እዚ ሻዱሻይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ ዝተዳለወ ኢዩ።3 ኣብዚ ዓንቀጽ፡ ንቈጽለታያትን ተዛመድቲ ኣኻውሕን መሰጋገሪ ወይ ማእከላዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ምቕራብ ክንቅጽል ኢና።

ኣብ ቁልቁለታት እምባ ኣባ-ገሪማ፡ ባይታ ናይቲ መንገዲ ካብቲ ነቲ ቈጽለታይ ዝመሳቐል መትንታት ዝመጸ ጻዕዳ ጥምቢሓቒቕ ዝተሸፈነ ኢዩ። ኣብቲ ዓዲመጣርዕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ጸጋም ዘሎ ስንጭሮ ዝርከብ ቈጽለታይ ከውሒ ስጉድን ሰምያውን ኢዩ። እቶም ጽፉፋትን ተረርትን ደንጎላታት ቈጽለታያት፡ ንቀጸላታቶም ዝቘርጽ ኣዚዩ ቀጢን መትንታት ጻዕዳ ጥምቢሓቒቕ ዝሓዙ ኢዮም።

እቲ ኣብ ዙርያ ዓድዋ ዝሕረስ ምህሙን ሓመድ ብካብቶም ነቲ እታ ከተማ እትርከበሉ ጋብላመሬት ዝኸበቡ እምባታት ዝመጸ ዋላኻዊ ጭንጫ ዝተፈጥረ ኢዩ። ዓድዋ ነቶም ንዝበዝሐ እቲ መሰረት ኩሎም መሬታት ትግራይ ዝዀነ መሰጋገሪ መሬት ዘቘሙ ቈጽለታያት ንምጽናዕ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ከባቢታት ኢዩ። ሓፈሻዊ ኣንፈት እቶም ኣብ ዙርያ ዓድዋ ዘለዉ ቀጸላታት ቈጽለታያት ዳርጋ ካብ ሰሜንምብራቕ ናብ ደቡብምዕራብ ኢዩ።

ሰሜን-ምዕራባዊ ክፋል ዓድዋ ኣብ መሰረቶም ብፈለግ ዓሳም ዝጥልቅይ ፍጹማት ኣኻውሕ ዝተደኰነ ኢዩ። ፈለግ ዓሳም ብሓባጥጎባጥ ከብዲ ሩባን ብመንጎ ዝተነጸሉ ደንጎላታት ቈጽለታይን ይውሕዝ። ኣብዚ ቦታ ዘሎ ቈጽለታይ ተሪርን ስጉድን ኰይኑ፡ ሰምያው ጨብራይ ከምኡ’ውን ምስቲ ስርዓተኣፈጣጥራ ናይቶም ቀጸላታት ብዘይምዕሩይ መንገዲ ብዝተሰርዐ ጻዕዳ ጥምቢሓቒቕ ዝተመትነ ኢዩ። ቁሩብ ካብቲ ከብዲ ሩባ ልዒሉ፡ እቲ ቈጽለታይ ዝያዳ ፍሉጸኛ ይኸውን፡ ናብ ዓፍራይፍሉጻይ ይሳገር፡ ከምኡ’ውን ብመኽንያት ምቡኽባዅ እቶም ኣብቲ ቦታ ተባታቲኖም ንረኽቦም ስልዒታዊ ሓወይቶታት (ማርቋሺሻ) ሓደሓደ እዋን ቁሩብ ቅይሑው ዝበለ ሕብሪ ዝሓዘ ሓቀኛ ንጻል ይፈጥር።

እቶም ክሳብ ጽፍሒ ናይቶም ኣብ ቅድሚ ዓድዋ፡ መንጽር ወገን ፈለግ ዓሳም፡ ዝሕረሱ ምህሙናት ሓመዳት ዝበጽሑ ቈጽለታያት ዋላኻዊ-ዓፍረኛ ይዀኑ፡ ከምኡ’ውን ዳርጋ ብዙሕ መጠን ስልዒታዊ ሓቒቓት ማርቋሺሻ ዝሓዙ ኢዮም። ንክልሰሓሳብ ኣፈጣጥራ ሓቒቓት ማርቋሺሻ ኣገዳሲ ክበሃል ዝኽእል ክውንነት ክንጠቅስ። እዚ ድማ እዞም ሓቒቓት፡ ኣብ ዓፍራይፍሉጻይን ኣብ ቈጽለታይን፡ ብቅርፍቲ ጥምቢሓቒቕ ዝተኸቡ ምዃኖም ኢዩ። ብሓቒቓት ጥምቢሓቒቕ ዝተደርዑ ኢዮም ዝመስሉ። ስለዝዀነ፡ ጽጻር ምናልባት ኣብቲ እዋን ምፍጣሮም ናብ ከባቢኦም ዝተሳሕበ ክኸውን ይኽእል፡ ብዝያዳ ከኣ ናብ ላዕለዋይ ክፋል እዞም ሓቒቓት።

ኣብ እምባ ሸሎዳ፡ እቶም ቈጽለታያት ካብ 55° ክሳብ 40° ኩርንዒት ናብ የማንን ጸጋምን ናይቲ ቁልቁለት ዝቐነኑ ኢዮም። ናብ ጫፍ እቲ እምባ ገጽ፡ እቶም ቈጽለታያት ምሉእብምሉእ ትኹላት ኰይኖም፡ ኣብ ሸነኽ ሰሜንምብራቕ-ደቡብምዕራብ ብርጉዱ ካብ 1 ሜትሮ ክሳብ 2.5 ሜትሮ ዝፈላለ መትኒ ጥምቢሓቒቕ ዝተቘርጹ ኢዮም። እቶም ቈጽለታያትን ቈጽለታያዊ እምኒሑጻታትን ሓደሓደሳዕ ብኣደንገረታያት ዝተሸፈኑ ኢዮም። ምስኣቶም ብምልጋብ ከኣ እቶም ቈጽለታያት ይምሽምሹ። ትርኢታት ከምዘመልክትዎ፡ እቲ ምምሽማሽ ካብ ተመላላሲ ተግባር ሓጺን ኦክሲጂናይን ዕረጨውን ዝሰዓበ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ፡ መላእ ኣካሉ ሓደሓደሳዕ እውን ብቐጸላታት፡ ኩሊታትን ጥረታትን ለሰታይ ሓጺን ይሽፈን። ስብርባራት ናይዚ ከኣ ኣብ ሰሜንምዕራብ ቁልቁለት ናይቲ እምባ ዝተበተነ ኢዩ። እንተዀነ ግና ርእሲ እቲ እምባ ብኣደንገረታያዊ ከውሒ ዝቘመ ኰይኑ፡ ዝተነጸሉ ደንጎላታት ናይዚ ከኣ ንኽትድይቦ ኣሸጋሪ ይገብርዎ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ንማእከላይ ገምጋም ኣንፈታት እቶም ቀጸላታትን እምባታትን ብምውርራድ፡ ሓፈሻዊ ሸነኾም ካብ ሰሜንምብራቕ ናብ ደቡብምዕራብ ከምዝዀነ ንርዳእ።

ሸሎዳ ሓዲግና ካብ ዓድዋ ናብ መረብ ክንከይድ ከለና፡ ገና ቈጽለታያትዓፍራይ-ፍሉጻያት ከምኡ’ውን ካልኦት ምስ ቈጽለታያት ዝምደቡ በብዓይነቶም ኣኻውሕ ንርኢ። ኣብ ሩባ ማይ-ተራ፡ ካብ 50° ክሳብ 55° ዝቐይነነ፡ ከምኡ’ውን ብካብ 1.5 ክሳብ 2 ሜትሮ ዝርጉዶም መትንታት ጻዕዳ ጥምቢሓቒቕ ዝተመሳቐለ ዳርጋ ዝቦኽቦኸ ቈጽለታይ ኢዩ። ኣብ ደብረ-ሲናን ነጋህን ግና እቲ ቈጽለታይ ብነበረታያት፡ ኣደንገረታያት፡ ወዘተ ዝተቘርጸን ዝተኸድነን ኢዩ። ኣብ ወሓዚ ማይ-ሃናሆ፡ እቲ ጥሩሑ ዝዀነ ቈጽለታይ በቶም ካብቲ ኣጻድፍ ዝተነጸሉ ደንጎላታት ኣደንገረታይ ኣኻውሕ ሓሓሊፉ ጥራሕ ዝተሸፈነ ስለዝዀነ ብቐሊሉ ይርአ።

እቲ ንጎቦ ዓዲ-ህድሞት ንምስጋር እንኽተሎ መንገዲ ብማእከል ቈጽለታያት ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ብዙሕሳዕ ኣዚዩ ሓጺናዊ ከምኡ’ውን ብጫ-በለቕ ሕብሪ ዘለዎ ኢዩ። እንተኰነ ግና ወሰናስን እቲ መንገዲ ገና ብኣደንገረታይ ደንጎላታት ዘዕለቕለቑ ኰይኖም፡ ካብቲ እዞም ኣኻውሕ ዝእንፍትዎ ርእሲ ናይቲ ጎቦ ዝተነጸሉ ኢዮም። ስግር ዳዕሮ-ተኽሊ፡ ናብ መረብ ኣቢልና ኣብ ንጓዓዘሉ፡ ብውይኑይ-ቡናዊ-ቀይሕ መትንታት መረጼናዊ ጥምቢሓቒቕ ዝተቘርጹ ቈጽለታያት ብተወሳኺ ንረክብ። ኣንፈት ቀጸላታት እዞም ቈጽለታያት ካብ ሰሜን-ሰሜንምብራቕ ናብ ደቡብ-ደቡብምዕራብ ኰይኑ፡ ዳርጋ 55° ዝቐይነኑ ኢዮም።

ኣብ ከብዲሩባ ኮርዞህሮ፡ ኣዚዩ ንጹር ሓቒቓት ኣደንጋራይ ዘለዎም ነበረታይን ኣደንገረታይን ንረክብ። እቶም በዚ መንገዲማይ ዝከባለሉ ጸጸራት ከም ኣደንገረታይ ናይ ከበሳታት፡ ጻዕዳ መረጼናዊ ጥምቢሓቒቕ፡ ጠቐረታይ ዝመስል ዘንጸባርቕ ሰምያው-ጨብራይ ደሮና ዝተሰከመ ዘይተጻረየ ሓጺናት፡ ዝበሉ ስብርባራት ላዕለዎት ኣኻውሕ ኢዮም። እቲ ጠቐረታይ ምስ ሑጻ፡ ምስ ወርቂ ክኸውን ዝኽእል ብጫ፡ ተለዋዪ ቁሩስራሳት እውን ዝተሓወሰ ኢዩ።

ኣብ መጀመርታ ጐልጐል ሓማዶ ቈጽለታያት ንረክብ። ኣብዚ ክፋል እዚ ሃገር ኣንፈት ቀጸላታት ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኰይኑ፡ ኣስታት 57° ቅይናነ ኣለዎም። ጎቦ ዓዲ-ጻዕዳ፡ ብዙሕሳዕ ሓጺናውያን ዝዀኑ ከምኡ’ውን ብ1 ሜትሮ ርጉዲ ዘለዎም መትንታት ጥምቢሓቒቕ ዝተመሳቐሉ ቈጽለታያት ዝተፈጥረ ኢዩ። ዓዲ ኣርባዕተ እንተዀነት እውን ኣብ ቀጸላታቱ ናይ 60° ቅይናነ ዘለዎ ከምኡ’ውን ብመትንታት ጥምቢሓቒቕ ብተወሳኺ ዝተቘርጸ ቈጽለታይ ዝተደኰነት ኢያ። እቶም ቈጽለታያት ክሳብ መረብ ይቕጽሉ። እዚ ማለት ከኣ ክሳብ ደረት ነባረታይ፡ ሳይነታይ ከምኡ’ውን ስርነታይ። ብተወሳኺ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ኣኻውሕ ብፍላይ ድማ እቲ ስርነታይ፡ ሓደሓደሳዕ ብቐሊሉ ናብ ጽላታት ክምቀሉ ዝኽእሉ ቀጸላታት ቈጽለታይ ዝተወጥሕዎም ኢዮም።

ካብ ዓድዋ ናብ ተከዘ ኣቢልና ክንጓዓዝ ከለና፡ ቈጽለታያዊ ኣኻውሕ ኣብ ስንጭሮ ፍርፍራ ንረክብ። እዚኣቶም ዳርጋ ንትኹል ዝቘሙ ቈጽለታያት ኢዮም። ኣንፈት ቀጸላታቶም ከኣ ካብ ሰሜንምብራቕ ናብ ደቡብምዕራብ ኢዩ። ብድሕሪ’ዚ እቶም ቈጽለታያዊ ኣኻውሕ ብሓደ ወገን ናብ ጭላጨቕነን ደብረ-ኣባይን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናብ ኣበርገለ ብሩባ ተከዘ ወይከኣ በቶም ናብኡ ዝወስዱ ስንጭሮታት ገይሮም ይቕጽሉ።

ኣብ ጥቓ ጭላጨቕነ፡ እቲ ቈጽለታይ ኣብ ዓፍራይፍሉጻይ ከምዘዕረፈ፡ ሓደሓደሳዕ ብነባረታያትን ኣደንገረታያትን ከምዝተመሳቐለ፡ ኣብ ሓደሓደ ቦታታት እውን በዞም ዝተጠቕሱ ኣኻውሕ ወይውን ብእምነሑጻታት፡ ዋላኻታት፡ ከምኡ’ውን ብሳልሳዊ ምሽሙሽእምንታት ከምዝተሸፈነ ንዕዘብ። እቶም ኣብ ከባቢ ጭላጨቕነ ዝርከቡ ቈጽለታያዊ ኣኻውሕ ሓደሓደሳዕ ናብ ዓፍራይፍሉጻይ ዝሓልፍ ወይናይ ቈጽለታይ፡ ሓደሓደሳዕ ናብ ጸብጎላ ዝሓልፍ፡ መትንታት ጸባዊ ጥምቢሓቒቕ እውን ዝሓዘ ጨብራይ ቈጽለታይ፡ ከምኡ’ውን ሓደሓደሳዕ ናብ ቈጽለታይ ወይ ጸብጎላ ዝሓልፍን ተግባር እሳታዊ ኣኻውሕ ዘኸተሎ ምልዋጥ እዞም ዝተጠቕሱ ኣኻውሕ ዘስዓቦን ሕምሉው-ጨብራይ ዓፍራይ-ፍሉጻይ ኢዮም። እዞም ዝዘርዘርናዮም ቈጽለታያት ካብ ሩባ ተከዘ ክሳብ ዓዲ ትኹል ዝዝርግሑ ኰይኖም፡ ዝንባለ ኩሉ ዓይነት ቅይናነታትን ሸነኻትን ዘለዎም ዋላ ይኹኑ እምበር፡ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ሰሜንምብራቕ ናብ ደቡብምዕራብ ዝኣንፈቱን ኣዚዩ ዝምስጥ ቦታታት ዝርኣየሎምን ኢዮም።

እምበኣርከስ፡ እቶም ቈጽለታያዊ ኣኻውሕ ብነባረታያትን ኣደንገረታያትን ዝተቘርጹ ኢዮም። ብወገን ሽረ፡ ብሳልሳዊ እምኒሑጻታት፡ ዋላኻታት፡ ወዘተ ዝተኸድኑ ኢዮም። ኩሉ ዓይነት ኣንፈታትን ቅይናነታትን ኣለዎም። ዝተፋላለየ ዓይነታት ኣኻውሕ ዝራኣየሎም እኳ እንተዀኑ፡ ልሙጸ-ሳቕጢሎን ንጻል ቀንዲ ተራ ይጻወት። ናብ ከበሳ ሽረ ገጽ ግና ዓፍራይፍሉጻይ ይዕብልል። ኣብመንጎ ከበሳ ሽረን ተከዘን መትንታት ዝሓቐቐ ጥምቢሓቒቕ ኣለዉ።

ናብቲ ናብ ደቡብ-ደቡብምዕራብ ዝቐረበ ዞባ እንተኸይድና፡ ኣብቲ ካልእ ወገን በረኽቲ እምባታት ሰሜን ናብ ጎንደር ገጾም ዝዝርግሑ ቈጽለታያት ንረክብ። ኣብ ከባቢ ዊዓ፡ ኣብ ምብራቓዊ ቁልቁለት ኣኽራናት ታረንታ፡4 ከክንዲ ዓተር ዝዀኑ ሮማናያት ዘለዎ ሓቒቓዊ እምነኖራ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀዳማዊ ኣኻውሕ ንርኢ። እንተዀነ ግና እዚ እምነኖራ ምስቶም ቈጽለታያት፡ ወይ እንተወሓደ ምስቲ መሰጋገሪ መሬታት ናይ ግድን ዝተኣሳሰረ ክኸውን ኣለዎ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ”
    ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  2. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን
    ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  3. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces
    du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
  4. ሰንሰለት ኣኽራን ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቘመ ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎