መቕጻዕትታት ጸርፊ ብሕግታት ስርዓት እንዳባ ከበሳ ኤሪትራ

ሕብረተሰብና ክብርታቱን ተመኩሮታቱን ዘንጸባርቑ ብዙሓት ልምድታትን ሕጋጋትን ኣለዎ። ኣብ’ዚ ጸርፊ ከም ንቡር ተቘጺርሉ ዘሎ እዋን፡ ኣቦታትና ብዛዕባ ክፉእ ኣፍ ዝነበሮም ኣመላኽታን ንምውጋዱ ዝሓገግዎም ሕጋጋትን ምቕራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ስለ’ዚ ድማ ኢየ ብዛዕባ ፍርዲ ጸርፊ ኣብ ሕጊ እንዳባ ከበሳ ኤሪትራ ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ዓንቀጽ ኣዳልየ ዘለኹ።