እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብ ፍሉጣት ፍሉይነታት ዘመናዊ ስነነገር ኢዮም፦
- ክንድነት ስነነገር (quantum physics) – ንተፈጥሮኣዊ ዓለም ኣብቲ ዝነኣሰ ደረጃ ክውንነት ዘጽንዕ ሰፊሕ ዓውዲ ስነነገር ኢዩ። ንባህርያት ጉድን ጸዓትን ኣብ ኣቶማውን ትሕተኣቶማውን ጽፍሕታት ይምርምር። ንመባእታዊ ባህርያት ኣድማስ ይፍትሽ። ንዘይንቡርን ጸረእንዶኣውን ጠባያት ጉድ ወ ጸዓት ይምርምር። እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብ ቀንዲ ንኡሳን ዓውድታቱ ኢዮም፦
- ክንድነት ስነነገርምንቅስቓስ (quantum mechanics) – ዋና ጨንፈር ክንድነት ስነነገር ኰይኑ፡ ንባህርያት ክንድነታዊ ስርዓታት ንምግሃድ ዘገልግል ፍሉይ ስነቁጽራዊ ማሕዘልዕዮን እኩብ ሕጋጋትን ዝሓዘ ኢዩ። ቅድመምንጋር ጠባያት ትሕተኣቶማዊ ነጥርታት ክዉን ይገብር። ስነፍልጠተኛታት ንተኽእሎ ምዃን ከዋራርዱ ዘኽእልዎም ቅርጡዋት መትከላት፡ መማዓራረዪታት፡ ወ ርትዒ የቕርብ። ክንድነት ስነነገርምንቅስቓስ ሞተር ክንድነት ስነነገር ኢዩ።
- ክንድነት ስነነገርምርኣይ (quantum optics) – ንጠባያት ብርሃን ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃታት ክውንነት የጽንዕ።
- ክንድነት ስነቀመም (quantum chemistry) – ስግረትምህርታዊ ዓውዲ ኰይኑ፡ ብመንገዲ ክንድነት ስነነገርምንቅስቓስ ንባህርያት ስነቀመማዊ ቁራኔታት የጽንዕ።
- ክንድነት ኮምፒተር (quantum computing) – ብዝሐትምህርታዊ ዓውዲ ኰይኑ፡ ንክንድነት ስነነገርምንቅስቓስ ኣብ መዓላ ስነፍልጠት ኮምፒተር የውዕል።
- ክንድነት ሓበሬታ (quantum information) – ክንድነታዊ ባህርያት ኣብ መዓላ ምምስራሕን ምትሕልላፍን ሓበሬታ ብኸመይ ክውዕል ይኽእል የጽንዕ።
- ተዛማድነታዊ ስነነገር (relativistic physics) – ንባህርያት ብኣዚዩ ልዑል ፍጥነት (ናብ ፍጥነት ብርሃን ዝቐረበ) ዝጓዓዙ፡ ከምኡውን ብኽንዲ ገለ ረዝናዊ ስሕበት ዝግዝኡ ክውንቶታት የጽንዕ። ክልተ ዋና ጨናፍር ኣለውዎ፦
- ፍሉይ ተዛማድነት (special relativity) – ንብኽቱር ፍጥነት ዝንቀሳቐሱ ክውንቶታት የጽንዕ።
- ሓፈሻዊ ተዛማድነት (general relativity) – ንባህርያት ረዝናዊ ስሕበት የጽንዕ።
- ኩምሪታዊ ስነነገር (molecular physics) – ንስነነገራዊ ባህርያትን ብርትዐታትን ኩምሪታት ይፍትሽ።
- ኣቶማዊ ስነነገር (atomic physics) – ንኣቃውማን ባህርያትን ኣቶማት ይምርምር።
- ውሻጣዊ ስነነገር (nuclear physics) – ንውሻጣዊ ትሕዝቶን ብርትዐታትን ኣቶማት የጽንዕ።
- ስነነገር ስሩብ ጉድ (condensed matter physics) – ኣብ ዘመናዊ ስነነገር እቲ ዝሰፍሐ ዓውደ መጽናዕቲ ኰይኑ፡ ብዙሓት ነጥርታት ናብ ደረቕ ወይ ፈሳሲ ኩነት ምስ ሰረቡ ጉድ እንታይ ዓይነት ባህርያት ከምዘለዎ ኣብ ምምርማር የድህብ። ብሓፈሽኡ ናብ ክልተ ጨናፍራት ይምቀል፦
- ተሪር ስሩብ ጉድ (hard condensed matter)።
- ልስሉስ ስሩብ ጉድ (soft condensed matter)።
- ስነነገር ደረቕ-ኩነት (solid-state physics) – ዓቢ ፍሉይነት ስነነገር ስሩብ ጉድ ኰይኑ፡ ንዝደረቐ ጉድ የጽንዕ። ኣብ ሰፊሕ-ደረጃ ዝርኣዩ ጠባያት ደረቕ ናውቲ ካብ ኣቶማዊ ደረጃ ባህርያቶም ብኸመይ ከምዝምንጭዉ ይምርምር።
- ስነነገር ኩልዖ (plasma physics) – ነቲ “ራባዓይ ኩነት ጉድ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩልዓዊ ኩነት የጽንዕ። ልዑል-ጸዓት በኒ ክዶታትን ናጻ ዕምብሮታትን ከኣ ኢዩ።
- ስነነገር ትሑት-ምቘት (low-temperature physics) – ኣገዳሲ ፍሉይነት ስነነገር ስሩብ ጉድ ኰይኑ፡ ስነፍጣረቀዝሒ (cryogenics) ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ። ንባህርያት ጉድ ኣብ ጥቓ ፍጹም ባዶ ምቘት ከኣ ይምርምር።
- ስነነገር ነጥሪ (particle physics) – ነቶም ዝነኣሱ፡ ናብ ካልእ ካብኦም ዝደቅቕ ነገር ክፍንጨሉ ዘይክእሉ፡ መህነጺታት ኣድማስ የጽንዕ።
- ስነስግርድምጺ (ultrasonics) – ዘመናዊ ዓውዲ ስነነገርምስማዕ ኰይኑ፡ ንኻብ ዝበረኸ ደረት ምስማዕ ደቅሰባት ዝልዕል ተደጋጋምነታት ዘለዎም ማዕበላት ድምጺ የጽንዕ።
- ኩነታዊ ስነነገርምንቅስቓስ (statistical mechanics) – ብዝሐትምህርታዊ ምህሮ ኰይኑ፡ ንኽልሰሓሳብ ተኽእሎ ኣብ ደቂቕትርኢታዊ ጠባያት ውልቀ ኣቶማትን ኩምሪታትን ብምውዓል፡ ንግዙፍትርኢታዊ ባህርያት ጉድ (ከም ምቘት፡ ጸቕጢ ዝበሉ) የጽንዕ።
- ቀመማዊ ስነነገር (chemical physics) – ንስነነገር ምስ ስነቀመም ዘራኽብ ጨንፈር ዘመናዊ ስነነገር ኰይኑ፡ ኢደተግባራት ኣቶማውን ኩምሪታውን ስነነገር ተጠቂሙ ንስነቀመማዊ መስርሓት የጽንዕ።
ጠቐምቲ ንባባት
Feynman, Richard P., Robert B. Leighton, and Matthew Sands (1963-1965) The Feynman Lectures on Physics. In 3 volumes. Addison‑Wesley.
Colombo, Luciano (2019) Atomic and Molecular Physics: A Primer. IOP Publishing: Bristol.
Bransden, B. H., & Joachain, C. J. (2003) Physics of Atoms and Molecules. 2nd edition. Prentice Hall: Upper Saddle River.
Miodownik, Mark (2013) Stuff Matters: Exploring the Strange Stories of the Marvelous Materials that Shape Our Man-Made World. Viking: London.
Bryson, Bill (2003) A Short History of Nearly Everything. Broadway Books: New York.
Feynman, Richard P. (1985) QED: The Strange Theory of Light and Matter. Princeton University Press: Princeton.
Rovelli, Carlo (2014) Seven Brief Lessons on Physics. Riverhead Books.
Cox, Brian and Forshaw, Jeff (2012) The Quantum Universe: (And Why Anything That Can Happen, Does). Da Capo Press.
Al-Khalili, Jim (2003) Quantum: A Guide for the Perplexed. Weidenfeld & Nicolson.
Lederman, Leon (1993) The God Particle: If the Universe Is the Answer, What Is the Question?. Houghton Mifflin.
Susskind, Leonard (2013) The Theoretical Minimum: What You Need to Know to Start Doing Physics. Basic Books.
Miodownik, Mark (2014) Stuff Matters: Exploring the Marvelous Materials That Shape Our Man-Made World. Houghton Mifflin Harcourt.
Hewitt, Paul G. (2014) Conceptual Physics. 12th ed., Pearson.
Feynman, Richard P. (1994) Six Easy Pieces: Essentials of Physics Explained by Its Most Brilliant Teacher. Addison‑Wesley.