እዚ ሓሙሻይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን1 ሰሜንን2 ኰይኑ፡ ካብቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ ዝተዳለወ ኢዩ።3 ኣብዚ ዓንቀጽ፡ ንቈጽለታያትን ተዛመድቲ ኣኻውሕን መሰጋገሪ ወይ ማእከላዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ምድህሳስ ክንጅምር ኢና።
ቈጽለታይ ፍሉጻዊ ከውሒ ኰይኑ፡ ብባህሪኡ ብዓፍራይ፡ ጥምቢሓቒቕን ዋላኻን ዝቘመ ኢዩ። እቲ ዋላኻ ንገዛእ ርእሱ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ። ብሓፈሽኡ ካብ ዕረጨው፡ ጽጻር፡ ሓጺን ኦክሲጂናይን ማይን ዝተፈጥረ ኢዩ።
ቈጽለታይ ኣብ ስነምድራዊ ኣቃውማ ምድረሓበሻ4 ሰፊሕ ተራ ዝጻወት ኢዩ። ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዝርከቡ ኣኻውሕ እዚ ሃገር ድማ ኢዩ። ካብ ደቡብ-ምዕራብ ቁልቁለት ተረንታ5 ክሳብ ከባቢታት ጎንደር፡ ቈጽለታይ ንመብዛሕትኦም ሩባታት ከምኡ’ውን ንሓደሓደ እምባታትን ከበሳታትን ዝፈጠረ ምዃኑ ንዕዘብ። ይኹን እምበር፡ ምስ ቈጽለታይ ዝተፈላለዩ ካልኦት ከም ጸብጎላ፡ ድግመውልዳይ፡ እምኒሑጻ፡ ጥምቢሓቄታይ፡ ዓፍራይፍሉጻይ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብ ትሕቲኡ ዝምደቡ ኣኻውሕ ከነጠቓልል ይግባእ። ኣቐዲምና ንዓፍራይፍሉጻይ ስለዝገለጽናዮ፡ ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ኣብ ትሕቲ ቈጽለታይ ዝምደቡ ዘይጠቐስናዮም ካልኦት ኣኻውሕ ጥራሕ ብምቕጻል ክንዛረብ ኢና።
ኣብ ደቡባዊምዕራብ ቁልቁለት ኣኽራን ታረንታ፡ ኣብቲ ደረት ቦኽራይ፡ ሓደ ዳርጋ ምሉእብምሉእ ብቘጽለታይ ዝቘመ ከበሳ ይርአ። እዚ ቈጽለታይ ብመትንታት ወይ ጥረታት ጻዕዳ ጥምቢሓቒቕ ብዙሕሳዕ ዝተለወጠን ዝተመሳቐለን ኢዩ። ኣብቲ ነባረታይ ዝሪግቶ ዝርከቦ ከባቢ ማይ-ሓራሳት፡ ናብ ጽጻራዊ ድርዐታይ ይቕየር። ኣብቲ ኣጻድፍ ገፍሒ ዝርኣየሉ ከባቢ ድግሳ ከኣ፡ ናብ ዓፍራይፍሉጻይ ይሳገር። ይውሓድ ይብዛሕ ዝተለወጠ ጻዕዳ ዓፍራይፍሉጻይ ከይተረፈ እውን የኸትል። ኣብ ጥቓ ድግሳ፡ ሓፈሻዊ ኣንፈት እቶም ቀጸላታት ካብ ሰሜናዊምብራቕ ናብ ደቡባዊምዕራብ ክኸውን ከሎ፡ ናብ ሰሜናዊምዕራብ ይቕይንኑ። ኣብ ዓዲ ሓዲድ፡ ናብ ጸብጎላን ቈጽለታይን ዝሰግር ጨብራው እምነሑጻ ንረክብ። ናብ ደቡብ እንተቐጺልና ከኣ፡ ጭብሩው፡ ናብ ቈጽለታይን ዓፍራይፍሉጻይን ዝሓልፍ ፍሉጻዊ ጸብጎላ ኢዩ። ኣብ ከባቢ ዓዲ ኲታ፡ እቲ ጸብጎላ ኣዚዩ ደቂቕ-ጥረኛ ኰይኑ፡ ናብ ብርሁው ጨብራይ ነጠብጣብ ዘለዎ ቈጽለታይ ይሰግር። ኣብ ዓሲራ ድማ ጨብራው ቈጽለታይ ንዕዘብ። ኣብ ዓዲ ኲታ፡ ኣጻድፍ ጸለወይናይ ኣብ ማእከል ቈጽለታያዊ ኣኻውሕ ዝቕልቀል ኰይኑ፡ ኣብ ዓሲራ ድማ ዝርጊቶ ነባረታይ ብኸፊል ነቲ ቈጽለታይ ይሽፍኖ።
ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝቐረቡ ሓቅታት፡ ኩሉ እቲ ንካብ ታረንታ ክሳብ ደቡብ ዓሲራ ዘሎ ሓመድ ዘቘመ ፍሉጻዊ ኣኻውሕ፡ ብይውሓድ ይብዛሕ ምቅይያር ዘካየደ ቈጽለታይን ቈጽለታያዊ ጸብጎላን ዝተፈጥረ ምዃኑ ንርዳእ። ካብ ጉልዞቦ ክሳብ ዓድዋ፡ መብዛሕትኦም ምስ መረብ ወይ ምስ ተከዘ ዝጽንበሩ ሩባታት ብቘጽለታይ ዝቘሙ ኢዮም። ኣብ ጉልዞቦ፡ ኣብትሕቲ እቶም ሳልሳውያን መሬታት፡ ዳግመምቕልቃል እቲ ናይ ዙርያ ዓሲራ ጨብራው ቈጽለታይ ንርኢ። ብድሕሪኡ፡ ኣብመንጎ ጉልዞቦን ሎጎ-ሳርዳን፡ ናብ ዓፍራይፍሉጻይ ወይ ሓመለፍሉጻይ ዝሓልፍ፡ ልሙጽ ሰምያው ሓምላይ ጸብጎላ ንረክብ። ኣብ ሎጎ-ሳርዳ ግና፡ ናብ ቦኽራይ ዝሓልፍ፡ ጽገሬዳዊ መሮጣራዊ ዓፍራይፍሉጻይ ኢዩ። ብዘይካዚ ኣብ ሎጎ-ሳርዳ፡ ኣብ ሩባ በለሳ፡ ሓደ ጽግዕተኛ ነባረታያት ዝዀነ ሓውሲ-ፍሉጻዊ ተመናይ ከውሒ እውን ይርአ። ስለዝዀነ፡ እዞም ዝተዛረብናሎም ዘይንቡራት ፍሉጸኛታት ኣኻውሕ ካብ ብህላዌ ድበታዊ ኣኻውሕ ዝተቐየሩ ቈጽለታይ ወይ ጸብጎላ ከምዝወጹ ንምርዳእ ቀሊል ኢዩ።
እቲ ጨብራይ ቈጽለታይ ክሳብ ሰሜን ንጎት ይቕጽል። ንጎት ኣብ ሓደ ካብቶም ዝበረኹ ጫፋት እቲ ቅድሚ እምባታት ማእከላይ ትግራይ ዝርከብ ሰንሰለት ኣኽራን እትርከብ ዓዲ ኢያ። ንጎት ኣብ ሓደ ካብቶም ንገዚፍ ደረትሰማይ ዘጠምቱ ኣዚዮም ዝምስጡ ቦታታት ዘላ ኢያ። ነበርቲ እዛ ዓዲ ኣብክንዲ ሓጺነመጺናዊ ደወል ስጉድ ቈጽለታይ ኣብ ቤተክርስትያኖም ይጥቀሙ። ከምዚ ዝበሉ ደወላት፡ ካብ ርሑቕ ዝስማዕ ንጹር ድምጺ ይፈጥሩ። ዳሃያውነት ገለ ኣኻውሕ ጥራሕ ኣብ ምድረሓበሻ ዘይኰነስ እንከላይ ብኣህዛብ ኤሲያ ከምኡ’ውን ብጋውላውያን ኤውሮጳ ኣብ ተቕሚ ከምዝውዕል ዝነበረ ይፍለጥ።
ቈጽለታይ ናይ ንጎት፡ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብሳልሳዊ መሬት ዝተሸፈነ ኢዩ። ካብዛ ዓዲ ወጺኻ ናብ እገላ ከተምርሕ ከለኻ ግና፡ ተቐሊዑ ዘርእዩ ተር ዝበሉ ሩባታት ወይ ስንጭሮታት ትሓልፍ። ኣብ እገላ፡ እቲ ቀጸላዊ ኣንፈቱ ገና ካብ ሰሜን-ምብራቕ ናብ ደቡብ-ምዕራብ ዝዀነ ጨብራይ ቈጽለታይ ይርአ።
ቈጽለታያት ጉልዞቦ፡ ንጎት፡ ሎጎ-ሳርዳ ብተወሳኺ ኣብቶም ንደብረ-ዳሞ ዝኸበቡ ስንጭሮታት ይርኣዩ። መሰረት ሓመድ እዚ ሃገር ብቘጽለታይ ዝተፈጥረ ኢዩ ምባል እውን ንኽእል ኢና። ኣብቶም በረኽቲ ጫፋቱ ድማ ብካብ ሳልሳዊ መሬታት ዝቘሙ ከበሳታት ዝተሸፈነ ኢዩ። እዚ ቈጽለታይ ብሓፈሻ ሓሞኹሽታዊ ጨብራይ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ማዕረማዕረ እቶም ቀጸላታቱ መትንታት ወይ ናኣሽቱ ቀጸላታት ጸባዊ ጥምቢሓቒቕ፡ ሰምያው ጥምቢሓቒቕ ከምኡ’ውን ምልክታት ትሩፈሂወት ኣታኽልቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ኣሰራት ዝሓዘ ጥረኣዊ ጽሉም ጥምቢሓቒቕ ዘርኢ ኢዩ።
ኣብ ዙርያ ደብረ-ዳሞ ዝርከብ ቈጽለታይ ብኣደንጋራያት ዝተመሳቐለ እውን ኢዩ። ምስእዚ ከውሒ ብዘለዎ ርክብ ከኣ ናብ ዓፍራይፍሉጻይ ይሰግር። እቲ ዝያዳ ዘደንቕ ግና፡ እዚ ቈጽለታይ ብፍላይ ድማ ኣብ ደረት እቲ ሓሞኹሽታዊ ጨብራይ ቈጽለታይ፡ ናብ ልሙጽን ጽገሬዳውን ቈጽለታያዊ ምሽሙሽእምኒ ወይ ናብ ስጉድን ጽገሬዳውን ዝዕጉልካይላዊ ዋላኻዊ ምሽሙሽእምኒ ዝተቐየረ ምዃኑ ኢዩ። እዚ ምናልባት ብተግባር እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ እሳተጎመራታት ዝሳዓበ ክኸውን ይኽእል። ኣንፈት ቀጸላታት እዚ ቈጽለታይ ብሓፈሽኡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኰይኑ፡ ዳርጋ ትኹል ቅይናነ ኣለዎ።
ናብ ደቡብ-ደቡብምዕራብ ብዝኸድካ፡ ቈጽለታውያን ኣኻውሕ ኣብ ዙርያ ገንደብታን ዓድዋን ኣዚዮም ማዕቢሎም ይራኣዩ። ንሓመድ ሩባታት ዓሳምን ዋሪን ከኣ የቑሙ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገረ ዓድዋ፡ ኣብ ደረት ናይቲ ሳልሳዊ ድበታዊ መሬታት፡ ጽኑዓያት፡ ሓርፊፋያት፡ ነባረታያት፡ ወዘተ ተዓዚብና። መጀመርታ ብሓፈሻ ወይናይን ናብ ቈጽለታይ ዝሓልፍን ቅናት ዓፍራይፍሉጻይ፡ ቀጺሉ ኣዚዩ ዝበሰለ ቈጽለታይ ይርአ። ኣብ ማእከል እዚ ቈጽለታያዊ ኣኻውሕ ድማ ብዙሓት ካልኦት ኣብ ትሕቲኡ ዝምደቡ ኣኻውሕ ንረክብ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፥
- ናብ ለሰታይ ዝሓልፍ ዋላኻዊ ኩምራ ቀይሕ ደምእምኒ።
- እምኒሑጻ።
- ጥምቢሓቄታይ።
- ዓይነት ድግመውልዳያት።
ብተወሳኺ፡ እዚ ዝጠቐስናዮ ዓፍራይፍሉጻይ ጽግዕተኛ ናይቲ ቈጽለታይ ይመስል። መኽንያቱ ድማ ምስኡ ጥቡቕ ምትሕሓዝ ዘለዎን ኣብ ደረት ናይቲ ቈጽለታይ ናብቶም እሳታዊ መበቈል ዘለዎም ኣኻውሕ ኣቢሉ ዝርከብን ስለዝዀነ ኢዩ።
እምባ ሰማያታ ካብ ቈጽለታይ፡ እምኒሑጻ ድግመውልዳይ ከምኡ’ውን ካብ ጽዕዱው-ጨብራይ ጥምቢሓቄታይ ዝተፈጥረ ኢዩ። እዞም ኣኻውሕ ብነባረታያት፡ ንሸነኽ ምብራቕ ከኣ ብሳልሳዊ መሬታት፡ ዝተቘርጹን ዝተሸፈኑን ኢዮም። እቶም ዘቕምዎም ቀጸላታት ዝተረበሹ እኳ እንተዀኑ፡ ሓፈሻዊ ኣንፈቶም ግና ዳርጋ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኢዩ። ነቲ እምባ ንምድያብ ብምዕራብ ወገን እንኽተሎ መንገዲ፡ ናይ ጽዕነት እንስሳታት ክሳብ ሲሶ፡ ዋላውን ክሳብ ፍርቂ ቁመት እቲ እምባ ክድይብዎ ዝኽእሉ ኢዩ። 50° ቅይናነ ከኣ ኣለዎ።
ራእሲ ሚካኤል ሱሑል ኣብቲ ካብ ሃጸይ ኢያሱ ዳግማዊ6 ዝሸፈተሉ እዋን፡ ኣብ ዳርጋ ፍርቂ ቁመት እምባ ሰማያታ ኣቢሉ ዓስኪሩ ነይሩ። ፍሉጸኛ ደንጎላታት ብምጥቃም፡ ከም መዋጊኢታት ዝመስል ብምትካል፡ ኣብ መድረኽ መሰል ሰብ ብረት ዝሕብእሉ ዓንኬላዊ ጐዳጉዲ ብምስራሕን ንዙርያኡ ዓሪድዎ። እቲ መዓስከር ብሰለስተ ሓጹራት ዝተዓርደ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ፡ ብተፈጥራኣዊ ቅርበት ክልተ ገዘፍቲ ኣኻውሕ ዝቘመ እንኮ በሪ ጥራሕ ይእቶ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ሳልሳይ ሓጹር ዝነበሮ ምስበጻሕካ፡ ሓደ መድረኽ ዝመስል ይጐንፈካ። ናብ ሰሜን ክትጥወ ድማ ትግደድ። ክሳብ ኣብ ጥሩሑን ሸለው ዝበለን ገዚፍ ከውሒ እትበጽሕ፡ ብጸድፊ ክትወርድ ኣለካ። እዚ ገዚፍ ከውሒ ነቲ ርእሲ እምባ ይዕብልሎን 200 ሜትሮታት ካብኡ ይልዕልን።
ብምቕጻል ናብ ኣንፈት ምዕራብ ትምለስ እሞ፡
ብዘይተመድመደ መንገዲ፡ ናብ ኣብትሕቲ እቲ ናይ መወዳእታ ደረት ዝርከብ ብዝተፈንቀሉ ደንጎላታት ዘዕለቕለቐ ደጋ እንደገና ትድይብ። እዚ ደረት፡ ዝለዓለ ጫፍ እምባ ሰማያታ ዘቕውም ኣስታት 100 ሜትሮታት ቁመት ዘለዎ ኰይኑ፡ ክትሓኹሮ ኣዚዩ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ ግዜ ክራማት ዳርጋ ኩሉሳዕ ብደበናታት ይሕባእ። ንገዛእ ነብስኻ ንላዕሊ ብምስፍሳፍን ካብ ኣስታት 50° ክሳብ 55° ብዘዐጽፍ ምጥውይዋይን ጥራሕ ኢኻ ክትስቀሎ ትኽእል። ምስ በጻሕካዮ ግና ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ዝገሃድ ግሩም ትርኢት ከተድንቕ ከለኻ ሃልክኻ ትርስዕ። ንመላእ ኣውራጃ ትግራይ፡7 ተምቤን፡ ዓጋመን ዝዕብልል ኰይኑ፡ ትርኢቱ ክሳብ እቲ በረኽቲ እምባታቱ ብመስተንክር ኣጻድፎም ንኣእምሮ ብኣድንቖትን ምግራምን ዝመልኡ ኣውራጃ ሰሜን ዝበጽሕ ኢዩ።
ኣብ 2ይ ክፋል እዚ ዓንቀጽ፡ ንቈጽለታይን ተዛመድቲ ኣኻውሕን ምድረትግርኛን ሰሜንን ምቕራብ ክንቅጽል ኢና።
መወከሲ ነጥብታት
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ”
ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎ - ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን
ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎ - Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces
du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎ - ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
- ሰንሰለት ኣኽራን ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቘመ ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎
- ሃጸይ ኢያሱ ዳግማዊ ካብ 1730 ክሳብ 1755 ዝነገሰ ኰይኑ፡ ብናይ ዙፋን ስሙ ዓለም-ሰገድ እውን ይጽዋዕ ኢዩ። ↩︎
- ቀንዲ ኣውራጃ ትግራይ ብኣንፈት ምብራቕ ምስ ኣውራጃ ዓጋመ፡ ብምዕራብ ምስ ኣውራጃ ሽረ፡ ብደቡብ ምስ ሩባ ዋሪ ከምኡ’ውን ብሸነኽ ሰሜን ምስ ሩባ መረብ ትዳወብ ነይራ። ↩︎