ፈለማ ንሄሮዶቶስ “ኣቦ ታሪኽ” ኢሉ ዝጸወዖ፡ ሮማዊ ሃገረኛን ሊቕን ማርቆስ ቱሊዮስ ቺቸሮ ነይሩ። ዝተጋነነ ኣባህላ ድማ ኣይኰነን። ቅድሚ ኩሉ፡ ሄሮዶቶስ እቲ ናይ መጀመርታ ንተግባራት ኣህዛብ ኣብ መዝገብ ከአቱ ዝፈተነ ጥንታዊ ጸሓፊ ኢዩ። ናይ ሃገሩ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ኩላቶም ሓበሬታ ክረኽበሎም ዝኸኣለ ኣህዛብ። ነቲ ዝነበሮ ናውቲ ተጠቂሙ፡ ሄሮዶቶስ እቲ ቀዳማይ ንሕሉፍ ብሰባዊ ትዕዝብትን ምርመራን ክፈልጥን ከጽንዕን ዝተበገሰ ሊቕ ኢዩ። ዘይከም ቅድሚኡ ዝነበሩ ጥንታውያን ጸሓፍቲ፡ ታሪኽ ንመናፍስትን ኣማልኽትን ኣይገደፎን። ናብ ዝስዕቡ ወሎዶታት ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ንምርካብ ብማለት ከኣ፡ ጸገማት መጓዓዝያ ናይ ዘመኑ ከይዓገቶ፡ ናብ ርሑቕ ክፋላት ዓለም ይገይሽ ነይሩ።
ካልኣይ፡ ሄሮዶቶስ ንዝቕጽሉ ወሎዶታት ፍጻሜታት ምስናድ ኣጀሚሩ። ሕሉፍ ታሪኽ ንልቦና ዝስዕቡ ዓሌት ሰብ ከምዘርብሕ ፈለማ ዝተገንዘበ ምሁር ንሱ ኢዩ ነይሩ። ስርሑ ግዝያዊ ናይ ምፍላጥ ሃረርታ ወይውን ኮንቱነት ዘለዓዓሎ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ፡ መታን ዝስዕቡ ወሎዶታት፡ መን ገይርዎም ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ቅድሚኦም ዝተራእዩ ሕማቕን ጽቡቕን ፍጻሜታት ከይዕሸዉ ከምኡ’ውን ነቶም ዘደንቑ ነገራት ከስተማቕሩ ክኽእሉ፡ ሄሮዶቶስ ብዑቱብነት ኣብ ሃገሩ ኰነ ኣብ ወጻኢ ንዘጋጠመ ነገራት ኣብ ጽሑፍ ንምስፋር ጽዒሩ:
“ተዘክሮ ሕሉፍ ካብ ኣእምሮ ደቅሰብ ምስ ግዜ መታን ከይድምሰስ ከምኡ’ውን ብግሪኻውያን ኰኑ ወጻእተኛታት ዝተገብሩ ዓበይትን ዘደንቑን ተግባራት፡ ብፍላይ ድማ ስለምንታይ ኣንጻር ሓድሕዶም ከምዝተዋግኡ መታን ከይርሳዕ፡ ሄሮዶቶስ ወዲ ሃሊከርናሱስ፡ ብመጽናዕቲ ዝፈለጦ ኣብ’ዚ ተመዝጊቡ ኣሎ።”
ሳልሳይ፡ ኣብ ታሪኻዊ መጽናዕቲ፡ ሄሮዶቶስ እቲ ናይ መጀመርታ ኣገዳስነት ወገን ዘይምሓዝ ዝተረድኦ ሊቕ ነይሩ። ዋላ’ውን ኣብ’ቶም ንሃገሩ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘራጸሙ ጐንጽታት፡ ጸግዒ ከይሓዘ ክትርኽ ጽዒሩ። ንዝተፈላለየ ሓሳባት መቓናቕንቲ ወገናት፡ ብማዕረ ከቕርብን ክግምግምን ፈቲኑ። ንጠንቅታት ኣብ መንጎ ህዝቡ ግሪኻውያንን ፋርሳውያንን ዝተኻየደ ኲናት ክገልጽ ከሎ ሄሮዶቶስ ከም’ዚ ብምባል ጽሒፉ:
“ኣነ ብወገነይ፡ እዚ ወይ እቲ ዝተዘንተወ ሓቂ ኢዩ ኣይክብልን ኢየ። እቲ ንግሪኻውያን ከይጐድእዎ ክንሶም ከምዝበደሎም ኣነ ባዕለይ ዝፈልጦ ግና ክሰምዮ ኢየ። ከምኡ እንዳገበርኩ ድማ ትረኻይ ክቕጽል ኢየ። ብዛዕባ ዓበይቲ ኰና ናኣሽቱ ከተማታት ብዘየገድስ ክዛረብ ኢየ። ከመይ፡ ቅድም ዓበይቲ ዝነበራ ብዙሓት ሃገራት ሕጂ ንእሸን ኣለዋ፡ ኣብ እዋነይ ዓበይቲ ዝነበራ ከኣ ኣቐዲመን ናኣሽቱ ኢየን ነይረን። ስለ’ዚ እምበኣር፡ ብልጽግና ደቅሰብ ፈጺሙ ከምዘለዎ ከምዘይቅጽል ስለዝፈልጥ፡ ብዘየገድስ ንኽልቲኡ ዓይነት ክጠቅስ ኢየ።”
ራብዓይ፡ ሄሮዶቶስ ንባህሊ ወጻእተኛታት ኣይተጸየነን። ብዘይካ ኣብ ሓደ ቦታ፡ ኣብ መጽሓፉ ንወግዕታት ጓኖት ኣየናሸወን። ዋላ’ኳ ግሪኻዊ ብምዃኑ ሕቡን እንተነበረ፡ ንካልኦት ህዝብታት ግና ከም ድሑራት ኣይቈጸሮምን።
ብዘይካ ፖለቲካዊ ታሪኽን ጽንዓተምድርን፡ መጽሓፍ ሄሮዶቶስ ጽንዓተብሄራዊ መግለጺታት ዝተፋላለዩ ኣህዛብ፡ ኣፋዊዛንታታት ከምኡ’ውን ጽንጽዋያት ዝሓዘ ኢዩ። ስለ’ዚ ሄሮዶቶስ ኣቦ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ እንከላይ ናይ መጀመርታ ጽንዓተምድረኛ1 ከምኡ’ውን ፈላማይ ጽንዓተብሄረኛ2 ኢዩ።
እንተዀነ ግና፡ ሄሮዶቶስ ጉድለታት ከምዝነበሮ ክንርዳእ ይግባእ። ሄሮዶቶስ መስራታይ ዓውደትምህርቲ ታሪኽ ኢዩ። ዘመናዊ መዐቀኒታትን መሳርሕን ዝነበሮ ዘመናዊ ተራኻይ ኣይኰነን። ትረኻኡ ካብ በብዓይነቶም ዝተሓናፈጹ ምንጭታት ስለዝተኣከበን ንዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ስለዝድህስስን፡ ሓደሓደ ርጡብ ዘይኰነ ታሪኻዊ ትሕዝቶታት ዘካተተ ኢዩ። ኣብ ገለ ገጻት፡ ንጉኑናት እምነታት ናይ ዘመኑ ምስ ዝተረጋገጹ ሓቅታት፡ ንወረ ከኣ ምስ ትዕዝብታዊ ጭብጥታት ይደባልቕ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ መጽሓፍ ሄሮዶቶስ ብኸመይ እዚ ስነፍልጠት ኢልና እንጽውዖ ምውህላል ፍልጠት ከምዝጅምር ዘዘኻኽረና: ብናይ ምፍላጥ ድሌትን ትልምን፡ ካብ’ቲ ዘለናን በቲ እንኽእሎን።
መወከሲ ነጥብታት
- ጽንዓተምድሪ ንቦታታት ከምኡ’ውን ንኣብ መንጎ ህዝብን ከባብን ዘሎ ዝምድናታት ዘጽንዕ ዓውደትምህርቲ ኢዩ። ጽንዓተምድሪ ካብ ስነምድሪ ዝተፈልየ ኢዩ። ↩︎
- ጽንዓተብሄር ኣብ ገለጻዊ ጽንዓት ሓደ ሕብረተሰብ፡ ባህሊ፡ ማሕበረኮም ዘተኩር ዓውደትምህርቲ ኢዩ። ጽንዓተብሄር ካብ ስነብሄር ዝተፈልየ ኢዩ። ↩︎
ምንጭታት
Blakeney, Edward H. (1910) Introduction. The History of Herodotus. Translated by George Rawlinson. Volume I. Edited by Edward H. Blakeney. London : J. M. Dent.
Godley, Alfred Denis (1920) General Introduction. Herodotus. Volume I. Heinemann: London.
Rawlinson, George (1909) The History of Herodotus. General Introduction. Volume I. The Tandy-Thomas Company: New York.
Rawlinson, George (1862) History of Herodotus: a new English version. Chapter 1 – On the Life and Writings of Herodotus. Volume I. 2nd edition. John Murray: London.