ብዝጸንሑ ደቀባውያን ገዛእቲ ናይ ምምሕዳር ሜላ ኣኽሱም ከም ክልተ ዝብልሑ ሴፍ ክግለጽ ይከኣል። ብሓደ ወገን፡ ካብ ማእከላዊ ግዝኣተንጉስ ሒደት ምትእትታው ኣብ ምክያድ ከባብያዊ ጉዳያቶም ይገጥሞም ስለዝነበረ፡ ገበርቲ ኣህዛብ ዝያዳ ንሃጸያዊ መንግስቲ እሙናት ክዀኑ ገይርዎም። ብኻልእ ወገን ግና ንተገዛእቲ ኣህዛብ ስምዒት ናጽነት ክዕቅቡ ኣኽኢልዎም። እዚ ድማ ሓደሓደ ግዜ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ምስግጋር ንግስና፡ ናብ ዕልወት ኣንጻር ሃጸያዊ መንግስቲ የምርሕ ነይሩ። ንኣብነት፡ ንጉሰ ነገስት ወሳና ናብ ዙፋን ምስደየበ፡ ሃጸይነት ንምዕቃብን ኣደብ መንግስቲ ንምሕላውን ተኸታታሊ ውግኣዊ ስርሒታት ከም ዘካየደ ይነግረና።1 ንጉሰ ነገስት ዔዛና እውን ዕልዋ ገለ ነገድ በዳዊት (በጃ) ንኸቑሙ ንክልተ ኣሕዋቱ ውግኣዊ ዕማም ሂቡ ናብ ናይ ሎሚ ምብራቕ ሱዳን ሊኢኽዎም።2

ይኹን እምበር፡ ብሓፈሽኡ ክግምገም ከሎ ሃጸይነት ኣኽሱም ኣድማዒ ነይሩ ጥራሕ ዘይኰነስ ናእዳ እውን ዝግብኦ ኢዩ። ኣብቲ ዞባ ሓፈሻዊ ርግኣት ጥራሕ ዘይኰነስ እንከላይ ሽሻይ ከምጽእ ኪኢሉ። ምስክራት ናይዚ ከኣ፡ ብርክት ዝበሉ ከተማታት፡ ብዙሕ ዝነኣድ እንዳባዊ ጥበባትን ሞያታትን፡ መሳጢ ስነህንጻ፡ ሓያል ውሽጣውን ደጋውን ንግዲ፡ ሕትመት ባጤራ፡ ዘይምህላው መከላኸሊ መንደቓት ኣብ ኣኽሱም ከይተረፈ ዝበሉ ኢዮም። ስለዝዀነ ድማ ኢዩ ፋርሳዊ ፍላስፋን መራሒ ሃይማኖትን ዝነበረ ማኒ (ካብ 216 ክሳብ 274 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብሂወት ዝጸንሐ) ንሃጸይነት ኣኽሱም ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ናይ ዓለም ዝያዳ ኣገደስቲ ንግስነታት ብምባል ምስ ፋርስ፡ ሮማ ወ ሲሊዮስ (ቻይናዊ ወይ ህንዳዊ ሃጸይነት) ዝረቝሖ።3

ኣብ ልዕሊኡ፡ ብዝዀነ መለክዒ ንብዙሕ ፍልልያት ዘለዎም ኣህዛብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ወ ደቡብን ምዕራብን ምድረዓረብ ክትገዝእ ምኽኣል ቀሊል ኣይኰነን። ካብ ወርጫማ እምባታት ሰሜን ክሳብ ዘንድድ፡ ደረቕን ጨዋምን ጐላጉል ቀይሕ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ፍሉይነታት ኣብ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ከባቢታት ውግኣዊ ስርሒታት ክካየድን ስርዓተ ምሕደራ ክቐውምን የድሊ። እቶም ዝበረኹ ኣብ ከበሳታት ምድረሓበሻ ዝርከቡ ቦታታት፡ ልዕሊ 4000 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝተደኰኑ ክዀኑ ከለዉ፡ እቶም ዝተሓቱ ኣብ ስሉስኩርናዕ ዓፋር ዝርከቡ ቦታታት ከኣ ኣስታት 100 ሜትሮ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከቡ ኢዮም። ኣብ ልዕሊኡ ከኣ እዚ ክፋል ዓለምና፡ ብቅርጸመሬታውን ኩነተጠፈራውን ገጻቱ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ እንከላይ ብስነብሄራውን ማሕበረስነኣእምሮኣውን ውህበታቱ ዝነጻጸር ስፍራ ኢዩ።4


ንጉድለታት ዘይቀጥታዊ ምሕደራ ንምምላእ፡ ሃጸያዊ መንግስቲ ኣኽሱም ኣብ ዝተመርጹ ቦታታት ሰራዊት የዐርድ ነይሩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክፋላት ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ምድረዓረብ ብርክት ዝበሉ ዕርዳዊ ስፍራታት ኣቚሙ።5 ነቶም ዓመት መጸ ንዝጸንሑ ዓረድቲ ንኸብርዩ ዝለኣኹ ዝነበሩ ሰራዊት ከጐዓዕዝን ክካናኸንን ባሕር ነጋስ ሓላፍነት ነይርዎ።6 ብተወሳኺ፡ ንካብ ምድረዓረብ ዝተመልሰ ሰራዊት፡ ካብ ድኻም መገሻ ባሕሪ መታን ከዐርፍ፡ ንኽልተ ሳምንቲ ከአንግድን ከዛንን ግዴታ ነይርዎ። ኣብ ሓውሲደሴት ዓረብ ዳርጋ 40,000 ዝቝጽሮም ሰራዊት ሃጸይነት ኣኽሱም ከም ዝነበሩ ይንገር።7


ሓላፍነት ሃጸያዊ መንግስቲ፡ ኣብ መላእ ሃጸይነት ሰላም ምርግጋጽ፡ ሸቐጥን ንግድን ምውሓስ፡ ባጤራ ምሕታም፡ ጉዳያት ወጻኢ ምክዋን፡ ህዝባዊ ስርሓት
(
ከምእኒ ጽርግያታት ሃጸይነት ምክንኻን፡ ሓወልትታት ምቛም ዝበሉ
)
፡ ከምኡ፣ውን ካብ ደጋዊ ተጻብኦ ምክልኻል ዘጠቓለለ ነይሩ። ንንጉሰ ነገስት ተኣማኒ ምዃን፡ በብግዚኡ ግብሪ ምግባር፡ ሸቐጥን ንግድን ምስላጥ፡ ኣብ ገግዝኣተን ሰላምን ኣደብን ምስፋን፡ ከምኡ፣ውን ውሽጣዊ ጉዳያተን ምምሕዳር፡ ግቡኣት መቘምቲ ሃጸይነት ነይሩ።


ሃጸይነት ኣኽሱም ዝተጻሕፈ ስርዓተ ሕጊ ከም ዝነበሮ ዘረድኡ ሒደት ጭርምራማት ኣለዉ።8 እንተዀነ ግና እኹል ትሕዝትኡ ስለዘየለ፡ ብዛዕባ ዝርዝራቱ ምዝራብ ኣይከኣልን ኢዩ።

መወከሲ ነጥብታት

  1. Munro-Hay, Stuart (1991) Aksum: An African Civilisation of Late Antiquity. Edinburgh University Press: Edinburgh. ↩︎
  2. Ibid: pp.224-226. ↩︎
  3. Gardner, Iain (1995) The Kephalaia of the Teacher: the Edited Coptic Manichaean Texts in Translation with Commentary. E.J. Brill: Leiden. ↩︎
  4. Conti Rossini, Carlo (1928) Storia d’Etiopia: dalle origini all’avvento della dinastia salomonide. Istituto italiano d’arti grafiche: Bergamo. ↩︎
  5. Hatke, George (2020) The Aksumites in South Arabia: An African Diaspora of Late Antiquity. In Migration Histories of the Medieval Afroeurasian Transition Zone. pp. 291-326. Brill. ↩︎
  6. Abbadie, Arnaud-Michel (1868) Douze ans dans la Haute-Éthiopie (Abyssinie). Tome premier. L. Hachette et ce: Paris. ↩︎
  7. Ibid: p.539. ↩︎
  8. Munro-Hay (1991) p.148. ↩︎