እዚ ራብዓይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ ዝተዳለወ ኢዩ።3 ኣብዚ ዓንቀጽ ንቈጽለታያዊ መሬትን ማእከላዊ ዓፍራይፍሉጻይ ኣኻውሕን ምድረትግርኛን ሰሜንን ብምፍታሽ ንማእከላዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ምቕራብ ክንጅምር ኢና።

ከም ማእከላዊ መሬት እንገልጾ መሬታት ክልተ ንኡስ ምድባት ዝሓዘ ኢዩ፥4

  1. ታሕታይ ወይ ቈጽለታያዊ መሬት።
  2. ላዕላይ ወይ ጸብጎላዊ መሬት።

ኣብ ምድረሓበሻ5 ማእከላዊ መሬታት ኣዚዮም ብሱላት ኰይኖም፡ ኣብ ማእከል እቲ ሃገር እውን መሰረት ሓመድ የቑሙ። ኣብ ኣዚዮም ዝፋላለዩ ብራኼታት እኳ ዝርከቡ እንተዀኑ፡ ብሓፈሽኡ ግና ንከብዲ ሩባታት ይፈጥሩ። ብዙሕሳዕ ክትርእዮ ኣዚዩ ዝምስጥ ጸፊሕ፡ ሓባጥጐባጥ ወይ ገያጽ ምድሪ የቑሙ። ምርኣይ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ዘለዉ ኣኽራናት፡ መረዳእታ ብዛዕባ ኣቃውማ በዞም መሬታት ዝተፈጥረ ሓመድ ዝህብ ኢዩ።

እቶም ልዕሊ ኩሎም ፈረይቲ ዝዀኑ ክፋላት ምድረሓበሻ መብዛሕትኡ እዋን ኣብቶም ብማእከላዊ መሬታት ዝቘሙ ዞባታት ዘለዉ ኢዮም። ሽሕእኳ እዞም መሬታት ኣዚዮም ብሱላት እንተዀኑ፡ ሓደ ክፋሎም ጥራሕ ኢና ከነለሊ ኪኢልና። ንሱ ድማ እቲ ምስ ቈጽለታያዊ መሬት እነዛምዶ ታሕታይ ክፋል ኢዩ። እቲ ካልኣይ ክፋል ግና፡ ማለት ጸብጎላዊ መሬት፡ ኣብ ዘይዳህሰስናዮም ዞባታት ዘሎ፡ ወይ ኣብቶም ዝዳህሰስናዮም ከባቢታት ብሳልሳዊ መሬት ዝተሓብአ ክኸውን ይኽእል። ነዚ ዝያዳ ርትዓዊ ዝገብሮ ከኣ፡ ተርታታት መሬታት ኣብዚ ክፋል ዓለም ዳርጋ ምሉእ ምዃኑ ከምኡ’ውን ሓደ ምስ ጸብጎላዊ መሬት ዝዛመድ ዝመስል ገፍሒ ምርካብና ኢዩ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ኣብዞም ማእከላዊ መሬታት ዝዀነ ትርፈሂወት ኣይረኣናን። እዚ ከኣ ዋላ እውን ትርፈሂወት እንተሃልዩ፡ ውሑድ ቁጽሪ ጥራሕ ዘለዎ ምዃኑ ዝእምት ኢዩ።

ቈጽለታያዊ መሬት

ኣብ ምድረሓበሻ ቈጽለታያዊ መሬት፡ ወይ ታሕታይ ክፋል ማእከላዊ መሬታት፡ ብብዙሓት ዓይነት ኣኻውሕ ዝቘመ ኢዩ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፡ ዓፍራይፍሉጻይ፡ ቈጽለታይ፡ እምነኖራ፡ ጭቀፍሉጻይ፡ ጸብጎላ፡ እምኒሑጻ፡ ጥምቢሓቄታይ፡ ሳይነታይ፡ ጥሙራይ፡ ወዘተ። ይኹን እምበር፡ ካብ ቀጸላውያን ኣኻውሕ ቈጽለታይ ቀንዲ ተራ ዝጻወት ክኸውን ከሎ፡ ካብ ዘይቀጸላውያን ኣኻውሕ ከኣ ሳይነታይ ቀንዲ ጽልዋ ዘለዎ ኢዩ። ማእከላይ ገምጋም ኣንፈት ብቐንዱ ብኣኻውሕ ቈጽለታያዊ መሬት ዝቘሙ ኣኽራናትን ሩባታትን፡ ከምኡ’ውን ማእከላይ ገምጋም ኣንፈት በዞም ኣኻውሕ ዝተፈጥሩ ቀጸላታት ወይ ኩማራትን መትንታትን እንተወሲድና፡ ሓፈሻዊ ኣንፈት ቈጽለታያዊ መሬት ካብ ሰሜናዊምብራቕ ናብ ደቡባዊምዕራብ ምዃኑ ንግንዘብ። እዚ ማለት ድማ ማዕረማዕረ ገምገም ወሽመጥ ዓደን ናይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ማለት ኢዩ። ሓፈሻዊ ኣንፈት ቁልዓያዊ መሬት ግና፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ክፋላት እዚ ጽሑፍ ዝበልናዮ፡ ማዕረማዕረ ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ።

ማእከላዊ ዓፍራይፍሉጻይ

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ንትሕዝቶ ዓፍራይፍሉጻይ ገሊጽናዮ ኢና። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ምድረሓበሻ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ኣቃውማ ዓፍራይፍሉጻይ ቀዳማዊ መሬታት ካብ ኣቃውማ ዓፍራይፍሉጻይ ማእከላዊ መሬታት፡ ሽሕእኳ ሓደ ዓይነት ንቡር ትሕዝቶ ዘለዎም እንተዀኑ፡ ብሓፈሻ ካብ ሓድሕዶም ብገለ ደጋዊ ባህርያት፡ ብነናቶም ምስልን ምስ ካልኦት ኣኻውሕ ብዘለዎም ምሕዝነታትን ይፈላለዩ። ዓፍራይፍሉጻይ ቀዳማዊ መሬታት፡ ሓደሓደሳዕ ብኣካላዊ ባህርያቱ፡ ምስቶም ኣኻውሕ ብዘለዎ ምሕዝነት፡ ዋላውን ብትሕዝትኡ፡ ናብ ሩፍራፍፍሉጻይቦኽራይን ይሰጋገር። ዓፍራይፍሉጻይ ማእከላዊ መሬታት ግና ናብ ቈጽለታይ ዝቕየር ኰይኑ፡ ብተወሳኺ ኣብ ምድረሓበሻ ኣብትሕቲኡ ይምደብ።

ስለዝዀነ ዓፍራይፍሉጻይ ማእከላዊ መሬታት ምድረሓበሻ ኣብ ትሕቲ ቈጽለታይ ዝምደብ ከውሒ የቕውም እምበር ርእሱ ዝኻኣለ ከውሒ ኣይፈጥርን ኢዩ። እዞም ክልተ ኣኻውሕ ክሓብሩ ከለዉ ግና ብሓፈሽኡ ነቲ ታሕታይ ክፋል ይሕዝ። እቶም ኣቐዲምና ኣባላት ማእከላዊ መሬታት ምዃኖም ዝጠቐስናዮም ዓፍራይፍሉጻያት ናይ ሩባ ገባን ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ከባቢታትን፡ ናይ ድግሳሎጎ-ሳርዳዓድዋ፡ ናይቲ ዓቢ ፈለግ ተከዘን ናብኡ ዝወስዱ ሩባታትን ኢዮም። (ኣብ ዝሓለፈ ክፋል እዚ ጽሑፍ ንዓፍራይፍሉጻያት ሩባ ገባ ኣብ ትሕቲ ቀዳማዊ መሬታት ስለዝገለጽናዮም፡ ደጊምና ኣይክንዛረበሎምን ኢና፡ ዋላእኳ ኣብዚ ዓንቀጽ እንተነቐምጦም ዝሓሸ ምዀነ።) ንቘጽለታያዊ ኣኻውሕ ድግሳሎጎ-ሳርዳዓድዋ ክንገልጽ ከለና፡ ገለ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ዓፍራይፍሉጻያት እዞም ቦታታት ክንህብ ኢና። ብዛዕባ ዓፍራይፍሉጻያት ሩባ ተከዘን ናብዚ ፈለግ ዝወስዱ ሩባታትን ብዝምልከት ከኣ ሒደት መብርሂ ቃላት ክንውስኽ ኢና።

ኣብ ከባቢ ትኹል ኣብ ጫፍ ሳልሳዊ ከበሳን ኣብ ትሕቲ ቈጽለታያትን ዓፍራይፍሉጻያት ተቐልቂሎም ይርኣዩ። ኣብ ላዕላይ ክፋል፡ ጽገሬዳዊ ዓፍራይፍሉጻይ ወይ ናብ ፍንጭላይ ወይ ጸብጎላ ዝሰጋገር ሓምላያዊ-ጨብራይ ዓፍራይፍሉጻይ፡ ወይውን ናብ ቈጽለታይ ዝሰጋገር ብጫ ዓፍራይፍሉጻይ ኢዩ። ኣብ ታሕታይ ክፋል ድማ፡ በንጻሩ ናብ ሩፍራፍፍሉጻይ ዝሰጋገር ጽገሬዳዊ ሮማናያዊ ዓፍራይፍሉጻይ ኢዩ። ኣብ ጥቓ ትኹል፡ እዞም ዓፍራይፍሉጻያት ብዝተነጸለ ንእሽቶ ሳልሳዊ ከበሳ ዝተሸፈኑ ኢዮም። ብተወሳኺ፡ ብነባረታያት ዝተመሳቐሉ ስለዝዀኑ፡ ኣዚዩ ዝተፋላለየ ድንገታት የስዕቡ። ብሓፈሽኡ ግና ካብ ሰሜናዊምብራቕ ናብ ደቡባዊምዕራብ ዝኣንፈቱ ኢዮም። ብመሰረት ተዛማዲ ኣቀማምጣታት እዞም ዓፍራይፍሉጻያት፡ ቈጽለታያትን እሳታዊ መበቆል ዘለዎም ኣኻውሕን፡ እዞም ዓፍራያት ኣኻውሕ ካብቶም ቈጽለታያትን ጸብጎላታትን ዘካየድዎም ዓበይቲ ምቅይያራት ዝሳዓቡ ክዀኑ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  2. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  3. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
  4. Rivière, Alphonse (1839) Eléments de Géologie pure et appliquée ou Résumé d’un cours de géologie descriptive, spéculative, industrielle et comparative. Méquignon-Rivière: Paris. ↩︎
  5. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎