ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ኣብ ምርዳእ፡ ምግላጽን ምትንባይን ተፈጥሮኣዊ ነገራት፡ ክውንነታትን ክስተታትን ዘድህብ ጨንፈር ስነፍልጠት ኢዩ። ኣብ ፈተናዊ ጭብጢ ድማ ይምርኰስ። ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ቢሂላት ብምግዳፍ ትዕዝብትን ፍታኔታትን የቐድም። ኣዚዩ ክዉንታዊ ስለዝዀነ፡ ዘይዘንበሉ ውጽኢታትን ሓቃዊ ቅኑዕነታትን ንምርግጋጽ ይተግህ።

ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ኣዚዩ ስርዓታዊ ኢዩ። ብትዕዝብቲ ጀሚሩ፡ ናብ ንድፊሓሳብ ይቕጽል፡ ካብኡ ድማ ናብ ፍታኔታት ይሰግር፡ ቀጺሉ ትንታኔ ውጽኢታት ፍታኔታት የካይድ፡ ብድሕሪኡ መደምደምታታት ይገብር። ውጽኢታት ምርምር ንምርግጋጽ፡ ዳግመምርምርን ህየሳ መዘናን የካይድ። ምስ ግዜ ስነፍልጠታዊ መደምደምታታት ልክዕነቶም ብዝተኣምነሉ፡ ስነፍልጠታዊ ክልሰሓሳብ የቑሙ። ስነፍልጠታዊ ክልሰሓሳባት ከኣ ምስ ግዜ ስነፍልጠታዊ መትከላትን ሕግታትን ይፈጥሩ።

ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ክልተ ዓበይቲ ጨናፍር ኣለውዎ። ንሳቶም ከኣ ስነፍልጠት ሂወት ወ ነገራዊ ስነፍልጠት ኢዮም።

ስነፍልጠት ሂወት

ስነፍልጠት ሂወት (life science) ንሂወት ዘለዎም ፍጥረታት ዘጽንዕ ሰፊሕ ጨንፈር ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ዓውድታት መጽናዕቲ ዝሓቘፈ ኢዩ። ገለ ንኡሰዓውድታት ስነፍልጠት ሂወት ክንጠቅስ፦

  • ስነሂወት (biology)፥ ሓፈሻዊ መጽናዕቲ ህዋሰኛታት ኢዩ።
  • ስነተኽሊ (botany)፥ ሓፈሻዊ ስነፍልጠት ኣትክልቲ ኢዩ።
  • ስነእንስሳ (zoology)፥ ሓፈሻዊ ስነፍልጠት እንስሳታት ኢዩ።
  • ስነከባቢ (ecology)፥ ሂወታውያን ፍጥረት ምስ ኣከባቢኦም ዘለዎም ርክባት የጽንዕ።
  • ስነደቂቕሂወት (microbiology)፥ ሓፈሻዊ ስነፍልጠት ኣዚዮም ደቀቕቲ ሂወታውያን ፍጥረት፡ ከም ባክተሪያን ቫይረስን ዝኣመሰሉ ኢዩ።
  • ስነሂወት ባሕሪ (marine biology) – ንሂወታውያን ውቅያኖሳትን ባሕርታትን የጽንዕ።

ዓውደትምህርታት ስነፍልጠት ሂወት ንባዕሎም፡ ኣብ ትሕቲኦም ዝያዳ ኣተኰርቲ ፍሉይነታት ኣለዎም። ንኣብነት ስነእንስሳ፡ ኣብ ትሕቲኡ ከም ስነዑፍ፡ ስነሓሰኻ፡ ወዘተ ዝበሉ ዓውደመጽናዕትታት ዝሓዘ ኢዩ።

ነገራዊ ስነፍልጠት

ነገራዊ ስነፍልጠት (physical science) ንሂወት ዘይብሎም ፍጥረታት ዘጽንዕ ገፊሕ ክፋል ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ዓውደትምህርትታት ዘካተተ ኢዩ። ገለ ንኡሰዓውድታት ነገራዊ ስነፍልጠት ክንጠቅስ፦

  • ስነነገር (physics)፥ ሓፈሻዊ ስነፍልጠት ጉድ (matter)፡ ጻዓት ከምኡ፣ውን ርክባቶም።
  • ስነቀመም (chemistry)፥ ንትሕዝቶ፡ ቁመና፡ ባህርያትን ርክባትን ጥረነገራት የጽንዕ።
  • ስነምድሪ (geology) – ንደረቕ ክፋል ምድሪ የጽንዕ።
  • ስነፍልጠት ንዋይ (material science)፥ ንኣብ መንጎ ቁመና፡ ባህርያት ከምኡ፣ውን ምጽራይ ናውቲ ዘሎ ዝምድናታት የጽንዕ።
  • ስርዓተኮኾብ (astronomy)፥ ንሰማያውያን ነገራትን ክስተታትን የጽንዕ።
  • ጠፈራዊ ስነፍልጠት (Atmospheric science)፥ ንጠፈርን ኩነታቱን የጽንዕ።
  • ምንስፋፍኣየር (aeronautics)ስነፍልጠት በረራን መሳርሒታት በረራን ኢዩ።
  • ስነቀላይ (limnology)፥ ስነፍልጠት ኣብ ውሽጢ ንቑጽመሬት ዝርከቡ ማያውያን ኣካላት ከም ቀላያት፡ ሩባታት፡ ዋሓይዝ፡ ዒላታት፡ ፈልፈልቲማያት፡ ዓዘቕትታት፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ።
  • ስነውቅያኖስ (oceanology)ስነፍልጠት ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ኢዩ። ስነፍልጠት ባሕሪ (marine science)፡ ገለጻውቅያኖስ (oceanography) ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ።

ዓውደትምህርታት ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ንባዕሎም፡ ዝያዳ ዝተጸጽዩ ፍሉይነታት ኣለዎም። ንኣብነት፡ ስነምድሪ ከም ስነማዕድን፡ ስነከውሒ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዝተፈልዩ ዓውደመጽናዕትታት ዝሓዘ ኢዩ።

ጠቐምቲ ንባባት

Buffon, Georges Louis Leclerc, comte de (1797) Buffon’s Natural history — Containing a theory of the earth, a general history of man, of the brute creation, and of vegetables, minerals, &c. Translated to English by James Smith Barr. in 10 volumes. Printed for the Proprietor, and sold by H. D. Symonds: London.

Bauer, Susan Wise (2015) The Story of Western Science: From the Writings of Aristotle to the Big Bang Theory. W. W. Norton & Company: New York.

Poskett, James (2022) Horizons: The Global Origins of Modern Science. Mariner Books: Boston.

Turner, Howard R. (1997) Science in Medieval Islam: An Illustrated Introduction. University of Texas Press: Austin.

Mee, Arthur and Hammerton, J. A. (1910) Science. The World’s Greatest Books. Volume XV. WM. H. Wise & Co.: London.

Lankester, Ray (1910) Science From an Easy Chair. 2nd edition. Methuen & Co. LTD.: London.

Needham, Joseph (1956-71) Science and Civilisation in China. Volumes 2, 3, 4 (3 parts), 5 (7 parts), 6 (5 parts). Cambridge University Press: Cambridge.

Duncan, Peter Martin et al. (1896) Cassell’s Natural History. In six volumes. Cassell & Company Limited: London.