ኣብ ፈለማ ክፋል 20 ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ (ድ።ል።ክ) ዓቢ መቐይሮ ኣብ ስነነገራዊ ርድኢት ተኸሲቱ። እዚ ድማ ክልሰሓሳባት ቀደማዊ ስነነገር ክገልጽዎም ዘይክእሉ ተርእዮታት ከምዘለዉ ስነፍልጠተኛታት ብምግንዛቦም ዝሳዓበ ነይሩ። ኣብ እምብዛ ልዑል ፍጥነት፡ ኣብ ኣዚዩ ሕ’ሉፍ ድቀት፡ ከምኡውን ኣብ እምብዛ ልዑል ጸዓት፡ ቀደማዊ ስነነገር ይመክን። ነዞም ጉድለታት ንምምላእ ስነነገረኛታት ሓደስቲ ሜላታት መጽናዕትን ምርምርን ከቑሙ ተገዲዶም። ከም ውጽኢቱ፡ ንዝነበሩ መረዳእታታት ተፈጥሮ ዝቐልበሱ ድንቂ ኣምራትን ክልሰሓሳባትን ተቐልቂሎም። ካብኦም ድማ ዘመናዊ ስነነገር ማዕቢሉ። ኣብ ቀደማዊ ስነነገር ብዘዐግብ መንገዲ ክገልጾም ዘይክእል ክስተታት ተፈጥሮ ዘተኩር ከኣ ኢዩ።

ዘመናዊ ስነነገር ንብዛዕባ ጉድን ጸዓትን ኣብ ከረርቲ ደረጃታት ክውንነት ዝነበረ ርድኢት ለዊጥዎ። ብቐንዱ ኣብ ቀደማዊ ኣጠማምታ ስነነገር ክኸሽሖም ዘይክእል ክውንነታት ኣድማስ የድህብ። ንሕልኽላኻትን ጥልቀትን ኣዚዮም መባእታውያን፡ እምብዛ ዝነኣሱ፡ ሕልፊ ዝፈጥኑ፡ ኣዚዮም ዝረሓቑ፡ ከምኡውን እምብዛ ዝጸዓቱ ተርእዮታት ኣድማስ ከግህድ ይተግህ። ንሳቶም ድማ ከም ኣቶም፡ ኩምሪት፡ ነጥሪ፡ ምስ ናይ ብርሃን ዝዳረግ ፍጥነት ዘለዎ ዘበለ፡ ሓያል ረዝኒ፡ ክንድነታዊ ባህሪ፡ ዝኣመሰሉ ኢዮም። ዘይከም ቅድመተነጋሪ፡ እንዶኣዊ ባህርያት ቀደማዊ ስነነገር፡ ዘመናዊ ስነነገር ንጸረኣፋፍኖታዊ ባህሪ ጉድ ኣብ ኣዚዩ ዝሓ’ለፈ ፍጥነት፡ እምብዛ ዝነኣሰ ቦታ፡ ከምኡውን ኣብ ሓያል ረዝናዊ ስሕበት የግህድ።

ዘመናዊ ስነነገር ኣብ ክልተ ዓበይቲ ኣእምሮኣዊ ዓንድታት ዝተመርኰሰ ኢዩ። ንሳቶም ከኣ ክልሰሓሳብ ክንድነት ከምኡውን ክልሰሓሳብ ተዛማድነት ኢዮም። ኩላቶም ኣብ ዘመናዊ ስነነገር ዘለዉ ርድኢታት ካብዞም ክልተ ዝፈለቑ ኢዮም፦

  • ክልሰሓሳብ ክንድነት — ንጠባይ ጉድ ኣብቶም ዝነኣሱ ደረጃታት ክውንነት ይገልጽ።
  • ክልሰሓሳብ ተዛማድነት — ባሃር ስነፍልጠተኛ ኣልበርት ኣንስታይን ዘማዕበሎ ኰይኑ፡ ንምንቅስቓስነት ጉድ ኣብ እምብዛ ዝሓ’ለፈ ፍጥነታት፡ ከምኡውን ንባህርያት ቦታ፡ ግዜ፡ ወ ረዝኒ ይገልጽ።

ጠቐምቲ ንባባት

Rovelli, Carlo (2014) Seven Brief Lessons on Physics. Riverhead Books.

Feynman, Richard (1995) Six Easy Pieces. Basic Books.

Cox, Brian and Forshaw, Jeff (2012) The Quantum Universe: (And Why Anything That Can Happen, Does). Da Capo Press.

Al-Khalili, Jim (2003) Quantum: A Guide for the Perplexed. Weidenfeld & Nicolson.

Lederman, Leon (1993) The God Particle: If the Universe Is the Answer, What Is the Question?. Houghton Mifflin.

Susskind, Leonard (2013) The Theoretical Minimum: What You Need to Know to Start Doing Physics. Basic Books.

Hewitt, Paul G. (2014) Conceptual Physics. 12th ed., Pearson.

Feynman, Richard P., Robert B. Leighton, and Matthew Sands (1963-1965) The Feynman Lectures on Physics. In 3 volumes. Addison‑Wesley.

Feynman, Richard P. (1994) Six Easy Pieces: Essentials of Physics Explained by Its Most Brilliant Teacher. Addison‑Wesley.

Miodownik, Mark (2014) Stuff Matters: Exploring the Marvelous Materials That Shape Our Man-Made World. Houghton Mifflin Harcourt.

Firth, Rachel; Lacey, Minna; and Stobbart, Darran (2022) Physics for Beginners. Usborne (UK).

Rao, Indumati and Rao, C.N.R. (2006) Learning Science Part 2: The World of Physics and Energy. National Book Trust, India.

Breithaupt, Jim (2015) Physics. Bloomsbury Academic (UK).

Young, Hugh D. and Freedman, Roger A. (2019) University Physics with Modern Physics. 15th Edition. Pearson.

Halliday, David; Resnick, Robert; and Walker, Jearl (2021) Fundamentals of Physics. 12th edition. Wiley (USA).

Needham, Joseph (1962) Science and Civilisation in China. Volume 4: Physics and Physical Technology. Part 1: Physics. Cambridge University Press.