ኣድማሱ፡ ብህንዳዊመንገደኛ ዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ፡ ወሳኒ ምንጪ ታሪኽ ንግስነት ኣኽሱም ኢዩ። ንሱ ጥራሕ ኢዩ ዝተጻሕፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ንንግስነት ኣኽሱም ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ሓይልታት ዳሕረዋይ ጥንታዊ ዘመን ክኸውን ዘኽኣሎ ፈላሚ መስርሕ ምሕባርን ምስፍሕፋሕን ዝህበና። እዚ ናይ መጀመርታ ክፋል ማእከላይ ዘመን ጸሓፊ “ኣድማሱ” ተባሂሉ ዝጽዋዓሉ መኽንያት፡ ህሉው መጽሓፉ ንኣድማስ ዝገልጽ ስለዝዀነ ኢዩ። “ህንዳዊመንገደኛ” ዝብል ቅጽል ስሙ ከኣ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብምንስፋፍ ናብ ህንድን ስሪላንካ1 ስለዝገሸ ኢዩ ተዋሂብዎ።

ኣድማሱ ተወላዲ ከተማ ኣሌክሳንድሪያ ናይ ግብጺ ዝነበረ ይመስል። ግሪኻዊ ትውልዲ ከምዝነበሮ ድማ ይጥርጠር። ኣብ ፈላማይ ክፋል ሂወቱ ኣድማሱ ኣብ ስራሕ ንግድን ሸቐጥን ተጸሚዱ ስለዝነበረ፡ ወድዓዊ ትምህርቱ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ዝተደረተ ኢዩ ነይሩ። ንእስነቱ ነጋዳይ ብምዃን ካብ ሃገሩ ወጻኢ እንዳገሸ የሕሊፍዎ። ከም ሳዕቤኑ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣይቀሰመን። እንተዀነ ግን፡ ዋላ’ኳ ብወግዒ ኣይስተምሃር እምበር፡ ቀልቡ ትኩር ኣእምርኡ ከኣ በሊሕ ስለዝነበረ፡ ባዕሉ ስነጽሑፍን ስነፍልጠትን ተማሂሩ። እዚ ድማ ፍልጠት ናይ ዘመኑ ከጥሪ ኣኽኢልዎ ከምኡ’ውን ከም ኪኢላ ሊቕን ተሓላቒ ሃይማኖት ክርስትናን ተቐባልነት ክረክብ ገይርዎ።

ንግዳዊ ናብራ ንኣድማሱ ቤቱ ሓዲጉ ኣብ ርሑቓት ባሕርታትን ሃገራትን ክጓዓዝ ኣገዲድዎ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ኩሎም እቶም ሰለስተ ዝያዳ ፍሉጣት ባሕርታት ናይ ግዚኡ ኣንሳፊፉ፣ ማእከላይ ባሕሪቀይሕ ባሕሪ ከምኡ’ውን ወሽመጥ ፋርስ። ናብ ህንድን ስሪላንካን ስለዝገሸ፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እውን ኣንሳፊፉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ’ቲ ካብ ግብጺ ንሸነኽ ደቡብ ክሳብ ኢቋቶር2 ዝዝርጋሕ፡ ኣድማሱ ኢቲዮጲያ ብምባል ዝጽውዖ ሰፊሕ ዞባ፡ ብመሬት ተማላሊሱ። ኣብ’ቲ እዋን፡ ዋና ከተማ ጥንታዊ ኢቲዮጲያ ኣኽሱም ኢያ ነይራ። ኣገዳሲት ማእከል ንግዲ፡ ሃይማኖትን ትምህርትን እውን ነይራ። ኣድማሱ ብመኽንያት ስርሑ ክበጽሓ ክኢሉ። ካብ ሓደሓደ ገለጻታት መጽሓፉ ከምንግንዘቦ፡ ቤተመንግስቲ ኣኽሱም ንኣድማሱ ብጽቡቕ ተቐቢልዎ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ እንከላይ ንጉስ ኣኽሱም ንኣድማሱ ኣብ መላእ ግዝኣቱ ናጻ ኰይኑ ክንቀሳቐስ ፈቒድሉ። ስለዝዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደ መዋእል ድሒሮም ፖርቱጋላውያን ካቶሊኻውያን ልኡኻት ከምኡ’ውን ኣብ 1769 እስኮትላንዳዊ ዳህሳሳይ ጀይምስ ብሩስ ዝበጽሕዎ ፍልፍል ፈለግ ኣባይ፡ ኣድማሱ ክፈልጥ ክኢሉ።

ካብ’ቶም ኣድማሱ ክበጽሖም ዝኻኣለ ቦታታት ጥንታዊ ኢቲዮጲያ፡ እቲ ምኡዛዊ ሃገር ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ጽንፊ ጓርዳፍዊ ዘብቅዕ ገዚፍ ውጥሚት ምብራቕ ኣፍሪቃ ነይሩ። ናብ ኣንፈት ሰሜን-ምዕራብ ብምጓዓዝ ንሜሮወ ዝገሸ እውን ይመስል። ካልእ ኣድማሱ ከምዝርኣዮ ዝነግረና ቦታ፡ ምድረበዳ ሲናይ ኢዩ።

ዝያዳ ንዓና ዘገድስ ግና፡ ኣድማሱ ኣብ 525 ድሕሪ ልደተክርስቶስ (ድ።ል።ክ) ናብ ኣዱሊስ ወይ ኣዱሌ ምብጽሑ ኢዩ። “ኣዱሌ” ደቀባታዊ መጸውዒ ክኸውን ከሎ፡ “ኣዱሊስ” ከኣ ግሪኻዊ ኣጸዋውዓ ኢዩ። ሽዑ ኣዱሊስ ወደብ ባሕሪ ንግስነት ኣኽሱም ኢያ ነይራ። ኣዱሌ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሃገረ ኤርትራ፡ ኣስታት 45 ኪሎሜተራት ንኣንፈት ደቡብ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ርሒቓ ትርከብ። ኣብ’ቲ እዋን ካብ ኣዱሊስ ናብ ኣኽሱም ብጉዕዞ መጽዓኛ፡ ታህዋኽ ተጓዓዝትን ዝሓረይዎ መንገድን ዝውስኖ፡ ካብ ሓደ ሰሙን ክሳብ ክልተ ሰሙን ይወስድ ነይሩ።

ኣድማሱ ኣብ ኣዱሊስ ከሎ፡ ኣባስ ዝስሙ ሹም ከተማ ኣዱሊስ ካብ ሃጸይ ካሌብ3 ናይ ንግስነት ኣኽሱም ብጽሑፍ ትእዛዝ መጺዎ። እቲ ትእዛዝ ንኣብ ምዕራባዊ መእተዊ ኣዱሊስ ብሓንሳብ ዝነበሩ ጻዕዳ መንበር እምነበረድን ጽላት ኣርሓእምንን ዝተወቕረ ጽሕፈታት ግሪኽ ቀዲሑ ክሰደሉ ዝሕብር ነይሩ። ሹም ኣዱሊስ ብወገኑ፡ ንኣድማሱን ንሓደ ሚናስ ዝተባህለ ብጻዩን ነቲ ዝተወቕረ ጽሕፈታት ቀዲሖም ክህብዎ ሓቲትዎም። በዚ መሰረት ከኣ፡ ኣድማሱን ብጻዩን ክልተ ቅድሓት ናይ’ቲ ውቃራት ኣዳልዮም። ነቲ ቀዳማይ ቅድሓት ንሹም ኣዱሊስ ክህብዎ ከለዉ፡ ነቲ ካልኣይ ቅዳሓት ግና ብዛዕባ ታሪኽን ጽንዓተምድርን ንግስነት ኣኽሱም ክፈልጡ ስለዝደለዩ ምስኦም ወሲደሞ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ መገሻታት፡ ኣድማሱ ናብ ዓዱ ከተማ ኣሌክሳንድሪያ ተመሊሱ። ብዙሕ ከይጸነሐ ከኣ ክምንኩስ መሪጹ። ዝተረፈ ዕድሚኡ ከኣ ኣብ ምስንዳእ ገለጻዊ ጽንዓተምድሪ፡ ጽንዓተኣድማስ4 ከምኡ’ውን መጽሓፍቅዱሳዊ ትንተናታት ኣሕሊፍዎ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ኩሉ ስርሓቱ እታ እንኮ ሎሚ ዘላ መጽሓፉ “ቅርጸመሬት ክርስትያን”5 ዘርእስታ ኢያ።

ኣብ “ቅርጸመሬት ክርስትያን” መጽሓፉ፡ ኣድማሱ ክርስትያናዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣቃውማን ኣሰራርዓን ኣድማስ ከቕርብ ፈቲኑ። ካብ 535 ክሳብ 547 ድሕሪ ልደተክርስቶስ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝተጻሕፈ ከኣ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ስነኣድማሳዊ ሓሳባት ኣድማሱ ስነፍልጠታዊ ርትዓውነት ዘይኰነስ ሃይማኖታዊ ቅንኢ ዘለዓዓሎም ብምዃኖም ብዙሕ ዋጋ ዝዋሃቦም እንተዘይዀኑ፡ እዛ መጽሓፉ ግና ካብቶም ካብ መጀመርታ ክፋል ማእከላይ ዘመን ዝተመሓላለፉልና ስርሓት፡ እታ ዝበለጸት፡ ዝቐንዐን ዝዓዘዘን ጽንዓተምድራዊ ሓበሬታ ዝሓዘት ኢያ። ብፍላይ እቲ ንታሪኽ ንግስነት ኣኽሱም ዝምልከት ዘካተተቶ ትሕዝቶ መዳርግቲ ዘለዎ ኣይኰነን።

ኣድማሱ ዝያዳ ዝድነቕ ተመኩሮታት መገሻታቱ ከዘንቱ ከሎ ኢዩ። ኣፍቃሪ ፍልጠት ስለዝነበረ፡ ኣብ ጥቓ መንገዱ ዝነበሩ ቦታታት ብኣካል ክበጽሕ ኣብዘይከኣለሉ፡ ንኣፍልጦ ዝነበሮም ሓቂ ብምዝራብ ዝእመኑ ሰባት የጣይቕ ነይሩ። ዝጥቀሞ ቋንቋ ዘይተሓላለኸ፡ ገለጻታቱ ከኣ ኣዚዩ ብሩህ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓቀኛ። ሎሚ ብዛዕባ እቶም ኣድማሱ ዝበጽሖም ርሑቓት ቦታታት ዘለና ቅኑዕ ፍልጠት ኣድማሱ ንኣእምሮ ኣንበብቱ ብዘገርም ጽውያታት ከደናግር ፈጺሙ ድሌት ከምዘይነበሮ የረጋግጸልና። በንጻሩ፡ ንሓቂ ልዑል ኣኽብሮት ዝነበሮ፡ በሊሕ ተዓዛቢ፡ ኣብ ምግምጋም ዋጋ ካብ ካልኦት ዝተቐበሎ ሓበሬታ ከኣ መስተውዓሊ ሰብ ኢዩ ነይሩ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ስሪላንካ ቅድሚ 1972 ድ።ል።ክ፡ ሲሎን ተባሂላ ኢያ ትጽዋዕ ነይራ። ↩︎
  2. ኢቋቶር ንዓለምና ዝቕነታ፡ ካብ ሰሜናውን ደቡባውን ዋልታታት ምድሪ ሓደ መጠን ርሕቐት ዘለዎ ዓቢ ክቢ ዝፈጥር፡ ሓሳባዊ መስመር ኢዩ። ↩︎
  3. ሃጸይ ካሌብ ካብ 514 ክሳብ 543 ድ።ል።ክ ንንግስነት ኣኽሱም ገዚኡ። ↩︎
  4. ጽንዓተኣድማስ ሓፈሻዊ ባህርያት ኣድማስ ዝፍትሽ ጨንፈር ስነፍልጠት ኢዩ። ↩︎
  5. The Christian Topography of Cosmas, An Egyptian Monk. Translated from the Greek, and Edited, with Notes and Introduction by J.W. McCrindle (1897). Printed at the Broford Press for Hakluyt Society: London. ↩︎