ካብ ድርባ ልዕል ኢሉ፡ ኣብ ሩባ ማይ-ጭንጓዕ፡ ወሓደ በዝሐ ጓንጓ ዝዀነ፡ ኣብቲ ከባቢታት እንዕዘቦም ዛዕጎላት፡ ኣትክልቲ፡ ወዘተ ዝሓዘ ኩማር ቲቡርቲናይ እምነኖራ ንረክብ። እዚ ኩምራ ቲቡርቲናይ እምነኖራ ኣዚዩ ብርኩት ኣይኰነን። ኣብ ታሕታይ ክፋሉ ኣብ ዓፍራይፍሉጻይ ዘዐርፍ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ላዕላይ ክፋሉ ድማ ኣብ ሳልሳዊእምነእንቁላሊሓዊ መሬታት ይምርኰስ። እዞም ዓይነታት እምነኖራ፡ ብዋጋ እቲ ኣብ ዙርይኦም ዘሎ እምነኖራታት፡ ብሰንኪ ብፍሓማዊ መጭቋሮ ኣዚዮም ዝዘቕበቡ ምንጭታት ማይ፡ ከም ዝፍጠሩ ኣጸቢቑ ዝተፈልጠ ኢዩ። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣይክንዛረብን ኢና።

ኣብ ሩባ ተከዘ ተመሳሳሊ ኩምራ ምርኣይ ንቕጽል። ግና ኣብቲ ቦታ ብተወሳኺ ብመልክዕ ነጣባት ሓቒቓዊ እምነኖራ ንረክብ። ብዙሓት ማዕድናዊ ወ ሙቘታዊ ምንጭታትማይ ምድረሓበሻ1 እውን ንወሓደ በዝሐ ተመሳሳሊ ከምኡ፣ውን ዳርጋ ዝበሰለ ኩምራታት የኸትል።

እቲ መብዛሕትኡሳዕ ጨዋም ዝዀነ ኩማር ዝገት ሑጻዊ-ዋላኻ፡ ሓደ ንእሽተይ ጐልጐል ኣብ ምዕራብን ደቡብን ካብ ምጽዋዕ ዘቕውም፡ ውጽኢት ገምገምባሕራዊ ፈጠራ ኢዩ። ግና እዞም ዝገታት ብንቡር ዝሕዝዎ ጨው ብመኽንያት ካልእ ጠንቂ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል። ከመይ፡ ጐልጐል ጨው ዓፋር ኣብ ጐኒ ምጽዋዕ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሑጻዊ-ዋላኻ፡ ምሳሌ ከይሃለዎ ኣይተርፍን ኢዩ። ስላሳዊ መሬት ጐልጐል ዓፋር ክሳብ ከባቢታት ምጽዋዕ ዝዝርጋሕ እውን ክኸውን ይኽእል። እዚ ማለት ከኣ ንምብራቓዊ ክፋል በረኽቲ ኣኽራናት ደንደሳት ቀይሕ ባሕሪ የቕውም ማለት ኢዩ። ዝዀነ ይኹን፡ እቲ ኣብ ዙርያ ምጽዋዕ ዘሎ ንእሽተይ ጐልጐል ጻምእ ኢዩ፡ ጨዋም ማይ ጥራሕ ይህብ፡ ከምኡ፣ውን ብዕንባቤ ጨው የፍሪ።

ኣብ ብዙሕ ክፋላት ምድረሓበሻ ኣብ ከብዲ ሩባታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ መረብተከዘን፡ ዝርከቡ ሰፋሕቲ ዝገታት ክንጠቅስ። እዞም ዝገታት ብዋላኻ፡ ሑጻ፡ ጸጸር፡ ከምኡ፣ውን ብዙሕሳዕ ኣዚዮም ገዘፍቲ ዝዀኑ፡ ካብቲ ዝተሰንደውሉ ሩባታት ኣብ ሓጺር ርሕቐት እንዕዘቦም ጎቦታት ዝተፈንቀሉ፡ ደንጎላታት ኣኻውሕ፡ ዝቘሙ ኢዮም። ስለዝዀነ፡ ነዞም ዝገታት ምስራኣና ናብ ኣእምሮና ዝመጽእ ሓሳብ ​​ማይኣይሂ፡ ነቲ ክውንነታትን ከባብያዊ ኩነታትን ብጥንቃቔ ምስመርመርና ብፍጥነት ይጠፍእ።

ውሕጃዊ ዝዀነ ወቕታዊ ዝናባት እዚ ሃገር፡ ከምኡ፣ውን ማያት እቶም ንከበሳታት ዘጐልብቡ ብዙሓት ቀላያት፡ ደንጐላታት ከውሒ ክፍንቅሉ፡ ንመሬት ብብርቱዕ ሓይሊ በብእዋኑ ክፈሓሕሩ፡ ከምኡ፣ውን ከይደንጐዩ ብርክት ዝበለ ተጓዓዚ ክፈጥሩ ናይ ግድን ኢዩ። በረኽቲ እምባታት ምድረሓበሻ፡ ኣብ ገለ ግዝያት ዓመት ዳርጋ ብሃንደበት ዝመክኽ፡ ብሻዓ ጋሻ ውሕጅ ዝፈጥር ውርጪ ይሽፍኖም። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ኣቃውማ ሓመድ ምድረሓበሻ ሓባጥጐባጥን ዝተመታተረን ኢዩ። እዚ ድማ ንብምሉኣቶም ንፈጠራ መጓዓዚ መሬት ኣዚዮም ዘመቻችኡ ባእታታት የሕብር።

ፍርያቶም ኣብቶም ጥቓ ምድረሓበሻ ዘለዉ ደሴታትን ኣብ ገማግም ባሕርን እንዕዘቦም ሓያሎ እሳተጐመራታት፡ ቅድሚ እቲ ጦለማውያን ናብ ምድረሓበሻ ስፍራታት ንምድኳን ዝመጹሉ እዋን ዝነበሩ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ምምስራት ከተማታት ኣዱሊስን ካልኦትን ሓፈሻዊ ስነምድራዊ ምንቅስቓስ ስለዘጋጠመ፡ እዞም ዑናታቶም ገና ክሳብ ሎሚ ዘሎ ስፍራታት ብኸፊል ተዓቢጦም። ተመሳሰልቲ እሳተጎመራታት ገና ሎሚ እንተዀነእውን ኣብ ምድረሓበሻ ይርከቡ። ገለ ካብቶም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ካልኦት ከባቢታትን እንዕዘቦም ውዑያት ምንጭታትማይ ክሳብ 65°ን ልዕሊኡን ይበጽሑ። ኣብ ምድረሓበሻ ኣብ እዋን ምፍጣር ሳልሳዊ ቀጸላታት ዝጀመረ እሳተጎመራዊ ርእዮታት፡ ኣብ ገለ ክፋላት እዚ ሃገር ገና ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ።

እዚ መበል ዒስራ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛ2ን ሰሜን3ን ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ4 ዝተዳለወ ኢዩ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ፣ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቁፍ ዞባ ዝገልጽ ኢዩ። ↩︎
  2. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  3. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  4. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎