ፖለቲከኛ’ዶ ሃገረኛ?
ኣብ ዓውዲ ፖለቲካዊ ፍልጠት፡ 2 ብዙሕ ግዜ ዝደጋገሙ ቃላት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ‘ፖለቲከኛ’ (politician) ከምኡ’ውን ‘ሃገረኛ’ ወይ ‘ናይ ሃገር ሰብ’ (statesman) ኢዮም። መብዛሕትኡ ሰብ እንዳቀያየረ ይጥቀመሎም። እንተዀነ ግና ዝተፈላለየ ትርጉም ዝሓዘሉ ኢዮም።
ኣብ ዓውዲ ፖለቲካዊ ፍልጠት፡ 2 ብዙሕ ግዜ ዝደጋገሙ ቃላት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ‘ፖለቲከኛ’ (politician) ከምኡ’ውን ‘ሃገረኛ’ ወይ ‘ናይ ሃገር ሰብ’ (statesman) ኢዮም። መብዛሕትኡ ሰብ እንዳቀያየረ ይጥቀመሎም። እንተዀነ ግና ዝተፈላለየ ትርጉም ዝሓዘሉ ኢዮም።
እዚ ዓንቀጽ ንኣተሓሳስባን ፖሊሲታትን ህግሓኤ/ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ዴሞክራሲ ዝፍትሽ ኢዩ።
እዚ ዓንቀጽ ከመይ ኢሉ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ጭቈና ብስቱርን ቀስብቐስን ከም ዝማዕበለ ዝገልጽ ኢዩ።
ዕለት 23 ግንቦት 1997፡ ኣቃዋሚ ባይቶ ሃገረ ኤሪትራ ነቲ 3 ዓመታት (1994-1997) ዝወሰደ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ሃገርና ብምጽዳቕ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክነግሰሉን ህዝቢ ዝብህጎ መሰላትን ፍትሕን ዝረኽበሉ፡ ሃገርና ከኣ ናብ ርግኣትን ሰላምን ከተምርሓሉ እትኽእል መድረኽ ንምስግጋር ካብኡ ዝድለ ዝነበረ እጃም ፈጺሙ። ኣገዳስነት ኣብ’ቲ ዕለት መፈጸምታ ዝረኸበ ቅዋምና ኣብ ምሕዳስ ዝተረመሰት ሃገርናን ኣብ ምምላስ ዝተጨውየ ሃገራዊ ሕልምናን ብምርዳእ፡ ንሕመረት ትሕዝቶ ቅዋምና ነቶም ትፈልጥዎ መዘኻከሪ መታን ክኸውን ነቶም ዘይትፈልጥዎ ከኣ ንኽትፈልጥዎ ንምትብባዕ ብምባል ጸሚቘ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።