ኣብ ፖለቲኮ-ቁጠባዊ ሂወት ኢቲዮ-ኤሪትራ፡ ብተደጋጋሚ ዝስምዑ ምስ ምዕባሌ ዝዛመዱ ቃላት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ከም ‘ልምዓት’፡ ‘ብልጽግና’፡ ‘ቁጠባዊ ሕውየት’፡ ‘ግስጋሴ’፡ ‘ዘመናውነት’፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኢዮም። ኣብ’ዚ ዓንቀጽ ትርጉማቶምን ኣብ ክውንነት ሃገራትና ዘለዎም ኣገዳስነትን ክንፍትሽ ኢና።

ምዕባሌ ክንጅምር። ‘ምዕባሌ’ ማለት፡ ሓደ ነገር በብቑሩብ ናብ ዝደንፍዐ ወይ ዝሓሸ መድረኽ ዝሓልፈሉ መስርሕ ኢዩ። ስለ’ዚ ምዕባሌ ኢቲዮ-ኤሪትራ ክንብል ከለና፡ ብኸመይ ኢቲዮጵያን ኤሪትራን ናብ ዝሓሸን ዝለዓለን ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ኩነታት ይሰጋገሩ ማለትና ኢዩ።

‘ልምዓት’ ማለት፡ ንዝባደመ ወይ ዝቐደረ መሬት ሓምላይ ምቕያር ኢዩ። እዚ ቃል ሕርሻዊ ቃል ኢዩ። ፖለቲከኛታት ኰነ ሰበስልጣናት ኢቲዮ-ኤሪትራ፡ ዋላ ብዛዕባ ዘይሕርሻዊ ምዕባሌ ኣብ ዝዛረብሉን ዝጽሕፍሉን ግዜ፡ ኣብ ክንዲ ‘ምዕባሌ’ ዝብል ቃል፡ ‘ልምዓት’ ዝብል ቃል ክጥቀሙ ይመርጹ። እዚ ድማ 80 ሚኢታዊት ህዝቢ ኢቲዮ-ኤሪትራ ሓረስታይ ስለዝዀነ፡ ካብ ‘ምዕባሌ’ ኢልካ ክትዛረቦ ‘ልምዓት’ ክትብሎ ዝያዳ ከም ዝርድኦ ስለዘስተውዓሉ ኢዩ።

‘ብልጽግና’ ማለት፡ ዝውስኽ መኽሰብን ምልኣት ሽቕለትን ዘለዎ ኩነት ቁጠባዊ ዕብየት ኢዩ። እዚ ቃል ቅድሚ ኣቶ ኣቢ ኣሕመድ ቀዳማይ-ሚኒስተር ኢቲዮጵያ ምዃኑ፡ ኣብ ፖለቲኮ-ቁጠባዊ ሂወት ኢቲዮ-ኤሪትራ ዝውቱር ኣይነበረን። እዚ ከኣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ኢቲዮ-ኤሪትራ ንነዊሕ ዘመናት ተረሚሱ ስለዝጸንሐ፡ ክሳብ ሕጂ ንኢቲዮ-ኤሪትራውያን ብሓቂ ዘገድሶም መባእታዊ ቁጠባዊ ሕውየት እምበር ብልጽግና ስለዘይኰነ ኢዩ።

‘ቁጠባዊ ሕውየት’ ማለት፡ ንዝዓነወ ቁጠባ ምዕራይ ማለት ኢዩ። ሓደ ቁጠባ መጀመርታ ከይተጸገነ ክብልጽግ ኣይክእልን ኢዩ። ‘ብልጽግና’ ብርትዓዊ መንገዲ እንተተገንዚብናዮ፡ ንድልዱል ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማ ዘለዎ ሕብረተሰብ ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ።

‘ግስጋሴ’ ማለት፡ ናብ ቅድሚት ምኻድ ወይ ምምራሽ ማለት ኢዩ። ግዜ ንዘምጽኦም ምቅይያራት፡ ኣሰራርሓታት፡ ሓሳባትን ክብርታትን ምቕባል ድማ የመልክት። ግስጋሴ ኣወንታዊ ወይውን ኣሉታዊ ክኸውን ይኽእል። እዚ ከኣ ኣብ ዓይነት ክብርታትን ለውጥን ዘመን ዝምርኰስ ኢዩ።

‘ዕቃቤ’ ምስ ‘ግስጋሴ’ ዝጻረር ቃል ኰይኑ፡ ለውጢ ዘይምቕባል ማለት ድማ ኢዩ። እዚ ከኣ ንግዜ ዘምጽኦም ክብርታት፡ ሓሳባት፡ ኣሰራርሓታትን ምቅይያራትን ምንጻግ የርኢ። ዋላ’ኳ ‘ዕቃቤ’ ኣሉታዊ ስምዕትነት ዘለዎ ቃል እንተዀነ፡ ኣብ ምዕባሌ ግን ሓደሓደ ግዜ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኣለዎ። እዚ ድማ፡ ኣወንታዊ ውጽኢት ንምምዝጋብ፡ ኩነት ምዕባሌ ሓደ ሕብረተሰብ ምርኩስ ገይርካ ኣብክንዲ ግስጋሴ ዕቃቤ ዝሕረየሉ እዋናት ስለዘሎ ኢዩ። ‘ኣየኖት እዋናት?’ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ መልሲ ሰፊሕ ስለዝዀነ፡ ኣብ መጻኢ ብኻልእ ዓንቀጽ ክንምልሶ ኢና።

‘ዘመናዊ’ ማለት፡ ናይ ህሉው ግዜ ወይ ምስ ህሉው ግዜ ዝተዛመደ ማለት ኢዩ። ምስናይ ቀረባ ወይ ናይ እዋኑ ኣሰራርሓታት፡ ሓሳባት፡ ክብርታት፡ ቴክኖሎጂታት፡ ሞዳ፡ ወዘተ ምዝማድ ወይ ምጥቃም ድማ የመልክት። ዘመን ዘምጽኦም ክስተታት ኣወንታውን ኣሉታውን ጐንታት ስለዘለዎም፡ ኣየንትመርጽ ኣየንትገድፍ ልቦና ዝሓትት ኢዩ።

‘ዘመናውነት’ ማለት፡ ንትርኢት፡ ባህርያት፡ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ምስ ኣካይዳን ዓቕምን ህሉው ግዜ ከም ዝዳረግ ምግባር ማለት ኢዩ። ኣወንታዊ ዘመናውነት፡ ንብልጫታት ህሉው ግዜ ወሲዱ፡ ንጐዳእቲ ኣካይዳ ህሉው ግዜ ዝነጽግ ኢዩ።