እዚ መዘከሪ ቃላት፡ ኣብ፣ዚ ነቑጣ መርበብ ሓበሬታ ንእንረኽቦም፡ ብፊደላት እንዳ ረን ሰን ዝጅምሩ ስነምድራውያንን ስነማዕድናውያንን ቃላት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ይትርጉም።

ረዝናዮ፥ ብሩራዊ-ጻዕዳ ዝሕብሩ፡ ልምሉም ተቐራጺ መርዛም ሓጺነመጺናዊ ባእታ ኰይኑ፡ ኣብ ተፈጥሮ ምስ ካልኦት ባእታታት ተሓዊሱ ጥራሕ ኢዩ ዝርከብ።

ረዝነታይ፥ ብረዝናዮን ዲንን ዝቘመ ጻዕዳ፡ ብጫ፡ ወይ ሕብሪ-ኣልቦ ማዕድን

ሪፍ፥ ኣብ ጥቓ ገጽባሕሪ ዝርከብ ከዋሕ ኩጀት ወይ ደንደስ ኢዩ።

ሩባ፥ ለጠቕ ዝበለ ነዊሕ ቦታ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ካብ፣ቲ ሓደ ጫፉ ናብ፣ቲ ካልእ ጫፉ ፈለግ ወይ ዛራ ይውሕዘሉ።

ሩፍራፍ፥ ሓደ ጉጅለ ዘንጸባርቑ ቅርፍታይ ትርኢት ዘለዎም፡ ብቀመማዊ ትሕዝትኦም ኰነ ብኣካላዊ ኣቃውምኦም ዝመሳሰሉ ማዕድናት ኢዩ። እዞም ማዕድናት ብናብ ረቀቕቲ ቀጸላታት ናይ ምፍንጫሕ ዓቕሞም ዝተፈልጡ ኢዮም።

ሮማናይ፥ ሓደ ጉጅለ ተረርቲ መረጼናዊ ጽጸረታይ ማዕድናት ኢዩ። እዞም ማዕድናት ተመሳሳሊ ኣካላዊ ባህርያትን ሓቒቓዊ ኣቃውማን ዘለዎም እኳ እንተዀኑ፡ ብቐመማዊ ትሕዝትኦም ግና ይፈላለዩ ኢዮም።

ሰማያዮ፥ ኣዚዩ ልምሉም፡ ተለዋዪ፡ ብሩራዊ-ወርቃዊ ዝሕብሩ ኣልካሊ ሓጺነመጺን ኰይኑ፡ ካብቶም ኣብ ተፈጥሮ እንረኽቦም ኣልካሊ ሓጺነመጺናት እቲ ዝያዳ ሳሕቲ ዝርከብ ኢዩ።

ስነጎቦ፥ ስነፍልጠት ጎቦታት ኢዩ።

ስንጭሮ፥ ዘጽድፍ ጎንታት ዘለዎ፡ ንእሽተይ፡ ጸቢብ ሩባ-መሰል ኢዩ። ስንጭሮ ካብ መንገዲውሕጅ ይዓቢ።

ስጉድ ከውሒ፥ ከውሒ ኰይኑ፡ ጥረታቱ ምስ ሓድሕዶም ኣዚዮም ዝጠበቑ ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ፡ ዘቘምዎ ጥረነገራት ኰነ ሓቒቓት ብዓይኒ ጥራይ ክርኣዩ ኣይክእሉን ኢዮም።