ዝምድናታት ከበሳን ትግራይን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያንን እዋን ፈደረሽንን
ኣብ 4ይ ክፋል ናይ “ዝተማቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፣ መብርሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢትዮጲያን ኤርትራን” ዘርእስቱ ንዝምድናታት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ብምምርማር ሳዕቤናቱ ኣብ ህሉው ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝገልጽ ብሪቻርድ ትሪቬሊ ዝተጻሕፈ መጽናዕታዊ ዓንቀጽ፡ ዝምድናታት ከበሳውያንን ተጋሩን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያንን እዋን ፈደረሽንን ከመይ ከም ዝነበረ ክንፍትሽ ኢና።