እዚ ዓስራይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ3 ዝተዳለወ ኢዩ። ኣብ፣ዚ ዓንቀጽ፡ ንብስላሳዊ ቀጽዖታት ዝተፈጥሩ ካልኣዊ መሬታት ክንፍትሽ ኢና።
ብመሰረት ተዛማዲ ኣቀማምጣ ቀጽዖታት፡ ዋላ፣ውን ኩሉ እንተዘይበልና፡ ገለ ክፋል ስላሳዊ መሬት ኣብ ምድረሓበሻ4 ኣብ ሃገረ ዓፋር፡5 ምዕራብ ካብ ዞባ ትግራይ ክህሉ ይኽእል። ነዚ ዝያዳ ምኹኑይ ዝገብር ከኣ፡ ምስ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ እምኒሑጻ ወይ፣ውን ምስ ዝቃያየር ሕብሪ ዝሓዘ ማርጒላ ዝዛመድ ዝመስል፡ ብዲን ዝተዓጀበ ከውሒ-ጨው ኣብ ማእከል ዋላኻታት ወይ ማርጒላ ስለንረክብ ኢዩ።
ከውሒ-ጨው
ከውሒ-ጨው ኣብ፣ቲ ኣብ ከባቢታት ኣያሕለ፡ ዓላዑል፡ ጸሊም-ጸብሪ፡ ሮሮም፡ ጐራዕ፡ ረገት፡ ወዘተ፡ ዘሎ ጐልጐል ይርከብ። እዚ ጐልጐል ኣብ እግሪ ምብራቓዊ ቁልቁለት እቶም ንጥርዚ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘቑሙ ኣኽራናት ይዝርጋሕ። ሰብ ዓፋር ነቲ ጨው ኣብ ቃልዕ ኣየር ይምዝምዝዎ። ንኽልተ መዓላታት እውን የውዕልዎ፥ ንብልዕን ንባጤራን። መዐደኒታት ጨው ቀንዲ ምንጪ ሃብቲ ህዝቢ ዓፋር ኢዩ ነይሩ። ምስ ካልኦት ሓበሻውያን ሰፊሕ ንግዲ ጨው ከካይዱ ድማ የኽእሎም ነይሩ።
ጨው ሓደ ካብ፣ቶም ኣብ ማእከላይ መድረኽታሪኽ ምድረሓበሻ ከም ባጤራ ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ነገራት ኢዩ።6 ብፍላይ ካብ ዓደርቃይ ንደቡብ ኣብ ዘለዉ ቦታታት፡ ጨው እቲ ቐንዲ መካየዲ ልውውጥ ናይ ዓበይቲ መሸጣታት፡ ከም ዕድጊ ኣባጊዕ፡ ከብቲ ዝኣመሰሉ፡ ኢዩ ነይሩ።7 ከም ገንዘብ ኰይኑ ንኸገልግል፡ እቲ ከውሒ-ጨው ናብ 20 ሰንቲሜትሮ ዝምንውሑን 4 ሰንቲሜትሮ ዝምግፍሑን ማዕረኛጽፍሐገጻት ክቑረጽ የድሊ ነይሩ። ብመኽንያት ተሰባርነቱን ሓቓቕነቱን ኣብ ጠቕሚ ምውዓሉ ኣሸጋሪ ነይሩ። ከም ክፍሊት ገለ ኣቕሓ ክቕበልዎ ዘለዎም ሰባት፡ ኩሉሳዕ ፈዂሱ ወይ ልኩዕ ግዝፊ የብሉን ብምባል ይቃወሙ ነይሮም።
እዚ ጻዕዳ ወይ ቀይሓው ዝሕብሩ ከውሒ-ጨው፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ሃገረ ዓፋር ተቐሊዑ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ዳርጋ ሰፊሕ ክበሃል ዝከኣል ቦታ ዘሎ ይመስል። ዋላ፣ኳ ናብ፣ቲ ዞባ ብኣካል ክንበጽሕ ኣይንኽኣል እምበር፡ ምስ ዋላኻ ወይ ማርጒላ ዝዛመዱ መርኣያታት ክንሕዝን እቲ ጨው ኣብ ብርቱዓት ቀጸላታት ዝተሰርዐ ምዃኑ ክንፈልጥን ክኢልና ኢና። ገለ ነቑጣታት እዚ ገዚፍ ኩምራ ጨው-ዋላኻ፡ ናብ ደረት ቀጽዖታት እምነእንቁላሊሓዊ ጉጅለ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ፣ቲ ስጉድእምነኖራ፡ ገጾም ስለዝርከቡ፡ እዚ ጨው ምስ ቀጽዖታት ስላሳዊ ጉጅለ ዝምደብ ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።
መዐደኒታት ዲን
ኣብ ዓላዑል፡ ኣብ፣ቲ ፈላማይ ከበሳ ናይ፣ቶም መቐጸልታ ታረንታ8 ዝዀኑ ኣኽራናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጀመርታ ናይ፣ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዛረብናሉ ጐልጐል፡ ዲን ካብ ገጽ መሬት ይምዝመዝ። እዚ ዲን ምስ ከውሒ-ጨው ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ከመይ፡ ነዞም ክልተ ማዕድናት ዝደባልቑ፡ ካብ፣ቲ ከባቢ ዝመጹ ብዙሓት መርኣያታት ርኢና ኢና። ስለ፣ዚ፡ መዐደኒታት ዲን ኣብ መዐደኒታት ጨው ክኽፈቱ ምዃኖም ኢዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ኣብ ስላሳዊ መሬት። ብመንገዲ ካብ፣ቶም ዳርጋ ኣብ ኩሉ ቦታታት ምድረሓበሻ ዝተዘርግሑ ዝጠፍኡ እሳተጐመራታት ዝሳዓቡ ፍልፍላት ዲዩ ወይስ ብሃፋታት፡ ከመይ ኢሉ እቲ ዲን ናብኡ ከምዝመጸ፡ ኣይንዛረብን። መኽንያቱ፡ ነቲ ዞባ ኣይዳህሰስናዮን። ኣብ፣ዚ ናብ ክልሰሓሳባዊ ግምታት ክንኣቱ እውን ኣይንኽእልን ኢና።
መወከሲ ነጥብታት
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
- ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
- ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
- ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ዓፋር ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ጠልጣል” ዝብል ቃል ኢዩ። እዚ ቃል ቀደም ሓበሻውያን ንህዝቢ ዓፋር ዝጽውዕሉ ቃል ኢዩ ነይሩ። “ዓፋር” ዝብል ቃል ከኣ ነቲ ዝነብርሉ ሃገር ንምስማይ ይጥቀምሉ ነይሮም። ህዝቢ ዓፋር “ዓፋር” ተባሂሎም ክጽውዑ ስለዝመርጹ፡ ኣብ ኩሉ “ጠልጣል” ንዝብል ቃል ብ”ዓፋር” ዝብል ቃል ተኪአዮ ኣለኹ። ↩︎
- Combes, Edmond et Tamisier, Maurice (1838) Voyage en Abyssinie: dans le pays des Galla, de Choa et d’Ifat; précédé d’une excursion dans l’Arabie-Heureuse, et accompagné d’une carte de ces diverses contrées; 1835-1837. Tome IV. Pag. 108. Louis Desessart: Paris. ↩︎
- Bruce, James (1790) Travels to Discover the Source of the Nile, In the Years 1768, 1769, 1770, 1771, 1772, and 1773. Volume III. p.192. J. Ruthven: Edinburgh. ↩︎
- ሰንሰለት ኣኽራናት ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቕውም ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎