ዓውደትምህርቲ ዝበሃል ሓደ ብስርዓት ዝጽናዕን ዝስትምሃርን ፍሉይነት ኣፍልጦ ኢዩ። ግሉጽ ዓውደመጽናዕቲ ወይ ፍሉይ ስፍራ ክእለት ኢዩ። ዝውንኖ ኣምራት፡ ክልሰሓሳባት፡ ሜላታት፡ መካወንያታት፡ ማህደረቃላት ከምኡ፣ውን ዝተፈልየ ትሕዝቶ ፍልጠት ዘለዎ ድማ ኢዩ። ዝዀነ ዓውደትምህርቲ ውሽጠትምህርታዊ፡ ብዝሐትምህርታዊ፡ ውህደትምህርታዊ ወይውን ስግረትምህርታዊ ክኸውን ይኽእል።
ውሽጠትምህርታውነት
ውሽጠትምህርታዊ ስነፍልጠት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ፡ ካብ ናይ ካልኦት ዝተፈልየ ጉዳይ፡ ዘተኩርን ናይ ገዛእ ርእሱ ስነሜላታት ዝጥቀምን ዓውደትምህርቲ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዝውቱራት ዓውድታት ስነፍልጠት ውሽጠትምህርታውያን ኢዮም። ንኣብነት ስነቀመም (ኣብ ምጽናዕ ቀመማት ጥራሕ የተኩር)፡ ስነሂወት (ኣብ ምጽናዕ ሂወታውያን)፡ ስነነገር (ኣብ ምጽናዕ ነገራት)፡ ወዘተ።
ብዝሐትምህርታውነት
ብዝሐትምህርታዊ ስነፍልጠት ንኽልተ ወይ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ ዓውደትምህርታት ናብ ሓደ ብምምጻእ ንጉዳያት የጽንዕ። ንዛዕባታቱ ብመነጽር እቶም ዘይድብልቖም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተፈልየ መንነት ዝዕቅቡ፡ ግንከኣ ዝሓቘፎም ዓውድታት ፍልጠት ይግንዘብ። ውጽኢት ምትሕውዋሶም ከኣ ድምራዊ እምበር ውሁዳዊ ኣይኰነን። ንኣብነት ኤሌክትሮመካወናዊ ምህንድስና (electromechanical engineering) ንኤሌክትሪካውን መካወናውን ምህንድስናታት ይጥርንፍ።
ውህደትምህርታውነት
ውህደትምህርታዊ ስነፍልጠት ንኽልተ ወይ ልዕሊኡ ዓውድታት ስነፍልጠት ናብ ሓደ ዘዋሃህድ ኢዩ። ደማሪ ጥራሕ ኣይኰነን። ሓደ ልዕሊ ውጽኢት ድምር ክፋላቱ ዝዀነ ነገር ይፈጥር። ምምዕባል ሓደሽቲ ኣምራትን መሳርሒታትን ክዉን ይገብር። ንኣብነት፡ ማሕበራዊ ስነኣእምሮ ንስነሕብረተሰብን ስነኣእምሮን የውህድ። ስነቀመምሂወት ንስነሂወትን ስነቀመምን የወሃህድ።
ስግረትምህርታውነት
ስግረትምህርታዊ ስነፍልጠት ካብ ትካላት ትምህርቲ ሓሊፉ ንዝተፈላለዩ ጽላታት ሕብረተሰብ ዘሳትፍ ኢዩ። ንዝተፈላለዩ ዓውደትምህርታት፡ ተዋሳእቲ ቁጠባ፡ መሓውር መንግስቲ፡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ኣባላት ሕብረተሰብን ብምስታፍ፡ ስነፍልጠታውን ግብራውን ክእለታት ዘቀናብር ስራሕ ኣብ ምስላጥ የድህብ። ኣብ ምፍታሕ ህሉው ጸገማትን ምምሕያሽ ሂወት ሕብረተሰብን የተኩር። ስለዝዀነ፡ ኣብ ገፊሕ ተሳትፎ ዘለዎ ምፍራይ ጥሙር ፍልጠትን ለዋጢ ስጉምትታትን ዘድሃበ ኢዩ። ንኣብነት ምህንድስና ስርዓታት፡ ስነፍልጠት መጓዓዝያ፡ ምውጣን ከተማ፡ ወዘተ።
ጥምረትምህርታውነት
ጥምረትምህርታዊ ስነፍልጠት ዝበሃል፡ ዝዀነ ውሽጠትምህርታዊ ዘይኰነ፡ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ዓውደትምህርታት ዘሐብር ዓውደትምህርቲ ኢዩ። ብዝሐ፡ ውህደ፡ ወይ ስግረ ትምህርታዊ ክኸውን ይኽእል።
መወከሲታት
Frodeman, R. (2014) Disciplinarity. In: Sustainable Knowledge: A Theory of Interdisciplinarity. Palgrave Pivot, London. Stable URL: https://doi.org/10.1057/9781137303028_2
Petrie, Hugh G. (1992) Interdisciplinary Education: Are We Faced with Insurmountable Opportunities? Review of Research in Education, Vol. 18, pp. 299-333. American Educational Research Association. Stable URL: http://www.jstor.org/stable/1167302 .
Shumway, D. R., & Messer-Davidow, E. (1991) Disciplinarity: An Introduction. Poetics Today, 12(2), 201–225. Stable URL: https://doi.org/10.2307/1772850
Bammer, Gabriele (2024) Why defining inter- and trans- disciplinarity is hard… Future Campus. Retrieved from https://futurecampus.com.au/2024/07/02/why-defining-inter-and-trans-disciplinarity-is-hard-why-it-matters-and-what-to-do-about-it/