ርክባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ካብ ኤርትራ ሓራ ዝወጸትሉ ክሳብ ሪፈረንደም ዝተኻየደሉ
እዚ 7ይ ክፋል ናይ’ቲ “ዝተማቓቐለ ታሪኻት፡ ናይ በለጽ ሽርክነታት፣ መብርሂታት ድሕረባይታ ኲናት ኢትዮጲያን ኤርትራን” ዘርእስቱ ንዝምድናታት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ብምምርማር ሳዕቤናቱ ኣብ ህሉው ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝገልጽ ብሪቻርድ ትሪቬሊ ዝተጻሕፈ መጽናዕታዊ ዓንቀጽ ኢዩ። ሎሚ ድሕሪ ምጉንጻፍ ሓርነት ኤርትራ ክሳብ እዋን ሪፈረንደም ዝነበሩ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ፍጻሜታት ክንትንትን ኢና።