ማእከላዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን፥ ቈጽለታያዊ መሬትን ማእከላዊ ዓፍራይፍሉጻይን

እዚ ራብዓይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን ሰሜንን ኰይኑ፡ ንብቈጽለታያዊ መሬትን ማእከላዊ ዓፍራይፍሉጻይ ኣኻውሕን ዝተፈጥሩ ማእከላዊ ወይ መሰጋገሪ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ከኣ የቕርብ።

ሩፍራፍፍሉጻይ፡ ቦኽራይን ዓፍራይፍሉጻይን – ቀዳማዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን

እዚ ሳልሳይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን ሰሜንን ኰይኑ፡ ካብቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ ዝተዳለወ ኢዩ። ንብሩፍራፍፍሉጻይ፡ ቦኽራይ ከምኡ’ውን ዓፍራይፍሉጻይ ኣኻውሕ ዝቘሙ ቀዳማዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ከኣ የቕርብ።

ቀዳማዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን፥ ስርነታይ፡ ቁልዓይ፡ ተዛመድቲ ኣኻውሕን

እዚ ጽሑፍ 2ይ ክፋል ናይቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝቐረበ ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን ሰሜንን ኰይኑ፡ ንብስርነታይ፡ ቁልዓይ፡ ተዛመድቲ ኣኻውሕን ዝቘሙ ቀዳማዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ይድህስስ።

ርክባት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ መስርሕ ምቛም መግዛእቲ ጣልያን

እዚ 3ይ ክፋል ናይ’ቲ “ዝተማቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፣ መብርሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢትዮጲያን ኤርትራን” ዘርእስቱ ንዝምድናታት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ብምምርማር ሳዕቤናቱ ኣብ ህሉው ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝገልጽ ብሪቻርድ ትሪቬሊ ዝተጻሕፈ መጽናዕታዊ ዓንቀጽ ኢዩ። ኣብ መስርሕ ምምስራት መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእዩ ርክባት ተዛረብቲ ትግርኛ ድማ ይትንትን።