ስነነገር ክልተ ቐንዲ ጨናፍራት ኣለዎ። ንሳቶም ከኣ ቀደማዊ ስነነገር ወ ዘመናዊ ስነነገር ኢዮም። ምኽፋል ስነነገር ናብ ቀደማውን ዘመናውን፡ ፍልቀት ምህሮ ስነነገር ዝወለዶ ኢዩ። ቀደማዊ ስነነገር ነቶም ቅድሚ 20 ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ (ድ።ል።ክ) ዝተፈልጡ ተፈጥሮኣውያን ክስተታት ዘጽንዑ ዓውድታት ስነነገር ዝሓቘፈ ኢዩ። ዘመናዊ ስነነገር ድማ ነቶም ድሕሪ 20 ዘመን ድ።ል።ክ ዝማዕበሉ ኣምራትን ርድኢታትን ስነነገር ዝጥርንፍ ኢዩ። እዚ ምቅሊት ስነግዝያዊ ጥራሕ ኣይኰነን። ምቕያር ስነፍልጠተኛታት ኣብ ተፈጥሮ ዘለዎም ኣጠማምታ ዘመልክት እውን ኢዩ።

ክልቲኦም ዓበይቲ ጨናፍር ስነነገር ንባዕሎም፡ ሓያሎ ዝተፈልዩ፡ ኣብ ዝተነጸለ መዳያት ተፈጥሮኣዊ ተርእዮታትን ዝጸርዎም መትከላትን ዘድህቡ፡ ሕዝኣታት መጽናዕቲ ዘካተቱ ኢዮም። ንኣብነት፡ ስነነገርምንቅስቓስ ኣብ ምንቅስቓስነትን ሓይልታትን ጥራሕ ዘተኩር ክኸውን ከሎ፡ ስነብርትዐዋዒ ኣብ ዋዕን ምስግጋር ጸዓትን ጥራሕ የድህብ። እዞም ዓውደትምህርታት ስነፍልጠተኛታት ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣውያን ክስተታት በብዓይነቱ ዝፋላለ ኣገባባት ምርምራዊ መጽናዕትን ኣእምሮኣዊ ማሕዘላትዕዮን ከምዘድልዮም ብዝተገንዘቡ ዝተቐልቀሉ ኢዮም። ካብ ምጽናዕ ዓርሞሸሽ ሰመያዊ ኣካላት ክሳብ ምምርማር ትሕተኣቶማዊ ነጥርታት ከኣ ይሽፍኑ።

ፍሉይነት ንስነነገረኛታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕዝኣት ልክዐኛ ክልሰሓሳባትን ግብራዊ ትግባሬታትን ከማዕብሉ የኽእሎም። ንኣብነት፡ ስነነገር ስሩብ ጉድ ነጥርታት ኣብ ጽዑቕ ናውቲ ከመይ ከምዝዋስኡ ክፍትሽ ከሎ፡ ስነነገር ኩልዖ ከኣ ንሕልፊውዑያት ዝኸደዱ በንታት የጽንዕ። እዞም ፍሉይነታት ምህሮ ክልሰሓሳባውያን ጥራሕ እውን ኣይኰኑን። ኣብ ሕቖ ግብራዊ ስነሞያዊ ትግባሬታት ዝርከቡ መሽከርከርቲ ሓይልታት ኢዮም። ካብ ሕክምናዊ መስኣልን ውሻጣዊ ጸዓትን ክሳብ እቶም ኣብ ልዑል-ፍጥነት ባቡር ኣብ መዓላ ዝውዕሉ ሕሉፋትመሕለፍቲ ዝቐርጹ ኢዮም።

ብሓፈሽኡ ቀደማዊ ስነነገር ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ዋና ዓውደትምህርታት ዝሓዘ ኢዩ፦

  • ቀደማዊ ስነነገርምንቅስቓስ (classical mechanics) – ንባህርያት ምንቅስቓስነትን ንዕኡ ዝፈጥሩ ሓይልታትን የጽንዕ።
  • ስነብርትዐዋዒ (thermodynamics) – ኣብ ባህርያት ዋዒ ወ ምስግጋር ጸዓት የድህብ።
  • ኤሌክትሮሰሓብነት (electromagnetism) – ንባህርያት ኤሌክትሪክ ወ ሳሓብነት የጽንዕ።
  • ስነነገርምርኣይ (optics) – ንባህርያት ብርሃን ይምርምር።
  • ስነነገርምስማዕ (acoustics) – ንባህርያት ድምጺ የጽንዕ።

እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብ ፍሉጣት ፍሉይነታት ዘመናዊ ስነነገር ኢዮም፦

  • ክንድነት ስነነገርምንቅስቓስ (quantum mechanics) – ንጉድ ወ ጸዓት ኣብ ኣቶማውን ትሕተኣቶማውን ጽፍሕታት የጽንዕ።
  • ተዛማድነታዊ ስነነገር (relativistic physics) – ንብኣዚዩ ልዑል ፍጥነት (ናብ ፍጥነት ብርሃን ዝቐረበ) ዝጓዓዙ፡ ወይ ኣብ ሓያል ረዝናዊ ግራውቲ ንዝርከቡ ክውንቶታት የጽንዕ።
  • ስነነገር ኣቶምን ኩምሪትን (atomic and molecular physics) – ንኣቃውማ ኣቶማትን ኩምሪታትን ይምርምር።
  • ውሻጣዊ ስነነገር (nuclear physics) – ንውሻጣዊ ትሕዝቶ ኣቶማት የጽንዕ።
  • ስነነገር ስሩብ ጉድ (condensed matter physics) – ብቕርበት ብዝተጨቓጨቑ ነጥርታት ንዝተፈጥሩ ናውቲ ይምርምር።
  • ስነነገር ደረቕ-ኩነት (solid-state physics) – ንደረቕ ናውቲ የጽንዕ።
  • ስነነገር ትሑት-ምቘት (low-temperature physics) – ንባህርያት ጉድ ኣብ ጥቓ ፍጹም ባዶ ምቘት ይምርምር።
  • ስነነገር ኩልዖ (plasma physics) – ንኩልዖታት የጽንዕ።
  • ስነነገር ነጥሪ (particle physics) – ነቶም ዝነኣሱ፡ ናብ ካልእ ካብኦም ዝደቅቕ ነገር ክፍንጨሉ ዘይክእሉ፡ መህነጺታት ኣድማስ የጽንዕ።

ጠቐምቲ ንባባት

Firth, Rachel; Lacey, Minna; and Stobbart, Darran (2022) Physics for Beginners. Usborne (UK).

Rao, Indumati and Rao, C.N.R. (2006) Learning Science Part 2: The World of Physics and Energy. National Book Trust, India.

Kuhn, Karl F. (2021) Basic Physics: A Self‑Teaching Guide. 3rd edition. Wiley (USA).

Hewitt, Paul G. (2014) Conceptual Physics. 12th ed., Pearson.

Halliday, David; Resnick, Robert; and Walker, Jearl (2021) Fundamentals of Physics. 12th edition. Wiley (USA).

Feynman, Richard P., Robert B. Leighton, and Matthew Sands (1963-1965) The Feynman Lectures on Physics. In 3 volumes. Addison‑Wesley.

Breithaupt, Jim (2015) Physics. Bloomsbury Academic (UK).

Serway, Raymond A.; and Chris Vuille (2018) College Physics. 11th ed., Cengage Learning.

Young, Hugh D. and Freedman, Roger A. (2019) University Physics with Modern Physics. 15th Edition. Pearson.

Arfken, George B., Hans J. Weber, and Frank E. Harris (2013) Mathematical Methods for Physicists. 7th ed., Academic Press.

Needham, Joseph (1962) Science and Civilisation in China. Volume 4: Physics and Physical Technology. Part 1: Physics. Cambridge University Press.