ስነፍልጠት ምንዳይን ምትግባርን ፍልጠት ኰይኑ፡ ንተፈጥሮኣዊ፡ ማሕበራውን ሓሳባውን ዓለማት ብኣብ ጭብጥን ርትዕን ዝተመርኰሰ ስርዓታዊ ኣገባብ ገይሩ የረድእ። ብትዕዝብቲ፡ ፈተነ፡ ርትዕን ጭብጥን ዝካየድ ሜላዊ መጽናዕቲ ባህርያትን ኣቃውማን ተፈጥሮኣውያን፡ ማሕበራውያን ወ ሓሳባውያን ክውንነታት ከኣ ኢዩ።

ስነፍልጠት ኣዚዩ ጠቓሚ ኢዩ። ዘመንጭዎም ፍልጠታት ዝተፋላለዩ ሽግራት ክንፈትሕ፡ ፈውስታትን ሓደሽቲ መሳርሒታትን ክንረክብ የኽእሉና። ስነፍልጠት ፈጺሙ ኣይውዳእን ኢዩ፥ ኩሉሳዕ ዝማሓየሽን ዘስፋሕፍሕን ማዕከን ኢዩ። ዓለምለኸ ሰብኣዊ ጻዕሪ ስለዝዀነ ድማ ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለምና ዘለዉ ደቅሰባት ኣብ መስርሕ ስነፍልጠት ይሳተፉ።

ጨንፈራት ስነፍልጠት

ብሓፈሻ ዘመናዊ ስነፍልጠት ናብ ሰለስተ ጨናፍር ይምቀል፥

  1. ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት – ንተፈጥሮኣዊ ክውንነታትን መስርሓትን የጽንዕ። ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ንከም ስነነገር፡ ስነምድሪ፡ ስነቀመም ዝበሉ ዓውደትምህርታት ዘጠቓለለ ኢዩ።
  2. ማሕበራዊ ስነፍልጠት – ንባህርያት ደቅሰብ ምስ ማሕበራውን ባህላውን ገጻቱ የጽንዕ። ንከም ስነቁጠባ፡ ስነሕብረተሰብ፡ ስነኣእምሮ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓውደትምህርታት ዘካተተ ከኣ ኢዩ።
  3. ወግዓዊ (ወይ ኣምራዊ) ስነፍልጠት – ኣብ ጥልቀታዊ ምኽኑይነት ዝምርኰስ ስነሜላ ዝጥቀም ኰይኑ፡ ብወግዓዊ ስርዓታት ንዝተገልጹ ኣምራዊ ቁመናታት የጽንዕ። ንከም ርትዒ፡ ስነቁጽሪ፡ ስነፍልጠት ኮምፒተር፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓውደትምህርታት ዘካተተ ድማ ኢዩ።

መሰረታዊ ስነፍልጠታት

ብመሰረት ኣድህቦ ንጥፈታቶም፡ ዓውድታት ስነፍልጠት ናብ ክልተ ምድባት ይኽፈሉ። ንሳቶም ድማ መሰረታዊ ከምኡ፣ውን ተግባራዊ ስነፍልጠታት ኢዮም። መብዛሕትኦም ዓውድታት ተፈጥሮኣዊ፡ ማሕበራዊ ከምኡ፣ውን ወግዓዊ ስነፍልጠታት፡ መሰረታውን ተግባራውን ክፋላት ዝሓዙ ኢዮም።

መሰረታዊ ስነፍልጠታት ኣብ ምምንጫውን ምእካብን ፍልጠት፡ እንከላይ ምፍጣር ስነፍልጠታዊ ክልሰሓሳባት፡ መትከላትን ሕግታትን የተኩሩ። ንዓለምናን ሂወትን ዝበለጸ ክንርድኦም የኽእሉና። ንመባእታዊ ባህርያት ኣድማስን ኣሰራርሑኡን ብምቕላዕ፡ ንኩሉ ክውንነታት ዘማሓድሩ መባእታዊ ነገራት፡ ሓይልታትን ሕግታትን የፍልጡና። ተግባሪ ስነፍልጠታትን ስነሞያታትን ዝንደቕሉ መሰረት ድማ የቑሙ። መሰረታዊ ስነፍልጠት መባእታዊ ወይ ንጹህ ስነፍልጠት ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ።

ኣብነታት መሰረታዊ ኣምራዊ ስነፍልጠት፡ ከም ርትዒ፡ ንጹህ ቁጽሪ፡ ክልሰሓሳብ ኮምፒተር፡ ስነፍልጠት ጥረሓበሬታ፡ ክልሰሓሳብ ስርዓታት፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኢዮም። ገለ ኣብነታት መሰረታዊ ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠታት፡ ከም ስነነገር፡ ስነቀመም፡ ስነምድሪ፡ ስነሂወት፡ ስርዓተኮኾብ፡ ዝበሉ ኢዮም። ኣብነታት መሰረታዊ ማሕበራዊ ስነፍልጠታት ድማ ከምእኒ ስነቁጠባ፡ ስነሕብረተሰብ፡ ስነኣእምሮ፡ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዝበሉ ኢዮም።

ተግባራዊ ስነፍልጠታት

ተግባራዊ ስነፍልጠታት ንዝተረኽበ ስነፍልጠታዊ ሓበሬታታት፡ ክልሰሓሳባት፡ መትከላትን ሕግታትን ናብ ግብራዊ መዓላታት፡ እንከላይ ናብ ምህዞታትን ስነሞያዊ ምዕባሌታትን፡ ይቕይሩ። ዘርብሑ ዕላማታት ንምርግጋጽ ስነፍልጠታዊ መካወንያታት፡ ኢደጥበባትን መሳርሒታትን ይጥቀሙ።

ኩላቶም ጨንፈራት ስነፍልጠት ተግባራዊ ዓውደትምህርታት ኣለዎም። ኣብነታት ተግባራዊ ወግዓዊ ስነፍልጠታት ከም ስነኩነት (statistics)፡ ምምላእ ኮምፒተር (computer programming)፡ ምህንድስና ጥረሓበሬታ (data engineering)፡ ዝበሉ ኢዮም። ኣብነታት ተግባራዊ ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠታት ከም ስነህንጻ፡ ሕክምና፡ ምህንድስና፡ ሕርሻ ዝኣመሰሉ ኢዮም። ኣብነታት ተግባራዊ ማሕበራዊ ስነፍልጠታት ከም ሕሳብ (accounting)፡ ምሕደራ ንግዲ፡ ማሕበራዊ ስርሓት፡ ምጥባቕ ዝበሉ ኢዮም።

ጠቐምቲ ንባባት

Poskett, James (2022) Horizons: The Global Origins of Modern Science. Mariner Books: Boston.

Bauer, Susan Wise (2015) The Story of Western Science: From the Writings of Aristotle to the Big Bang Theory. W. W. Norton & Company: New York.

Needham, Joseph (1956) Science and Civilisation in China. Volume 1 — Introductory Orientations. Cambridge University Press: Cambridge.

Turner, Howard R. (1997) Science in Medieval Islam: An Illustrated Introduction. University of Texas Press: Austin.

Lankester, Ray (1910) Science From an Easy Chair. 2nd edition. Methuen & Co. LTD.: London.

Mee, Arthur and Hammerton, J. A. (1910) Science. The World’s Greatest Books. Volume XV. WM. H. Wise & Co.: London.

What is science? – Understanding Science.

The Science Council (2015) Our definition of science.