እስቱዋርት ምንሮ-ሀይ ዝተባህለ ናይ ቋንቋ ሊቕ ኣብ 1991 ኣብ ዝተሓትመ “ኣኽሱም፣ ኣካል ዳሕረዋይ ጥንታዊ ዘመን ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ስልጣኔ”1 ዘርእስቱ መጽሓፉ ከም ዝገልጾ፡ ሴማውያን ቋንቋታት ካብ ኣስታት 2000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሎም ኣብ ኤርትራን ኢቲዮጲያን ይዝረቡ ከም ዝነበሩ ዘርእዩ ናይ ቋንቋ መረዳእታታት ኣለዉ። ግእዝ ካብ ሓደ ንኣብ ኤርትራን ኢቲዮጵያን ዝርከቡ ሴማውያን ቋንቋታት ዝወለደ፡ ኣብ ንግስነት ድእምት ንምጽሓፍ ንጉሳውያን ጽሑፋት ዘገልግል ዝነበረ ቋንቋ ከም ዝፈለቐ ኢዩ ዝእመን። ካብ ቋንቋ ሳባ ወይውን ቋንቋ ደቡብ ዓረብ ዝወጸ ኣይኮነን። እንተዀነ ግዳ፡ ጽሕፈት ግእዝ ድሒሩ ኢዩ ንደቡብ ዓረባዊ ጽሕፈት ተኪኡ ኣብ ንግስነት ኣኽሱም ኣብ መዓላ ውዒሉ።

ፈለምቲ ጽሕፈታት ግእዝ ኣብ ሓሙሻይ ክፍለዘመን ቅድሚልደተ ክርስቶስ ከምዝተሓንጠጡ ኢዩ ዝግምገም። እቲ ቀዳማይ ኣጸሓሕፋ ግእዝ ፍልይ ዝበለ ኣቃውማ ኢዩ ነይርዎ። ኣብክንዲ ነፍሲወከፍ መስመር ካብ ጸጋም ናብ የማን (ከም’ዚ ሕጂ ዘለዎ) ዝጽሓፍ፡ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኣብ ዝቕጽል መስመር ከኣ ካብ የማን ናብ ጸጋም እንዳቀያየርካ ይጸሓፍ ነይሩ። ኣድመጽቲ2 እውን ኣይነበሮን። ዛጊት ካብ ዝተረኽቡ ጭብጥታት፡ ዝሸምገለን መርኣያ ብሉይ ጽሕፈት ግእዝ ዝዀነን ኣብ ሳልሳይ ወይ ራባዓይ ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ ዝተወቕረ ኣብ ሓወልቲ መጠራ ኤርትራ ዝርከብ ጽሕፈት ቋንቋ ግእዝ ኢዩ። ክሳብ ሎሚ ዘሎ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ብኢድ ዝተጻሕፈ ብራና ግእዝ ድማ ኣብ ሓሙሻይ ወይ ሻዱሻይ ክፍለዘመን ከም ዝተጻሕፈ ዝግምገም ወንጌላት ኢዩ።

ግእዝ ኣብ ዘመን ስልጣኔ ኣኽሱም

ኣብ 330-356 ድሕሪ ልደተክርስቶስ ብቋንቋታት ግሪኽ፡ ሳባን ጥንታዊ ግእዝን ዝተወቕረ ሓወልቲ ኤዛና

ስነጽሑፍ ግእዝ ምስ ምእታው ክርስትና ናብ ንግስነት ኣኽሱም ተኣሳሲሩ ካብ ራባዓይ ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተክርስቶስ ኣብ ዘመነስልጣን ንጉስ ኤዛና ኢዩ በገባብ ጀሚሩ። በዚ ግዜ’ዚ ግእዝ ኣድመጽቲ ሓውሲ-ፊደላት ክጥቀም ጀሚሩ። ዳርጋ ኩሎም በቲ ግዜ’ቲ ዝተጻሕፉ ብራናታት ሃይማኖታዊ (ክርስትናዊ) ትሕዝቶ ዘለዎም ኮይኖም ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተተርጎሙ ድማ ኢዮም። ብዘይምግናን፡ ደረትን ስፍሓትን ናይ’ቲ ኣብ ፈለምቲ ዓመታት ምእታው ክርስትና ናብ ኣኽሱም ዝተኻየደ ናይ ምትርጓም ስራሕ ኣብ ታሪኽ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ውሑዳት መዳርግቲ ዘለዎ ኢዩ።

ውጺኢቱ ድማ 81 መጻሓፍቲ ዝሓዘ ግእዛዊ መጽሓፍ ቅዱስ ነይሩ። ካብ’ቶም 81 መጽሓፍቲ 46 ናይ ብሉይ ኪዳን ክኾኑ ከለዉ፡ 35 መጽሓፍቲ ድማ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኢዮም። ካብ’ዚኣቶም 15 መጽሓፍቲ ብምዕራባውያን ሊቃውንቲ ስነመለኮት ዝተረፉ ወይ ተወሰኽቲ መጽሓፍቲ ክርስትና ተባሂሎም ዝግለጹ ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ዝኣክል፣ መጽሓፍ ሄኖክ፡ ኖህ፡ መጽሓፍ ኢዮቤልዩ፡ መጽሓፍ ዕርገት ነቢ ኢሰያስ፡ መጽሓፍ ማካቤስ፡ መጽሓፍ ጦቢት። ካብ’ዚኣቶም መጽሓፍ ሄኖክ ዝያዳ ተጠቃሲ ዝገብሮ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ደብተር ዘካተተ ብኻልእ ዓይነት ቋንቋ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ሎሚ ስለዘይርከብ ኢዩ። እቶም ካልኦት እንተኾኑ’ውን ከም መሰኻኽር ናይ’ቶም ፈለምቲ ደብተራት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝቑጸሩ።

ካልእ ኣብ’ቲ እዋን ዝተጻሕፈ ብቄርሎስ ዝፍለጥ “ሃይማኖት ረትዐት” ብዝብል ብቅዱስ ቄርሎስ ዝቐረበ ተንታናዊ ጽሑፍ ዝጅምር እኽብካብ ስነክርስቶሳዊ ጽሑፋት ኢዩ። እዞም ስርሓት እዚኦም ስነመለኮታዊ መሰረት ቤተክርስትያናት ተዋህዶ ኢቲዮጵያን ኤርትራን ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ክፋል ሓሙሻይ ክፍለዘመን፡ “ኣኽሱማውያን እኽብካብ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብዙሓት ሙሩጻት ስርዓተሃይማኖታውያን፡ ስነመለኮታውያን፡ ሲኖዳውያን ከምኡ’ውን ታሪኻውያን ነገራት ዝሓዘለ ነታ ሽዑ እግሪ ትተክል ዝነበረት ሓዳሽ ቤተክርስትያን ኣኽሱም መባእታዊ ኣስተምህሮን ሕግታትን ዘስነቐ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ናብ ግእዝ’ውን ተተርጒሙ።

ትርጓሜ ናይ’ቲ ብወዲ ሮማ ዝዀነ ሂፖሊተስ ተሓቲሙ ዝባሃልን በቲ ኣብ መጀመርታ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ግሪኽ ዝተሰወረን “ሃዋርያዊ ያታ” ኣብ መንጎ “ኣኽሱማውያን እኽብካብ” ንረኽቦ። ካልእ ኣገዳሲ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ሰነድ “ስርዓተ ጳቕነሚስ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ትርጓሜ ጳቕነሚስ ዘዳለዎ ሕጋጋት ምንኩስና ኢዩ። ኣብ’ቲ ግዜ ካብ ዝተተርጐሙ ዘይሃይማኖታውያን ስርሓት ሓደ “ስነሰውነት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ በቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኤውሮጳ ኣዚዩ ህቡብ ዝነበረ፡ ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ዝሓዘለ ደብተር’ውን ይርከቦም።

ግእዝ ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም

ንውድቀት ንግስነት ኣኽሱም ኣብ ሻሙናይ ክፍለዘመን ስዒቡ፡ ግእዝ እንዳተረሰዐ መጺኡ። ኣብ ሰሜን ብትግረን ትግርኛን ክትካእ ከሎ፡ ኣብ ደቡብ ድማ ብኣምሓርኛ ተተኪኡ። ይኹን እምበር፡ ክሳብ 19 ክፍለዘመን ወግዓዊ ናይ ጽሕፈት ቋንቋ ካብ ምዃኑ ኣየቋረጸን። ኣብ’ቲ እዋን ግእዝ ዝነበሮ ተራ ምስ’ቲ ላቲን ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሮ ተራ ዝመሳሰል ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ዋላ’ኳ ግእዝ ከም ዕለታዊ መረዳድኢ ቋንቋ እንተጠፍአ፡ ካብ ቋንቋ ትምህርትን ስነጽሑፍን ምዃኑ ግና ኣየቋረጸን። እኳድኣ ብፍላይ ኣብ ዓሰርተኣርባዕተን ዓሰርተሓሙሽተን ክፍለዘመናት ኣዚዩ ሰሲኑ።

ኣብ 13 ክፍለዘመን፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ትንሳኤ ስነጽሑፍ ግእዝ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምትርጓም ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታውያን ፍርያት ዓረብን ኮፕቲክን ተራእዩ። ኣብ’ቲ እዋን ካብ ዝተሓተሙ ታሪኸቅዱሳን እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፣ ግብሪ ሰማእታት፡ ግብሪ ሃዋርያት፡ መጽሓፍ ቅዱሳን ቤተክርስትያን ኣቢሲንያ፡ ዛንታታት ሂወት ቅዱስ ኣንጦኒዮስ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ቅዱስ ተኽለሃይማኖት፡ ቅዱስ ገብረመንፈስቅዱስ ይርከብዎም። ሃዋርያዊ ቅዋማት እውን ናብ ግእዝ ካብ ዓረብ ተተርጒሙ። ካልእ ትርጓሜ ናይ’ዚ እዋን ዝዀነ ዜና ኣይሁድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ታሪኽ ኣይሁድ ክሳዕ ምትሓዝ ኢዮርሳሌም ብቲቶ ዘዘንቱ ካብ ዓረበኛ ከምዝተተርጐመ ዝእመነሉ ኢዩ።

ካብ ስነመለኮታውያን ስርሓት ብተወሳኺ፡ ቀዳሞት ንጉሳውያን ጸብጻባት ኣቢሲንያ ኣብ ዘመነስልጣን ዓምደጺዮን ቀዳማይ (1314-1344) ብግእዝ ተጻሒፎም ንረኽቦም። ኣብ 14 ክፍለዘመን ብተወላዲ ኣኽሱም ነብሪኢድ ዪስሓቕ ዝተሓትመ “ክብሪ ነገስታት” ካብ’ቶም ኣዚዮም ጐሊሖም ዝርኣዩ ፍርያት ስነጽሑፍ ኣቢሲንያ ኢዩ። እዚ ደብተር ታሪኽ፡ ምሳሌ፡ ብሂልን ምልክትን ብምቅንባር፡ ዛንታ ንግስቲ ሳባን ንጉስ ሰለሙንን ወሊደሞ ዝባሃል ምነሊክ ቀዳማውን ዝጸዊ ኢዩ። ካልእ ኣብ መጀመርታ 15 ክፍለዘመን ዝተዳለወ “ፍካሬ ኢየሱስ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ትንቢት ሓደ ቴድሮስ ዝተባህለ ንጉስ ዝሓዘ ኢዩ። ካብ’ዚ ደብተር ተበጊሱ ኣብ 19 ክፍለዘመን ናብ ስልጣን ዝደየበ ዳግማዊ ቴድሮስ ዝብል ናይ ዙፋን ስም ዝሓረየ ንጉስ ኣቢሲንያ እቲ ኣብ “ፍቕረኢየሱስ” ዝተጠቕሰ ንጉስ ኢየ ይብል ከምዝነበረ ይንገር።

ስነጽሑፍ ግእዝ ብፍላይ ኣብ ዘመነስልጣን ሃጸይ ዘርአያቆብ (ካብ 1434 ክሳብ 1468 ክፍለዘመን) ኣጉላዕሊዑ። ሃጸይ ዘርአያቆብ ባዕሉ’ኳ “መጽሓፈ ብርሃን” ከምኡ’ውን “መጽሓፈ ምላድ” ዝተባህሉ ሕትመታት ኣሰናዲኡ። ብርክት ዝበሉ ስብከታት ክርስትና’ውን ኣብ’ዚ ግዜ ተጻሒፎም። ሓደ ካብዚኣቶም የውሃንስ ክርስቶሳዊ ደሪስዎ ዝባሃል “ርትዓዊ ሃይማኖት” ዝተሰምየ ኢዩ። ኣብ ከባቢ 1450 ዝወጸ፡ ብጴጥሮስ ዓብዲሰይድ ዝተባህለ ሰብ ናብ ግእዝ ዝተተርጐመ “ሕግታት ነገስታት” ዓቢ ኣገዳስነት ዝሓዘለ ፍጻሜ ነይሩ። እቲ ዝለዓለ ሕጊ ኢቲዮጵያ ኮይኑ ድማ ክሳብ ኣብ 1931 ብዘመናዊ ቅዋም ዝትካእ ንነዊሕ እዋን ኣገልጊሉ።

“ፍትሒ ነገስታት” ንመጀመርታ እዋን ኣብ ከባቢ 1240 ብሓደ ኮፕቲክ ግብጻዊ ክርስትያን ጸሓፊ ብዓረበኛ ዝተዳለወ ሕጋዊ ስርዓት’ኳ ተነበረ፡ ኣብ’ቲ ናብ ግእዝ ዝተተርጐመሉ ግዜ ካብ ስርዓተ እንዳባ ኣቢሲኒያ ዝተወስዱ ሕጋጋት ተደሚርዎ ዝያዳ ክሰፍሕ ኪኢሉ። ካልእ ኣብ ማእከላይ 15 ክፍለዘመን ቅርጺ ክሕዝ ዝጀመረ ፍርያት ስነጽሑፍ፡ “መጽሓፍ ኣኽሱም” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ካብ ማርያም ጺዮን ኣኽሱም ዝተወስዱ ሰነዳት ዝጠርነፈ ኮይኑ ብኸፊል ብዛዕባ ታሪኽ ኢቲዮጵያ ይዛረብ።

ኣብ መጀመርታ 16 ክፍለዘመን፡ እስላማዊ ወረራታት ንምዕባሌ ስነጽሑፍ ኣቢሲንያ ከዳኽሞ ኪኢሉ። እዚ ማለት ግን ምሉእ ብምሉእ ስነጽሑፍ ግእዝ ደው ኢሉ ማለት ኣይኮነን። ገለ ንምጥቃስ፣ ካብ ኣባ እንባቆም ናብ ኣሕመድ ኢብን ኢብራሂም ኣልጋዚ “በሪ እምነት” ብዝብል ኣርእስቲ ንእስልምና መግደፊኡ መኽንያታት ዝገልጽ መጀመርታ ምናልባት ብዓረበኛ ዝተጻሕፈ ድሒሩ ግን ብስፍሕ ዝበለ መንገዲ ብግእዝ ኣብ ከባቢ 1532 ዳግም ዝተሓትመ ደብዳቤ ሓደ ካብ’ቶም ብሉጻት ዳሕረዋይ ስነጽሑፍ ግእዝ ኢዩ።

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ጸሓፍቲ ኣቢሲንያ ንኣብ መንጎ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኢቲዮጵያን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዘለዉ ፍልልያት ብከም “ኑዛዜ ሃጸይ ገላውዲዮስ”፡ “ዋልታ እምነት”፡ “ፍከራ መለኮት”፡ ከምኡ’ውን “ሃይማኖት ኣቦታት” ዝኣመሰሉ ስርሓት ኣቢሎም ክገልጹ ጀሚሮም። ኣብ ከባቢ 16 ክፍለዘመን፡ ብቁጽሮም ውሑዳት ዘይኰኑ ከም ብዓል ብጆርጅ ኤልሚሰን ዝተዳለወ “ኣድማሳዊ ታሪኽ” ዘርእስቱ መጽሓፍን “ፍጻሜታት የውሃንስ ጳጳስ ኒቈ” ዝተሰምየ ሕትመትን ዝኣመሰሉ’ውን ፍርያት ስነጽሑፍ ካብ ዓረብኛ ናብ ግእዝ ንመጀመርታ እዋን ተተርጒሞም።

ሓድግታትን ህሉው ኩነታት ግእዝን

ግእዝ ስርዓተሃይማኖታዊ ቋንቋ ቤተክርስትያናት ተዋህዶ ኤርትራን ኢቲዮጵያን፡ ካቶሊካውያን ቤተክርስትያናት ኤርትራን ኢቲዮጵያን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ቅዳሴን ጸሎትን ህዝባውያን ጽንብላትን ድማ ኣብ መዓላ ይውዕል። ቤተእስራኤል ወይውን ፈለስቲ ኣይሁድ’ውን ክሳዕ ሕጂ ይጥቀምሉ ኢዮም።

ብተወሳኺ፡ ፊደላት ግእዝ ከም መጽሓፊ ካልኦት ሴማውያንን ዘይሴማውያንን ቋንቋታት ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ብሰፊሑ ኣብ ኢቲዮጵያን ኤርትራን ንምጽሓፍ ትግርኛን ትግረን ኣምሓርኛን ይጠቅም። ኣብ ልዕሊኡ፡ ኣብ ኢቲዮጵያ ንምጽሓፍ ከም በዓል ኣገው፡ ሰባትቤት፡ መዐን፡ ጉራጌኛ ዝኣመሰሉ ካልኦት ቋንቋታት የገልግል። ኣብ ኤርትራ’ውን ብዙሕ ግዜ ንምጽሓፍ ቋንቋ ብሌን ሰባት ይጥቀምሉ ኢዮም።

ብርክት ዝበሉ ብኢድ ዝተጻሕፉ ብራናታት ግእዝ ካብ ኢቲዮጵያን ኤርትራን ወጻኢ ኣብ ሃገራት ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ብሪጣንያ ከምኡ’ውን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ይርከቡ። ኣብ ሃገራዊ ቤትንባብ ብሪጣንያ ጥራሕ’ኳ ዳርጋ 800 ዝበጽሕ ብኢድ ካብ 15 ክፍለዘመን ክሳብ 20 ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተጻሕፉ በረናታት ግእዝ ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ናይ ጥንቆላን ኣስማትን መጻሓፍቲ ክኾኑ ከለዉ፡ ካብ 16 ክሳብ 17 ክፍለዘመን ዝተሓትሙ ስእላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ደብተራት’ውን ይርከብዎም።

መወከሲ ነጥብታት

  1. Munro-Hay, Stuart C. (1991) Aksum: An African Civilisation of Late Antiquity. Edinburgh University Press: Edinburgh. ↩︎
  2. ኣድመጽቲ ዝበሃሉ ሓውሲ-ፊደላት ኰይኖም፡ ሓደ ፊደል ከመይ ከም ዝድመጽ ዝሕብሩ ኢዮም። እቶም ልሙዳት ኣድመጽቲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡ አ፡ ኡ፡ ኢ፡ ኣ፡ ኤ፡ ኦ። ንኣብነት ተደማጺ “ብ”፡ ምስቶም ኣድመጽቲ ክጽመድ ከሎ፡ በ፡ ቡ፡ ቢ፡ ባ፡ ቤ፡ ቦ፡ ብምዃን ምሉእ ፊደል ይኸውን። ↩︎