ስነነገር ንመባእታዊ ትሕዝቶን ኣቃውማን ተፈጥሮ ዘጽንዕ ጨንፈር ነገራዊ ስነፍልጠት ኢዩ። ኣብ ምርዳእ መሰረታውያን መህነጺታት ክውንነት ዝዀኑ ጉድ፡ ጸዓት፡ ምንቅስቓስነት፡ ቦታን ግዜን የድህብ። ንመባእታውያን መቘምቲ ኣድማስ፡ ኣብ ናሓድሕዶም ንዝፍጽምዎ ሓይልታት፡ ከምኡውን በቶም ሓይልታት ንዝፍጠሩ ውጽኢታት ይፍትሽ። ንውህደተግባራት ተፈጥሮኣዊ ስርዓታት ይምርምር። ክኢላ ስነነገር ስነነገረኛ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ስነነገር መፈለምታ ነገራዊ ስነፍልጠት ኢዩ። እዚ ኸኣ ስነነገር ንመባእታውያን ሕግታት ተፈጥሮ ዘለልን ዝእምርን ስለዝዀነ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ ኢዩ ስነነገር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ስነፍልጠት ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት። ዋላእውን ኣብ ስነፍልጠታት ሂወት። መኽንያቱ ድማ፡ ሽሕእኳ ኣብ ግዙፍትርኢታዊ ጽፍሒ ክውንነት ስነነገር ምስ ተርእዮታት ሂወት ዘይራኸብ ይምሰል እምበር፡ ኣብ ደቂቕትርኢታዊ ጽፍሒ ክውንነት ግና ሂወት ንባዕሉ ብተኸታታሊ ስነነገራዊ መስርሓት ዝተፈጥረ ኢዩ። ከም ውጺኢቱ ድማ ኣብ ኩላቶም ስነፍልጠታት፡ ንስነነገራዊ ሕግታትን መስፈራትን ፍሉይ ኣተኩሮ ዝህቡ ጨናፍር ዓውደትምህርቲ ይርከቡ። ንኣብነት፡ ስነነገርምድሪ ኣብ ስነምድሪ፡ ስነነገርሂወት ኣብ ስነሂወት፡ ስነነገርህዋ ኣብ ስነህዋ፡ ስነነገርኣእምሮ ኣብ ርድኢታዊ ስነፍልጠት ።
ስነነገር ንክስተታት ተፈጥሮ ዝገልጽ ጥራሕ ኣይኰነን። ስለምንታይ ከምዘጋጥሙ እውን ብቕርጥው መስርሕ ክልሰሓሳባዊ ተምሳልትርኢትን ምርምራዊ ፈተነን ከብርህ ይጽዕር። ምርምራዊ ፈተነ (ብዝተኻእለ መጠን ኩነታት ብምቕያድ ዝካየድ ትዕዝብቲ ክስተታት) ከምኡውን ክልሰሓሳብ (ትእማረ ኣሕባሪ ሓሳባዊ ማሕዘልዕዮ) ኣብ ምድንፋዕ ስነነገር ሕመረታውን ተመላላእን ኣስተዋጽኦታት ኣለዎም። ስነነገራዊ ምርምራዊ ፈተነታት ይስፈሩ እሞ፡ ምስቲ ብክልሰሓሳብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ይዋዳደሩ። ንዝምልከቶ ውጽኢታት ምርምራዊ ፈተነ ብተኣማንነት ቅድመምንጋር ዘኽእል ክልሰሓሳብ፡ ሕጊ ስነነገር ከም ዝውክል ይቝጸር። ሕግታት ስነነገር ቁጥብነትን ልክዕነትን ብዝሓለወ ኣገባብ ብስነቁጽራዊ ቋንቋ ይዝረቡ። ይኹን እምበር፡ ሕጊ ስነነገር (ከም ኩሎም ሕግታት ስነፍልጠት) ኩሉሳዕ ክቕየር፡ ክትካእ፡ ወይውን ናብ ዝያዳ ዝጸበበ ሕዝኣት ክድረት ይከኣል ኢዩ፡ ድሒሩ ዝሳዓበ ምርምራዊ ፈተነ ኣድላዪ እንተገይርዎ። ንዝተሓላለኹ ተፈጥሮኣዊ ስርዓታት ንምቅላል ከምኡውን ህንጸት ንድፊሓሳብን ምርምራዊ ፈተነን ንምምእዛን፡ ስነነገረኛታት ንዘገድሱ ባህርያት ጥራሕ ዘጉልሑ ተምሳልትርኢታት ይጥቀሙ።
ስፍሓትን ዕላማታትን ስነነገር
ስነነገር እቲ ዝገፍሐ ምህሮኣዊ ዓውዲ ክበሃል ይከኣል። ንኹላቶም ክፋላት ተፈጥሮ (ግዙፍትርኢታዊ፡ ደቂቕትርኢታዊ ወ ርሑቕትርኢታዊ መዳያት) ዝፍትሽ ኢዩ። ንክውንነታት፡ ባህርያት፡ ክስተታትን መስርሓትን ተፈጥሮ ክቐልዕ ይጽዕር። ንተፈጥሮኣዊ ተርእዮታት ብመንገዲ ብፈተነታት ዝተረጋገጹ መባእታውያን ሕግታትን መጠናትን ገይሩ ይገልጽ። ካብቶም ንጉድ ዝፈጥሩ ትሕተኣቶማዊ ነጥርታት ጀሚሩ ክሳብቶም ብረዝኒ ዝማሓደሩ ዓርሞሸሽ ሰማያውያን ኣካላት፡ ስነነገር ኣብ ኩሉ ደረጃታት ግዜ ወ ቦታ ንባህርያት ጉድ፡ ጸዓት ወ ምንቅስቓስነት ዘግህዱ ኣድማሳውያን ሕግታት ተፈጥሮ ንምቛም ይጋደል።
ዝለዓለ ሸቶ ስነነገር ንጉድ፡ ጸዓት፡ ምንቅስቓስነት፡ ቦታን ግዜን ዝገዝኡ ኣብ ንኡስ ትሕተኣቶማዊ ዓቐናት፡ ኣብ ሰባዊ ደረጃ ዕለታዊ ሂወት፡ ከምኡውን ክሳብቶም ዝሰፍሑ ርሕቀታት ዝበጽሕ (ንኣብነት፡ ኣብ ስግርሓሊቤታዊ ደረጃታት ዘለዉ) ስሙር ዕማዅ ሕግታት ምቛም ኢዩ። እዚ ሃቐናዊ ሸቶ ድሮ ብዝተወሰነ መልክዕ ክዉን ኰይኑ ይርከብ። ዋላኳ ምሉእብምሉእ ዝሰመረ ክልሰሓሳብ ስነነገራዊ ተርእዮታት ክሳብ ሕጂ ኣይጨበጥ እምበር፡ ብቑንጣሮ ዝተጠርነፉ መሰረታዊ ስነነገራዊ ሕግታት ንኹሎም ዝተፈልጡ ክስተታት ተፈጥሮ ምግላጽ ዝከኣል ይመስል።
ኣገዳስነት ስነነገር
ስነነገር ንመባእታዊ ኣቃውማን ትሕዝቶን ተፈጥሮ ስለዘግህድ ኣብ ስነሞያዊ ምዕባለ፡ ከባብያዊ ድሕነት፡ ስነፍልጠታዊ ዕብየትን ኣእምሮኣዊ ግስጋሰን ሕመረታዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብዘይስነነገር ዘመናዊ ዓይነት መነባብሮ ኰነ ስነፍልጠት ክህልዉ ኣይክእሉን ኢዮም። ትግባረ ስነነገራዊ ርኽበታት ኢዩ ንኹላቶም እንጥቀመሎም ዘመናውያን ናውትን መሳርሒታትን፡ ከም ማኪና፡ ተሌፎን፡ ኮምፒተር፡ ነፋሪት ዝበሉ፡ ክዉን ዝገብር። ስነነገር ውሑስን ቀጻልነታውን ምንጭታት ጸዓት ክንፈጥር ዘኽእሉና መረዳእታታት የቕርብ። ከም ኤክስረይ፡ ኣልትራሳውንድ፡ ዝበሉ ሕክምናዊ መሳርሒታት፡ ሕውየት ጨረርታ፡ ወዘተ ውጽኢታት ስነነገራዊ ምርምር ኢዮም። ምህንድስናዊ ስርሓት ኣብ ስነነገራዊ ሕግታትን መትከላትን ይምርኰሱ።
ጠቐምቲ ንባባት
Firth, Rachel; Lacey, Minna; and Stobbart, Darran (2022) Physics for Beginners. Usborne (UK).
Kuhn, Karl F. (2021) Basic Physics: A Self‑Teaching Guide. 3rd edition. Wiley (USA).
Breithaupt, Jim (2015) Physics. Bloomsbury Academic (UK).
Young, Hugh D. and Freedman, Roger A. (2019) University Physics with Modern Physics. 15th Edition. Pearson.
Halliday, David; Resnick, Robert; and Walker, Jearl (2021) Fundamentals of Physics. 12th edition. Wiley (USA).
Needham, Joseph (1962) Science and Civilisation in China. Volume 4: Physics and Physical Technology. Part 1: Physics. Cambridge University Press.
Hewitt, Paul G. (2014) Conceptual Physics. 12th ed., Pearson.
Arfken, George B., Hans J. Weber, and Frank E. Harris (2013) Mathematical Methods for Physicists. 7th ed., Academic Press.