ሄሮዶቶስ ካብ 480 ክሳብ 429 ቅድሚ ልደተክርስቶስ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብሂወት ከምዝጸንሐ ይግመት። ኣብ ሃሊከርናሱስ ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት፡ ሎሚ ግና ቦርደም እትባሃል ኣብ ደቡብ-ምዕራብ ቱርኪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ተወሊዱ። ወለዱ ሊክሰስ ከምኡ’ውን ድሪዮ (ወይ ሮዮ) ዝብል ኣስማት ዝነበሮም ኰይኖም፡ ሃብታማትን ሕፉራትን ስድራ ድማ ነይሮም። ከም መብዛሕትኦም ጥንታውያን ጸሓፍቲ፡ ብዛዕባ ሂወት ሄሮዶቶስ1 ውሑድ ሓበሬታ ኢዩ ዘሎ።

ብዘይጥርጥር፡ ሄሮዶቶስ ፈለምቲ ዓመታት ዕምሩ ኣብ ንኡስ ኤሲያ2 ኢዩ የሕሊፍዎ። ዋላ’ኳ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርቱ እንተዘየብልና፡ ነቲ ኣብ ጥንታዊ ግሪኽ ዝውቱር ዝነበረ መስርሕ ትምህርቲ ዝተኸተለ ይመስል። መጀመርታ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰዋስው ብምእታው ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሩ። ቀጺሉ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እስፖርት ብምምልላስ ኣካላዊ ስልጠና ወሲዱ። ብተወሳኺ፡ ካብ በዓል ሞያ በገና ወይ በዓል ሞያ ሻምብቆ መባእታዊ ምህሮ ሙዚቃ ተቐቢሉ። ድሒሩ፡ ስነጽሑፍ ኣጽኒዑ፡ ምስ ናይ ግዚኡ ስርዓተ ፍልስፍናታት ተላሊዩ፡ ከምኡ’ውን ክእለት መደረ ኣጥርዩ። ሄሮዶቶስ ሓያል ገጣሚ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ኣዚዮም ወሰንቲ ረቛሒ ሊቅነት ግሪኽ ዝነበሩ ቀዳሞት ጽሑፋት ሆመር’ውን ዓምዊቕ ፍልጠት ነይርዎ።

ኣብ ከባቢ 425 ቅድሚ ልደተክርስቶስ፡ ሄሮዶቶስ ካብ ዓዱ ናብ ደሴት ሳሞስ ክሃድም ተገዲዱ። ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ውልቀምልኪ ናይ’ቲ ንሓወብኡ ዝቐተለ ገዛኢ ዓዱ ነይሩ። ኣብ ሳሞስ ኣብ ዝቕመጠሉ ዝነበረ ግዜ፡ ትረኻታቱ ምጽሓፍ ጀሚሩ። ድሒሩ ግና ሄሮዶቶስ ናብ መበቆል ዓዱ ብምምላስ፡ ኣብ’ቲ ንሃሊከርናሱስ ሓራ ዘውጽአ ዕልዋ ውልቀመላኺ ተሳቲፉ።

ብድሕሪ’ዚ ሄሮዶቶስ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ንዝተወሰነ ዓመታት ምንባር ቀጺሉ፡ ከምኡ’ውን ጽንዓተምድራውን ታሪኻውን ምርምር ንምክያድ ነዊሕ መገሻታት የካይድ ነይሩ። ኣብ ከባቢ 447 ቅድሚ ልደተክርስቶስ፡ ኣብ 37 ዓመቱ፡ ናይ ታሪኽ መጽሓፉ ምስኣፋረቖ፡ ደቂ ዓዱ ስለዝጸልእዎ (ብመኽንያት ቅንኢ ይመስል)፡ ሄሮዶቶስ ካብ ዓዱ ናብ ኣቴንስ (ርእሰከተማ ግሪኽ) ተሰዲዱ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 446 ቅድሚ ልደተክርስቶስ፡ ባይቶ ኣቴንስ ንሄሮዶቶስ ብመኽንያት እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣቴንስ ዘንበቦ ዓቢ ታሪኻዊ ስራሓቱ፡ ስልማት ዘውሃቦ ኣዋጅ ኣሕሊፉ።

ሽሕ’ኳ ሄሮዶቶስ ንኣቴንስ ዝፈትዋ እንተነበረ፡ ክሓድጋ ተገዲዱ። ቀዳማይ፡ ሄሮዶቶስ ኣብ ኣቴንስ ካብ ዜግነት ግሉል ኢዩ ነይሩ።3 ፖለቲካዊ መሰላት ዘይብልካ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕዝቶ ዕለታዊ ሂወትን ኣብ ንኸባቢኻ ዘገድስ ጉዳያትን እጃምካ ዘይምብርካት ከኣ ማንም ኣብ ገንዘብ ምውህላል ኰነ ኣብ ፍልስፍና ዘይተጸምደ ግሪኻዊ ዝጸሮ ኣይነበረን። እቲ ኣሪስቶትል፡ “ሰብኣይ ዜጋ ተዘይኰይኑ፡ ሰብኣይ ኣይኰነን፡” ብምባል ዝገለጾ ስምዒት ናይ ኩላቶም ግሪኻውያን ደቀባት ኢዩ ነይሩ። ካልኣይ፡ መነባብሮ ኣቴንስ፡ ከም ኩላተን ርእሰከተማታት፡ ክቡር ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዓዱ ዝነበሮ ሃብቲ ኣብ ኣቴንስ ክጥውሮ ዝኽእል ኣይነበረን። ሄሮዶቶስ ብህዝቢ ኣቴንስ ንዝተለገሰሉ መጠን ገንዘብ ምቕባሉ፡ ኣታዊኡ ከምዝዋሓደ ዘመልክት ኢዩ። ኣታዊኡ ብወጻኢታት መገሻታቱ ተሓንኲኹ ወይ ድማ ካብ ሃሊከርናሱስ ምስዳዱ ንሃብቱ ክጐድል ገይርዎ ክኸውን ይኽእል። ስለ’ዚ ኢዩ ከኣ ነቲ ኣቴንስ ንኣብ ኩሉ ክፋላት ግሪኽ ዝርከቡ ደፈርቲ ተቕርቦ ዝነበረት ዕድል ሃንጐፋይ ኢሉ ዝተቐበሎ። እዚ ድማ ነብሱ ክጥውር ዘኽእሎን ሓድሽ መሰል ዜግነት ዘውህቦን፡ ምቕባል ግንዖ መሬት ኣብ ርሑቕ ግዝኣት ኣቴንስ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ከባቢ 443 ቅድሚ ልደተክርስቶስ፡ ኣብ 40 ዓመቱ፡ ሄሮዶቶስ ምስቶም ፔሪክልስ (መራሒ ኣቴንስ) ናብ ጥልያን ዝልእኾም ዝነበረ ገዛእቲ ግሪኻውያን ብምጽንባር፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀዳሞት ሰፈርቲ ቱሪየም4 ኰይኑ።

ሄሮዶቶስ ኣብ ሰፊሕ ክፋላት ንኡስ ኤሲያ (ናይ ሎሚ ቱርኪ)፡ ግሪኽ፡ መቀዶኒያ፡ ደሴታት ግሪኽ፡ ትረይስ (ደቡብ-ምብራቕ ኤውሮጳ)፡ ፋርስ (ናይ ሎሚ ኢራን)፡ ፍልስጤም (ናይ ሎሚ እስራኤልን መሬታት ፍልስጤማውያንን)፡ ተዘዋዊሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ባቢሎን (ኣብ ናይ ሎሚ ዒራቕ ዝነበረት ዓባይ ከተማ)፡ ሶሪያ፡ ግብጺ፡ ሲቲያ (ደቡብ ራሻን ዩክረይንን)፡ ኮልቺስ (ምዕራባዊ ክፋል ናይ ሎሚ ሃገረ ጆርጃ)፡ ሳይሪን (ናይ ሎሚ ሻሃት ኣብ ሊቢያ) ከምኡ’ውን ዓባይ ግሪኽ (ደቡብ ጣልያን) በጺሑ። ሄሮዶቶስ ኣብ’ቲ ዝበጽሖ ዝነበረ ቦታታት ዝተወሰነ ግዜ ጥራሕ ኣይኰነን ዘሕልፍ ነይሩ። እንታይ ደኣ፡ ብጥንቃቔ ተዓዚብዎም፡ ንትርኢታቶም፡ ዓድታቶምን ከተማታቶምን፡ ዘደንቕ ነገራቶም፡ መቕደሳቶምን ካልኦት ህንጻታቶምን፡ ከምኡ’ውን ንልምድታትን ወግዕታትን ተቐመጥቶም ኣጽኒዑ። ምልኣትን ድቀትን ዝኣከቦ ሓበሬታ፡ ካብ ስፍሓቱ ንላዕሊ የገርም። ኩሉሳዕን ኣብ ኩሉን፡ ሄሮዶቶስ ነቲ ዝበለጸ ክረኽቦ ዝኸኣለ ትሕዝቶታት ኣኪቡ። ብሉጽ ተራኺ ስለዝዀነ ከኣ ጉድለታቱ ከይፈተሸ ኣይተቐበሎን።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ብቛንቋ ግሪኽ ሄሮዶቶስ ይጽዋዕ፡ ብቛንቋ ላቲን ከኣ ሄሮዶቱስ። ↩︎
  2. ጥንታዊ ስም ንኡስ ኤሲያ ኣናቶሊያ ነይሩ። ሮማውያን ንኡስ ኤሲያ ኢሎም ሰምየሞ። ሎሚ ከኣ ቱርኪ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ካብ ወረራ እስክንድር ዓቢ (4 ዘመን ቅድሚ ልደተክርስቶስ) ክሳብ 11 ዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ፡ መብዛሕትኦም ህዝቢ ንኡስ ኤሲያ ግሪኻውያን ኢዮም ነይሮም። ↩︎
  3. ኣብ ጥንታዊ ግሪኽ፡ ዜግነት ምስ ሃገር ዝተኣሳሰረ ኣይነበረን። ኣብክንድኡ ምስ ዓዲ ወይ ከተማ ዝተተሓሓዘ ነይሩ። ግሪኻውያን ኣምር ሓባራዊ ሃገራዊ ዜግነት ኣይነበሮምን። እዚ ሓደ ካብ’ቶም ንግሪኽ ክትወድቕ ዝገበሩ ረቛሒታት ነይሩ። ↩︎
  4. ቱሪየም ኣብ ጥቓ ናይ ሎሚ ቀበሌ ሲባሪ፡ ናይ ከተማ ካሳኖ፡ ዞባ ካላብሪያ፡ ደቡብ ጥልያን ተደኲና ነይራ። ↩︎

ምንጭታት

Blakeney, Edward H. (1910) Introduction. The History of Herodotus. Translated by George Rawlinson. Volume I. Edited by Edward H. Blakeney. London : J. M. Dent.

Rawlinson, George (1862) History of Herodotus: a new English version. Chapter 1 – On the Life and Writings of Herodotus. Volume I. 2nd edition. John Murray: London.

Godley, Alfred Denis (1920) General Introduction. Herodotus. Volume I. Heinemann: London.