መእተዊ

ልዑልነታዊ ህላዌ ኤሪትራን ወለዶኣዊ ሕውየት ህዝባን ክረጋገጽ፡ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ ኣካይዳ ክግበር የድሊ። ንዓሰርተታት ዓመታት ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዕንክሊል ትርጉም ኣልቦ ቍርቍስ ዶብ፡ ብሄራዊ ግጭታት፡ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት፡ ምህመና ሃገር፡ ቁጠባዊ ጸገማት፡ ከምኡውን ጉድለት ጸጥታ ምንቅስቓስ ባሕሪ ተሸሚሞም ይርከቡ። ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያትና ድማ መሪሕ ውሹብ ጸጥታ ንሃገርና ካብ ዓለም ኣግሊልዋ፡ ንህዝብና ኣብቲኽዎ፡ ከምኡውን ምሕደራ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ማያት ንባዕዳውያን ሓይልታት ጠንጢኑ ኣሎ።

ዞባዊ ሰላም ናይ መላእ ቅርኒ ኣፍሪቃን መዋሓዚ ቀይሕ ባሕርን ዘቤታዊ ትካላት ኤሪትራ ባዶ ተሪፎም ከለዉ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ። ነባሪ ጸጥታ ባዕዳዊ ወተሃደራዊ ልፍንትታት ሒዝካ ዝመጽእ እውን ኣይኰነን። ዕምሪ ክህልዋን መታን ከተጕላዕልዕን፡ ኤሪትራ ንስፍራውን ልዙብነታውን መንነታ ናይ ግድን ኣብ ዙርያ ሰለስተ ዓንደማእከላዊ ክውንነታት ዳግም ክትሃንጾ ኣለዋ። እዚ ማለት ከኣ ካብ፣ቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ መሰረታዊ ውሽጠኣካል ተበጊሳ፡ ብተፈጥሮኣዊ መረቤት ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣቢላ፡ ናብ፣ቲ ዝተኻፈለ ደምበ መዋሓዚ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንደገ ገጽ ክትዘራጋሕ ኢዩ።

፩። መሰረታዊ ውሽጠኣካል፥ ኤሪትራ

ዘቤታዊ ውሽጠኣካል ልዑላውነት፡ ተቐባልነት፡ ከምኡውን ናይ ምግባር ዓቕሚ ዝጥውር መተካእታ ዘይብሉ ማእከል ስሕበት ኢዩ። ዝዀነ ሃገር ማእከሉ ቈንቊኑ እንከሎ ርጉእ ጎደቦ ከትክል ኰነ ዝተኻፈለ ባሕሪ ከማሓድር ኣይክእልን ኢዩ። ምድረፖለቲካዊ ሚዛን ኤሪትራ ኣብ ቤታ ኢዩ ዝፍልም። እንተዀነ ግና፡ ዓሰርተታት ዓመታት ዘቝጸረ እምብዛ ዝተጨበጠ፡ ወተሃደራዊ፡ ውልቀሰባዊ ግዝኣት—ቅዋማዊ ገደብ፡ እዚ ዝበሃል ግዝኣተ ሕጊ፡ ንጹር መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ዝሓረሞ ስለዝዀነ—ሃገርና ንትካላዊ ልምሰትን ውሽጣዊ ምህመናን ክትቃላዕ ጌርዋ ይርከብ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዓፈና መሰላት ዜጋታት፡ ሜላዊ ቁጠባዊ ንድየት፡ ተነጽሎ መፍረጸጋ፡ ዘይምህላው/ምፍርኻሽ ትሕተቅርጺ፡ ከምኡውን ፍልሰት ሓፋሽ ንሃገራዊ ህላዌ ዘድሊ መሰረታት ህዝብን ንዋይን ከይብሕጉጉ ኣብ ዘሰክፈሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ።

ዳግመህንጸት መሰረታዊ ውሽጠኣካል፡ ቃሕታዊ መንግስትነት ብነባሪ ቅዋማዊ ትካላት፡ ግሉጽ ሕጋዊ ማሕዘላትን መካወንያታት ሓቀኛ ተሓታትነትን ጌርካ ምትካእ ይጠልብ። እዚ ማለት ድማ ካብ ውልቀሰባዊ ቍጽጽር ናብ ግዝኣተ ሕጊ ዝተመርኰሰ ትካላዊ ልዑላውነት፡ ወለዶኣዊ ሕውየት፡ ወ ቁጠባዊ ክፉትነት ምስግጋር ማለት ኢዩ። መሰላት ዜጋታት ምኽባር፡ ምሕዳስን ምስፋሕን ትምህርቲ፡ ምርሓው ዘቤታዊ ዋኒን፡ ምህናጽን ምዝማንን ትሕተቅርጺ፡ ከምኡውን ናይ ደገ ወፍሪ ሃንጎፋይ ምባል ውሽጣዊ ብርትዐ ከማልስ ኢዩ። እዚ ኸኣ ቅርኒ ኣፍሪቃ ንምውህሃድን መዋሓዚ ቀይሕ ባሕሪ ተኻፊልካ ንምምሕዳርን ዘድሊ ትካላዊ ታኣማንነትን ንዋያዊ ዓቕምን የስንቕ።

፪። ተፈጥሮኣዊ መረቤት፥ ቅርኒ ኣፍሪቃ

መረቤት ይብጽሓኒ ዝብሃሎን ሕብረተሰባዊ ህላዌ ዝረጋገጸሉን ቦታ ኢዩ። ኤሪትራ ካብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ንበይና ተፈልያ ክትቀውም ኣይትኽእልን ኢያ። ከመይ፡ ምስቲ ናይዚ ዞባ ማሕበራዊ፡ ስነከባብያዊ፡ ወ ቁጠባዊ ዓለባ ብተፈጥሮ ተኣሊማ ኢያ—ዋላኳ ንነዊሕ እዋን እዞም ቁራኔታት ብሰንኪ ምድረፖለቲካዊ ምትፍናን ተደፊኖም እንተጸንሑ። ከም ውጽኢቱ፡ ኢቲዮጲያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ወ ጅቡቲ ከም ተራ ደጋውያን ጉዳያት ወጻኢ ክትሕዘን ኣይከኣልን ኢዩ። ርግኣተን ምስ ናይ ኤሪትራ ባዕላዊ ጥዕና ክነጻጸል ዘይክእል መቕርብ-ዘቤታዊ ቀዳምነታት ስለዝዀነ።

ንቕርኒ ኣፍሪቃ ከም ተፈጥሮኣዊ መረቤት ምሕሳብ ድምር-ባዶ ፖለቲካ ብቁመናዊ ውህደምድግጋፍ ክትካእ ይገብር። ኣብ ክንዲ ተውህቦምድሪ መመኽነይታ ግርጭት ኰይኑ ክቕጽል ምፍቃድ፡ ኤሪትራ ንመርሓጥበባዊ ኣቀማምጥኣ፡ ምድረቁጠባ፡ ወ ማሕበረባህላዊ ምትእስሳራት ከም መረጋግኢት መንጎኛ፡ መለዓዓሊት ውህደት፡ ከምኡውን ናይዚ ዞባ ቀዳማዊት በሪ ባሕሪ ኰይና ንኸተገልግል ትብርብሮ።

፫። ዝተኻፈለ ደምበ፥ መዋሓዚ ቀይሕ ባሕሪ

ናይ ሓባር ደምበ ገዛ ብቐጥታ ኣብ ግዳም ፊት በሪ ዝርከብ ዘየቋርጽ ክንክን፡ ተመላላኢ ጸጥታ፡ ከምኡውን ንጹር ሕጋጋት ተሳትፎ ዝጠልብ ንጡፍ፡ ትካፈሎ ቦታ ኢዩ። ብተውህቦምድሩ፡ እዚ ባሕራዊ ቀጽሪ ንቐንዲ መዋሓዚ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ዓቢ ገበላኡ ዝዀነ ወሽመጥ ዓደን፡ ከምኡውን ነቶም ክልተ ሰሜናውያን ሕልፍኚታቱ—ወሽመጥ ዓቃባን ወሽመጥ ስዌዝን—ሓዊሱ የካትት። ብሓንሳብ እዞም ዝተላገቡ ማያት ንሰለስተ ደቀባት ደንደሳውያን መቘምቲ ይጥርንፉ። ንሳቶም ከኣ ቅርኒ ኣፍሪቃውያን፡ (ኤሪትራ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ወ ሶማልያ)፡ ኣዕራብ (ስዑዲ ዓረብ፡ የመን፡ ግብጺ፡ ወ ዮርዳኖስ)፡ ከምኡውን እስራኤላውያን (ብመንገዲ ወሽመጥ ዓቃባ) ኢዮም።

ካብ ጥንቲ-ጥቅምቲ ክሳብ፣ዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ቀይሕ ባሕሪ ተራ መተሓላለፊ ናይ ርሑቓን ሃጸይነታት ጥራሕ ኰይኑ ፈጺሙ ኣይፈልጥን። ካብ ቀደም ዝጸንሐ ኣፍሮ-ኤስያዊ ስልጣነ ዘተኣሳስር ህዋሳዊ፡ ህያው ፈትሊ ኢዩ። ንመዋእላት ማያቱ ንኣህዛብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰሜን-ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ሓውሲደሴት ዓረብ ከምኡውን ማዕዶ-ሰሜን ብመንገዲ ናይ ሓባር ልሳናዊ ሰራውር፡ ባህላዊ ዝምድና፡ ፍልሰት ህዝቢ፡ ከምኡውን ንግዲ ባሕሪ ኣታሓሒዙ ዘሎ ኢዩ።

ጸጥታ፡ ርግኣት ከምኡውን ሽሻይ መዋሓዚ ቀይሕ ባሕሪ እምበኣርከስ ቀዳምነታውን ዘይቅንጠጥን ሓላፍነት ተቐመጥቱ ኢዩ። ነባሪ ሰላም ምንቅስቓስ ባሕሪ ካብ ደገ ብባዕዳውያን መራኽብ ኲናት ክስግደድ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብክንድኡ፡ ካብ ውሽጢ ብመንገዲ እኩብ ምሕደራ፡ ዳግመምሕዳስ ዞባዊ ጥምረት፡ ከምኡውን ተጋጣጣሚ ቁጠባዊ፡ ሰብኣዊ፡ ስነሞያዊ፡ ወ ስነፍልጠታዊ ዓቕምታት ብምውህሃድ ክሳለጥ ግድን የድሊ። ሓባራዊ ምሕደራ እዚ ዝተኻፈለ ደምበ ብምትግባር ጥራሕ ኢዩ ከባቢና ኣብ ስግር-ዞባዊ ስርዓተመዋግኢታት ዘለዎ ጽግዕተኝነት ከጓድል ዝኽእል፡ ከምኡውን ደጋውያን ሓይልታት ነዚ ወሳኒ መንገዲማይ ናብ መካየዲ ውክልናዊ ግጭት ከይቅይርዎ ክከላኸል ዝኽእል።

መደምደምታ

ኢልካኢልካ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ዓንደማእከላውያን ክውንነታት ብሓንሳእ ከም ዝቘሙ ወይ ዝወድቁ ምግንዛብ የድሊ። ጥርሑ ዝተረፈ መሰረታዊ ውሽጠኣካል ዞባዊ ውህደት ከትክል ዝኽእል ኣይኰነን፤ ዝተገማምዐ ተፈጥሮኣዊ መረቤት ጸጥታ ምንቅስቓስ ባሕሪ ከስፍን ኣይከኣሎን፤ ከምኡውን ባዕዳውያን ሓይልታት ዝዕብልልዎ ብስርዓተመዋግኢ ዝተሓጽረ ዝተኻፈለ ደምበ ኩሉሳዕ ዘቤታዊ ትንሳኤ ዝድርት ኢዩ።

ዘቤታዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ምስ ቁመናዊ ውህደምድግጋፍ መላእ ቅርኒ ኣፍሪቃን እኩብ ምሕደራ መዋሓዚ ቀይሕ ባሕርን ብምስናይ፡ ጥራሕ ኢያ ኤሪትራ ንተፈጥሮምድራ ካብ ምንጪ ተቓላዕነት ናብ ሞተር ሓባራዊ ብልጽግና ትልውጦ። ከምኡ እንተጌራ ኸኣ ናይ ባዕላ ልዑላውነታዊ ቀዋምነት፡ ከምኡውን ሰላም ናይ ዝሰፍሐ ኣፍሮ-ኤስያዊ ዓለም ተውሕስ።