ስነፍልጠት ሂወት ሓደ ዓቢ ጨንፈር ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ኰይኑ፡ ንሂወታውያን ፍጥረታትን መስርሓት ሂወትን የጽንዕ። ብመኽንያት ብዝሒ ኣብ ዓለምና ዘለዉ ህያውያን ፍጥረታት፡ ስነፍልጠት ሂወት ኣዚዩ ሰፊሕ ኢዩ። ንኹሉ ገጻት ሂወት፡ ካብ ውልቃዊ ዋህዮታት ክሳብ ዝተሓላለኸ ስርዓተኣከባቢታት ይሽፍን። ንቁመናታት፡ ኣተዓባብያ፡ ኣፈላልቓን ኣነባብራን ህዋሰኛታት ይገልጽ። ከመይ ኢሎም ከምዝምዕብሉን ዝዓዩን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስፍራታት ከመይ ከምዝቕመጡ፡ ከምኡ፣ውን ሂወት ከመይ ከምዝሰርሕ ክንርዳእ እውን የኽእለና።
ዓውደትምህርትታት ስነፍልጠት ሂወት ናብ መሰረታውን ተግባራውን ምድባት ክኽፈሉ ይኽእሉ። መባእታዊ ዓውደትምህርትታት ስነፍልጠት ሂወት ኣብ ምስፋሕ ብዛዕባ ሂወትን ሂወታውያንን ዘለና ኣፍልጦ ዘድሃቡ ክዀኑ ከለዉ፡ ተግባራዊ ዓውደትምህርትታት ስነፍልጠት ሂወት ከኣ ንዝተረኽበ ፍልጠታት ናብ ግብራዊ ጠቕምታት ይቕይሩ። ገለ ዓውደትምህርትታት ስነፍልጠት ሂወት ንጉጅለታት ሂወታውያን ብሓፈሻ የጽንዑ። ንኣብነት፡ ስነተኽሊ (botany) ንኩሎም ኣትክልቲ ብሓፈሻ ይምርምር። ገለ ካልኦት ምህሮታት ስነፍልጠት ሂወት ግና ኣብ ሓደ ዓይነት ህዋሰኛ ጥራሕ ብምትኳር ይሰርሑ። ንኣብነት፡ ስነጻጸ (myrmecology) ንጻጸታት ጥራይ ዘጽንዕ ዓውዲ ኢዩ። ካልኦት ዓውደትምህርትታት ስነፍልጠት ሂወት ኣብ ኩላቶም ሂወታውያን ወይ መብዛሕትኦም ሂወታውያን ዝውንንዎም ባህርያት ሂወት ጥራሕ የድህቡ። ንኣብነት፡ ቁመና ሰብነት። ገለ ካልኦት ኣብ ደቂቕ-ደረጃ ሂወት የተኩሩ። ንኣብነት፡ ስነባክተሪያ። ካልኦት ከኣ ኣብ መስርሓት ሂወት። ንኣብነት ስነእርጋን (gerontology)።
መሰረታዊ ዓውደትምህርታት ስነፍልጠት ሂወት
ቀጺልና ንዓበይቲ መሰረታዊ ዓውደትምህርትታት ስነፍልጠት ሂወት ክንጠቅስ ኢና፦
- ስነሂወት (biology) – ሓፈሻዊ መጽናዕቲ ሂወታውያን ኢዩ።
- ስነምደባ (taxonomy)፥ ኣብ ሓባራዊ ባህርያቶም ተመርኲሱ ንሂወታውያን ፍጥረት ዝሰሚ፡ ዝገልጽን ዝምድብን ስነፍልጠታዊ ዓውዲ ኢዩ።
- ስነእንስሳ (zoology) – ሓፈሻዊ ስነፍልጠት እንስሳታት ኢዩ። ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ንኡሰዓውድታት ዘካተተ ድማ ኢዩ። ገለ ኣብነታት ክንጠቅስ፦
- ስነሂወት ደቅሰብ (human biology)፥ ስነሂወታዊ መጽናዕቲ ደቅሰብ።
- ስነቀዳሞ (primatology)፥ ንከም ህበይ፡ ዋዓግ፡ ጉሪላ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ብምዕባሊኦም ቀዳሞት ዝዀኑ እንስሳታት የጽንዕ።
- ስነዑፍ (ornithology)፥ ንኣዕዋፍ የጽንዕ።
- ስነለማሚ (herpetology)፥ ንለመምትን ምድረማያውያን እንስሳታትን የጽንዕ።
- ስነሓሰኻ (entomology)፥ ንሓሰኻታት የጽንዕ።
- ስነዓሳ (ichthyology)፥ ንዓሳታት፡ ዓጽሚ-ዘለዎም፡ ቆርጠምጠም-ዘለዎምን ምንጋጋ-ዘይብሎምን ዘጠቓለለ፡ የጽንዕ።
- ስነመጥበውቲ (mammalogy)፥ ንመጥበውቲ እንስሳታት የጽንዕ።
- ስነሉምሉማት (malacology)፥ ንኣረነታትን ከምኦም ዝኣመሰሉ እንስሳታትን የጽንዕ።
- ስነቅርፈክንቲት (lepidopterology)፥ ንከም ጽንብላሊዕ ዝኣመሰሉ ሓሳኹ የጽንዕ።
- ስነጻጸ (myrmecology)፥ ንጻጸታት የጽንዕ።
- ስነዕቈት (coleopterology)፥ ንዕቈታት የጽንዕ።
- ስነንህቢ (melittology or apiology or apicology)፥ ንንህብታት የጽንዕ።
- ስነቁንጪ (acarology)፥ ንቁንጭታትን ቁማልን የጽንዕ።
- ስነሳሬት (araneology)፥ ንሳሬታት የጽንዕ።
- ስነእንቅርብዒት (scorpiology)፥ ንእንቅርብዒታት የጽንዕ።
- ስነጠባይ (ethology)፥ ንባህርያት እንስሳታት የጽንዕ።
- ስነተኽሊ (botany) – ሓፈሻዊ ስነፍልጠት ኣትክልቲ ኢዩ። ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ንኡሰዓውድታት ዘካተተ ድማ ኢዩ። ገለ ኣብነታት ክንጠቅስ፦
- ስነተኽሊመሬት (phytology)፥ ንኣብ ንቑጽ መሬት ዝበቑሉ ኣታኽልቲ የጽንዕ።
- ስነዕንጨይቲ (dendrology or xylology)፥ ንዕንጨይታውያን ኣትክልቲ የጽንዕ።
- ስነሳዕሪ (agrostology or graminology)፥ ንሳዕርታት የጽንዕ።
- ስነዳንዴር (batology)፥ ዳንዴራትን ተመሳሰልቲ ኣትክልትን የጽንዕ።
- ስነዘርኢ (carpology or fructology)፥ ንዘርእታትን ፍረታትን የጽንዕ።
- ስነጽገ (palynology)፥ ንጽገታት የጽንዕ።
- ስነፍረ (pomology)፥ ንፍረታትን ኣባቛቑልኦምን የጽንዕ።
- ስነኦም (silvology or forestry) – ስነፍልጠት ዱራት፡ ጣሻታት፡ ግራውቲ ኣግራብን ተመሳሰልቲ ተፈጥሮኣውያን ጸጋታትን።
- ስነሳዕረክንቲ (pteridology)፥ ንሳዕረክንቲታት የጽንዕ።
- ስነሳዕሪስበት (bryology)፥ ንሳዕሪስበታት የጽንዕ።
- ስነደቂቕሂወት (microbiology) – ሓፈሻዊ ስነፍልጠት ብመጉልሒ ማይክሮስኮፕ ጥራሕ ዝራኣዩ ኣዚዮም ደቀቕቲ ህዋሰኛታት ኢዩ። ገለ ካብ ንኡሰዓውድታቱ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
- ስነባክተሪያ (bacteriology)፥ ንባክተሪያታት የጽንዕ።
- ስነቫይረስ (virology)፥ ንስነሂወታውያን ቫይረሳት የጽንዕ።
- ስነፍልሚእንስሳ (protozoology)፥ ንፍልሚእንስሳታት የጽንዕ።
- ስነሂወት ባሕሪ (marine biology)፥ ኣብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ንዝነብሩ ሂወታውያን ፍጥረት የጽንዕ።
- ስነፍጥረት (genetics)፥ ንፍጥርታትን ፍጥረታዊ ውርሻን የጽንዕ።
- ስነሰበባ (phycology)፥ ንሰበባታት የጽንዕ።
- ስነከባቢ (ecology)፥ ህዋሳውያን ኣብ ከባቢኦም ከመይ ይነብሩ የጽንዕ።
- ስነመልክዕ (morphology)፥ ንሓፈሻዊ ቁመናን ኣካላትን ሂወታውያን የጽንዕ።
- ስነሰብነት (physiology)፥ ንንቡር ንጥፈታት ህያውያን ፍጥረታትን መካወንያታቶምን የጽንዕ።
- ውሽጠሰብነት (anatomy)፥ ንውሽጣዊ ቁመናን ክፋላትን ሂወታውያን የጽንዕ።
- ስነዓጽሚ (osteology)፥ ንኣዕጽምቲ የጽንዕ።
- ስነዋህዮ (cytology)፥ ንቁመና፡ ንጥፈታትን ባህርያትን ዋህዮታት የጽንዕ።
- ስነእልሚ (histology)፥ ንስነሂወታዊ እልምታት የጽንዕ።
- ዕብየታዊ ስነሂወት (developmental biology)፥ ንመስርሓት ዕብየት ሂወታውያን ካብ ዝፍጠርሉ ክሳብ ዝሞቱሉ ግዜ የጽንዕ።
- ስነድቂ (embryology)፥ ንድቂ የጽንዕ።
- ስነእርጋን (gerontology)፥ ንመስርሓት እርጋን የጽንዕ።
- ስነባልዕ (parasitology) ንባልዓት፡ ተሰከምትን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክባትን የጽንዕ።
- ስነሂወትብርሃን (photobiology)፥ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ሂወታውያን ዘለዎ ጽልዋታት የጽንዕ።
- ስነቃንጥሻ (mycology or fungology)፥ ንቃንጥሻታት የጽንዕ።
- ስነሳዕሪቃንጥሻ (lichenology)፥ ንሳዕሪቃንጥሻታት የጽንዕ።
- ክልሰሓሳባዊ ስነሂወት (theoretical biology) – ስነቁጽራዊ ንድፍታት፡ ፈተነታት ከምኡ፣ውን ሓሳባዊ ኣምራት ተጠቂሙ ንሂወታዊ ፍጥረታትን ክውንነታትን የጽንዕ። ካብ ዓበይቲ ጨንፈራቱ ነዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ፦
- ስርዓታት ስነሂወት (systems biology)።
- ውድባዊ ስነሂወት (organizational biology)።
- ፍልቃዊ ስነሂወት (evolutionary biology)።
- መፈተናዊ ስነሂወት (experimental biology) – ንምጽናዕን ምርዳእን ስነሂወታዊ ክውንነታት፡ ፈተነታት የካይድ።
ተግባራዊ ዓውደትምህርታት ስነፍልጠት ሂወት
እዞም ዝስዕቡ ዓውደትምህርታት ገለ ካብቶም ንስነፍልጠታዊ ርኽበታት ናብ መዓላ ዘውዕሉ ስነፍልጠታት ሂወት ኢዮም፦
- ሕርሻዊ ስነፍልጠታት (agricultural sciences) – ምስ ምፍራይን ምክንኻንን ኣትክልትን እንስሳታትን ዝተኣሳሰሩ ዓውደትምህርታት።
- ዕቃቤ ስነሂወት (conservation biology) – ኣብ ምርግጋጽ ህላዌ ዝተፈላለዩ ሂወታውያን የተኩር።
- ስርሓትዓሳ (fishery) – ምስ ምፍራይ፡ ምግፋፍን ምዕቃብን ዓሳታትን ካልኦት ማያውያን ፍጥረታትን ዝተኣሳሰሩ ዕዮታት።
- ስነፍልጠታት ጥዕና (health sciences) – ኣብ ምሕላው ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ዘተኩሩ ዓውደትምህርታት።
- መድሃኒታዊ ስነፍልጠtaት (pharmaceutical sciences) – ኣብ ምርዳእን ምምዕባልን ንሂወታውያን ዘገልግሉ ፈውስታትን መሕወይታትን ዘተኩሩ ዓውደትምህርታት።
- ሕክምና ደቅሰብ (human medicine) – ምምርማር፡ ምፍዋስን ምክልኻልን ሕማም፡ መቝሰልትን መጉዳእትን ደቅሰብ።
- ሕክምና እንስሳ (veterinary medicine) – ኣብ ምምርማር፡ ምፍዋስ፡ ምክልኻል ሕማማት፡ መቑሰልትንን መጉዳእትን እንስሳታት የተኩር።
- ስነፍልጠታት መግቢ (food sciences) – ባህርያት፡ ጠቕምታት፡ ምብካል፡ ምምስራሕን ምምሕያሽን መግብታት የጽንዕ።
- ስነምንቅስቓስ (kinesiology) – ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ምንቅስቓስ ደቅሰብ፡ እንከላይ ኣካላዊ ንጥፈታትን መፈስሂታትን።