እዚ ዓሰርተ-ሳልሳይ ክፋል ስነምድራዊ ገለጻ ምድረትግርኛ1ን ሰሜን2ን ኰይኑ፡ ካብ፣ቲ ብፈረንሳውያን ዳህሰስቲ ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ 1847 ዝተሓትመ መጽሓፍ3 ዝተዳለወ ኢዩ። ኣብ፣ዚ ዓንቀጽ፡ ንሳልሳዊ መሬታት ክንፍትሽ ኢና።
ኣብ ሳልሳዊ መሬታት ነዞም ዝስዕቡ ኣጠቓሊልና ኣለና፥
- እኩብ ኩምራታት እምነሑጻ፡ ሙሽሙሽእምኒ፡ ዋላኻታት፡ ዝዕጉላያት፡ ለሰታያት፡ ወዘተ።
- እኩብ እሳተጎመራዊ ኣኻውሕ፡ ሓርፊፋያት፡ ዕንዲዳያት፡ ጽኑዓያት፡ ጸብጎላታት፡ ሉዝያውያን፡ ወዘተ።
ከም፣ቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝግበር፡ ኣብ፣ዞም ሳልሳዊ መሬታት ምድባት ከነቕውም ኣይከኣልናን። እቲ እንኮ ክንብሎ እንኽእል፡ ምናልባት ብምልኦም እቶም ድበታዊ ኣኻውሕ ኣብ ሓደ ስነምድራዊ መድረኽግዜ ዝምደቡ ከምኡ፣ውን እቶም እሳተጎመራዊ ኣኻውሕ ኣብ ዝተፈላለየ ተኸታታሊ መድረኻትግዜ ዝተቐልቀሉ ክዀኑ ይኽእሉ። ዕድመ ናይዞም ድበታዊ መሬታት ክንግምግም እንተዀይና፡ ምስ ውሕደቅርቦ መሬታት ምመደብናዮም።
ኩላቶም ኣኻውሕ ሳልሳዊ መሬት ኣብ ስነምድራዊ ኣቃውማ ምድረሓበሻ4 ዓቢ ተራ ይጻወቱ። መኽንያቱ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ኣኽራናት ታረንታ5 ጀሚሮም፡ ዳርጋ ንብምልኡ ከበሳታት ኣውራጃታት ትግራይ6፡ ሽረ፡ ዓጋመ ከምኡ፣ውን ሰሜን ይፈጥሩ። ነቶም ዝበረኹ እምባታት እዘን ኣውራጃታት እውን ይጉልብቡ። ሳልሳዊ ኣኻውሕ ሳሕቲ ጥራሕ ኢዮም ኣብ ዓመቑቲ ሩባታት ዝርከቡ። ስንጭሮታት ብዝዓመቑ፡ ኣኻውሕ ካልኦት መሬታት ዳግም ክቕልቀሉ ንዕዘብ። እዚ ከኣ ርጉዲ ሳልሳዊ ቀጽዖታት ምስ ናይቶም ካልኦት መሬታት ክነጻጸር ከሎ ብዙሕ ከምዘይኰነ ዘረጋግጽ ኢዩ።
ንሳልሳዊ መሬታት ምድረሓበሻ ናብ ክልተ ጉጅለታት ክንመቕሎም ንኽእል ኢና፥
- ብድበታዊ ኩምራታት ዝቘሙ።
- ብእሳተጎመራዊ ዋሕዝታት ዝቘሙ።
መወከሲ ነጥብታት
- ምድረትግርኛ ሓባራዊ መጸውዒ ምድሪባሕሪ (ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ) ከምኡ’ውን ትግራይ (ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝርከብ ክልል) ኢዩ ነይሩ። ኣይቶ ፈሬትን ኣይቶ ጋሊኒየርን ኣብ መጽሓፎም ምድረትግርኛ ንምባል ዝጥቀምሉ ቃል “ቲግረ” ዝብል ኰይኑ፡ ኣምሓሩ ገዛእቲ ምድረሓበሻ ንህዝቢ ትግርኛን ምድረትግርኛን ክሰምዩ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቃል ኢዩ። ↩︎
- ሰሜን ኣብ ታሪኽ ዶባዊ ኣውራጃ ትግርኛ ምስ ኣምሓራ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ካብ ንግስነት ሃጸይ ሱሰንዮስ ጀሚሩ ብኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ሹማምንቲ ኣምሓራን ይግዛእ ነይሩ። ንሞት ደጃዝማች ሳባጋዲስ ኣብ 1831 ስዒቡ፡ ኣውራጃ ሰሜን ኣብትሕቲ ገዛኢኣ ኣምሓራይ ደጃዝማች ዉቤ ንምድረትግርኛ ብምዕብላል ካብ ዶባዊ ኣውራጃ ምድረትግርኛ ናብ ማእከል ስልጣን ምድረትግርኛ ተቐይራ። እዚ ከኣ ክሳብ ትንሳኤ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ 1855 ቀጺሉ። ↩︎
- Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1847) Description Géologique du Tigré et du Samen. Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara. Tome troisième. Paulin: Paris. ↩︎
- ምድረሓበሻ ንናይ ሎሚ ሃገራት ኢቲዮጲያ፡ ኤሪትራ፡ ጂቡቲ፡ ክፋላት ሱዳን ከምኡ’ውን ክፋላት ሶማልያ ዝሓቘፈ ዞባ ዘመልክት ኢዩ። ↩︎
- ሰንሰለት ኣኽራናት ታረንታ ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ዘቕውም ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ጐድኒ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ምብራቓዊ ቆላታት ኤሪትራ ዝጥምት ኢዩ። ↩︎
- ኣውራጃ ትግራይ ብኣንፈት ምብራቕ ምስ ኣውራጃ ዓጋመ፡ ብምዕራብ ምስ ኣውራጃ ሽረ፡ ብደቡብ ምስ ሩባ ዋሪ ከምኡ’ውን ብሸነኽ ሰሜን ምስ ሩባ መረብ ይዳወብ ነይሩ። ↩︎