ቋንቋ ግእዝ
እዚ ጽሑፍ ሓጺር መእተዊ ንቋንቋ ግእዝ ኢዩ።
እዚ ጽሑፍ ሓጺር መእተዊ ንቋንቋ ግእዝ ኢዩ።
እዚ 2ይ ክፋል ናይ’ቲ ንታሪኻዊ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ዝምድናታት ተዛረብቲ ትግርኛ ኤርትራን ኢቲዮጲያን ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ብምምርማር፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ክልቲኡ ሃገራት ዘስዓቦ ውጽኢት ዘቕርብ ብሪቻርድ ትሪቬሊ ኣብ 1998 ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኢዩ። ካብ 1700 ክሳብ መወዳእታ 1800 ዝተራእዩ ክስተታትን ሳዕቤናቶምን ክንፍትሽ ኢና።
“ዝተመቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፣ መብሪሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢቲዮጲያን ኤርትራን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ Richard M. Trivelli ኣብ 1998 ኣብ መጺሄት Afrika Spectrum ቅጺ 33፡ ቁጽሪ 3፡ ገጻት 257-289፡ ዘስፈሮ ሰፊሕ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ዓንቀጽ ንሎሚ ኣብ ኢቲዮጲያን ኤርትራን ንዕዘቦ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት መሰረታዊ ጠንቅታቱ ብልክዕ ክንርድኦ ስለዝሕግዘና ናብ ትግርኛ በቢ ክፋል ተርጒመ ከቕርቦ ወሲነ ኣለኹ። እዚ ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ዝነበረ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ርክባት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራን ኢቲዮጲያን ብምምርማር፡ ከመይ ኢሉ ናብ’ዚ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ዕግርግርን ከም ዝማዕበለ ይገልጽ። ንሎሚ 1ይ ክፋሉ እነሆ።
ዕለት 23 ግንቦት 1997፡ ኣቃዋሚ ባይቶ ሃገረ ኤሪትራ ነቲ 3 ዓመታት (1994-1997) ዝወሰደ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ሃገርና ብምጽዳቕ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክነግሰሉን ህዝቢ ዝብህጎ መሰላትን ፍትሕን ዝረኽበሉ፡ ሃገርና ከኣ ናብ ርግኣትን ሰላምን ከተምርሓሉ እትኽእል መድረኽ ንምስግጋር ካብኡ ዝድለ ዝነበረ እጃም ፈጺሙ። ኣገዳስነት ኣብ’ቲ ዕለት መፈጸምታ ዝረኸበ ቅዋምና ኣብ ምሕዳስ ዝተረመሰት ሃገርናን ኣብ ምምላስ ዝተጨውየ ሃገራዊ ሕልምናን ብምርዳእ፡ ንሕመረት ትሕዝቶ ቅዋምና ነቶም ትፈልጥዎ መዘኻከሪ መታን ክኸውን ነቶም ዘይትፈልጥዎ ከኣ ንኽትፈልጥዎ ንምትብባዕ ብምባል ጸሚቘ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።