ሓደ ሳልሳዊ ከበሳ ካብ ዙርያ ኣኽሱም ጀሚሩ ክሳብ ሩባ ተከዘ ይዝርጋሕ፡ ኣብ፣ቲ ካልእ ደንደስ ናይቲ ፈለግ እውን ደጊሙ ይቕልቀል። እንተዀነ ግዳ፡ ኣብ መንጎ ዓድዋን ኣኽሱምን፡ ኣብ ገጽምድሪ፡ ልሙጽ፡ ጻዕዳው እምነሑጻ ንርኢ፡ ኣብ መሰረቱ ከኣ ብማንጋኔዝ ዝተለኽየ ልሙጽ፡ ቡናዊ እምነሑጻ። ኣብ መንጎ ሰለኽለኻን ማይ-ቱዋሮን፡ እምነሑጻ፡ ለሰታይን ሃንዛው ደምእምንን ንዕዘብ። ኣብ ጐልጐል ሽረ፡ ብእምነሑጻ ዝዕብለሉ፡ ዳርጋ ብርክት ዝበሉ ኩምራታት ደምእምንን ለሰታያትን ኣብ ትሕቲኦም ዝሓዙ፡ ዝተፈላለዩ ኣኻውሕ ኣለዉ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ስንጭሮ መራኻት፡ ጥቓ ኣበር ስመኻ፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋሉ ብነጠብጣብእምናዊ ካልሴዶናይ መዲድ ኣሳሒት፡ ወይ ብስጉድ ነጠብጣብእምኒ ከምኡ፣ውን ብዙሕሳዕ ብምልዋጥ ነጠብጣብእምኒ ብዝስዕብ ኣዚዩ ጽጻራይ ዋላኻ ዝተገብረ ሳልሳዊ ኩማር ተፈጢሩ ይርከብ። ኣብ ማእከላይ ክፋሉ፡ ልሙጽ ቀይሕ ሑጸታያዊ እምነሑጻ ክህልዎ ከሎ፡ ኣብ መሰረቱ ከኣ፡ ኣብ ሳይነታይን ጥሙራያትን ዝትርኣስ ልሙጽ ጻዕዳ እምነሑጻ ኣለዎ።
ኣብ ስንጭሮ ማይ-ትንከት፡ ሰሜን ካብ ዓዲ-ከስቲ፡ ገና ኣብ ሳይነታይ ዝትርኣስ፡ ሳልሳዊ ኩማር ኣብ መሰረት ሓደ 5 ሜትሮ ዝምርጓዱ፡ ቀጸላ ዋላኻዊ እምነሑጻ፡ ብኣዚዩ ቀጢን ቀጸላ፡ ሊላዊ፡ እምነበረደኛ ዋላኻ ወይ ዝዕጉላይ እውን ዝተሸፈነ፡ ንሱ ንባዕሉ ሓደ ቀጸላ በጫው፡ እምነበረደኛ፡ ዋላኻ-ጥምቢሓቄታይ ሙሽሙሽእምናዊ እምነሑጻ ዝሓዘለ፡ ቈይሙ ይርከብ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ሓደሓደእዋን፡ ብጻዕዳ ዋላኻዊ እምነሑጻ ዝተፈጥረ ቀጸላ፡ ሓደሓደግዜ ከኣ ብኣስታት 75 ሰንቲሜትሮ ዝምርጓዱ፡ ጨዓይ፡ ዋህዮኣዊ ቅርጸሓዋያዊ ኣሳሒት ዝቘመ ቀጸላ ይርአ።
ኣብ ጎቦ ዓዲ-ከስቲ፡ እቲ ልሙጽ እምነሑጻ ይውሓድ ይብዛሕ ዝማህመነን ዳርጋ ቀይሕ ዝሕብሩን ኢዩ።
ኣብ መንጎ ደብረ-ኣባይን ተከዘን፡ ናብ፣ቲ እቲ ፈለግ ዝውሕዘሉ ሩባ ኣዚዩ ዝቐረበ፡ ኣብ ዓፍራይፍሉጻይን ቈጽለታይን ዘዕርፍ፡ ሳልሳዊ ኩምራ ቈይሙ ኣሎ። ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ዝተፈጥረ ድማ ኢዩ፥
- ብቐጸላ ነጠብጣብእምኒ፡ ደምእምንን ለሰታይን፤
- ቀጸላ ሑጸታያዊ ቀይሕ እምነሑጻ።
ኣብ ፍረፍራ፡ እቲ ሳልሳዊ ኩምራ ጐልጐል ሽረ፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ነዞም ዝስዕቡ ክፋሌታት ዝሓዘ ኢዩ፥
- እምነበረደኛ ዝዕጉላይ፡ ወይ ካብ 2 ክሳብ 5 ሜትሮ ዝምርጓዱ ጽገሬዳዊ ትንኩዕኳዕ ዝዕጉላይ፤
- 33 ሰንቲሜትሮ ዝዓቐኑ፡ ወይናይ እምነበረደኛ ነጠብጣብእምናዊ ዝዕጉላይ፤
- ጻዕዳ ዝዕጉላይ፤
- ካብ 4 ክሳብ 5 ሜትሮ ዝምርጓዱ ዋላኻ-ሓጺናዊ ዝዕጉላይ፤
- ናብ ሙሽሙሽእምኒ ዝላበስ፡ ኣብ፣ቲ ሳይነታይ እውን ዝትርኣስ፡ 8 ሰንቲሜትሮ ዝምርጓዱ ጥረኛ ጽገሬዳዊ ዝዕጉላይ።
ኣብ ማይ-ሰርጒ፡ ጥቓ ትኹል፡ ኣብ፣ቲ ዓፍራይፍሉጻይ ዝተነጸለ፡ ብብዝሐዓይነታዊ ቀይሕ እምነሑጻ ዝቘመ፡ ምስ ሳልሳዊ መሬት እውን ዝምደብ ንእሽተይ ደጋ ንዕዘብ።
ከም፣ቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ኣብ ሓደ ጸቢብ ኣከባቢ እንተድኣ መርሚርና፡ ኩላቶም ሳልሳውያን ኩማራት ዳርጋ ጋድማውያን ኢዮም። ይኹን እምበር፡ ንሓፈሻዊ ቁልቁለታት እቶም ከበሳታት እንተድኣ ወሲድና፡ ካብ ሰሜን-ሰሜንምዕራብ ናብ ደቡብ-ደቡብምብራቕ ተዘርጊሖም ናብ ተከዘ ገጽ ከም ዝጋጠሙ ንግንዘብ።
እዚ ዓሰርተ-ሓሙሻይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ ዝተዳለወ ኢዩ።3
መወከሲ ነጥብታት
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
- ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎