ምህንድስና (ወይ ህንደሳ) ማለት ስነፍልጠታውን ኢደግብራውን ኣፍልጦታት ተጠቂምካ ምትላም፡ ምስራሕ፡ ምምሕያሽ፡ ምጽጋን፡ ምህናጽን ጸገማት ምፍታሕን ማለት ኢዩ። ምህንድስና ስግረትምህርታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ኰይኑ፡ ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን መሳርሒታት፡ ቁመናታት፡ መስርሓት ከምኡ፣ውን ስርዓታት የገልግል። ህንደሳ ጸገማት ምፍታሕ የኽእል፡ ኣድማዕነትን ፍርያምነትን የደንፍዕ፡ ከምኡ፣ውን መስርሓትን ስርዓታትን የማሓይሽ። ኣዚዩ ኣገዳሲ ተግባራዊ ጨንፈር ነገራዊ ስነፍልጠት ከኣ ኢዩ። ኪኢላ ምህንድስና “ሃንዳሲ” ወይ “ምሃንድስ” (ብዙሓት “ሃንደስቲ” ወይ “ምሃንድሳት”) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብባህሪኡ ምህንድስና ኣብ ምልላይ ሽግራትን ምብልሓት መፍትሒታትን የተኩር። ስነሞያታት ዝፈርይሉ መስርሕ እውን ኢዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ህንደሳ ኣብ ምምሕያሽ ሂወት ደቅሰብ ዓቢ ተራ ይጻወት፡ ካብ ምህናጽ ትሕተቅርጽን መጓዓዝያን ክሳብ ክንክን ጥዕናን ምህዞ መራኸቢታትን። ስለዝዀነ፡ ኣብ ኩሉ ክፋላት ሂወት ንዘጋጥሙ ብድሆታት ኣብ ምግጣም ዓቢ ተራ ይጻወት። ግብራዊ ጸገማት ኣብ ምቅላልን ምእላይን ይረድእ።

ምህንድስና ዘይኣትዎ ጽላት ሕብረተሰብ የለን። ሃንደስቲ ብዘይምቝራጽ ሓድሽን ዝበለጸን መሳርሒታትን መካወንያታትን ንኽፈጥሩ ይጽዕሩ። ከምኡ ብምግባር ድማ ነቲ ኣይከኣልን ኢዩ ዝበሃል ከምዝከኣል ይገብሩ። ሃንደስቲ ዓያይነትን ውሕስነትን ምህዞታቶም ንምርግጋጽ ኣብ ስነፍልጠታዊ መትከላትን ስነቁጽራዊ ምውርራድን ኣዚዮም ይምርኰሱ።

ፍሉይነታት ህንደሳ

ምህንድስና ብዙሓት ርእሶም ዝኻኣሉ ዓውደትምህርታት ኣለውዎ። ነፍሲወከፎም ከኣ ኣብ ሓደ ዝተነጸረ መዳይ ትግባሬ ህንደሳ የተኩር። ንገለ ካብ ዓበይቲ ፍሉይነታት ምህንድስና ነዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ፦

  • ቀመማዊ ምህንድስና (chemical engineering) – ንጥረነገራትን ቀመማትን ናብ ጠቐምቲ ወይ ዝያዳ ኣርባሕቲ ፍጣሬታት ዝልውጥ ዓይነት ህንደሳ ኢዩ።
  • መካወናዊ ምህንድስና (mechanical engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምሕያሽን መካወኒታትን መካወናዊ ስርዓታትን ዘድህብ ዓውዲ ህንደሳ ኢዩ።
  • ኤሌክትሪካዊ ምህንድስና (electrical engineering) – ኣብ ኤሌክትሪክን ኤሌክትሪካዊ ኣቕሑን ዘድህብ ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ።
  • ሰላማዊ ምህንድስና (civil engineering) – ኣብ ምትላም፡ ምስራሕን ምጽጋንን ንሰላማዊ መዓላ ዘገልግሉ ውልቃውን ህዝባውን ህንጸታት (ከም ኣባይቲ፡ ጽርግያታት፡ ሓጽብታት፡ መዕርፎነፈርቲ፡ መንገዲባቡር፡ ወዘተ ዝበሉ) ዘተኩር ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ። እቶም ሓሙሽተ ቀንዲ ንኡስ ዓውድታት ሰላማዊ ምህንድስና እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
    • ቁመናዊ ምህንድስና (structural engineering)።
    • ምህንድስና ትሕተቅርጺ (infrastructure engineering)።
    • ኢደምድረግብራዊ ምህንድስና (geotechnical engineering)።
    • ምህንድስና መጓዓዝያ (transportation engineering)።
    • ከባብያዊ ምህንድስና (environmental engineering)።
  • ምህንድስና ናውቲ (materials engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምሕያሽን ዝተፈላለየ ዓይነታት ናውቲ ዘተኩር ዓውዲ ህንደሳ ኢዩ።
  • ምህንድስና ኮምፒተር (computer engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን መካወንያታትን ስርዓታትን ኮምፒተር ዘድህብ ጨንፈር ህንደሳ።
  • ምህንድስና ረቂቕኣካል (software engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ትግባሬታት ረቂቕኣካል ዘተኩር ዓውዲ ህንደሳ።
  • ምህንድስና ባዕለምዕያይ (automation engineering) – ኣብ ምፍጣር ባዕለዓየይቲ መካወንያታትን ስርዓታትን ዘድህብ ክፍሊ ህንደሳ ኢዩ።
  • ምህንድስና ባሕሪ (marine engineering) – ኣብ ምትላም፡ ምምስራሕ፡ ምምዕባልን ምምሕያሽን መንሳፈፍቲማይ (ከም መርከብ፡ ጃልባ ዝበሉ) ከምኡ፣ውን ቀወምቲ ህንጸታት ባሕሪ (ከም ወደብ፡ መዐደኒነቑጣ ዘይቲመሬት ዝበሉ) ዘድህብ ዓውዲ ህንደሳ ኢዩ።
  • ምህንድስና ጸዓት (energy engineering) – ኣብ ኣመናጭዋ፡ ኣለዋውጣ፡ ኣጓዓዕዛ፡ ኣተዓቛቝራን ኣጠቓቕማን ጸዓት ዘተኩር ዓውዲ ህንደሳ ኢዩ።
  • ሕርሻዊ ምህንድስና (agricultural engineering) – ንስነፍልጠትን ስነሞያን ህንደሳ ኣብ መዓላ ሕርሻዊ መስርሓትን መፍረን ዘውዕል ክፍሊ ምህንድስና ኢዩ።
  • ስነሂወታዊ ምህንድስና (bioengineering) – ኣብ ምምስራሕን ምምዕባልን ስነሂወታዊ ፍጣሬታትን ስርዓታትን ዘድህብ ዓውዲ ምህንድስና ኢዩ።
  • ሕክምናዊ ምህንድስና (medical engineering) – ኣብ ምፍታሕ ጸገማት ጥዕና፡ ምምዕባል ሓደስቲ መሳርሒታት ሕክምና፡ ከምኡ፣ውን ምምሕያሽ ክንክን ሕሙማት ዘተኩር ዓውዲ ህንደሳ ኢዩ።
  • ቤትዕዮኣዊ ምህንድስና (industrial engineering) – ኣብ ምፍጣር ኣድማዕቲ መሳርሒታት፡ መስርሓትን ስርዓታትን ቤትዕዮ ዘተኩር ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ። ብዙሓት ንኡስ ዓውድታት ድማ ኣለዎ። ገለ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
    • ምህንድስና መመስርሒ (manufacturing engineering)።
    • ምህንድስና ኣሰራርሓታት (operations engineering)።
    • ምህንድስና ስርዓታት (systems engineering)።
    • ምህንድስና ብቕዓት (quality engineering)።
    • ምህንድስና መሳለጥያታት (facilities engineering)።
  • ምህንድስና ሓበሬታ (information engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ኣድማዕቲ ስርዓታት ሓበሬታ ዘተኩር ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ።
  • ዕደናዊ ምህንድስና (mining engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ኣብ ምውጻእን ምምጽራይን ማዕድናት ካብ ዝርከብሉ ተፈጥሮኣዊ ቦታ ዘገልግሉ መሳርሒታት፡ መካወንያታትን ስርዓታትን ዘተኩር ዓውዲ ህንደሳ ኢዩ።
  • ምህንድስና ባዕለተንቀሳቓሲ (automotive engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ብሞተር ዝድፍኡ ተሽከርከርቲ፡ ከም መኪና፡ ሞተርብሽክሌታ፡ መኪናጽዕነት፡ ወዘተ ዝበሉ፡ ዘተኩር ዓውዲ ህንደሳ ኢዩ።
  • ምህንድስና ነገራትድምጺ (acoustical engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን መሳርሒታት፡ መካወንያታትን ስርዓታትን ድምጺ ዘድህብ ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ።
  • ነገረምርኣያዊ ምህንድስና (optical engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ነገረምርኣያዊ መሳርሒታት፡ መካወንያታትን ስርዓታትን ዘተኩር ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ።
  • ውሻጣዊ ምህንድስና (nuclear engineering) – ኣብ ምፍጣር፡ ምምዕባልን ምክንኻንን ውሻጣዊ ጸዓት ዝጥቀሙ ስርዓታት ዘድህብ ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ።
  • ምህንድስና ኣየርህዋ (aerospace engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን መሳርሒታት፡ መካወንያታት ወ ስርዓታት ምንስፋፍኣየር ከምኡ፣ውን ምንስፋፍህዋ ዘድህብ ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ። እቶም ክልተ ንኡስ ዓውድታቱ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
    • ምንስፋፍኣየራዊ ምህንድስና (aeronautical engineering)።
    • ምህንድስና ምንስፋፍህዋ (astronautical engineering)።
  • ምህንድስና ውሕስነት (security engineering) – ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ካብ ተፈጥሮኣውን ሰብሰርሖን መጥቃዕትታት ወ ሓደጋታት ዝከላኸሉ መሳርሒታት፡ መካወንያታትን ስርዓታትን ዘተኩር ዓውዲ ህንደሳ ኢዩ።
  • ኤሌክትሮመካወናዊ ምህንድስና (electromechanical engineering) – ንኤሌክትሪካውን መካወናውን ምህንድስናታት ብምትሕንፋጽ፡ ውህደግብራዊ ኤሌክትሪካውን መካወናውን ኣካላት ዘለዎም መሳርሒታትን ስርዓታትን ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ዘተኩር ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ።
  • መካውኖትሪካዊ ምህንድስና (mechatronic engineering) – ንዝተፈላለዩ ዓውድታት ምህንድስና፡ከምእኒ ኤሌክትሪካዊ ምህንድስና፡ መካወናዊ ምህንድስና፡ ምህንድስና ኮምፒተር፡ ምህንድስና ረቂቕኣካል፡ ምህንድስና ስርዓታት ዝበሉ ብምውህሃድ ዘገናዝብ ፍርያት ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ዘድህብ ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ።
  • መዋግኢ ምህንድስና (military engineering) – ንውግኣዊ መጥቃዕትን ምክልኻልን ዘገልግሉ መሳርሒታት፡ ህንጸታትን ስርዓታትን ኣብ ምፍጣርን ምምዕባልን ዘድህብ ጨንፈር ህንደሳ ኢዩ።