እዚ ዓሰርተ-ካልኣይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ3 ዝተዳለወ ኢዩ። ኣብ፣ዚ ዓንቀጽ፡ ንብኩሩሻዊ ቀጽዖታት ዝተፈጥሩ ካልኣዊ መሬታት ክንፍትሽ ኢና።

ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣሰራት ኩሩሻዊ መሬት ኣይረኣናን። እንተዀነ ግና፡ ተዛማዲ ኣቀማምጣ መሬታት ምድረሓበሻ፡4 ኣዚዩ ዘይንጹር ክንእክቦ ዝኻኣልና ሓበሬታ፡ ከምኡ፣ውን ዳህሰሳታት ኣይቶ ሮሺየ ደሪኮት5 ከምዘመልክትዎ፡ ንኩሩሻዊ መሬት ዝውክል ቀጽዖታት ኣብ ጫፍ እምነእንቁላሊሓዊ መሬት፡ ናብ ሸዋ ገጽ፡ ዝርከብ ከምኡ፣ውን ነቲ ዞባ ሓሊፉ ዝቕጽል ይመስል።

ኣብ ምድረሓበሻ ሓሓሊፍካ ዝርከብ ጸለወይን፡ ንኣብነት ኣብ እግሪ ታረንታን6 ከባቢ ዓዲ-ኲታን እንረኽቦ፡ ብርትዒ ምስ ኩሩሻዊ መሬት ክዛመድ ይኽእል ኢዩ። እዚ ጸለወይን ኣብ ታረንታ ጸሊማይ ሓምላይ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዓዲ-ኲታ ጻዕዳ ሓቒቓት ላብራዶራይ ዝሓዘ ቀይሓው ጸሊም ኢዩ። ብሳይነታይቈጽለታይ ከምኡ፣ውን ጸብጎላ ሓሊፉ ከኣ ይቕልቀል።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  2. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  3. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
  4. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
  5. Rochet d’Héricourt, C. E. X. (1841) Voyage sur la côte orientale de la mer Rouge, dans le pays d’Adel et le royaume de Choa. 1 vol. in-8°. Pag. 130. Paris. ↩︎
  6. ሰንሰለት ኣኽራን ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቘመ ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎