እዚ 2ይ ክፋል ትርጉም ናይ፣ቲ “ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፥ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤሪትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Africa Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢዩ።
ስልጣን እቶም ካብ ኣምሓራ ዝመበቆሎም ገዛእቲ ምድረሓበሻ ብዝተዳኸመ፡ ኣብ ሰሜናዊ ወሰናስን ግዝኣቶም፡ ስግር ሩባ መረብ፡ ዝነበሮም ቁጽጽር ክዳኸም ጀሚሩ። እቶም ሰሜን ሩባ መረብ ብሓውሲ-ክቢ ካብ’ቶም ትግርኛ ዝዝረበሎም ከባቢታት ንሸነኽ ሰሜን ተዘርጊሖም ዝነበሩ፡ ናብ ንግስነት ምድረሓበሻ’ውን ምሉእብምሉእ ፈጺሞም ተዋሃሂዶም ዘይፈልጡ እስላማውያን ቦታታት ፈለማ ካብ ሃጸያዊ ቁጽጽር መሊቖም ወጺኦም። ኣብ መወዳእታ 17 ክፍለዘመን ዓመተምሕረት፡ ሰሜን መረብ ዝነበሩ ዞባውያን ኣማሓደርቲ ካብ ቀጥታዊ ምትእትታው ቤተ-መንግስቲ ምድረሓበሻ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያቶም ነጻ ክኾኑ ኪኢሎም። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ንኣኽብሮት ዝግበር ዘይስሩዕ ምኽፋል ግብሪ ተሓጺሩ ተሪፉ። ንሃጸይ ምድረሓበሻ ህያባት ምሃብ ብፍላይ ከባብያውያን ኣማሓደርቲ ናብ ስልጣን ኣብ ዝድይብሉ ግዝኣቶም ሕጋውነት ንምልባስ ሃጸያዊ ደገፍ ኣብዝደልይሉ ክፍጽምዎ ዝግደዱ ኮይኑ።
ሽመት ባሕሪ ነጋሽ ሃጸያዊ ደገፍ ብምስኣኑ ኣገዳስነቱ ኣጥፊኡ። ተሓዝቱ ኣብ ልዕሊ’ታ ሰሜን መረብ እትርከብ ጥንታዊት ግዝኣት ስልጣኖም ከጽንዑ ፈጺሞም ኣይከኣሉን። እቲ ሽመት ካብ ርሑቕ ብሃጸይ ምድረሓበ ብቐሊል ክፍሊት ንማንም ድኹም ኣብ ሰሜን መረብ ዝርከብ ንመሰል ምጥቃም እቲ ሽመት ክዕድግ ፍቓደኛ ዝዀነ መስፍን ዝዕደል ባዶ ድርዒ ኮይኑ። ኣብ ማእከላይ 18 ክፍለዘመን ዓመተምሕረት፡ ሰሜን መረብ ዝርከቡ ዞባውያን ገዛእቲ ኣብ ስልጣን ንምድያብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምሕታት ፍቓድ እቶም ርሑቓን ሃጸያት ምድረሓበሻ ሓዲገሞ። ግንከኣ ዋላ’ኳ ካብ ሃጸያዊ ቁጽጽር ነጻ እንተዀኑ፡ እዞም ንኡሳን ገዛእቲ ንገዛእ ርእሶም ከም ኣካል ምድረሓበሻ ምሕሳብ ኣየቋረጹን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ግዝኣት ምድረሓበሻ’ውን ፈጺሞም ፖለቲካዊ ናጽነቶም ኣይኣወጁን። ኣብ ማእከላይ 18 ክፍለዘመን ዓመተምሕረት፡ እታ ሰሜን መረብ ዝነበረት ጥንታዊት ግዝኣት ባሕሪ ነጋሽ ናብ ብዙሕ ዝዓይነተን ናጽነተን ብቕንኢ ካብ ጎረባብተን ዝሕልዋ ናኣሽቱን ደቀቕትን ንኡሳን ልእልነታት ተገማሚዓ። ከባብያውያን መራሕቲ ግዝኣቶም ብዋጋ ጎረባብቶም ንኸስፍሑ ይፍትኑ ብምንባሮም ነፍሲወከፈን ኣብ ዘየቋርጽ ውግእ ሕድሕድ ተጸሚደን።
ተመሳሳሊ መስርሕ መስፍናዊ ምፍንጫል ኣብ ደቡብ መረብ ኣብ ዝነበረ መሬታት ትግርኛ ኣጋጢሙ። ሽሕ’ኳ ፖለቲካዊ ምግምማዕ ዝሓሸ እንተነበረ፡ ዝተፈላለዩ ከባብያውያን ጎይቶት ነታ ግዝኣት ትግሬ መኮነን ዝነበረት ጥንታዊት ግዝኣት ብምልኣ ንምቁጽጻር ነሓድሕዶም ይወዳደሩ ነይሮም። እንተዀነ ግዳ ምስ ኣብ ሰሜን መረብ ዝተራእዩ ምዕባሌታት ክነጻጸር ከሎ፡ ፖለቲካ ደቡባዊ ግዝኣት ትግርኛ ምስ ሃጸያዊ ቁርቁሳት ስልጣን ጥቡቕ ምትሕሓዝ ነይርዎ። ንምሉእ ምቁጽጻር ግዝኣት ትግሬ መኮነን ነበር ዝተሓናነቑ ዝነበሩ ኣውራጃውያን ጎይቶት፡ ኩሉ ጻዕሮም መሪሕ መስፍን ምድረሓበሻን ሕቖ ሃጸያዊ ዙፋንን ንምዃን ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ከኣ ኢዩ ኣብ መጀመርታ ክፋል 18 ክፍለዘመን፡ ኣብ’ቲ ትግርኛ ዝዝረበሉ ቦታታት ምስ ግዜ ናብ ምቕልቃል ዝተፋላለየ ሰፋሕቲ ፖለቲካውን ማሕበረ-ባህላውን መንነታት ኣብ ክልቲኡ ደንደሳት ናይ’ቲ ጥንታዊ ውሽጠ-ትግርኛዊ ዞባዊ ሩባዊ ዶብ ዘስዓበ መስርሕ ዝጀመረ።
ዝማዕበሉ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብዘየገድስ ግን፡ ኣብ ክልቲኡ ከባቢታት ዝቕመጡ ኣህዛብ ናይ ሓበሻ ምዃን ሓያል ስሚዒት ኣይገደፍዎን። እንተዀነ ኣብ ውሽጢ ባህሊ ሓበሻ ክንሶም፡ ካብ ኣምሓራ ዝተፈልየ ነብሱ ዝኻኣለ ጉጅለ ከም ዘለዎም ይኣምኑ ነይሮም። ከባብያውያን ፍልልያት ኣብ ነፍሲወከፍ ሓውሲ-ዞባ ምድሪ ትግርኛ እንተዀኑ’ውን ጉሉሓት ኢዮም ነይሮም። ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ርክባት ኣብመንጎ ኣብ ዶብ መረብ-በለሳ ዝርከባ ኣውራጃታት ካብ ምስዝመስልአን ኣብ ውሽጢ ንኡስ ዞብአን ዝርከባ ካልኦት ኣውራጃታት፡ ዝያዳ ዝተረረ ምዃን ዘይልሙድ ኣይነበረን። ሓደ መርኣያ ንምጥቃስ፡ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ክፋል ኣውራጃ ሰራየ ኤሪትራ ዝርከብ ህዝቢ ቆሓይን ካብ ምስ ንሰሜን ዝነበራ ኣውራጃታት ሰራየ ወይውን ሓማሴን፡ ምስ ኣብ ደቡብ መረብ ዝነበሩ ጎረባብቱ ዝያዳ ዝበዝሕ ርክባት ነይርዎ።
ፖለቲካዊ ምርሕሓቕ ከበሳውያን ተዛረብቲ ትግርኛ ካብ’ቶም ኣብ ደቡብ ሩባ መረብ ዝነበሩ ተጋሩ ጎዶብኦም እንዳተጋደደ ከይዱ። ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ክፋል 18 ክፍለዘመን ድማ ኣብ ትግራይ ዓብሊሉ ዝነበረ ጎይታኲናት ሚካኤል ሱሑል፡ ምልኪ ቤተ-መንግስቲ ጎንደር ንምርግጋጽ ኣብዝገብሮ ጻዕሪ ዘድልዮ ናይ ስንቅን ዕጥቅን ደጀን ንምግፋሕ ብዝብል ንከበሳ ኤርትራ ምስወረረ ናብ ምጉናይ ገጹ ተለዊጡ። እዚ ኣብ ዝተመዝገበ ታሪኽ፡ ገዛኢ ትግራይ ንከበሳ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክዕብልለሉ ዝፈተነ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ነይሩ። ኣብ ሕሉፍ፡ ባሕሪ ነጋሽ ምስ ሃጸያዊ ዙፋን ዝፈጠሮ ምትእስሳራት ከምኡ’ውን ቐጥታዊ ርክብ ናብ ውህደት ንኡሳን ልእልነታት ከበሳ ኤርትራ ምስ ምድረሓበሻ ከምርሕ ከሎ፡ ሚካኤል ሱሑል ግን ንንኡሳን ገዛእቲ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ትግራይ ብምቑራን ከዋሃህዶም ፈቲኑ።
ሓይሊ ራእሲ ሚካኤል ሱሑል ምስተዳኸመ፡ ኣብ ከበሳ ኤርትራ ዘስገደዶ ምልኪ ተጓዲሉ። ኣብ መወዳእታ መዓልታት ዕድሚኡ መብዛሕትኡ ከባቢታት ከበሳ ካብ ግዝኣቱ ድሮ ናጽነቱ ኣምሊሱ ነይሩ። እንተዀነ ግዳ፡ ንግዚኡ ዝተዓወተሉ ወረራ ከበሳ ኤርትራ ንድሕሪኡ ዝሰዓቡ ኣብነት ኮይኑ። ካብ’ዚ እዋን ንድሓር፡ ኩላቶም ኣብ ምድረሓበሻ ፖለቲካዊ ጽልዋ ከሕድሩ ዝሃቀኑ ጎይቶት ኲናት ትግራይ ዕብለልኦም ኣብ ምሉእ ትግራይ ከስፋሕፍሑ ጥራሕ ዘይኮኑ፡ እንኮላይ ንከበሳ ኤርትራ ኣብ ቀጥታዊ ቁጽጽሮም ከእትውዎ ፈቲኖም። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ ኣብ መጀመርታ ክፋል 19 ክፍለዘመን ኣብ ትግራይ ዝገዝኡ መሳፍንቲ ኲናት ከም በዓል ራእሲ ወልደስላሴ፡ ሳባጋዲስ፡ ምልኪ ስልጣን ኣብ ፖለቲካ ምድረሓበሻ ንምጭባጥ ንዘካይድዎ ጻዕሪ ንምብርታዕ ብምባል ብዝተፋላለየ መንገዲ ንከበሳ ኤርትራ ክወሩ ዝተጋደሉ። ካብ’ዚ ብዘይፍለ፡ ኣብ ማእከላይ ክፋል 19 ክፍለዘመን፡ ካብ ሰሜን ዝተላዕለ ራእሲ ዉቤ መጀመርታ ንትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ድሕሪ ምእታዉ ቀጺሉ ንከበሳ ኤርትራ ወሪሩ። ዋላ’ኳ ኣምሓራይ እንተነበረ፡ ካብ ትግራይ ተበጊሱ ዘካየዶ ወረራ ከበሳታት ኤርትራ ግን ነቲ ራእሲ ሚካኤል ሱሑል ዝጀመሮ ዝምባሌ ጎበጣ ከበሳ መሊሱ ኣትሪርዎ።
ተደጋጋሚ ምስኣን ወድዓዊ ናጽነቶም ብሰንኪ ጎይቶት ትግራይ ንንኡሳን ኣማሓደርቲ ከበሳ ኤርትራ ኣቐይምዎም። ካብ ኣብ ጎንደር ዝነበሩ ኣምሓሩ ሃጸያትን ብርቱዓት መሳፍንቲ ኣውራጃታት ኣምሓራን ንላዕሊ፡ ንጎይቶት ትግራይ ከም ቀንዲ ሓደጋ ንፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታቶም ክጥምትዎም ጀሚሮም። እንተዀነ ግና፡ ካብ ግዜ ሚካኤል ሱሑል ጀሚሮም ኣብ ንኡሳን ልእልነታት ከበሳ ባህጊ ስልጣን ዝነበሮም ውልቀሰባት ሃቐንኦም ንምትግባር ደገፍ ጎይቶት ትግራይ ይደልዩ ነይሮም። እዚ ንገዛእቲ ትግራይ ጽልውኦም ኣብ ከበሳ ኤርትራ ከደልድሉን ዳኛታት ኣብውሽጢ ከበሳ ኤርትራ ዝፍጠሩ ግጭታት ክኾኑን ሓጊዝዎም። ብዙሕሳዕ፡ ህንጡያት ልኡላት ፈለማ ምስ ጎይቶት ኲናት ትግራይ ብምውጋን ኣብ ኣውራጅኦም ስልጣን ይሕዙ’ሞ ብድሕሪኡ ኣንጻር ገበርቲ ጽቡቖም ነበር ብምትንሳእ ንዝያዳ ናጽነት ይቃለሱ ነይሮም። ሓደ መርኣያ ናይ’ዚ፡ ምግልባጥ ዝመልኦ ታሪኽ ካብ ቤት ሃዘጋ ሓማሴን ዝዀነ ደጊያት ሃይሉ ኢዩ። ኣብ ሂወቱ በብእዋኑ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ቀጻሊ ምስ ቀንዲ መቓናቕንቱ ዝዀኑ ቤት ጸዓዘጋ ንዕብለላ ከበሳን ዝያዳ ናጽነት ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ንምጉንጻፍን ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ጎይቶት ኲናት ትግራይ ዝውላዕን ዝጠፍእን ምሕዝነታት ፈጢሩ።
ጎይታ ኲናት ካሳ ወዲ ቋራ፡ ቴድሮስ ካላኣይ ተባሂሉ ናብ ሃጸያዊ ዙፋን ኣብ 1855 ምስደየበ፡ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ክፍለዘመን ዝገበረ መስፍናዊ ምብትታንን ሓድሕደ-ህልቂታዊ ኲናት ኣብመንጎ መስፍናውያን ጎይቶት እቲ ግዝኣትን፡ ተሪር ሃጸያዊ ኣገዛዝኣ ዳግማይ ከቑም ፈቲኑ። ንዳግመምምእካል ሃጸያዊ ስልጣን ዝገበሮ ሃቐና፡ ንዝጸንሐ ውህደት ትግራይ ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት ምድረሓበሻ ጥራሕ ኣደልዲልዎ ዘይኮነስ እንኮላይ ንከበሳ ኤርትራ ድሕሪ 17 ክፍለዘመን ተራእዩ ዘይፈልጥ ተሳትፎ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ምድረሓበሻ ክህልዎ ጌሩ። ኣብ ውሽጢ ከበሳ ንልዕልና ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ዓወታቶም ንምዕዛዝ ብዝብል መቐናቕንቲ ጎይቶት ገዛእቲ ቤታት ከበሳ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሃጸይ ወይ ኣብ ጎድኒ በብእዋኑ ዝተላዕሉ መቐናቕንቱ ይስለፉ ነይሮም።
ድሕሪ ሃጸይ ቴድሮስ ኣብ 1868 ምርኮኛ እቲ ኣብ መቕደላ ኣብ መንበሪኡ ዝኸበቦ ብሪጣንያዊ ሰራዊት ከይከውን ክብል ርእሰቅትለት ምፍጻሙ፡ ሓያል ግጭት ኣብመንጎ እቶም ዝተፈላለዩ ንሃጸያዊ ዙፋን ንምሓዝ ዝሃቀኑ መሳፍንቲ ተባሪዑ። ነፍሲወከፎም ድማ ካብ መቐናቕንቲ ጎይቶት ከበሳ ኤርትራ ደገፍቲ ነይረሞም። ትግራዋይ ጎይታ ኲናት ወዲ ተምቤን ካሕሳይ ኣብ መወዳእትኡ ዕዉት ወራሲ ዙፋን ኮይኑ። ኣብ 1872 የውሃንስ ራባዓይ ብዝብል ስም ሃጸይ ምድረሓበሻ ኣቢሉ። ብሳላ ነቲ ኣንጻር ቴድሮስ ዝተላእከ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብትግራይ ኣብ ዝሓለፈሉን ኣብ ከበባ መቕደላ ከሎን ዘቕረቦ ኣገልግሎት፡ ከም ገጸበረኸት ዝተዋህቦ ኣጽዋር ስልጣን ክሕዝ ኪኢሉ።
ምስ ምድያብ ትግራዋይ ካሕሳይ ናብ ሃጸያዊ ዙፋን፡ ንከበሳ ኤርትራ ወረራ ትግራይን ሃጸያዊ ግዝኣትን ሓደ ዓይነት ኮይኖም። ልክዕ ከም ቅድሚኡ ዝነበረ ሃጸይ ቴድሮስ፡ ሃጸይ የውሃንስ ራባዓይ ምስ ከባብያዊ ዕብለላ ኣንጻር መቐናቕንቶም ንምስፋን ደገፉ ዝደልዩ ከባብያውያን ኣማሓደርቲ ብምውጋን ሃጸያዊ ግዝኣት ኣብ ከበሳ ኤርትራ ከጎልብት ፈቲኑ። ኣብ ማእከል 1870ታት ግብጺ ንከበሳታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ንምእታው ብንጥፈት ክትሰርሕ ምስጀመረት ነገራት ዝያዳ ተሓላሊኾም። ነዛ ሓዳሽ ተሳታፊት ዞባዊ ጸወታ ሓይሊ ከም ኣብ መዓላ ክትውዕል እትኽእል ጸጋ ብምርኣይ፡ ኣንጻር መቐናቕንቱ ደቂ ሃዘጋ ተዓዊቱ ልዕልና ከበሳ ንምጭባጥ ከምኡ’ውን ተወሳኺ ናጽነት ካብ ትግራዋይ ሃጸይ ምድረሓበሻ ንምጉንጻፍ ዘካይዶ ቃልሲ ንምብርታዕ ብማለት፡ ካብ ጸዓዘጋ ዝዀነ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሙን ሓገዝ ግብጺ ክደሊ ጀሚሩ።
ኣብ መወዳእትኡ የውሃንስ ንራእሲ ወልደሚካኤል ብምስዓር፡ ኣብ 1879 ነቲ ዝኣምኖ ደጋፊኡ ወዲ ተምቤን ኣሉላ፡ ራእሲ ሸይሙ ኣብ መብዛሕትኡ ሰሜን ካብ መስመር መረብ-በለሳ ዝርከብ ቦታታት ክገዝእ መዚዝዎ። ራእሲ ኣሉላ ዋና መአዘዚኡ ኣብ ኣስመራ ብምትካል ሰሜናዊ ወሰናስን ግዝኣት ምድረሓበሻ ካብ ግብጺ ንምክልኻል ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኣቚሙ። ሓደሓደሳዕ ክሳብ 10,000 ዝቑጸሩ ተጋሩ ተዋጋእቲ ዝሕዝ ገዚፍ ዝተዓጥቀ ኮር ድማ ዓንዲ-ሕቖ ግዝኣቱ ነይሩ። ብኸም’ዚ ከኣ የውሃንስ ራባዓይ ካብ 16 ክፍለዘመን ንድሓር ቀዳማይ ንከበሳ ኤርትራ ኣብ ቀጥታዊ ግዝኣት ዘእተወ ሃጸይ ምድረሓበሻ ኮይኑ።
ኣብ መንጎ ጎይቶት ከበሳን መዘናታቶም ጎይቶት ትግራይን ዝነበረ ምትሕግጋዝን ባእስን ዝበዝሖ ኣደናጋሪ ርክባት ብዘየገድስ፡ ጎይቶት ኲናት ትግራይ ከበሳ ኤርትራ ንምጉባጥ ዝገበርዎ ተደጋጋሚ ፈተነታት ንፖለቲካዊ ምንጽጻል ተቐማጦ ከበሳ ኤርትራ ዝዀኑ ሰሜናውያን ተዛረብቲ ትግርኛ ካብ’ቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ደቡባውያን ተዛረብቲ ትግርኛ ኣንሂርዎ። ደቂ ከበሳ ንደቡባውያን ጎረባብቶም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብዓይኒ ጥርጣሬ ክጥምትዎም ጀሚሮም። ዋላ’ኳ መዓልታዊ ንጥፈታት ሂወት ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ኣውራጃታት ከም ቅድሙ እንተቐጸለ፡ ኣብ ህዝባዊ ባህልታት ከበሳን ትግራይን ቀስብቐስ ልሙዳት ኣባህላታት ብዛዕባ ሓድሕዶም ክቕልቀሉ ጀሚሮም። እንዳዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ፖለቲካውን ማሕበረ-ባህላውን ምንጽጻል ካብ ናይ ቀረባ ደቡባውያን ጎረባብቶም ብዘየገድስ ግን፡ ተዛረብቲ ትግርኛ ከበሳ ብሓፈሽኡ ኣካል ናይ ሓበሻ ዝዀነ መንነት ዓቂቦም ከምኡ’ውን ምስ ኣምር ምድረሓበሻ ምትእስሳሮም ኣይበተኹን። ግን ከኣ ኣካል ናይ’ቲ ብጉይትትና ትግራይ ዝምእከል ግዝኣት ምዃን ኣጽኒዖም ነጺገሞ።
ከበሳውያን ብዛዕባ ደቡባውያን ጎረባብቶም ዝነበሮም ኣሉታዊ ስምዒት ምስ ምድያብ ናብ ዙፋን ምድረሓበሻ ወዲ ተምቤን ካሕሳይ፡ ኣብ ትሕቲ የውሃንስ ራባዓይ ዝብል ስም፡ ኣዚዩ ቢኢሱ። ዘመነ ስልጣኑ ጥርዚ ናይ’ቲ ብትግራይ ዝተማእከለ ዳግመ-ምርግጋጽ ቁጽጽር ምድረሓበሻ ኣብ ልዕሊ ከበሳ ኤርትራ ኣመልኪቱ። ልዕሊ ኩሎም ኣቐዲሞም ብጎይቶት ኲናት ትግራይ ዝተገብሩ ፈተነታት ጐበጣ ከበሳ ኤርትራ፡ ዘይምእሙእ ኣገዛዝኣ ራእሲ ኣሉላ ንምርሕሓቕ ክልቲኦም ኣዝማድ ኣህዛብ ዝያዳ ኣበርክቶ ነይርዎ።
ኣብ ዝቕጽል ክፋል ኣብ እዋን መስርሕ ምምስራት መግዛእቲ ጣልያን ዝነበሩ ርክባት ተዛረብቲ ትግርኛን ውጽኢቶምን ክንትንትን ኢና።