እዚ መዘከሪ ቃላት፡ ኣብ፣ዚ ነቑጣ መርበብ ሓበሬታ ንእንረኽቦም፡ ካብ ቸ ክሳብ ነ ብዘለዉ ፊደላት ንዝፍልሙ ስነምድራውን ስነማዕድናውን ቃላት ሓጺር መግለጺ ይህብ።
ቸ
ቻልሴዶናይ፥ ኣዚዩ ልሙጽ-ጥረኛ ዓይነት ጥምቢሓቒቕ ኰይኑ፡ ብጽጻሮ መስረጭቋራይ ዝቘመ ማዕድን ኢዩ።
ነ
ነቓዕምድሪ፥ ኣብ መንጎ ክልተ ግዛዓት ከውሒ ዝርከብ ጭዳድ ወይ ስፍራ ጭዳዳት ኢዩ።
ነባረታይ፥ መስመዪ ናይ ሓደ ጉጅለ ፍሩይ-ጥረኛ፡ ውሹጣዊ እሳታዊ ኣኻውሕ ኰይኑ፡ ተመሳሳሊ መጠናት ብርሁውን ደባንን ዝሕብሮም ማዕድናት ዝሓzu ኢዮም። ብትሕዝትኦም ኣብ መንጎ ስርነታይን ጽኑዓይን ኢዮም።
ነጣብ፥ ኣብ ናሕሲ ወይ ጎንታት ባዓቲ ተንጠልጢሉ ብብዝሒ ዝርአ፡ ዕቋር ኖራዮ ፍሓመታይ ኢዩ።
ንጻል፥ ናብ ቀጠንቲ ቀጸላታት ብቐሊሉ ክፍለጽ ዝኽእል፡ ልሙጽ-ጥረኛ ልዉጣዊ ከውሒ ኢዩ።
ኖራዮ፥ ልምሉም፡ ብሩራዊ-ጻዕዳ መልሰግብራዊ ሓጺነመጺን ኰይኑ፡ ኣብ ተፈጥሮ ምስ ካልኦት ባእታታት ተሓዊሱ ጥራሕ ይርከብ። ኖራዮ ኣብ ሰብነት መብዛሕትኦም ሂወታውያን ወሳኒ ተራ ይጻወት።
ኖረታይ፥ እቲ ብብዝሒ ዝርከብ ፍጥረት ተፈጥሮኣዊ ኖራዮ ፍሓመታይ ኰይኑ፡ ጻዕዳ ወይ ሕብሪ ዘይብሉ ማዕድን ኢዩ።