ዘመናዊ ስነቀመማዊ ቤተምርምር ምስ ዘካትቶ ዝተሓላለኸ መሳርሒታት ክርአ ከሎ፡ ካብ፣ቶም ብትኪ-ዝተዓብለኹ መዕየዪ-ድኳናት ናይ ጥንታዊ ዓለም ብዓመታት-ብርሃን ዝተፈልየ ይመስል። ብዙሓት ሰባት ንስነቀመም ከም ሓደ ፍርያት ናይ ዕዮኣዊ ዘመን ጥራሕ ኢዮም ዝቘጽርዎ። ይኹን እምበር፡ እቶም ንናይ ሎሚ ስነቀመማዊ ስነፍልጠታት ዘወዛውዙ መሰረታውያን ሕቶታት ሓደስቲ ኣይኰኑን። ንሳቶም እቶም መዋእላት ተሳጊሮም ሎሚ እውን ዘጋውሑ ዘለዉ ልክዕ ሓደ ዓይነት ሕቶታት ኢዮም፥ ብምንታይ ኢያ እዛ ዓለም ተሰሪሓ፧ ብኸመይ ኢዩ ሓደ ሕመረት ናብ ካልእ ሕመረት ክልወጥ ዝኽእል፧ ኣየኖት ሕቡኣት ሓይልታት ነዞም ምቅይያራት የማሓድሩ፧
ነዊሕ ቅድሚ ስነቀመም ሓደ ወግዓዊ ስም ምቕባሉ፡ ስልጣኔ ደቅሰብ ምስ ጉድ ኣዛሚድካ ይግለጽ ነይሩ። እዚ ድማ ንዋያዊ ግስጋሴ ደቅሰብ ኣብ ውሽጡ ብፈተነ፡ ጌጋ፡ ወ ብርቱዕ ትዕዝብቲ ዝተመዝገበ፡ ሓደ ተኸታታሊ ናይ ገዚፍ ስነቀመማዊ ፍንጻሔታት ውጽኢት ስለዝዀነ ኢዩ። ስለዚ፡ ሰራውራት ስነቀመም ኣርሒቖም ናብ ድሕሪት ዝሓለፈ ግዝያት ይዝርግሑ። ካብ ግብራዊ ጥበብ ያታውያን ሰብሞያ ከምኡውን ኣምራዊ እመታት ጥንታውያን ፈላስፋታት ተፈጥሮ እውን ተዓንጊሎም።
እቶም ክልተ ጥንታውያን ምንጭታት ስነቀመም
ኣብ ታሪኽ፡ ጥንታዊ ስነቀመማዊ ምርምራት ካብ ክልተ ነብሶም ዝኸኣሉ፡ ማዕረማዕረ፡ ዳርጋ ዘይተማሳቐሉ ኣከያይዳታት ማዕቢሉ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ጥንቲ ክልተ ምንጭታት ስነቀመማዊ ኣፍልጦ ነይሮም። ንሳቶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
- ጠበብቲ፤
- ፈላስፋታት ተፈጥሮ።
ልምዳውያን ጠበብቲ
እዚኣቶም ካብ ልምዲ ኣእዳዎም ብምንባር ጥራሕ ዝተማህሩ ሰብሞያ ነይሮም። ንሳቶም ድማ ኢዮም ተግባራውያን ጎይቶት ናይ ናውቲ ዝነበሩ። ኣብ መዕየዪ-ድኳናት፡ መሰንከቲ-ቤታት፡ ወ መንግስታዊ ኣባይቲ-መሕተም ባጤራ ዝሽቅሉ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ሽሕእኳ ናይ፣ዚ ግዜና ንኽትገልጽ ዘኽእል ስርዓተቓል ዝጐደሎም እንተነበሩ፡ ዘደንቕ ምልከት ናይ ስነቀመማዊ ምግብባራት ይውንኑ ነይሮም። ነዞም ጠበብቲ፡ ፍልጠት ተመኩሮኣዊ ወ ዕዮኣዊ ነይሩ። ብተደጋጋሚ እውን ከም ቅዱስ ወይ ምስጢር መንግስቲ ብምቝጻር ይሕልውዎ ነይሮም።
ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣኽሱማውያን ሓጺነመጸንቲ ምምኻኽ ንጹህ ሓጺን ከምኡውን ምስናዕ ጽኑዕ ቅንብሮታት ዘኽእሉ ልዑል-ምቘት ዝጻወሩ መጎጎታትሓጒድ ኣዳልዮም። ጥንታውያን ግብጻውያን ነቲ ዝተሓላለኸ ስነቀመም ናይ ስምዓውነት መሊኸሞ። ጨዋጨው ናትሮን ተጠቂሞም ስነሂወታዊ እልምን ዕንዲዳታት ተኽልን ካብ ደቂቕሂወታዊ ምምሽማሽ ንምክልኻል የናቕጹ ነይሮም። ባቢሎናውያን ጽጻር፡ ሓሞኽሽቲ፡ ወ ሓጺነመጺናዊ መስረጭቋሮት ብምጥቃም ልክዐኛ መስርሒታት ናይ ርጉእ፡ በዓልሕብሪ መረጼን ቀሚሮም።
ፈላስፋታት ተፈጥሮ
ካብ ጸለሎን ጠቐርን እቶን ርሒቖም፡ ኣሰራርሓ ንዋያዊ ዓለም መታን ክፈትሑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ምድሪ ዝነበሩ ኣሰላሰልቲ ሓደ መሕበሪ ክልሰሓሳባዊ ማሕዘልዕዮ ኣናድዮም። እዚኣቶም ስነተፈጥሮኛታት ነይሮም። ንሳቶም ኣብ ተመኩሮኣዊ ርጉጽነት ዘይኰነስ፡ ኣብ ርትዒ፡ ትዕዝብቲ፡ ወ ስነኣድማሳዊ መትከላት ተመርኲሶም።።
ንኣብነት፡ ኣብ ህንዲ፡ ናይ ጥንቲ ምሁራን ኣድማስ ብሓሙሽተ መባእታዊ ዓይነታት ከም ዝቘመ ደምዲሞም። ብተወሳኺ፡ “ምሁራን ባይሸሽካ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ጥንታውያን ፈላስፋታት፡ ህንዲ ጉድ ብዘይምቀሉ ፓራማኑ ኢሎም ዝሰመይዎ ባእታታት ከም ዝቘመ ዘረድእ ንድፊሓሳብ ኣቕሪቦም። እዞም ፓራማኑ ብዋዒ ምስ ተቐስቀሱ ናብ ዝዓበየ ቁመናታት ከም ዝዋሃሃዱ እውን ገሊጾም። ኣብ ግሪኽ፡ ዝቐደመ ናይ ህንዲ ምህሮታት ብዛዕባ ጉድ ብመልክዕ ዓይነታዊ “ክልሰሓሳብ ኣርባዕተ-ባእታ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ኣሪስጦጥል፡ ከምኡውን ዓቐነምድራዊ ኣቶምነት ናይ ዴሞቅራጠስ ተጋሂዱ። ኣብ ምድረሓበሻ፡ ድሒሩ እቲ ክልሰሓሳብ ኣርባዕተ-ባእታ ምስ ክርስትያናዊ ስነመለኮትን ትውፊታትን ከም ዝማጣጠን ተገይሩ ርዒሙን ተማሓይሹን። ኣብ ቻይና፡ ሓደ “ዉኽሲንግ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምህሮ ፈላስፋታት ንንዋያዊ ዓለም ከም ሓደ ሓሙሽተ ዝቀያየሩ ክፋላት ዘለዎ ብርቱዕ ዕንኪላሎ ገይሩ ኣቕሪብዎ።
ድልድል ግብሪመስተን ዘመናዊ መቐይሮን
እቶም ክልተ ጥንታውያን ምንጭታት ስነቀመማዊ ፍልጠት ንብዙሕ ዘመናት ብሓደ ዓሚቝ ሃጓፍ ተፋላልዮም ነይሮም። እቶም ንኣሰራርሓ ናውቲ ንኽርድኡ ሃሰው ዝብሉ ዝነበሩ ስነተፈጥሮኛታት ናይ ገዛእ ኣእዳዎም ተመኩሮ ኣይነበሮምን። እቶም ናውቲ ዝሰርሑን ዝፍንጥሑን ጠበብቲ ብወገኖም ሳሕቲ ጥራሕ ኢዮም ዝዓመቘ ርድኢት ብዛዕባ እቲ ዘካውንዎ ናውቲ ዘናድዩ ዝነበሩ።
ከምዚ ዝበለ ዝተነጻጸለ ኣካይዳታት ብቐንዱ ክጣበቕ ዝጀመረ፡ ምስ ዓለምለኸ ትንሳኤ ግብሪመስተ ኣብ ግዜ ማእከላይ ታሪኻዊ ዘመን ነይሩ። ገበርቲመስተ ነቲ ግብራዊ መሳርሒታት መዕየዪ-ድኳን ጠበብቲ፡ ከምእኒ ጻሕሊሓጒድ፡ ጥስቲ ማርያም፡ ወ መናጠቢ ሳርማ ዝኣመሰለ፡ ወሲደሞ። ናይ ተለውጦ ስነኣድማሳዊ ክልሰሓሳባት ንምፍታን ድማ ተጠቂሞምሉ።
ስለዚ፡ ጥንታውያንን ማእከላውያንን ትውፊታት ሓደ እኽብካብ ናይ ግዜ-ዝሓለፎ ኣጉልእምነታት ጥራሕ ኣይኰኑን። እኳደኣ፡ ንሳቶም ኢዮም ነቲ መሰረታዊ መጸዋውር ናይ ስነፍልጠት ንባዕሉ ዘበገሱ። ጥንታዊ ዓለም ብስግረተለውጦ ምስላቡ፡ ዝነበሮ ዕቱብ ኣመዳድባ ማዕድናት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ስቱር ባህሪ ጉድ ዘካየዶ ቀደምቲ ክትዓት ንኣወናጭፋ ናይ ዘመናዊ ስነቀመም ብቐጥታ ቀሪጽዎ።
ዝተፈላለዩ ጥንታውያን ማሕበረሰባት ንምስጢር ንዋያዊ ዓለም ክፈትሑ ፈቲኖም። ካብ ብጫ ፈለግ ናይ ቻይና ክሳብ ሩባ ህንዲ፡ ጐላጕል መሶፖታሚያ ሰጊርካ ክሳዕ ከበሳታት ምድረሓበሻ፡ ካብ ደንደሳት ፈለግ ናይል፡ ጀሚርካ ክሳብ ባሕሪ ኤጊዮን ዝተዘርግሑ ድማ ነይሮም። ግንዛቤታት እዞም ኣብ በበይኑ ክፋላት ዓለም ዝነበሩ ማሕበረሰባት ምጽናዕ ዝሓሸ መረዳእታ ብዛዕባ መሰረታት ዘመናዊ ስነፍልጠት ክህልወና ይገብር። ኣብ ዝቕጽል ክፋላት እዚ ዓንቀጽ፡ ብኸመይ እዞም ናይ ቀደም ማሕበረሰባት ንንዋያዊ ዓለም ይርድእዎ ከም ዝነበሩን ጽልውኡን ብምፍታሽ ንህሉው ስግር-ባህላዊ ማእለማ ስነቐመማዊ ርድኢት ክንድህስስ ኢና።
ጠቐምቲ ንባባት
Mactear, James (1879) On the Antiquity of the Chemical Art. London.
Thomson, Thomas (1830-31) The History of Chemistry. In two volumes. Henry Colburn and Richard Bentley: London.
Boyle, R. (1661) The sceptical chymist: Or chymico-physical doubts & paradoxes, touching the spagyrist’s principles commonly call’d hypostatical; as they are wont to be propos’d and defended by the generality of alchymists. J. Crooke.
Lavoisier, A. L. (1790) Elements of chemistry, in a new systematic order, containing all the modern discoveries (R. Kerr, Trans.). William Creech.
Marcet, Jane (1805) Conversations on Chemistry; in Which the Elements of That Science Are Familiarly Explained and Illustrated by Experiments. Longman, Hurst, Rees, and Orme.
McPherson, William and Henderson, William Edwards (1917) An Elementary Study of Chemistry. Revised edition. Ginn & Company / The Athenæum Press.
Liebig, Justus (1844) Familiar Letters on Chemistry, and Its Relation to Commerce, Physiology, and Agriculture. Editor and Translator John Gardner. Second Edition. Taylor and Walton: London.
Mendeléeff, D. (1891) The principles of chemistry (G. Kamensky, Trans.; A. J. Greenaway, Ed.; 2 vols.). Longmans, Green, and Co.
Chang, R., & Overby, J. (2019) Chemistry (13th ed.). McGraw-Hill Education.
Brown, T. L. and others (2025) Chemistry: The central science (15th ed.). Pearson.