እዚ ካብናይ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን ሰሜንን ዝተወስደ ኢዩ።1 ፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ ጥቅምቲ 30፡ 1840 ብወደብ ምጽዋዕ ኣቢሎም ናብ ሰሜን ምድረሓበሻ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ክሳብ ነሓሰ 20፡ 1842 ኣብኡ ተቐሚጦም። ኣብ’ቲ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ዝተፈላለየ ስነፍልጠታዊ መጽናዕትታት ኣብ ብዙሓት ኣውራጃታት ምድረትግርኛ፡2 ሰሜን፡3 ወገራ፡ ጎንደር፡ ምብራቓዊ ደንደስ ቀላይ ጣና፡ ወዘተ ኣካይዶም። ክሳብ 12 ዲግሪ ሰሜን ላቲትዩድ4 ኣብ ምድረሓበሻ ክበጽሑ ድማ ክኢሎም። ድሕሪ ናብ ፈረንሳ ምምላሶም፡ ኣብ 1847 ንተመኩሮታቶምን ስነፍልጠታዊ ርኽበታቶምን ኣብ ሰሜን ምድረሓበሻ ዘቕርብ ሰለስተ ቅጽታት ዝሓዘ መጽሓፍ ኣሕቲሞም።5 ቀጺሉ ዝስዕብ መእተዊ ክፋል ናይ ጸብጻብ ስነምድራዊ ርኽበታቶም ኣብ ምድረትግርኛን ሰሜንን ኰይኑ፡ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ምድረሓበሻ ዝተዓዘብዎን ዝተጠቀምዎ ስነምድራዊ ሜላታትን ዝህብ ኢዩ።
ምድረሓበሻ6 ኣዚዩ ሓባጥጎባጥ ሃገር ኢዩ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ተፈጥሮ ኣብ’ዚ ክፋል ኣፍሪቃ ኩሉ መሳጥን ክትስእሎ ዘብህግን ነገራት ዝኣኻኸበ ኢዩ ዝመስል፣ በረኽቲ ጎቦታት፡ ዓሞቕቲ ስንጭሮታት፡ ገፋሕቲ ቀላያት ጥዑምማይ፡ ዝድነቕ ፍርያምነት ዘለዎም ከበሳታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ዝናብ ኣእላፋት መንጫዕጫዕታታት ዘቑሙን እናዓፈሩ ናብ ኩሉ ኣንፈታት ዝዕዘሩ ቈጺርካ ዘይውድኡ ሩባታትን ዋሓዝትን። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣብዚ እጹብ ሃገር ዝግስግስ ተጓዓዛይ ዝግሃድ ምድረገጽ ብሓጺሩ ነዚ ዝበልናዮ ይመስል።
ኣብመንጎ ትርኢት ሓመድን ዝፈጠርዎ ኣኻውሕን ኩሉሳዕ ሕድሕዳዊ ምምርዃስ ስለዘሎ፡ ንዝተሓላለኸ ጽንዓተጎቦ7 ምድረሓበሻ ብምዕዛብ እዚ ሃገር ብስነምድራዊ ኣቃውምኡ ኣዚዩ ዘደንቕ ምዃኑ ብስነመጐት ክንድምድም ንኽእል። ዝስዕቡ ዝርዝራት ነዚ ሓቂ ከረጋግጽዎ ኢዮም። ነቲ በብዓይነቱ መሬት ምስ በብዓይነቱ ሕርሻዊ ፍርያት ወይ ኣብኡ ዝርከብ ሃብቲ ማዕድን ዘለዎ ጥቡቕ ምትእስሳር ከርእዩ ኢዮም። እዚ ዕዮና ጐደሎ እንተሃልይዎ ወይውን ዘይብስለት ወይ ዘይልክዕነት እንተተረኺብዎ፡ ብውሕዱ ንስነምድረኛ ክስሕብን ሓፈሻዊ መረዳእታ ብዛዕባ ካብ ምድረሓበሻ ክርከቡ ዝኽእሉ ጠቕምታት ክህብን ተስፋ ንገብር።
ንኹሎም መሬታትን ዝሓዝዎም ሃብትታት ማዕድንን ብልክዕ ክንገልጽ ዘኽእለና ነዊሕ ግዜ ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃታት ኢቲዮጲያ ኣይጸናሕናን። ይኹን እምበር፡ ካብ ዝገበርናዮም ስንጣቕ-ገጽታታት፡ ካርታታት፡ ምብጻሓት፡ ብዙሕ ትዕዝብትታት፡ ምድረሓበሻ ንስነምድረኛ ኩላቶም ተኻታተልቲ መሬታት ዋላ’ውን እንተዘይኣርኣየ፡ ብውሑዱ ንብዙሓት ካብኣቶም ከቕርብ ከምዝኽእልን፡ ከምኡ’ውን ብስነምድራዊ ኣጠማምታ ምስቶም ኣዚዮም ዝተሓላለኹን ኣዚዮም ዘደንቑን ክፋላት ዓለምና ክስራዕ ግድን ምዃኑ ክንኣምን ኪኢልና። እቶም ኣብ ምድረሓበሻ ዘላለናዮም መሬታት፡ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ደረጃ ስነምድራዊ መለክዒ ዘጠቓልሉ ኢዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ሃገረ ሳሆ፡ ትግራይ፡ ወዘተ ቀዳማዊ ከምኡ፣ውን ማእከላዊ ወይ መሰጋገሪ መሬታት ረኺብና፡ ካላኣዊ መሬታት ኣብ ዶብ ትግራይን ሃገረ ዓፋርን፡ ሳልሳዊ ከምኡ’ውን ዘመናዊ መሬታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ትግራይ8፡ ኣብ ሰሜን፡ ኣብ ሽረ፡ ወዘተ። ነዚ ስፍሓት ስነምድራዊ መለክዒ ዝተፋላለየ ዓይነታት ድበታዊ ኣኻውሕ፡ ጽቑጠእሳታውን9 እሳተጎመራውን ኣኻውሕ፡ መብዛሕትኡ እዋን ልዉጣዊ ኣኻውሕ10 ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣኻውሕ፡ ብርክት ዝበሉ ዝቓሃሙ እሳተጎመራታት፡ ፈልፈልቲ ውዑይ ማያት፡ ዓቘርቲ ሓጺን፡ ዲን፡ እምነጨው፡ ነደድቲ፡ እምነልሕቲት፡ ወዘተ፡ እንተወሲኽናሉ ከኣ ሓፈሻዊ ግንዛቤ ብዛዕባ ስነምድራዊ ኣገዳስነት ምድረሓበሻ ይህበና።
ኣብዚ ዕዮና መሬት ንምግላጽ ክልተ ኣከፋፍላታት ተጠቒምና ኣለና፣
- ዝዓበየ ምምዳብ ናብ ቀዳማዊ መሬት፡ ማእከላዊ (ወይ መሰጋገሪ) መሬት፡ ካላኣዊ መሬት፡ ሳልሳዊ መሬት ከምኡ’ውን ዘመናዊ መሬት።
- ንኡሰኣከፋፍላ እዞም ዓበይቲ ምድባት መሬት ብዝምልከት ድማ፡ ከም’ቲ ኣቶ ሪቪየር ኣብ 1839 ኣብ መባእታታት ስነምድሪ ዝብል መጽሓፉ ዘሕተሞ ምዳቤ መሬታት ተጠቒምና ኣለና።11
ክቱር ልክዕነት ክንገብር ክንብል ጌጋታት መታን ከይንፍጽም፡ ንመሬታት ምድረሓበሻ ናብ ተወሳኺ ንኡሰምዳቤታት ክንከፋፍሎ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይረኸብናዮን። ብተወሳኺ፡ ቀንዲ ሸቶ መገሻና ስነምድራዊ መጽናዕቲ እንበጽሖም ሃገራት ከምዘይነበረ፡ ከምኡ’ውን ገለጻታት ኣዚዮም ርሑቓት ቦታታት ስነምድሮም ኣዕርዩ ዝተፈልጠ ሃገራት እንተዀነ እውን ኩሉሳዕ ብዙሕ ጸገማት ከምዘቕርብ ኣይረሳዕናን።
ከም ኣጠቓላሊ መረዳእታ፡ ቀዳማውን ማእከላውን መሬታት መሰረት ሓመድ ምድረሓበሻ ዘቘሙ ኰይኖም፡ ብዙሕሳዕ ከኣ ብሳልሳዊ ከበሳታት ዝተጐልበቡ ኢዮም። እቶም ከበሳታት ከኣ እሳተጎመራዊ ሞጥማጥሞጉኣት12 ወይ ጉልላት13 ብብዝሓት ክብ ኢሎም ዝራኣይሎም ኣብዝን ኣብትን ብመልክዕ ተፈጥሮኣዊ ዕርድታት ዝተመታተሩ ኢዮም። ቀዳማውን ማእከላውን መሬታት ኣብ ጥቓ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ መሰረትን ጫፍን እቶም ማዕዶ ገምገም ባሕሪ ዘለዉ ጎቦታት፡ ኣብ ከብዲ ስንጭሮታት ማእከላይ ምድረሓበሻ ከምኡ፣ውን ኣብ ዝተገየጹ ወይ ክብብ ዝበሉ ጎቦታት እዚ ሰፊሕ ዞባ ዝረኣዩ ኰይኖም፡ ብሓፈሽኡ ንፈራዪ ሓመድ ምድረሓበሻ የቑሙ። ቀጺሉ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እዚ ሃገር ካልኣዊ መሬታት በብተርታ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣቢሎም ይዝርግሑ። እዚ ማለት ከኣ ስጉድእምነኖራዊ፡ እምነእንቁላሊሓዊ፡ ስላሳዊ፡ ከምኡ’ውን ፍሓማዊ ወይ ከሰላዊ መሬታት ማለት ኢዩ።14 ሳልሳይ፡ እቶም ንላዕለዋይ ክፋል ካላኣዊ መሬታት ዝፈጠሩ፡ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ከኣ ብብዝሒ ዝርከቡ ኩሩሻዊ መሬታት፡15 ንሓመድ ናብ ሸዋ ኣቢሉ ዝርከብ ዞባን ምስ ካፋ ዝዳወብ ዞባን ዘቘሙ ይመስሉ። ኣብ መወዳእታ፡ ከም፣ቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ሳልሳዊ መሬታት ንከበሳታት ማእከላይ ምድረሓበሻ ዘፍረየ ክኸውን ከሎ፡ ዘመናዊ መሬታት ከኣ ኣብ ገለ ቦታታት ገማግምን ደሴታትን ቀይሕ ባሕሪ ኣዚዩ ብሱል ኢዩ።
ኣብ ዝቕጽል ክፋል እዚ ጽሑፍ ርኽበታት ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ብዛዕባ ቀዳማዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ክቐርብ ኢዩ።
መወከሲ ነጥብታት
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
- ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
- ላቲትዩድ ካብ ኢቋቶር-ምድሪ ንሸነኽ ሰሜን ወይ ደቡብ ዘሎ ኩርናዓዊ ርሕቐት ዝዕቅን ኢዩ። ↩︎
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Paulin: Paris. ↩︎
- ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
- ጽንዓተጎቦ ስነፍልጠት ጎቦታት ኢዩ። ↩︎
- ኣብ’ዚ ነታ ስማ ንብምልኡ ዞባ ትግራይ ዘስመየ፡ ኣብ ታሪኽ ሕምብርቲ ምድረትግርኛ ዝነበረት ቀንዲ ኣውራጃ ትግራይ ኢዮም ዝጠቕሱ ዘለዉ። ቀንዲ ኣውራጃ ትግራይ ብኣንፈት ምብራቕ ምስ ኣውራጃ ዓጋመ፡ ብምዕራብ ምስ ኣውራጃ ሽረ፡ ብደቡብ ምስ ሩባ ዋሪ ከምኡ’ውን ብሸነኽ ሰሜን ምስ ሩባ መረብ ትዳወብ ነይራ። ↩︎
- ጽቑጠእሳታዊ ከውሒ ኣብትሕቲ ገጽምድሪ ብምድራቕ እሳተምካኽ ዝፍጠር ዓይነት ከውሒ ኢዩ። ↩︎
- ልዉጣዊ ከውሒ ካብ ናይ ፈለማ ኣቃውምኡ ብምቖት ከምኡ’ውን/ወይ ብጸቕጢ ዝተለወጠ ዓይነት ከውሒ ኢዩ። ↩︎
- Rivière, Alphonse (1839) Eléments de Géologie pure et appliquée ou Résumé d’un cours de géologie descriptive, spéculative, industrielle et comparative. Méquignon-Rivière: Paris. ↩︎
- ሞጥማጥሞጉእ ሰረቱ ዓንኬል ዝዀነ፡ ሸላሕቲ ጐድኑታቱ ከኣ በብቑሩብ እናጸበቡ ሞጥማጥ ጫፍ ዘቑሙ ቅርጺ ኢዩ። ↩︎
- ጉልላት ቁልቁልኣፉ ዝተደፍአ ውሽጠቀይናን ቅርጺ ኢዩ። ↩︎
- ዝርዝር ገለጻታት ስጉድእምነኖራዊ፡ እምነእንቁላሊሓዊ፡ ስላሳዊ፡ ከምኡ’ውን ፍሓማዊ ወይ ከሰላዊ መሬታት ንምርካብ፡ ንኣብ 1839 ብኣልፎንዝ ሪቪየር ዝተሓትመ መጽሓፍ “Eléments de Géologie pure et appliquée ou Résumé d’un cours de géologie descriptive, spéculative, industrielle et comparative” ተወከስ። ↩︎
- ንዝርዝር ገለጻ ኩሩሻዊ መሬታት፡ ንኣብ 1839 ብኣልፎንዝ ሪቪየር ዝተሓትመ መጽሓፍ “Eléments de Géologie pure et appliquée ou Résumé d’un cours de géologie descriptive, spéculative, industrielle et comparative” ተወከስ። ↩︎