ተፈጥሮኣዊ ዓለም ክትቈጽሮ ዘይከኣል በብዓይነቱ ተርእዮታት ዝሓዘ ስለዝዀነ፡ ነፍሲወከፍ ከኣ ነናቱ ኣምራት፡ ምርምራዊ ሜላታትን ስነቁጽራዊ መሳርሒታትን ዝጠልብ ብምዃኑ፡ ቀደማዊ ስነነገር ናብ ዝተፈላለዩ ዝተነጸሉ ዓውደመጽናዕትታት ፈሊቑ። እንተዀነ ግና ኩላቶም ሓደ ሓባራዊ ሸቶ ዝካፈሉ ኢዮም። ንሱ ድማ ብልክዕ፡ ቅድመነጋሪ፡ ከምኡውን ዝተኣሳሰረ መንገዲ፡ ነቶም ንተፈጥሮኣዊ ክስተታት ዝቕልብሱ መንጸፋውያን ሕጋጋት ክውንነት ምግሃድ ኢዩ። ቀጺልና ንቐንዲ ዓውድታትን ንኡስዓውድታትን ቀደማዊ ስነነገር ክንድህስስ ኢና።

ቀደማዊ ስነነገርምንቅስቓስ

ቀደማዊ ስነነገርምንቅስቓስ (classical mechanics) “ነገራትምንቅስቓስ” ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ስነነገራዊ ረቛሒታት ንምንቅስቓስነት ኰነ ዕረፍቲ ናይ ጉድ ከመይ ከምዝጸልውዎ ይፍትሽ። ንምንቅስቓስነት ኰነ ዕረፍቲ ዘማሓድሩ ሕግታትን መትከላትን እውን የሳናዱ። ነዞም ዝስዕቡ ዓውድታት ምርምር ዘካተተ ድማ ኢዩ፦

  • ስነዙረት (kinematics) — ነቶም ዘስዕብዎ ሓይልታት ብምግዳፍ ንምንቅስቓስነት ዝገልጽ ኢዩ። ንኸም ምፍንቓል፡ ሕምባበ፡ ናህሪ፡ ኣሰናድዋ፡ ዝበሉ የጽንዕ። ምሉእብምሉእ ዓቐነምድራዊ ኢዩ።
  • ስነብርትዐ (dynamics) — ኣብ ክውንቶታት ዝዋስኡ ሓይልታትን ንሳቶም ዘስዕብዎ ምንቅስቓስነትን የጽንዕ። ስለምንታይን ብኸመይን ነገራት ከምዝንቀሳቐሱ ይገልጽ።
  • ስነጠጠው (statics) — ንኣብ ሓይልታት ምሉእብምሉእ ዝመጣጠንሉ መዘናነት ዘለዉ ስርዓታት የጽንዕ።
  • ዋሕዛዊ ስነነገርምንቅስቓስ (fluid mechanics) — ንባህርያት ኣብ ምንቅስቓስነት ኰነ ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉ፡ ከም ፈሰስቲ ወ በንታት ዝበሉ፡ ዋሕዛውያን የጽንዕ።
  • ስነነገርምንቅስቓስ ልሙስ-ኣካል (rigid‑body mechanics) — ንምንቅስቓስነት ዘይዕየኑ ኣካላት የጽንዕ።

ቀደማዊ ስነብርትዐዋዒ

ቀደማዊ ስነብርትዐዋዒ (classical thermodynamics) ኣብ ግዙፍትርኢታዊ ደረጃ ክውንነት፡ ኣብ መንጎ ዋዒን ካልኦት ቈይምታት ጸዓትን ዘሎ ዝምድናታት የጽንዕ። ጸዓት ብኸመይን ስለምንታይን መልክዑ ይቐያይር ይፍትሽ።

ኤሌክትሮሰሓብነት

ኤሌክትሮሳሓብነት (electromagnetism) ንባህርያት ኤሌክትሪክ፡ ሰሓብነት ከምኡውን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድናታት ይፍትሽ። እዞም ዝስዕቡ ዋና ዓውድታት ምርምራቱ ኢዮም፦

  • ጠጠውመጠውኤሌክትሪክ (electrostatics) — ንደው ዝበሉ ወይ ዝቘሙ ቅስቃሳት ኤሌክትሪክ ወ ግራውቶም የጽንዕ።
  • ጠጠውመጠውሰሓብነት (magnetostatics) — ንዘይንቀሳቐሱ ግራውቲ ሰሓብነትን ምንጭታቶምን የጽንዕ።
  • ስነብርትዐኤሌክትሪክ (electrodynamics) — ንዝቀያየሩ ኤሌክትሪካውያን ወ ሰሓብነታውያን ግራውቲ ከምኡውን ዝምድናታቶም የጽንዕ።

ስነነገርምርኣይ

ስነነገርምርኣይ (optics) “ነገራትምርኣይ” ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ንብርሃን ይምርምር። ብርሃን እንታይ ምዃኑ፡ ብኸመይ ከምዝንቀሳቐስ፡ ኣብ ጉድ ከመይ ከምዝትግብር፡ ብኸመይ ኣብ ዝተፈላለየ መዓላ ክውዕል ከምዝኽእል የጽንዕ። እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብ ዋና ጨንፈራቱ ኢዮም፦

  • ተፈጥሮኣዊ ነገራትምርኣይ (physical optics) — ንማዕበላዊ ባህርያት ብርሃን የጽንዕ።
  • ዓቐነምድራዊ ነገራትምርኣይ (geometric optics) — ንጩራዊ ባህርያት ብርሃን የጽንዕ።
  • ሰብነታዊ ነገራትምርኣይ (physiological optics) — ፍጡራት ብኸመይ መስርሓት ይርእዩ የጽንዕ።

ስነነገርምስማዕ

ስነነገርምስማዕ (acoustics) “ነገራትምስማዕ” ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ንባህርያትን ኣፈጣጥራን ድምጺ የጽንዕ። ድምጺ ብኸመይ ይምንጩ፡ ይዝርጋሕ፡ ይቕየድ፡ ከምኡውን ይስማዕ ይምርምር። እዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ንኡሳን ዓውድታቱ ኢዮም፦

  • ተፈጥሮኣዊ ነገራትምስማዕ (physical acoustics) — ንመባእታዊ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ድምጺ እንከላይ ኣፈጣጥርኡ፡ ኣጐዓዕዝኡ፡ ምስ ጉድ ዘለዎ ርክባት የጽንዕ።
  • ሰብነታዊ ነገራትምስማዕ (physiological acoustics) — ፍጡራት ብኸመይ መስርሓት ይሰምዑ የጽንዕ።
  • ዜማዊ ነገራትምስማዕ (musical acoustics) — ንኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን መሳርሒታት ደርፊ ከምኡውን ዜማዊ ድምጺ ኣብ ሰማዕቱ ዘለዎ ጽልዋታት የጽንዕ።
  • ስነህንጻዊ ነገራትምስማዕ (architectural acoustics) — ንባህርያትን ኣቀያይዳን ድምጺ ኣብ ዝተሓጽረ ቦታታት የጽንዕ።

ጠቐምቲ ንባባት

Halliday, David; Robert Resnick; and Jearl Walker (2013) Physics. 10th ed., Wiley.

Goldstein, Herbert, Charles P. Poole Jr., and John L. Safko. Classical Mechanics. 3rd ed., Addison‑Wesley, 2002.

Zemansky, Mark W.; and Richard H. Dittman (1997) Heat and Thermodynamics. 7th ed., McGraw‑Hill.

Marion, Jerry B., and Stephen T. Thornton (2004) Classical Dynamics of Particles and Systems. 5th ed., Brooks/Cole.

Duffin, W. J. (1980) Electricity and Magnetism. 4th ed., McGraw‑Hill.

Purcell, Edward M., and David J. Morin (2013) Electricity and Magnetism. 3rd ed., Cambridge University Press.

Ghatak, Ajoy (2009) Optics. 4th ed., McGraw‑Hill.

Hecht, Eugene (2017) Optics. 5th ed., Pearson.