እዚ ጽማቝ ናይ ኣብርሃለይ ተስፋጌርግስ ዘቕረቦ ንፍልቀት ፖለቲካዊ ሂወት ምድረሓበሻ፡ ኣብ ኢቲዮጲያን ኤሪትራን ብምትኳር፡ ዝድህስስ ውህቦ ኢዩ።

  • ፈለማ፡ ኣብርሃለይ ምርካብ ሰላምን ርግኣትን ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓቛፊ መረዳእታ ፖለቲካውን ማሕበራውን ታሪኽ እቲ ዞባ ከምዝምርኰስ የብርህ።
  • ቀጺሉ ከንቱነትን ጉድኣትን ዝተፈናጨለ ታሪኻዊ ኣጠማምታ ቅርኒ ኣፍሪቃ ይገልጽ።
  • ብድሕርዚ፡ ካብቲ ኣብቲ ዞባ ናይ መጀመርታ ሃገራት ዝተቐልቀላሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ምድረሓበሻ ዝተራእዩ ጉሉሓት ፖለቲካውያን ክስተታት ነዞም ዝስዕቡ ማሕበረፖለቲካውያን መድረኻት ብምጥቃስ ይዝርዝር፥
  1. ዘመነ ልእልነታት፥ ካብ ኣስታት 8ይ ክፍለዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 1ይ ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ (ድ።ል።ክ)፡ ብህላዌን ርክባትን ብዙሓት ወረዳውያን ሃገራት ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝልለ ታሪኻዊ ግዜ።
  2. ዘመነ ኣኽሱም (ወይ ኣኽሱማዊ ዘመን)፥ ካብ ኣስታት 1ይ ክፍለዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ድ።ል።ክ፡ ብምዕባይ፡ ምስፍሕፋሕን ምድልዳልን ሃገረ ኣኽሱም —ካብ ከባብያዊ ነቑጣ ስልጣን ምዃን ናብ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ተጻዋቲት ምዃን ዘሳጋገርዋ መስርሓት— ስዒቡ ከኣ ብምድኻማን ምውዳቓን ዝፍለ ታሪኻዊ መድረኽ።
  3. ዘመነ ኣገውን ዝጠፍአ ታሪኽን፥ ካብ ኣስታት 10ይ ክፍለዘመን ክሳብ መወዳእታ 13ይ ክፍለዘመን ድ።ል።ክ፡ ዋላ፣ኳ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ካብ ኣኽሱም ናብ ምድረኣገው ከምኡ፣ውን ኣቃውማን ባህርያትን መንግስተ ኣገው፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ታሪኻዊ መዛግብ ንጹር እንተዘይኰነ፡ ስርወመንግስቲ ኣገው ንምድረሓበሻ ዝዓብለለሉ እዋን ኢዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ መድረኽ ብስነህንጻዊ ሓድግታቱ ኣዚዩ ድሙቕ ኢዩ።
  4. ዘመነ ቤት-ኣምሓራ፥ ካብ መወዳእታ 13ይ ክፍለዘመን ክሳብ ማእከል 1520ታት ድ።ል።ክ፡ ብምልዋጥ መስፍናዊ ስድራቤት ኣውራጃ ኣምሓራ ናብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ምድረሓበሻ ኣብትሕቲ ሹም ተስፋኢየሱስ፡ ከምኡ፣ውን ብኣብ ፖለቲካ ምድረሓበሻ ዝነበራ ዕብለላ ዝልለ እዋን። ብተወሳኺ እዚ ፖለቲካዊ መድረኽ ብጉድለት ቀዋሚ ስፍራ መንግስትን ዘኸተሎ ሳዕቤናትን ርኡይ ኢዩ።
  5. ዘመነ ብድመት፥ ካብ ማእከል 1520ታት ክሳብ 1632 ድ።ል።ክ፡ ብኣዚዩ ኣዕናዊ ውሽጣዊ ሃይማኖታዊ ውግኣት (ውግኣት ኣደልን ካቶሊኻዊ ውግኣትን) ከምኡ፣ውን ብወረራታት ቱርኪ ዝፍለጥ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢዩ።
  6. ዘመነ ጎንደር (ወይ ጎንደራዊ እዋን)፥ ካብ 1632 ክሳብ 1769 ድ።ል።ክ፡ ብምዝዛም ውሽጣዊ ሃይማኖታዊ ውግኣት፡ ብምኽታል ተነጻሊ ኣህጉራዊ ፖሊሲ፡ ከምኡ፣ውን ብምቛም ቀዋሚ ስፍራ መንግስቲ ኣብ ጎንደር ዝልለ ግዜ።
  7. ዘመነ መሳፍንቲ፥ ካብ 1769 ክሳብ 1855 ድ።ል።ክ፡ ብምብታን ማእከላዊ ስልጣን ምድረሓበሻ፡ ብምምዛዝ ስማውያን ነጋውስቲ፡ ከምኡ፣ውን ብዕብለላ ንስለ ውልቃዊ ረብሓን ዝናን ምስናሓድሕዶም ኣብ ጐንጺ ዝተሸሙ ባዕለሓገግቲ ኣውራጃውያን መሳፍንቲ ዝፍለጥ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢዩ።
  8. ዘመነ መሳፍንተ ነገስትን ኤውሮጳዊ መግዛእትን፥ ካብ 1855 ክሳብ 1974 ድ።ል።ክ፡ ዝተፈላለዩ ኣውራጃውያን መሳፍንቲ (ናይ ቋራእንድርታሸዋ) ናብ ኣሕባሪ ሓይሊ ምድረሓበሻ ክቕየሩን ብእኡ ገይሮም ድማ ድልዱል ማእከላዊ ስልጣን ምድረሓበሻ ዳግም ከቑሙ ዝፈተኑሉን ዝፈሸሉሉን፡ ከምኡ፣ውን ኤውሮጳዊ መግዛእታዊ ምትእትታው ዝተራእየሉ ፖለቲካዊ እዋን ኢዩ።
  9. ዘመነ መለኽቲ፥ ካብ 1974 ክሳብ ሎሚ፡ ብግዝኣት ሓደሰብ ዝዕብልለን ፖለቲካውያን ሰልፍታት (መንግስቱ ሃይለማርያምን ሰልፉን፡ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሰልፉን፡ መለስ ዜናውን ሰልፉን፡ ኣቢይ ኣሕመድን ሰልፉን)፡ ከምኡ፣ውን ህርፋናት ስልጣን ዝጨበጡ ውልቀመለኽቲ፡ ማርክሳዊ ኣምራት ሓርነትን ብሄራዊ ምንጋፍን ብዘባርዖም ኲናት ሕድሕድን ውግእ ሃገራትን ዝልለ፡ ህሉው ፖለቲካዊ መድረኽ ምድረሓበሻ ኢዩ።