እዚ ሳልሳይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኢዩ። ካብቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ ዝተዳለወ ድማ ኢዩ።3 ሎሚ ንብሩፍራፍፍሉጻይ፡ ቦኽራይ ከምኡ’ውን ዓፍራይፍሉጻይ ኣኻውሕ ዝቘሙ ቀዳማዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ክንፍትሽ ኢና።
ሩፍራፍፍሉጻይ
ሩፍራፍፍሉጻይ ብባህሪኡ ብጥምቢሓቒቕን ሩፍራፍን ዝተፈጥረ ሓቒቓዊ፡ ፍሉጻዊ ከውሒ ኢዩ። እዚ ሩፍራፍፍሉጻይ ወሓደ በዝሐ ምስ ቁልዓይን ፍሉጻዊ ቦኽራይን ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ዳሕረዋይ ከውሒ ኣብ ከባቢታት ቀይሕ ባሕሪ፡ ማለት ካብ ኣኽራናት ታረንታ4 ክሳብ ዘመናዊ መሬታት ገማግም ባሕሪ፡ ዝተደረተ ኢዩ። ኣብ ቁልዓይ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ኣብመንጎ እቲ ናይ መወዳእታ ከውሒ ዝርከቡ፡ ካብ ናሓድሕዶም ከኣ ብገዘፍቲ ደንጎላታት ሳይነታይ ዝተፈልዩ ክልተ ቅናውቲ ዘቕውም ኢዩ።
ሩፍራፍፍሉጻይ ሓደሓደ እዋን ጥቡቕታይ ተደሚርዎ ናብ ቁልዓይ ይቕየር፡ ሓደሓደ ግዜ ድማ ጥምቢሓቒቕ ምስበዘሖ ናብ መረጼነታይ5 ይልወጥ። ኣብ ጥቓ ዓይለት፡ ጨብራይ ጽገሬዳዊ ሕብሪ ዘለዎን ከም ቁልዓይ ናይዚ ሃገር ካብ ሰሜን-ሰሜናዊምዕራብ ናብ ደቡብ-ደቡባዊምብራቕ ዝኣንፈተን ኢዩ።
ቦኽራይ
ቦኽራይ ብባህሪኡ ብጽዕዳይ፡ ዓፍራይ፡ ወይ ብሓምለታይን ጥምቢሓቒቕን ዝቘመ ከውሒ ኢዩ። ብዝሓዞ መጠን ዓፍራይ ወይ ሓምለታይ ተደሪኹ ዳርጋ ፍሉጻዊ ክኸውን ከሎ፡ በንጻሩ ድማ ብዝሓዞ መጠን ጥምቢሓቒቕ ተጸልዩ ስርነታያዊ ይኸውን። ስለዝዀነ፡ ብዙሕ ዓፍራይ ዝሓዘ፡ ጥምቢሓቒቕ ግና ፈጺሙ ዘይብሉ ቦኽራይ፡ ብኣቃውማኡን ኣተኣላልማኡን ካብ ብዙሕ ጥምቢሓቒቕ ዝሓዘ፡ ዓፍራይ ግና ሒደት ዘለዎ ቦኽራይ ኣዚዩ ዝተፈልየ ኢዩ። እምበኣርከስ ንቦኽራያት ምክፍፋሎም ምናልባት ኣድላዪ ኢዩ። ከምኡ ብምግባር ድማ ነቲ ገሊኣቶም ቀጸላዊ ቦኽራያት ካልኦት ከኣ ዘይቀጸላዊ ቦኽራያት ብምባል ዝካትዕዎ ከነዕርፎ ንኽእል ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ዘስዕቦ ዘይንጹርነት ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ንልምዲ ክንክተል ኢና። ስለዚ እምበኣር ቦኽራይ ዝብል ቃል፡ ንመሮጣርን ንሒደት ወይ ባዶ ጥምቢሓቒቕ ዝሓዙ ከምኡ’ውን ብዘይምልዋጥ ፍሉጻውያን ዝዀኑ ዓፍራያዊ ኣኻውሕ ምድረሓበሻ6 ንምምልካት ክንጥቀመሉ ኢና።
ቦኽራይ ሓደ ካብቶም መባእታውያን ኣኻውሕ ኣኽራናት ታረንታ ኢዩ። ክልተ ከምቶም ኣኽራናት ዳርጋ ካብ ሰሜናዊምዕራብ ናብ ደቡባዊምብራቕ ዝኣንፈቱ ቅናውቲ ድማ የቕውም። ዓፍራይፍሉጻይ ኣብዘይብሉ፡ እዚ ቦኽራይ ኣብ ቁልዓይ ዝተመስረተ ኢዩ። ክልቲኦም ቅናውቲ ካብ ሓድሕዶም ብመሮጣራዊ ዓፍራይፍሉጻይ ዝተፈልዩ ኢዮም። እዚ መሮጣራዊ ዓፍራይፍሉጻይ ከም ሕሉፍ ዓይነት ናይቲ ቀንዲ ቦኽራይ ወይ ብውሕዱ ከም ኣብትሕቲ ቦኽራይ ዝዀነ ዓፍራይፍሉጻይ ክሕሰብ ይከኣል።
ቦኽራይ ታረንታ ብመትንታት ነባረታይን ዝሪግቶታትን ዝተመሳቐለ ኢዩ። ዝዀነ ዓይነት ምቅይያር እንተዘይገይሩ ሓምላይ ኢዩ። እንተተለዊጡ ግና ጻዕዳ ይኸውን፡ ናብ ካውሊን ድማ ይቕየር። ቦኽራይ ታረንታ ፍሉጻዊ ኰይኑ፡ ገለ ስነምድረኛታት ዓፍራያዊ ቁልዓይ ወይ ፍሉጸኛ ቦኽራይ ኢሎም ዝጽውዕዎ ይፈጥር።
ኣብ ኣስታት 300 ሜትሮታት ልዕሊ እግሪ ታረንታ በሪኹ ስለዝርአ ከምኡ’ውን ኣብ 222 ሜትሮታት ልዒሉን ኣብቲ 2538 ሜትሮታት ብራኼ ዘለዎ መሰጋገሪ ነቑጣ ወይ መሕለፊ ስለዝርከብን እዚ ከውሒ ንመብዛሕትኡ ክፋል ናይቲ ኣኽራናት ዘቕውም ኢዩ። ኣብ ምድረሓበሻ ካልኦት ብስነማዕድን ቦኽራይ ተባሂሎም ክምደቡ ዝኽእሉ ኣኻውሕ እውን ንረክብ ኢና። ይኹን እምበር እዞም ኣኻውሕ ድንገታት ናይዞም ቀጺልና እንዛረበሎም ዓፍራይፍሉጻያት ኢዮም።
ዓፍራይፍሉጻይ
ዓፍራይፍሉጻይ ብባህሪኡ ብዓፍራይን ጥምቢሓቒቕን ዝቘመ ፍሉጸኛ ከውሒ ኢዩ። ኣብ ሩፍራፍፍሉጻይ ወይ ፍሉጸኛ ቦኽራይ ዝተተርኣሰ ዓፍራይፍሉጻይ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ምድረሓበሻ ይርከብ። ኣብ ገሊኡ ሓያሎ ቦታታት መሬት ዝፈጥር እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኩሉ ግን ብንጹር ጠባያቱ ዘርኢ ኣይኰነን። እኳደኣ ኣብ መብዛሕትኡ ካብ ዓቢ ለውጢ ካልኦት ኣኻውሕ ዝስዕብ ኢዩ።
ስለዚ ሕጂ ብዛዕባ እቶም ኣባላት ቀዳማዊ መሬታትን ቁልዓያዊ መሬት ኣይቶ ሪቪየርን7 ዝመስሉ ዓፍራይፍሉጻያት ጥራሕ ክንዛረብ። ኣብ፣ዚ ምድብ ንዓፍራይፍሉጻያት ታረንታ ከነእትዎም። ዓፍራይፍሉጻያት ናይ ሩባ ገባ፡ ናይ ሰሜን ዓድዋ ከምኡ’ውን ናይ ሩባ ተከዘ ግና ዝያዳ ኣባላት ማእከላዊ መሬታት ክዀኑ ይኽእሉ።
ካብ ቀይሕ ባሕሪ ተበጊስካ ናብ ኣኽራናት ታረንታ ክትድይብ ከለኻ፡ ሓደ ቅናት ዓፍራይፍሉጻይ ትርኢ። እዚ ኣብመንጎ ክልተ ቅናውቲ ፍሉጸኛ ቦኽራይ ዝተቐርቀረ ኰይኑ፡ ኣብኣቶም ዝጽጋዕ ወይከኣ ብግምጣሉ ይመስል። መኽንያቱ ድማ እዚ ዓፍራይፍሉጻይ መሮጣራዊ፡ ሉዝያዊ፡ እዚ ዳሕረዋይ እንተዘይተቐይሩ ሓምላይ ከም ቦኽራይን ናብኡ እውን ዝሰግርን ስለዝዀነ ኢዩ። ብቐጸላውነቱ እውን ምስ ቦኽራይ ዝተኣሳሰረን ልክዕ ከምኡ ድማ ብነባረታያዊ ኣኻውሕ ዝተማሳቐለን ኢዩ። እምበኣርከስ ብስነምድራዊ ኣጠማምታ፡ ንገለጻ ዓፍራይፍሉጻይ ታረንታ ምስ ቦኽራይ ናይ፣ቲ ኣከባቢ ከነተሓሕዞ ይግባእ ነይሩ።
ብዛዕባ ካብ ዓዲ ግራት ናብ ጨለቆት ኣብ ንጓዓዘሉ ዝነበርና ግዜ ዝርኣናዮ ዓፍራይፍሉጻይ ናይ ሩባ ገባ ክንቅጽል። ድሕሪ ጸኒሕና እንዛረበሉ ሓደ ብሳልሳዊ እምነሑጻ ዝተፈጥረ ከበሳ ኣብ ላጽ ምሕላፍና፡ ከይደንጐና ኣብ በለሳ ንበጽሕ። ኣብዚ ሓደ ናብቲ ከብዱ ብዓፍራይፍሉጻይ ዝቘመ ፈለግ ገባ ዝጽንበር ንእሽቶይ ፈለግ ኣሎ። ከውሒ ዓፍራይፍሉጻይ ንሓመድ ኩላቶም ምስ ፈለግ ገባ ዝተኣሳሰሩ ሩባታት፡ ክሳብ ከባቢ ተከዘ፡ ዘቘመ ኢዩ። ኣብ በረኽቲ ቦታታት ግና ዳርጋ ብጋድማዊ ሳልሳዊ ኩማራት ዝተጐልበበ ኢዩ። ቀጸላታት እዚ ዓፍራይፍሉጻይ፡ ዝተረበሹን ዝተቐዱን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ድማ ዳርጋ ትኹላውያን ኰይኖም፡ ዘገርም ኣንጻር ናይ ጋድማውን ስሩዕን ትርኢት እምኒሑጻታትን ሳልሳዊ ዋላኻታትን ከበሳታት የቕርቡ።
ኣብ ሩባ ተከዘ፡ ኣብመንጎ እዚ ፈለግን ከበሳ ሽረን፡ ዓፍራይፍሉጻይ ንመሰረት እቲ ዝርአ ሓመድ ይፈጥር፡ ውቁባት ድንገታት የኸትል፡ ኩሉ ዓይነታት ዝንባሌታት ይጸሉ። ሓፈሻዊ ኣንፈቱ ግና ዳርጋ ካብ ሰሜናዊምብራቕ ናብ ደቡባዊምዕራብ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ኣብመንጎ ዓፍራይፍሉጻያት ተከዘን ታረንታን ዘሎ ፍልልይ ኣንፈት፡ ነቲ ቀዳማይ ካብቲ ዳሕረዋይ ዝወሓደ ጥንትውና ከምዘለዎ ገይርና ንቘጽሮ። ከም ሳዕቤኑ፡ ንዓፍራይፍሉጻያት ናይ ሩባ ተከዘ፡ ከባቢታት ድግሳ፡ ሎጎ-ሳርዳ፡ ዓድዋ፡ ገባ፡ ወዘተ፡ ካብ ቁልዓያዊ መሬት ነጺልናዮም ኣለና።
መወከሲ ነጥብታት
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
- ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
- ሰንሰለት ኣኽራን ተረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቘመ ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎
- መረጼነታይ ዝተረፈ መጸውዒ መረጼናዊ ጥምቢሓቒቕን ሩፍራፍን ዝሓዘ ጭዳይ ኢዩ። ↩︎
- ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
- Rivière, Alphonse (1839) Eléments de Géologie pure et appliquée ou Résumé d’un cours de géologie descriptive, spéculative, industrielle et comparative. Méquignon-Rivière: Paris. ↩︎