ገረብ ቆልቋል ሓበሻ ካብ ዘርኢ ወይ ካብ ቁራጽ ጉንዲ ክበቁል ይኽእል። ይኹን እምበር፡ ዋላኳ ካብ ዘርኢ ክበቁል እንተኻኣለ፡ ዘራእቱ ሳሕቲ ኢዮም ዝሽየጡ። መኽንያት ናይዚ ድማ፡ ምብቋሎም ኣሸጋሪ ስለዝዀነን ናይ ምብቋል ክእለቶም ንሓጺር እዋን ጥራሕ ዝጸንሕ ስለዝዀነን ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ገረብ ቆልቋል ሓበሻ መብዛሕትኡሳዕ ካብ ቁርጽራጽ ጉንዲ ከምዝባቘል ይግበር።

ምብቋል ቁርጽራጽ ኣብ ቀውዒ ወይ ፈለማ ሓጋይ ክካየድ ዝበለጸ ይኸውን። ንቑራጽ ጉንዱ ወሲድካ መታን ካብ መጥጊ ክነጽህ ሕጸቦ። ቀጺልካ ዕብየት ሓደስቲ ሱራት ንምቅልጣፍ ኣብ ምዉቕ፡ ድሙቕ፡ ቁሩብ ጠሊ ከኣ ዘለዎ ሰፈር ኣቐምጦ።
ንሰሙን ወይ ክልተ ሰሙን ዝኸውን ክደርቕ ሕደጎ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ነቓጽ፡ ዕባራ፡ ዘፍስስ ሓመድ ሰኳዓዮ። ዝናብ ክረምቲ ክውዳእ ክብል ከሎ ክትከል ኣለዎ። ኣብ ግዜ ምትካል ጥልቁይ ኩነታት ኣይፈቱን ኢዩ።

ኣብ ቁራዕተኽሊ ቁራጽ ቆልቋል ሓበሻ ምብቋል እንተተደልዩ፡ ቅድሚ ምትካሉ ንገለ መዓልታት ክነቅጽ ክግደፍ ኣለዎ። እዚ ምምሽማሽ ከይፍጠር ይኽልክል፡ ከምኡ፣ውን ርጉድ እልሚ ብግቡእ ክቐውም ይገብር። ኣብ ጽቡቕ-ዘፍስስ ሓመድ ትኸሎ። እንተተኻኢሉ ናይ ኦምበለስ ወይ ስቡሕ ተኽሊ ድብላቕ ሓመድ ተጠቀም። ክሳብ ሱር ዘውጽእ ኣብ ምዉቕን ድሙቕን ሰፈር ኣንብሮ። ስርዓተ ሱር ምስ ኣማዕበለ ንኽፈልስ ድሉው ይኸውን።

ኣብ ዝለዋወጥ ኩነተጠፈራዊ ዞባ፡ ካብ ዘርኢ ቆልቋል ሓበሻ ንምብቋል፡ ካብ 15 ክሳብ 18° ምቘት ኣብ ዘለዎ ግዜ ኣብ ፈለማ ቀውዒ ክዝራእ የድሊ።

ኣኰሳዅሳ

ኣተዓባብያ ገረብ ቆልቋል ሓበሻ ቅልል ዝበለ ኢዩ። ምዉቕ ዝበለ ኩነት ኣየር ይመርጽ። ኣብ ምሉእ ጸሓይ ዘለዎ ወይ ሓውሲ-ጽላል ክዓቢ ይኽእል። ግና ኣብ ድሙቕ፡ ቀጥታ ብርሃንጸሓይ ዘለዎ ይስስን። ትሑት ጠሊ ዝጻወርን ውሑድ ማይ ዝጠልብን ስለዝዀነ፡ ንደረቕ ኩነተጠፈር ዘወናውን ኢዩ። ቆልቋል ሓበሻ ማእከላይ ቅልጣፈ ዕብየት ኣለዎ። ኣብ 3 ክሳብ 5 ዓመታት፡ ገዚፍ ውሕሉል ግርማመሬት ይኸውን።

ብሓፈሽኡ ገረብ ቆልቋል ሓበሻ ምስ ጽቡቕ-ፍሰት ዘለዎ ሓመድ ይሰማማዕ። ብጠሊ ዝዘቕበበ ሓመድ ኰነ ማይ ዝሕዝ ዘበለ ምምሽማሽ ሱር የስዕበሉ። ብፍላይ ቆልቋል ሓበሻ ምስ ሑጻውን ዱዃውን ሓመድ ዝጋጣጠም ኢዩ። ኣብ ልኡም መጭቋር፡ ላንጋላንጋ ከምኡ፣ውን መሰረታዊ (ልኡም ኣልካላዊ) ሓመዳት ክሕረስ ይከኣል። ኣብ ብመኣዛታት ዝነደየ ሓመድ ክበቝል ዝኽእል ኢዩ። ደረቕ ሓመድ ዘየጸግሞ ኰይኑ፡ ደርቂ እውን ይጻወር። ብንእሽትኡ ከሎ ኣብ ውሽጢ ቤት ምብቋል ይሰማምዖ፡ ብቐሊሉ እውን ናብ ናሕሲ ይበጽሕ።

ኣብ ቁራዕ ዝበቝል ተኽሊ ቆልቋል ሓበሻ፡ ብቐንዱ ከምእኒ ዋላኻ፡ ደርነግ፡ ዝበሉ ዘይህዋሳዊ ጥረነገራት ዝሓዘ ከምኡ፣ውን ሒደት ዓምቦዕጸ ወይ ዕሰት-ቈጽሊ ጥራሕ ዘካተተ፡ ነፋሻ ድብላቕ ሓመድ ክዋሃቦ የድሊ። ንእሽቶ ቁራዕ ይፈቱ። ኣዚዩ እንተቀይሑ፡ ሰራውሩ ብግቡእ ከምዘይማዕበሉ ዘረድእ ምልክት ኢዩ። ኣብ ሓድሽ መብቈሊ ሓመድ ከም እንደገና ቆራዓዮ። ኣብ ነፍሲወከፍ 2 ክሳብ 3 ዓመታት ወይ ቁራዕ ሰፈሩ ምእካል ምስዝኣብዮ፡ ተኽሊ ቆልቋል ሓበሻ ኣብ መወዳእታ ጫፍ ክረምቲ ወይ ኣብ ምጅማር ቀውዒ ዳግመምቑራዕ የድልዮ። ጽቡቕ-ዘፍስስ ድብላቕ ሓመድን ነዃላት ዘለዎ ቁራዕን ተጠቀም። ሰራውሩ መታን ከይህሰ ነቲ ተኽሊ ብጥንቃቐ ሕዞ። ካብ መርዛም ነዝዑ ነብስኻ መታን ክትከላኸል ድማ ጓንቲ ልበስ።

ኣብ ንጡፍ ዝበቝለሉ ወቕቲ (ኣብ እንዳባዊ ቦታኡ ካብ መስከረም ክሳብ መጋቢት)፡ ቆልቋል ሓበሻ ብስሩዕ ማይ ክሰቲ ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ደርቂ ናይ ምጽዋር ባህሪ ስለዘለዎ ውሑድ ምድግጋም ስትየት ማይ ምክያድ ኣዚዩ የገድስ። ቅድሚ ምስታይ ማይ ሓመዱ ምሉእብምሉእ ክነቅጽ የድሊ። ኣብ ዙርያ ሰራውሩ ማይ ክውህለል ፍጹም ክፍቀድ የብሉን። ኣብ ክረምቲ ዳርጋ ምሉእብምሉእ ክደርቕ ክግደፍ ኣለዎ።

ኣብ ሓጋይ ቆልቋል ሓበሻ ካብ መግቢ መዳበርያ ክረብሕ ይኽእል ኢዩ። እንተተኻኢሉ፡ ልዑል ትሕዝቶ ሓሞኽሻዮ ዘለዎ፡ ንኹላቶም ደቂቕመኣዛታት ወ ኣሰር ባእታታት እንከላይ ዘጠቓለለ መዳበርያ ናይ ኦምበለስን ስቡሕ ተኽልን፡ ወይ ከኣ ደንጒዩ ዝብተን መዳበርያ ተጠቀም። ቆልቋል ሓበሻ ሒደት መዳበርያ ክዋሃቦ ኣለዎ። ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ መዳበርያ ምግባር መብዛሕቱሳዕ እኹል ኢዩ። ኣብ ግዜ ትኻሱ መዳበርያ ክዋሃቦ የብሉን።

መጠንቀቕታ!

ከም ዳርጋ ኩላቶም ቆልቋላት፡ ነዝዒ ቆልቋል ሓበሻ ተባላዕን መርዛምን ኢዩ። ብቆርበት እንተ ተተንኪፉ ነድርን ምሽልባጥን ከስዕብ ይኽእል። እንተ ተዋሒጡ ነዝዒ ቆልቋል ሓበሻ ውጽኣት ወይ ካብኡ ዝገድድ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል። ናብ ዓይኒ እንተኣትዩ ግዝያዊ ወይውን ቀዋሚ ዑረት ከስዕብ ይኽእል። ስለዚ ምሓዝ እዚ ተኽሊ ጥንቃቐ ዝሓትት ኢዩ። ምስ ቆልቋል ሓበሻ ክትዓዪ ከለኻ ጓንቲ ምጥቃም ኣዚዩ ይምከር።

ነዝዒ ቆልቋል ሓበሻ እንተተጸይቕካ፡ ቅድሚ ምጽራይካ ገጽካ ኰነ ኣዒንትኻ ኣይትተንክፍ። ብማይን ሳምናን ተሓጸብ።

መወከሲታት

Bein, E. and others (1996) Useful Trees and Shrubs in Eritrea: Identification, Propagation and Management for Agricultural and Pastoral Communities. Regional Soil Conservation Unit: Nairobi.

Bekele-Tesemma, Azene (2007) Useful Trees of Ethiopia: Identification, Propagation and Management in 17 Agroecological Zones. RELMA in ICRAF Project: Nairobi.

EarthOne. How To Grow Euphorbia abyssinica. Retrieved from https://earthone.io/plant/euphorbia%20abyssinica?srsltid=AfmBOop5q_kv9MqJ6plOlrZFFDvN_XXuMdCHr9ELK8Iu3I0TFFiKEswn

Fern, Ken (2025) Euphorbia abyssinica J.F.Gmel. Useful Tropical Plants. Tropical Plants Database, Ken Fern. tropical.theferns.info. 2025-09-06. Retrieved from https://tropical.theferns.info/viewtropical.php?id=Euphorbia+abyssinica

The Encyclopedia of Living forms. “Euphorbia abyssinica” Text available under a CC-BY-SA Creative Commons Attribution License. www.llifle.com 14 Nov. 2005. 06 Sep 2025. Retrieved from https://www.llifle.com/Encyclopedia/SUCCULENTS/Family/Euphorbiaceae/1958/Euphorbia_abyssinica

PictureThis. How to Grow and Care for Euphorbia abyssinica. Retrieved from https://www.picturethisai.com/care/Euphorbia_abyssinica.html

Plant Resources of Tropical Africa (PROTA). Euphorbia abyssinica. Retrieved from https://prota.prota4u.org/protav8.asp?g=pe&p=Euphorbia%20abyssinica

Royal Horticultural Society (2025) Euphorbia abyssinica – Abyssinian spurge. RHS Gardening. Retrieved from https://www.rhs.org.uk/plants/7035/euphorbia-abyssinica/details

World of Succulents. Euphorbia abyssinica (Desert Candle). Retrieved from https://worldofsucculents.com/euphorbia-abyssinica-desert-candle/#google_vignette