ስነፍልጠት ምንዳይን ምትግባርን ፍልጠት ኰይኑ፡ ንተፈጥሮኣዊ፡ ማሕበራውን ሓሳባውን ዓለማት ብኣብ ጭብጥን ርትዕን ዝተመርኰሰ ስርዓታዊ ኣገባብ ገይሩ የረድእ። ብትዕዝብቲ፡ ፈተነ፡ ርትዕን ጭብጥን ዝካየድ ሜላዊ መጽናዕቲ ባህርያትን ኣቃውማን ተፈጥሮኣውያን፡ ማሕበራውያን ወ ሓሳባውያን ክውንነታት ከኣ ኢዩ። ክኢላ ስነፍልጠት ስነፍልጠተኛ ይብሃል።
ስነፍልጠት ኣዚዩ ጠቓሚ ኢዩ። ዘመንጭዎም ፍልጠታት ዝተፋላለዩ ሽግራት ክንፈትሕ፡ ፈውስታትን ሓደሽቲ መሳርሒታትን ክንረክብ የኽእሉና። ስነፍልጠት ፈጺሙ ኣይውዳእን ኢዩ፥ ኩሉሳዕ ዝማሓየሽን ዘስፋሕፍሕን ማዕከን ኢዩ። ዓለምለኸ ሰብኣዊ ጻዕሪ ስለዝዀነ ድማ ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለምና ዘለዉ ደቅሰባት ኣብ መስርሕ ስነፍልጠት ይሳተፉ።
ጨንፈራት ስነፍልጠት
ብሓፈሻ ዘመናዊ ስነፍልጠት ናብ ሰለስተ ጨናፍር ይምቀል፥
- ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት – ንተፈጥሮኣዊ ክውንነታትን መስርሓትን የጽንዕ። ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ንከም ስነነገር፡ ስነምድሪ፡ ስነቀመም ዝበሉ ዓውደትምህርታት ዘጠቓለለ ኢዩ።
- ማሕበራዊ ስነፍልጠት – ንባህርያት ደቅሰብ ምስ ማሕበራውን ባህላውን ገጻቱ የጽንዕ። ንከም ስነቁጠባ፡ ስነሕብረተሰብ፡ ስነልቦና፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓውደትምህርታት ዘካተተ ከኣ ኢዩ።
- ወግዓዊ (ወይ ኣምራዊ) ስነፍልጠት – ኣብ ጥልቀታዊ ምኽኑይነት ዝምርኰስ ስነሜላ ዝጥቀም ኰይኑ፡ ብወግዓዊ ስርዓታት ንዝተገልጹ ኣምራዊ ቁመናታት የጽንዕ። ንከም ርትዒ፡ ስነቁጽሪ፡ ስነፍልጠት ኮምፒተር፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓውደትምህርታት ዘካተተ ድማ ኢዩ።
መሰረታዊ ስነፍልጠታት
ብመሰረት ኣድህቦ ንጥፈታቶም፡ ዓውድታት ስነፍልጠት ናብ ክልተ ምድባት ይኽፈሉ። ንሳቶም ድማ መሰረታዊ ከምኡ፣ውን ተግባራዊ ስነፍልጠታት ኢዮም። መብዛሕትኦም ዓውድታት ተፈጥሮኣዊ፡ ማሕበራዊ ከምኡ፣ውን ወግዓዊ ስነፍልጠታት፡ መሰረታውን ተግባራውን ክፋላት ዝሓዙ ኢዮም።
መሰረታዊ ስነፍልጠታት ኣብ ምምንጫውን ምእካብን ፍልጠት፡ እንከላይ ምፍጣር ስነፍልጠታዊ ክልሰሓሳባት፡ መትከላትን ሕግታትን የተኩሩ። ንዓለምናን ሂወትን ዝበለጸ ክንርድኦም የኽእሉና። ንመባእታዊ ባህርያት ኣድማስን ኣሰራርሑኡን ብምቕላዕ፡ ንኩሉ ክውንነታት ዘማሓድሩ መባእታዊ ነገራት፡ ሓይልታትን ሕግታትን የፍልጡና። ተግባሪ ስነፍልጠታትን ስነሞያታትን ዝንደቕሉ መሰረት ድማ የቑሙ። መሰረታዊ ስነፍልጠት መባእታዊ ወይ ንጹህ ስነፍልጠት ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ።
ኣብነታት መሰረታዊ ኣምራዊ ስነፍልጠት፡ ከም ርትዒ፡ ንጹህ ቁጽሪ፡ ክልሰሓሳብ ኮምፒተር፡ ስነፍልጠት ጥረሓበሬታ፡ ክልሰሓሳብ ስርዓታት፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኢዮም። ገለ ኣብነታት መሰረታዊ ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠታት፡ ከም ስነነገር፡ ስነቀመም፡ ስነምድሪ፡ ስነሂወት፡ ስርዓተኮኾብ፡ ዝበሉ ኢዮም። ኣብነታት መሰረታዊ ማሕበራዊ ስነፍልጠታት ድማ ከምእኒ ስነቁጠባ፡ ስነሕብረተሰብ፡ ስነኣእምሮ፡ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዝበሉ ኢዮም።
ተግባራዊ ስነፍልጠታት
ተግባራዊ ስነፍልጠታት ንዝተረኽበ ስነፍልጠታዊ ሓበሬታታት፡ ክልሰሓሳባት፡ መትከላትን ሕግታትን ናብ ግብራዊ መዓላታት፡ እንከላይ ናብ ምህዞታትን ስነሞያዊ ምዕባሌታትን፡ ይቕይሩ። ዘርብሑ ዕላማታት ንምርግጋጽ ስነፍልጠታዊ መካወንያታት፡ ኢደጥበባትን መሳርሒታትን ይጥቀሙ።
ኩላቶም ጨንፈራት ስነፍልጠት ተግባራዊ ዓውደትምህርታት ኣለዎም። ኣብነታት ተግባራዊ ወግዓዊ ስነፍልጠታት ከም ስነኩነት (statistics)፡ ምምላእ ኮምፒተር (computer programming)፡ ምህንድስና ጥረሓበሬታ (data engineering)፡ ዝበሉ ኢዮም። ኣብነታት ተግባራዊ ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠታት ከም ስነህንጻ፡ ሕክምና፡ ምህንድስና፡ ሕርሻ ዝኣመሰሉ ኢዮም። ኣብነታት ተግባራዊ ማሕበራዊ ስነፍልጠታት ከም ሕሳብ (accounting)፡ ምሕደራ ንግዲ፡ ማሕበራዊ ስርሓት፡ ምጥባቕ ዝበሉ ኢዮም።
ጠቐምቲ ንባባት
Poskett, James (2022) Horizons: The Global Origins of Modern Science. Mariner Books: Boston.
Selin, Helaine (2008) Encyclopaedia of the History of Science, Technology, and Medicine in Non-Western Cultures. 2nd edition. Springer Science & Business Media: Berlin.
Van Sertima, Ivan (1983) Blacks in Science: Ancient and Modern. Transaction Publishers: New Brunswick, New Jersey.
Walker, Robin and Matthews, John (2021) Ancient Science and Technology from Ethiopia and the Rest of Africa.
Thomas-Emeagwali, Gloria (1992) Science and Technology in African History: With Case Studies from Nigeria, Sierra Leone, Zimbabwe, and Zambia. Edwin Mellen Press: Lewiston, NY.
Bauer, Susan Wise (2015) The Story of Western Science: From the Writings of Aristotle to the Big Bang Theory. W. W. Norton & Company: New York.
Saliba, George (2007) Islamic Science and the Making of the European Renaissance. MIT Press.
Al-Khalili, Jim (2011) The House of Wisdom: How Arabic Science Saved Ancient Knowledge and Gave Us the Renaissance. Penguin Press: New York.
Needham, Joseph (1956) Science and Civilisation in China. Volume 1 — Introductory Orientations. Cambridge University Press: Cambridge.
Koohi-Kamali, Farideh (2017) Science and Innovation in Iran: Development, Progress and Challenges. Palgrave Macmillan: New York.
Nasr, Seyyed Hossein (1968) Science and Civilisation in Islam. Barnes & Noble (USA).
Clagett, Marshall (1989) Ancient Egyptian Science: A Source Book. In 3 volumes. American Philosophical Society: Philadelphia.
Woods, Geraldine (1988) Science in Ancient Egypt. Franklin Watts (New York.
Bose, D. M.; Sen, S. N. and Subbarayappa, B. V. (2009) A Concise History of Science in India. 2nd edition. Indian National Science Academy / Universities Press.
Turner, Howard R. (1997) Science in Medieval Islam: An Illustrated Introduction. University of Texas Press: Austin.
Green, Nile (2019) The Persianate World: The Frontiers of a Eurasian Lingua Franca. University of California Press.
Lankester, Ray (1910) Science From an Easy Chair. 2nd edition. Methuen & Co. LTD.: London.
Mee, Arthur and Hammerton, J. A. (1910) Science. The World’s Greatest Books. Volume XV. WM. H. Wise & Co.: London.
What is science? – Understanding Science.
The Science Council (2015) Our definition of science.