እዚ 2ይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ ዝተወስደ ኢዩ።3 ሎሚ ንብስርነታይ፡ ቁልዓይ፡ ተዛመድቲ ኣኻውሕን ዝቘሙ ቀዳማዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ክንርኢ ኢና።

ቀዳማዊ መሬታት በቶም ምስ ሓድሕዶም ዝዛመዱ ዝሸምገሉ ኣኻውሕ ዝቘሙ ኢዮም። ስርነታይ፡ ቁልዓይ፡ ሩፍራፍፍሉጻይ፡ ፍሉጸኛ ቦኽራይ፡ ገለ ክፋል ዓፍራይፍሉጻያት ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ ትሕቲ እዞም ዝዘርዘርናዮም ዝቑጸሩ ዝተፋላለዩ ኣኻውሕ ዘጠቓለሉ ድማ ኢዮም። እዚኣቶም ኩሎም ኣብ ቁልዓያዊ መሬት ኣይቶ ሪቪየር ክሕቈፉ ዝከኣል ይመስል።4 ንኣንፈት ብቐዳማዊ ኣኻውሕ ናይ ቁልዓያዊ መሬት ዝቘሙ ኣኽራናት ታረንታ5 ከምኡ’ውን ማእከላዊ ገምጋም ኣንፈት ዝረኣናዮም ኣስዒብና እውን እንገልጾም በብዓይነቶም ኣኻውሕ እንተወሲድና፡ ሓፈሻዊ ኣንፈት ቀዳማዊ መሬታት ምድረሓበሻ6 ብኣውርኡ ካብ ሰሜናዊምዕራብ ናብ ደቡባዊምብራቕ ምዃኑ ንዕዘብ። እምበኣርከስ ናብ ገለጻ ዝረኣናዮም ኣኻውሕ ቀዳማዊ መሬታት ምድረሓበሻ ብመሰረት ልዕለኣቀማምጣ፡ ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ ብመስርዕ ልዑል ተኽእሎ ቀደምተኸተል ኣፈጣጥርኦም ክንሰግር።

ስርነታይ

ስርነታይ ብባህሪኡ ካብ ጥቡቕታይ፡ ጥምቢሓቒቕን ሩፍራፍን ዝቘመ ሓቒቓዊ ከውሒ ኢዩ። ኣስታት 15 ኪሎሜተራት ካብ ጉልዞቦ ንኣንፈት ሰሜናዊ-ምብራቕ፡ ኣብቲ ካብ ሓላይ ናብ ጉልዞቦ ዝወስድ መንገዲ፡ ስርነታይ ንረክብ። መብዛሕትኡ ከኣ ጽዕዱው ወይ ጨብራው ስርነታይ ኢዩ።

ኣብ መንጎ ጉንደትን ሓዲሽ ዓድን፡ ስርነታይ ነቲ መረብ ዝውሕዘሉ ከብዲ ሩባ የቕውም። ዳርጋ ጥምቢሓቒቕ ዘይርከቦ ኰይኑ፡ ጸሊም-ሓምላይ ሩፍራፍ ዘለዎን ብዙሕሳዕ ከኣ ኣደንጋራይ ዝሓዘን ጨብራይ ሳይነታያዊ ስርነታይ ኢዩ። ብመትንታት ነባረታይ ዝተመሳቐለን ብሳይነታይ ዝተኸበን እውን ኢዩ። እዚ ኩነታት ድማ ይውሓድ ይብዛሕ ክልወጥ ከምዝገበሮ ዘጠራጥር የብሉን። እዚ ስርነታይ ብቐሊሉ ዝፈራኸሽ ኰይኑ፡ ማያት መረብ ዝገላበጥሉ ሑጻዊ መንጸፍ ይፈጥር።

ኣብ መንጎ ሓዲሽ ዓድን ዓደኣርባዕተን፡ ስርነታይ ኣብ ከብዲ ብዙሓት ሩባታት ሓሓሊፉ ተቐሊዑ ሓሓሊፉ ከኣ ብኻልኦት ኣኻውሕ፡ ብቐንዱ ድማ ብቈጽለታይ፡ ተሸፊኑ ንርኢ። እዚ ምናልባት ምስ ደንደሳት መረብ ዝዛመድ ስርነታይ፡ መብዛሕትኡ እዋን ጽዕዱው ወይ ጭብሩው ኢዩ።

ኣብ ዝዀነ ካልእ ቦታ ሓቀኛ ስርነታይ ኣይረኣናን። ይኹን እምበር ኣብ ካልእ ከባቢታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገረ ሳሆ ክርአ ተኽእሎ ኣሎ። ስርነታይ ኣብ ምድረሓበሻ ሳሕቲ ዝቕልቀል ከውሒ ምዃኑ ግና ርጉጽ ኢዩ። ከምሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ኩሉ ቦታታት፡ ሒደት ፍሉያት ክስተታት ገዲፍካ፡ ብኻልኦት ኣኻውሕ ዝተዓብጠ ኢዩ።

ጥሙራይ ብልሙድ ኣብ ትሕቲ ስርነታይ ዝምደብ ሓቒቓዊ ከውሒ ከምኡ’ውን ብባህሪኡ ካብ ጥቡቕታይን ጥምቢሓቒቕን ዝተፈጥረ ኰይኑ፡ ኣብ ውሑድ ከባቢታት የጋጥም። ከም ኣብነት፡ ኣብ መንጎ ዓዲ ባህራን ፍርፍራን ዝርከብ ስንጭሮ ከምኡ’ውን ኣብ ስንጭሮ ምራኻት፡ ጐልጐል ሽረ ዝረኸብናዮ ክንጠቅስ። ግናኸ ኣብ ክልቲኦም ቦታታት፡ እቲ ንኸብዲ እዞም ስንጭሮታት ዘቘመ ጥሙራይ ካብ ምስ ስርነታይ ዝያዳ ምስ ሳይነታይ ዝዛመድ ይመስል። እዚ ጥሙራይ ንሳይነታይ ዝሳገር፡ ብእኡ ኣቢሉ ከኣ ርእሱ ዝኻኣለ ፍሉይ ከውሒ ዝፈጥር እንተዀይኑ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኢዩ። እዚ ንብሎ ዘለና ክዉን እንተዀይኑ፡ ዝያዳ ዘመናዊ ዕድመ ካብ ሳይነታይ ንላዕሊ ክህልዎ ዝገብርን ከምኡ፣ውን ካብ ከውሕታት ቁልዓያዊ መሬት ዝተፈጥርሉ ዝጐደለ ጥንታውነት ዘውህቦ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ስንጭሮታት ምራኻትን ፍርፍራን ዘሎ ጥሙራይ፡ ብቐረባ ምስ ሳይነታይ ዝተታሓሓዘ ከምኡ፣ውን ካብ ምጥፋእ ዝሓዞ ኣደንጋራይ ዝሰዓበ ስነማዕድናዊ ድንገት ናይ ቁልዓያዊ ከውሒ ይመስል። ስለዝዀነ፡ ካብ ልሙድ ክውንነት ብተጻራሪ ንጥሙራይ ምድረሓበሻ ኣብክንዲ ኣብ ስርነታይ ኣብ ሳይነታይ ከምዝተመርኰሰ ክንሓስቦ ንግደድ። ስለ፣ዚ ድማ ኢና ምስ መሰጋገሪ መሬታት ዘታሓሓዝናዮ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ሳይነታያዊ ጥሙራይ ብሓፈሽኡ ጽገሬዳዊ ሕብሪ ዘለዎ ኰይኑ፡ ምስ መሽመሸ ናብ ካውሊን ይቕየር። ብዙሕሳዕ እውን ዉርቃይ፡ ሮማናይ፡ ወዘተ ዝሓዘ ኢዩ።

ቁልዓይ

ቁልዓይ ወሓደ በዝሐ ፍሉጻዊ ኰይኑ፡ ብባህሪኡ ብጥቡቕታይን ሩፍራፍን ዝቘመ ሓቒቓዊ ከውሒ ኢዩ። ቁልዓይ ኣብ ምድረሓበሻ ብቐንዱ ኣብ፣ቲ ኣብመንጎ ቀይሕ ባሕርን ኣኽራናት ታረንታን ዘሎ ከባቢታት ዝርከቡ ክልተ ጉሉሓት ቅናውቲ ይፈጥር። እዞም ክልተ ቅናውቲ፡ ምናልባት እውን ኣብትሕቲ ካልኦት ኣኻውሕ ሓደ ጥራሕ ዝዀኑ፡ ልክዕ ከም፣ቲ ካልእ ቁልዓያዊ መሬት፡ ካብ ደቡባዊምብራቕ ናብ ሰሜናዊምዕራብ ዝኣንፈቱ ኢዮም። እዚ ብሓፈሽኡ ናይ ኩላቶም ቀዳማዊ መሬታት ምድረሓበሻ ኣንፈት ኰይኑ፡ ኣንፈት ስርዓት ጎቦ ታረንታን ገማግም ቀይሕ ባሕርን እውን ኢዩ።

እቲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝያዳ ዝቐረበ መሮር ቁልዓይ ዝተሓተ ኢዩ። ብጥቓ ሳዓቲት፡ ኣብ መንጎ ምጽዋዕን ዓይሌትን፡ ገይሩ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ነቶም ብምጽዋዕ ኣቢልና ናብ ምድረሓበሻ ክንኣቱ ከለና ዝጐንፉና ቀዳሞት ኣኽራናት የቕውም። እዚ ቅናት ቁልዓይ ንዘመናዊ መሬታት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከም መኽተሚ የገልግል። ኣብ፣ዚ ቁልዓይ ኣብ ሓደ ወገን፡ ገፋሕቲ ካብ ዒስራን-ሓሙሽተን ክሳብ ሳላሳ ሰንቲሜተር ዝበጽሑ ክስተታት ሩፍራፍ ንዕዘብ። እቲ ካልኣይ ቅናት ቁልዓይ ንእግሪ ናይ መወዳእታ ሰንሰለት ታረንታ ይኽተል። ምናልባት ቁልዓይ እዚ ሰንሰለት ንዝዓርፈሉ መሰረት ዘቈመ ኢዩ። ዝበረኸ ጫፉ ካብ ጽፍሒ ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ኣርባዓን-ሰለስተን ሜትሮታት ይልዕል። ዋላ፣ኳ እቲ ቀዳማይ ቅናት ቁልዓይ ምስቲ ካልኣይ ቅናት ቁልዓይ ፈጺሙ ብብራኺኡ ዘይዳረግ እንተዀነ፡ ልዕሊ ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢትን ሜትሮታት ኣቢሉ ካብ ጽፍሒ ቀይሕ ባሕሪ ይብርኽ። ኣብ ሰንሰለት ታረንታ ዝርከብ ቁልዓይ፡ ብዙሕሳዕ ሮማናያዊ ኰይኑ፡ ወሓደ በዝሐ ዝተለወጠን መትንታት ጸባዊ-ጻዕዳ ጥምቢሓቒቕ ዝርኣየሉን ኢዩ።

ኣብ፣ዚ ክፋል ምድረሓበሻ፡ ቁልዓይ ምስ ሩፍራፍፍሉጻይ ከምኡ፣ውን ፍሉጸኛ ቦኽራያት ዝተታሓሓዘ ኢዩ። ብተወሳኺ ወሓደ በዝሐ ምስ ሳይነታይን ምስ ገሊኣቶም ዓፍራይፍሉጻያትን ዝተኣሳሰረ ይመስል። ቁልዓይ ኣብ ካልኦት ክፋላት ምድረሓበሻ ዝቕልቀል እንተዀይኑ፡ እዚ ሳሕቲ ጥራሕ ዘጋጥምን ኣብ ከብዲ ሩባታት ጥራሕ ዝኽሰትን ክኸውን ኣለዎ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  2. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  3. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
  4. Rivière, Alphonse (1839) Eléments de Géologie pure et appliquée ou Résumé d’un cours de géologie descriptive, spéculative, industrielle et comparative. Méquignon-Rivière: Paris. ↩︎
  5. ሰንሰለት ኣኽራን ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቘመ ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎
  6. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎