እዚ ታሻዓይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛ1ን ሰሜን2ን ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 18473 ዝተሓትመ መጽሓፍ ዝተዳለወ ኢዩ። ኣብ፣ዚ ዓንቀጽ፡ ንብነባረታይ፡ ኣደንጋረታይ፡ ወዘተረፈ ኣኻውሕ ዝቘሙ ካልኣዊ መሬታት ምድረትግርኛን ሰሜንን ክንድህስስ ኢና።

ነባረታያት፡ ኣደንጋረታያት፡ ወዘተረፈ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለምና ኣብ እዋን፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ፡ ምፍጣር ፍሓሚ መሬት ስለዝተቐልቀሉ፡ ናይ ምድረሓበሻ4 እውን ምስ፣ዚ ክፍለግዜ ከነዛምዶ ኢና። ነዚ ዝያዳ ምኹኑይ ዝገብር ድማ፡ እዞም ነባረታያት፡ ኣደንጋረታያት፡ ወዘተረፈ ንብምልኦም ካብ ፍሓሚ መሬት ንላዕሊ ዝሸምገሉ ተኻታተልቲ መሬታት ዝመሳቐሉ ምዃኖም ኢዩ። እዞም ኣኻውሕ ምስ ኣኻውሕ እምነእንቁላሊሓዊ መሬት ክሕወሱ እውን ፍጹም ኣይረኣናን። ኣብ ምድረሓበሻ፡ ነባረታያት፡ ኣደንጋረታያት፡ ኣደንጋረታይ ተመናይ፡ ቈንዳፍእምኒ፡ ወዘተረፈ፡ ተመሳሳሊ ዕድመ፡ ሓደ ዓይነት ትርኢት፡ ከምኡ’ውን ተመሳሳሊ ስነምድራዊ ባህርያት ዘለዎ ሓደ ጉጅለ ኣኻውሕ ጥራሕ ኢዮም ዘቑሙ። እዚ ማለት ከኣ፡ ሓደ ዓይነት ተራ ዝተጻወቱን ድንገተኛታት ናይ ሓደ ኣውራ ከውሒ፡ ማለት ነባረታይ፡ ስለዝዀኑን ኢዩ።

ነባረታይ ብኣደንጋራይን ጽዕዳይን ዝተፈጥረ ሓቒቓዊ ከውሒ ኢዩ። ኣደንጋረታይ፡ ጽዕዳይ ዘይብሉ ወይ ቁንጣሮ ጽዕዳይ ዝሓዘ ነባረታይ ኢዩ። ተመናይ ምድረሓበሻ፡ ሓቀኛ ተመናይ ዘይኰነ፡ ግናኸ ልክዕ ከም ካልኦት ብዙሓት ሓምላይ ኣኻውሕ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓቀኛ ተመናይ ዝዳናገር፡ ብኣቃውምኡ ምስ ነባረታይ ተማሳሳሊ ዝዀነ ኢዩ። ስለ፣ዚ፡ ንነባረታይ ከም ወካሊ ዓይነት እዞም ኣደንጋረታያዊ ኣኻውሕ ክንወስዶ ንኽእል ኢና።

ነዚ ዝተባህለ ኣብ ገምጋም ብምእታው፡ ነባረታያት ኣብ ስነጎቦኣውን ምድረፍልጠታውን ኣቃውማ ከምኡ’ውን ኣብ ተንቀሳቓሳውን ልውጠቅርጻውን ኩነታት ምድረሓበሻ ኣዚዩ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቶም ክንብል ንኽእል። ብተወሳኺ፡ ዳርጋ ኣብ ነፍሲወከፍ ስጉምቲ፡ በዞም ኣኻውሕ ዝተፈጥሩ ኣጻድፍ ወይ ዝሪግቶታት፡ መትንታትን መላግቦታትን ንረክብ። ኣጠቓላሊ መግለጺታት ገዲፍና እምበኣር ናብ ምግምጋም ዝርኣናዮም ቀንዲ ኩማራት ነባረታይ ምድረሓበሻ ክንሓልፍ።

ነባረታይ ንኣኻውሕ ኣኽራናት ታረንታ5 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ይበስዖም። ናብ እግሪ እቲ ኣኽራናት ገጽ፡ ሓደ ስጉድ ድምርታይ ምስ ሓደሓደሳዕ ዝሓቐቐ ደቀቕቲ መትንታት መረጼናይ ጥምቢሓቒቕ ይርአ። መትኒ ቈንዳፍእምኒ ንቁልዓይሳይነታይን ይመሳቐል። ኩሉ ትርኢት ከምዘመልክቶ እውን፡ ሕሉፍ ድንገተኛ ናይ፣ቶም ኣብ፣ዚ ኣኽራናት ዝርኣዩ መትንታት ድምርታያዊ፡ ሮማናያዊ ከምኡ’ውን ሓደሓደሳዕ ጥምቢሓቔታያዊ ነባረታይ ጥራሕ ኢዩ። ሓደ ኣብነት ናይ፣ዚ ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ዓፍራይፍሉጻይን ቦኽራይን በዞም ነባረታያት ይውሓድ ይብዛሕ ዝተቐየረ ንዕዘብ።

ኣብ ማይ-ሓራሳት፡ ኣብ ማእከል እቶም ቈጽለታያት፡ ደባን ሓምላይን እንኮዓይነታውን ነባረታይ ንርኢ። እዚ ነባረታይ ዝሪግቶ ነቲ ሰንጢቕዎ ዝሓልፍ ከውሒ ኣዕርዩ ቀይርዎ ይርከብ። ኣብ ጥቕኡ ዘሎ ቈጽለታይ ከይተረፈ፡ ሓደሓደግዜ ናብ ድርዐታይ፡ ሓደሓደእዋን ከኣ ናብ ዓፍራይፍሉጻይ ይላበስ።

ኣብ ዓሲራ፡ እቶም ቈጽለታያት ብልሙጽ፡ ሓማል-ጨብራይ ነባረታይ ዝተመሳቐሉን ብኸፊል ዝተሸፈኑን ኢዮም። ኣብ በለሳ ድማ ተመናይ ትርኢት ዘለዎ ድምርታያዊ ሓምላይ ነባረታይ፡ ሮማናያውን ዓፍራያውን ኢዩ። ኣብ መንጎ እቲ ጸብጎላን ቈጽለታይን እውን ሓደ ዓይነት ተራ ይጻወት። ይኹን እምበር፡ ኣብ፣ዚ ቦታ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሎጎ-ሳርዳ፡ እቶም ቈጽለታያዊ ኣኻውሕ ናብ ኩነት መሮጣር ዓፍራይፍሉጻይ ዝሓለፉ ኢዮም። እዚ ከኣ ምናልባት ብሰንኪ ጽልዋ ነባረታያዊ ከውሒ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ስንጭሮ ህስታ፡ ኣብ እግሪ ደብረ-ዳሞ፡ ጸሊም፡ ሓውሲ-ስጉድ ኣደንጋረታይ ይርአ። እዚ ከውሒ ነቶም እልመቶም ዝያዳ ሓቒቓዊ ብምግባር ዝቐየሮም ቈጽለታያት ይመሳቐሎም። ኣብ፣ቲ ኣብመንጎ ጸጋማይ ደንደስ መረብን ጸጋማይ ደንደስ እንጉያን ዝርከብ ሰንሰለት ኣኽራን፡ ነባረታያዊ ኣኻውሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ተራ ይጻወቱ፡ መኽንያቱ ሓደሓደሳዕ ብመልክዕ ጉልቡት ዝሪግቶታት ይጋሃዱ ስለዝዀኑ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ነቶም ቈጽለታያትን ካልኦት ኣኻውሕን ኣብ ነፍሲወከፍ ስጉምቲ ክበስዑ ንዕዘብ። ስለዚ ኣብ፣ዚ ክፋል እዚ ሃገር፡ ነባረታያት ድሕረባይታ ናይ ሓደ ኣብ ማእከሉ፡ ኣብዝን ኣብትን ዝተባታተኑ ሓርፊፋያዊ ኣኻውሕ፡ ሳይነታያትቈጽለታያት፡ ወዘተ፡ ዝርኣየሉ ስእሊ ይፈጥሩ።

ስለዝዀነ፡ ኣብ መንጎ እገላን ገንደብታን ልሙጽ ብርሁው ሰማያዊ ነባረታይ ወይ በጫው ወይነታያዊ ነባረታይ ንረክብ። ኣብ ጥቓ ዓድዋ፡ በንጻሩ ስጉድ፡ እንኮዓይነታዊ፡ ሓማል ነባረታይ ኢዩ። ኣብ እምባ ሰማያተ፡ ነባረታያት ነቶም ኣዕርዮም ዝቐየርዎም ቈጽለታያዊ ኣኻውሕ ይቘርጽዎምን ይሽፍንዎምን። ርእሲ እምባ ሸሎዳ ብኣደንጋራያት ዝቘመ ኢዩ። ልክዕ ከም ኣብ ደብረ-ሲና፡ ኣብ ነጋሕ፡ ኣብ ዙርያ ማይጨናው፡ ዓዲ-ሕትሞት፡ ዳዕሮ-ተኽሊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከብዲሩባ ኮርዞሮ ድማ ነቶም ቈጽለታያት ብተወሳኺ ይቘርጽዎም። ኣብ ዙርያ ኣቡነ-ኣሌፍ፡ እቲ ነባረታይ ነቲ ሳይነታይ ይበስዖ። ኣብ ዙርያ ጉንደት በንጻሩ፡ እቲ ስርነታይ ብነባረታይ ዝተመሳቐለ ኢዩ። ካብ ዓይለት ንምዕራብ፡ እቲ ነቲ ሳይነታይ ዝቘርጾ ነባረታይ ሓቒቓት ጽዕዳይ ዝሓዘ ሩፍራፋዊ ወይነታያዊ ኢዩ።

ኣብ ነጋሕ፡ እቲ ኣደንጋረታይ ሓምላይን ፍሉጻውን ኢዩ። ኣብ መንጎ እዚ ዝተጠቕሰ ቦታን ኣራደብን፡ እቲ ነባረታይ ኣዚዩ ልሙጽ፡ ሰምያው፡ ከምኡ’ውን ናብ ገፍሒ ይላበስ። ኣብ፣ቲ ኣብ መንጎ ኣቡነ-ኣሌፍሓዲሽ-ዓድን ዘሎ ስንጭሮ፡ እቲ ነባረታይ ሓምላይ ኢዩ። ጸለምቲ ሓቒቓት ኣደንጋራይን ኣዚዩ ናኣሽቱ ሉዝያታት ጽዕዳይን ዝሓዘ ድማ ኢዩ። ኣብ ሓዲሽ-ዓዲ እቲ ነባረታይ ናብ ወይነታያዊ ገፍሒ ይሓልፍ።

ኣብ ሽረ፡ ነባረታያዊ ኣኻውሕ ሓደሓደግዜ ኣብ ዙርያ እቶም ጽኑዓያት፡ ወይ ኣብ ከብዲ እቶም ስንጭሮታትን ኣብ ሩባ ተከዘን ተቐሊዖም ይርኣዩ። ኣብ መንጎ ዓዲ-ዳዕሮማይ-ሓንሰን፡ እቲ ነባረታይ ወይነታያዊ ኢዩ። ኣብ ማይ-ሓንሰ፡ ብሓፈሽኡ ወይነተኛን ሓምላይን እውን ኢዩ። እቶም ኣደንጋረታይን ነባረታይን ነቲ ቈጽለታይ ይመሳቐልዎን የባሳብስዎን። እንተዀነ ግና ኣብ’ዚ እቶም ኣብ ቈጽለታያትን ጸብጎላን ዝተኸስቱ ምቅይያራት ኣዚዮም ዝማዕበሉን ኣዚዮም ጉሉሓትን ኢዮም። ብኣጠቓላሊ፡ እዞም ኣኻውሕ ዝያዳ ሓቒቓዊ እልሞ ዘለዎም, ዓፍራይፍሉጻይ ዝዀኑን ሮማናያት ዝሓዙን ኢዮም። ነባረታያዊ ኣኻውሕ እዚ ክፋል ሩባ ተከዘ፡ ሓደሓደ እዋን ሰምያው ጸሊም ኣደንጋረታይ፡ ሓደሓደሳዕ ጻዕዳ ወይነታያዊ ነባረታይ፡ ሓደሓደ ግዜ ከኣ ድምርታያዊ ከውሒ ወይ ቈንዳፍእምኒ፡ ወዘተ ኢዩ።

እቶም ኣብ ሩባ ተከዘ ብብዝሒ እንረኽቦም ነባረታያዊ ኣኻውሕ፡ ኣብ፣ቲ ናብ ጎንደር ገጽ ዘሎ ካልእ ወገን ናይ፣ቲ ሩባ ከይተረፈ ይርኣዩ። ኣብ፣ዚ ክፋል ምድረሓበሻ፡ ከም ናይ ኣውራጃ ትግራይን6 ሽረን ዝበለ ተራ ይጻወቱ።

ምስ፣ቶም ነባረታያት ኣብ ጥቓ ድግሳ ዝርከብ ሓደ ሓማል-ብጫ ተመናያዊ ገፍሒ ምዝማድ ኣድላዪ ይመስለና። ይኹን እምበር ብዛዕባ ምትሕሓዞም ዓቢ ጥርጣሬ ከም ዘለና ምጥቃስ የድሊ።

ንሓፈሻዊ ኣንፈት ወይ ኣሰራርዓታት እቶም ዝሪግቶታት፡ መትንታትን ነባረታያዊ መላግቦታትን እንተዘርዚርና፡ ማለት ነቶም ነባረታያት ብእኦም ገይሮም ካብ ከርሲ ምድሪ ዝወጽሎም ጨዳዳት መስመራት ከነመልክት እንተፈቲንና፡ ካብ ውጽኢታት ትዕዝብትታትና ዝፈቕዶ ንላዕሊ ምኻድ ምዀነ ነይሩ። ብርኩት ዝቑጽሮም ዝሪግቶታት፡ ዳርጋ ካብ ምዕራብ-ሰሜንምዕራብ ናብ ምብራቕ-ደቡብምብራቕ ኣቢሎም ዝዝርግሑ ከም ዝመስሉ ጥራሕ ክንጠቅስ ኢና። ግና፡ ደጊምና ክንብል፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ምንም ርግጽነት የብልናን። መኽንያቱ፡ ዘካየድናዮ መጽናዕቲ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ ክምልስ ዝኽእል እኹል ልክዕነት የብሉን።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  2. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  3. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
  4. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
  5. ሰንሰለት ኣኽራናት ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቕውም ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎
  6. ኣውራጃ ትግራይ ብኣንፈት ምብራቕ ምስ ኣውራጃ ዓጋመ፡ ብምዕራብ ምስ ኣውራጃ ሽረ፡ ብደቡብ ምስ ሩባ ዋሪ ከምኡ’ውን ብሸነኽ ሰሜን ምስ ሩባ መረብ ይዳወብ ነይሩ። ↩︎