እዚ ሻሙናይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ3 ዝተዳለወ ኢዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ፡ ንተቓጻሊ ቀጽዖታት ካልኣዊ መሬት ምድረትግርኛን ሰሜንን ከነቕርብ ኢና።

ኣብነት ገለ ስነምድረኛታት ብምስዓብ፡4 ንብምሉኡ ካብ ጓህራይ-ሓዘል መሬትን ከሰል-ሓዘል መሬትን ክሳብ ሳልሳዊ መሬታት ዘሎ ተኸታታሊ ቀጽዖታት ኣብ ካልኣዊ መሬት መዲብናዮ ኣለና። ይኹን እምበር፡ ካብ ቀጽዖታት እዚ ተርታ መሬት ኣብ ምድረሓበሻ5 ምህላዎም ብቐጥታ ክንዕዘቦም ዝኻኣልና ቀጽዖታት ናይ እምነእንቁላሊሓዊ ጉጅለ ጥራሕ ኢዮም። እንተዀነ ግና ብዛዕባ እቶም ዘይራኣናዮም፡ ግናኸ ኩሉ ርእዮታት ከምዘመልክቶ ንሓመድ ገለ ክፋላት እዚ ሃገር ዘቑሙ እውን ቁሩብ ክንዛረብ ኢና።

ፍሓሚ መሬት

ተቓጻሊ መሬት

ኣብ ምድረሓበሻ ከሰል ወይ ጓህራይ-ሓዘል መሬት ክህሉ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ብመሰረት ተዛማዲ ኣሰራርዓን ተኸታታልነትን እቶም መሬታት፡ ዋላ እውን ኩላቶም እንተዘይበልና፡ ገለ ክፋል ፍሓማዊ መሬታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምብራቕ-ደቡብምብራቕ ጫፍ ቀንዲ ምድረሓበሻ፡ ብሸነኽ ሸዋ፡ ብሓደ ወገን ንእምነእንቁላሊሓዊ መሬታት ተኸቲሎም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንስላሳዊ መሬታት ስዒቦም ከምዝርከቡ ዳርጋ ርግጸኛታት ኢና። ክሳዕ ንትንበያና ምሉእብምሉእ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ዘንበብናሉ፡ ርእይቶና ከምዚ ዝጠቐስናዮ ነይሩ። ካብቲ ዘንበብናዮ ጸብጻብ እምበኣር ነዚ ዝስዕብ ሕጡበጽሑፍ ከነካፍል፥

“ኣብ ምድረሓበሻ፡ ኣብ ዶብ ወሎ-ኦሮሞን ሸዋን፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዋት ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ ርሕቐት እቲ ናብ ፈለግ ኣዋሽ ዝጽንበር ሮቢ-ወንዝ፡ ከሰል ተራእዩ ኣሎ። እዞም ከሰላታት ምድረሓበሻ ብኽልተ ገያሾ ኣብ ጫፍ ናይቶም ከበሳታት ዝተረኽቡ ኢዮም። ኣብ ዘለኒ ሒደት ኣፍልጦ ስነምድርን ምርመራ እቲ መሬትን ተመርኲሰ፡ ናብ ታረንታ6 ገጽ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ኣብ ምብራቓዊ ጫፍ ሓደ ብስነምድራዊ ኣጠማምታ መቐጸልታን መዛዘምን ከበሳ ሸዋ ክበሃል ዝከኣል ሰፊሕ ከበሳ ዝተደኰኑ፡ ሓላይን ዝባን ቡርን እውን ክርከቡ ከምዝኽእሉ ተኣማንነት ይስምዓኒ። እዚ ማለት ድማ፡ እቶም ግራውቲ ከሰል ካብ ባሕሪ፡ ብፍላይ ብመንገዲ ቡር ታሕታይ፡ ኣዚዩ ሓጺር ርሕቐት ክህልዎም ማለት ኢዩ።”7

ጸሓፊ እዚ ጸብጻብ፡ ነዳዲ-ሓዘል ቀጽዖታት ኣብ ጥቓ ሓላይ -ኣብ ኣኽራናት ታረንታ፡ ይህልዉ ኢዮም ክብል ከሎ ኣብ ድምደማታቱ ቁሩብ ካብ ልክዕነት ዝሓለፈ ኢዩ። መኽንያቱ እቶም ነዞም ኣኽራናት ዘቘሙ ቀጽዖታት ካብቶም ንጓህራይ-ሓዘልን ከሰል-ሓዘልን ዝፈጥሩ ቀጽዖታት ዝሸምገሉ ኢዮም። እንተዀነ ግና ፍሓሚ-ጉጅለ ቀጽዖታት፡ ኣብ ደረት ከውሒ-ጨው መሬታት፡ ምናልባት ምስ ስላሳዊ ጉጅለ መሬት ዝምደብ፡ ኣብ ሃገረ ዓፋር8 ዘይህልወሉ መኽንያት የለን።

ርኢቶናን ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሕጡበጽሑፍን ንምርጓድ፡ ካብ መጽሓፍ ናይ ኣይቶ ሮሼ-ደሪኮርት ነዚ ዝስዕብ ሕጡበጽሑፍ ከነቕርብ፥

“ባሕቲ ጥቅምቲ፡” ይብል ንሱ፡ “ዓሰርተ-ሓሙሽተ ኪሎሜተራት ሰሜን-ሰሜንምዕራብ ካብ ቲያኑ ርሒቑ፡ ገና ዝዀነ ዓይነት ኩዕታ ዘይተኻየደሉ ደረቕ መዐደኒ ከሰል ረኺበ። 1.5፡ 2፡ ዋላ፣ውን 13 ሜትሮታት ዝምርጓዶም፡ ብቕጥራናዊ ዋላኻ ዝተሸፈኑ ቀጸላታት ይፈጥር። ምስ ሓወይቶ ሓጺን ዝተሓወሰ ድማ ኢዩ። ርኡይ ቁመቱ 87 ሜትሮታት ኣቢሉ ይኸውን። ምዕዳኑ ኣዚዩ ቀሊል ክኸውን ኢዩ። ኩሎም ነገራት ኣዚዩ ሃብታም ውጽኢታት ከምዘፍሪ የመልክቱ። ንንጉስ [ፈረንሳ] ከርእዮ ብማለት፡ ምሳይ ገለ መርኣያታት ዝኸውን ወሲደ። በዚ ሰናይ ዕድል ተደሲተ፤ ንዓይ ኣብቅድሚ እቶም ልዑል መጎስ ዘውህብ ኣጋጣሚ ስለዝፈጠረለይ።”9

ምህላው ተቓጻሊ መሬት ኣብ ምድረሓበሻ ጠቓሚ ኢዩ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ምህላው መዐደኒታት ሓጺን፡ ዲንን ነሓስን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መጻኢ ብዙሓት ትካላት ዕዮ ንምቛም ከኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ንሸቐጥን ንግድን ኣዚዩ ከርብሕ ኢዩ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  2. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  3. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
  4. Rivière, Alphonse (1839) Eléments de Géologie pure et appliquée ou Résumé d’un cours de géologie descriptive, spéculative, industrielle et comparative. Méquignon-Rivière: Paris. ↩︎
  5. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
  6. ሰንሰለት ኣኽራን ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቘመ ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎
  7. Aubert-Roche, L. L. (décembre 1843) Mer Rouge, mer des Indes. Revue de l’Orient, vi cahier, pag. 350. ↩︎
  8. ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ዓፋር ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ጠልጣል” ዝብል ቃል ኢዩ። እዚ ቃል ቀደም ሓበሻውያን ንህዝቢ ዓፋር ዝጽውዕሉ ቃል ኢዩ ነይሩ። “ዓፋር” ዝብል ቃል ከኣ ነቲ ንሳቶም ዝነብርሉ ዞባ ንምስማይ ይጥቀምሉ ነይሮም። “ዓፋር” ቅጽላዊ ኣቃውማ “ዓፈር” ዝብል ቃል ኰይኑ፡ ትርጉሙ ከኣ “ሓማድ”፡ “ዶራን” ማለት ኢዩ። እቲ ዞባ ደሮና ዝዕብሉኾ ምድረበዳውን ሓውሲምድረበዳውን ስፍራ ስለዝዀነ። ህዝቢ ዓፋር ግና “ዓፋር” ተባሂሎም ክጽውዑ ስለዝመርጹ፡ ኣብ ኩሉ “ጠልጣል” ንዝብል ቃል ብ”ዓፋር” ዝብል ቃል ተኪአዮ ኣለኹ። ↩︎
  9. Rochet d’Héricourt, C. E. X. (1841) Voyage sur la côte orientale de la mer Rouge, dans le pays d’Adel et le royaume de Choa. 1 vol. in-8°. Pag. 130. Paris. ↩︎