ኣብ ጥቓ ኣኽሱም፡ እቲ ጽኑዓይ መብዛሕትኡሳዕ ፍሩያት ሓቒቓት ላብራዶራይ ዝሓዘ ኢዩ። ሓደ ስጉድ ዓይነት ናይዚ ከኣ ጽኑዓያዊ ድምጸታይ የኸትል።

ኣብ ሽረጽኑዓይ ዝተፈላለየ ሞጥማጥሞጉኣት ዘቕውም ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢታት ሰለኽለኻዓዲ-በለስ፡ ኣብ ጽምብላን ዓዲ-ባህራን፣ ወዘተ። ኣብ ሰለኽለኻ፡ ብሓማል ነገር (ልዉጥ ጋሸሳት) ዝተኸቡ፡ ብጠቕላላ ጓንጓ ዝዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብመርፍኣዊ ጨንፋር ማእነት ዝተሸፈኑ፡ ሰምያው ሉዝያታት ቻልሴዶናይ ጥምቢሓቒቕ ዓኸት ዘለዎ፡ ቡናዊ ዓፈፈኛ ጽኑዓይ ይርአ። ብተወሳኺ፡ እዚ ጽኑዓይ ካብ፣ቲ ባህርያዊ ትሕዝቶ እቲ ከውሒ ብዝተፈልየ ናኣሽቱ ጥርሙዛዊ ሓቒቓት ዘካተተ ኢዩ። ኣብ ጥቓ ዓዲ-በለስ፡ እቲ ጽኑዓይ ጸሊም ጥረኛ፡ ወይ ከኣ ብሓማል ጥረነገርን ብጥምቢሓቒቕ ዓኸት ቻልሴዶናይን እምነበረደኛ ዝዀነ፡ ቡናዊ ዓፈፈኛ ጽኑዓይ ኢዩ። ጻዕዳን በጫውን እምነፍላሓት እውን ኣለዎ። ኣብ ካልእ እዋናት፡ ወሓደ በዝሐ እምነጽያቓዊ ዝዀነ፡ ብሓምላይ ጒላን ቻልሴዶናይ ዓኸት ጥምቢሓቒቕን ዝቘመ፡ ሓምላይ ከውሒ ይርአ። እዞም ጽኑዓያት እምበኣር ወሓደ በዝሐ ብርክት ዝበለ መጠን ሉዝያታት ናይ ቻልሴዶናይ ወይ ዕንዲዳይ ጥምቢሓቂቕ
ዘካተቱ ኢዮም። ንሳቶም ድማ ሓደሓደሳዕ ቀይሓው ቡናዊ ዝዀኑ፡ ሓደሓደ ግዜ ጸባዊ፡ ሓደሓደ እዋን ድማ ሽጉርታያት ኢዮም።

ኣብ ጓንጎት እንረኽቦ ቻልሴዶናይ መብዛሕትኡሳዕ ብሓቒቓት መረጼናዊ ጥምቢሓቒቕ ዝተሸፈነ ኢዩ። እዞም ማዕድናት ኣብ፣ቲ ጽኑዓይ ብብዝሒ ዝተዘርግሑ ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ፡ ኣብ ጥቓ ኣኽሱም ዘለዉ ድበታዊ ሳልሳዊ መሬታት ብኣኣቶም ዝተኸድኑ ኢዮም። ዝገታት ውሕጅ ካብ፣ቲ ጽኑዓይ ዝነቕሎምን ናብዚ ከባቢ ዘግዕዞምን ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ፍራፍራጽኑዓይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናብ ዝዕጉላያት ዝቐየሮ ሳልሳዊ ዋላኻታት ሞጥማጥሞጉእ ይፈጥር።

ኣብ ጥቓ ጨለቖትጽኑዓይ ነቶም ቀጸላታት እምነእንቁላሊሓዊ መሬት ብምንጻል ንኸብዲ ሩባ ማይ-ጨለቖት ይቋጻጸሮ። ብተወሳኺ ኣብ የማነ ጸጋም፡ ነቲ ብኸፊል ዝሸፈኖ ቀጽዖ ይበስዖ። እዚ ጽኑዓይ ንኣኻውሕ እምነእንቁላሊሓዊ መሬትሳልሳዊ መሬትን ይውሓድ ይብዛሕ ነጠብጣብእምኒ-መሰል ገይርዎም ስለዘሎ፡ ለዊጥዎም ኢዩ።

ኣብ ኣውራጃ ሰሜን1ጽኑዓያት ኣብ ማእከል ሳልሳዊ ድበታዊ መሬታት ዝተቐልቀሉ ኰይኖም፡ ምናልባት እውን ነቶም ኣብ መሰረቶም ዘለዉ ሓርፊፋያት ዝተመሳቐሉ ኢዮም። ልክዕ ከም፣ቲ ኣብ ኣውራጃታት ትግራይን2 ሽረን፡ ኣብ ማይተሎ እምነፍላሓት ዝሓዘ ሉዝያዊ ጽኑዓይ፡ ወይ ጸምላው ሓምላይ ጽኑዓይ ይርአ። ኣብ ጥቓ ለማልሞ፡ ምእኩላዊ ቀይሕ-ሕጡብ ዝሕብሩ ዓኸታት ዘካተተ ሉዝያዊ ጽኑዓይ፡ ወይ ከኣ ሓቒቓት እምነፍላሕ ዘለዎ ጸሊም ጽኑዓይ፡ ወይውን ኣብ ጽኑዓያት ዝምርኰስ ዕንዲዳይ ንዕዘብ።

ኣብ እምባ ብዋሒት፡ እምነፍላሓት ዝሓዘ ዓፋፈኛ ጽኑዓይ ይርአ። ኣብ እምባ ደጀን፡ ኣዚዩ ፋርዶኛ ቡናው ዓፋፈኛ ጽኑዓይ ንዕዘብ። ኣብ ኖዋሪ፡ ሓቒቓት ማእነት ዘለዎ ሉዝያዊ ጽኑዓይ ይርአ። ኣብ፣ዞም ጽኑዓያት፡ ወይ ብውሕዱ ኣብ፣ቲ ምስ ቀጸላታት እምነሑጻን ዋላኻን ዘለዎም ደረታት፡ ኣዚዩ ውቁብ ጥምቢሓቒቕ ዕንዲዳይ ንረክብ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ጥቓ ማይተሎ፡ ኣብ ሉዝያታት እቲ ጽኑዓይ ኣዚዩ ልምሉም ሓምላይ ጥረነገር ይርአ። እዚ ጥረነገር ኣብ ናይ ፈለማ ትዕዝብቲ እምኒቱርኲ ዝመስል ኰይኑ፡ ብዓቢኡ ብሓምላይ ጒላ ዝቘመ ኢዩ። ብምልዋጥ ጋሸሳት ዝሳዓበ ድማ ኢዩ።

ኣንፈታዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ እቶም በብዓይነቶም ኩምራታት ሓርፊፋያትጽኑዓያትን ምድረሓበሻ3 ከምኡ፣ውን ምስቶም ናይቶም ገማግም ባሕሪ፡ ናይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኰነ ቀይሕ ባሕሪ፡ እንተዝቐርብ ንስነምድረኛ ኣዚዩ መገደሰ ነይሩ። እንተዀነ ግና ዘዐግብ መልሲ ክንህብ ዝገብር እኹል ጥረሓበሬታ የብልናን። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ምስትንታን ተቘጢብና ኣለና።

እዚ ዓሰርተ-ሻሙናይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛን4 ሰሜንን ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ5 ዝተዳለወ ኢዩ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
  2. ኣውራጃ ትግራይ ብኣንፈት ምብራቕ ምስ ኣውራጃ ዓጋመ፡ ብምዕራብ ምስ ኣውራጃ ሽረ፡ ብደቡብ ምስ ሩባ ዋሪ ከምኡ’ውን ብሸነኽ ሰሜን ምስ ሩባ መረብ ይዳወብ ነይሩ። ↩︎
  3. ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ኢዩ። ↩︎
  4. ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
  5. Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎