እቶም ቀንዲ ሓበሻውያን ንኽገፉ ዝድርኽዎም ዝነበሩ መኽንያታት፡ ዕለታዊ መግቦም ንምህብታም ከምኡ፣ውን ኣብቶም ብወግዒ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ምድረሓበሻ ዝካየዱ ዝነበሩ ሰሙናዊ ዕዳጋታት ዝሸጥዎን ዝልውጥዎን ንምርካብ ነይሮም። ብፍላይ ክርስትያን ሓበሻውያን፡ ኣብ እዋን ጾም ከም መተካእታ ናይቲ ኣብ ግዜ ጾም ክቐምስዎ ዘይፍቀደሎም ዝነበረ ስጋ እንስሳታት መሬት ኰይኑ የገልግሎም ስለዝነበረ ብልዒ ዓሳ የዘውትሩ ነይሮም።

ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ካብ ዳሕረዋይ ክፋል ለካቲት ክሳብ ፈረቓ ሚያዝያ ዝጸንሕ ጾም-ኣርባዓ ዝዓበየ ወቕቲ ምግፋፍ ዓሳ ምድረሓበሻ ነይሩ፡ ከምቲ ክረምቲ እዋን ምእራይ ኣሕምልቲ ዝነበረ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ሹመኛታት ምድረሓበሻ ብተደጋጋሚ ሰፊሕ ወፈራታት ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ቀላያትን ኣፍላጋትን የካይዱ ነይሮም። ጭዋ ሰብ ልምዲ ምግፋፍ ዓሳ ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ። ኣብ እዋን ጾም ኣብ ማኣዲ ዓሳ ከቕርብ ዘይክእል ሹመኛ ብሕብረተሰብ ይነዓቕ ነይሩ። ሹመኛታት ምድረሓበሻ ዓሳ ንምግፋፍ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፦

ዝዀነ ዓሳ ንኽገፍፍ ድሌት ዘለዎ ሹመኛ መጀመርታ ንኹሎም ክሳተፉ ዝደልዩ ኣባላት ቤቱን ሳዓብቱን ይእክቦም። ንገለ ካብኣቶም ነቶም ከም ባልዶንጋ ኣብ ንእሽተይ ለቖታ ዝበቝሉ ፍረታት ገረብ በርበራ (በርክልቲ መራት) ክኣርዩ ይእዝዞም። ምግፋፍ ዓሳ ኣቐዲምካ ኣብ ዝውጠነሉ፡ ፍረታት ገረብ በርበራ ከም ሕመረት መግፈፊ ዝያዳ ይምረጽ ነይሩ። መኽንያቱ ከኣ ብቐሊሉ ስለዝጐዓዓዝን ዋላውን ቀዲምካ እንተተዳለወ እንታይነቱ ስለዘየጥፍእን ኢዩ። ንኻልኦት ወፋሮ፡ ክሳብ ዘይታም ድልኽ ዝኸውን ኣጸቢቖም ነቲ ፍረታት በርበራ ኣብ መጉእ ክጐድእዎ ዕማም ይዋሃቦም። ካልኦት ኣባላት ድማ ናብ ዕንክሊል ብምልጋብ ምስ ነዊሕ በትሪ ዝእሰር ናኣሽቱ መቝለቢ-መርበባት ከዳልዉ ስራሕ ይዋሃቦም። እዚኦም እቲ ጎይታ፡ መኳንንቱን ክቡራት ኣጋይሹን ዝጥቀምሎም ኣቕሑ ኢዮም። ኩሉ እዚ ምድላዋት ቅድሚ እታ ዓሳ ዝግፈፈላ መዓልቲ ክፍጸም የድሊ።

ኣብታ ዝተቘጽረት ዕለት፡ ኩሎም ወፋሮ ምግፋፍ ዓሳ ናብቲ ክገፍሉ ዝተመደበ ክፋል ናይቲ ፈለግ ወይ ቀላይ ብሓንሳብ ይግስግሱ። ብዝበጽሑ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ድልኽ/ሓሩጭ በርበራ ኣብ መንጎ እቶም ኣገልገልቲ ይከፋፈል። ንሳቶም ከኣ ኣብ ነነጸልኦም ይቕበልዎ። ኣብቲ እዋን፡ ብስኽራን ተጠቃዒ ዝዀነ ሰብ ፈለማ ናብቲ ዓሳ ዝግፈፈሉ ማይ እንተኣትዩ ከም ጽቡቕ ፋል ይርአ ነይሩ። እዚ ድማ ከም ኩላቶም ሕብረተሰባት ማእከላይ ዘመን፡ ሓበሻውያን እውን ኣብ ሓይሊ ተምሳልነት ይኣምኑ ስለዝነበሩ ኢዩ። እቶም ዓሳታት ቅድሚ ኹሉ ነቲ ኣብቲ ብመስተ ዝጥቃዕ ሰብ ዘሎ መንፈስ ስኽራን እንተተቓሊዖም፡ ግዳያቱ ክዀኑ ኢዮም ዝብል እምነት ንማለት ኢዩ። ስለዚ፡ ፈለማ ሓደ ሰኽራም ምዃኑ ዝተፈልጠ ሰብ ወይውን ብውሑድ መስተ ዝሰክር ሰብ፡ ቅድሚ ኹላቶም ናብቲ ማይ ክኣቱን ክባርኾን ይግበር ነይሩ። ባርኾቱ ብዝወድአ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ሓሩጭ በርበራ ብነጸልኡ ገይሩ ናብቲ ማይ ክብትኖ ይጅምር።

ብድሕርዚ እቶም ኣገልገልቲ ናይቲ ሹመኛ ይስዕቡ። ናብቲ ማይ ዘሊሎም ብምእታው ከምኡ፣ውን ናብቲ ዝዓመቘ ብምሕንባስ፡ ነቲ ሓሩጭ በርበራ ክሳዕ ብምልኡ ዝሓቅቕ በብነጸልኦም ይብትንዎ። እቲ ሓሩጭ መግፈፊ ዓሳ ነቲ ማይ ጻዕዳ ዝሕብሩ ይገብሮ። እንተዀነ ግና መብዛሕትኡሳዕ ብዙሕ ዝቝጽሩ ሰብ ናብቲ ማይ ስለዝኣቱ ከይደንጐየ ይጭቁ። እቲ ጎይታን ክቡራት ዓጀብቱን ግና ናብቲ ማይ ኣይኣትዉን ኢዮም። ኣብክንድኡ፡ ኣብቲ ዓሳታት ብመቝለቢ-መርበብ ንምሓዝ ዝምችእ ክፋላት ናይቲ ደንደስ ማይ ይቘሙ።

ሓሩጭ በርበራ ምስ ተበጽበጸ፡ ብኡንብኡ እቶም ዓሳታት ኣብቲ ልዕለገጽ ናይቲ ማይ ይቕልቀሉ። እቶም ሕፉራት ሰባት ናብቲ ማይ ከይኣተዉ ብመቝለቢ-መርበቦም ጥራሕ ገይሮም ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ዓሳ ክሕዙ ይፍትኑ። እቶም ትሑታት ህዝቢ ብወገኖም፡ ምስ ናሓድሕዶም ብነጸላታቶምን ኣእዳዎምን ብዝተኻእለ መጠን ዝበዝሐ ቝጽሪ ዓሳታት ንምሓዝ ይወዳደሩ።

ኣብ ኣፍላጋት፡ እቲ ሕመረት በርበራ ክሳብ ብርክት ዝበለ ኪሎሜተራት ታሕታይ እቲ ሩባ ዝርከቡ ዓሳታት ይጸሉ። እቶም ዝዓበዩ ዓሳታት ድሕሪ ገለ እዋን ካብ ድንዛዚኦም ይናገፉ፡ ገለ ካብቶም ናኣሽቱ ዓሳታት ግን ተሰሚሞም እውን ይመቱ ኢዮም።

ምግፋፍ ዓሳ ብዝተወድአ፡ እቶም ወፋሮ ዓሳ ናብ መንበሪ እቲ ሹመኛ ይምለሱ። እቶም ኣገልገልቲ ነቲ ዝሓዝዎ ዓሳታት ንበይኑ ፈልዮም የምጽኡ። ገለ ክፋል ናይቲ ዝተታሕዘ ዓሳታት ናብ ኣሰላፊ ናይቲ ጎይታ ይርከብ፡ ዝተረፈ ድማ ንፈተውቲ ሹመኛ ይከፋፈል።

መወከሲታት

Pearce, Nathaniel (1831) The Life and Adventures of Nathaniel Pearce. Edited by John James Halls. Volume 2. Cambridge University Press.

Parkyns, Mansfield (1853) Life in Abyssinia: Being Notes Collected During Three Years’ residence and Travels in that Country. Volume I. John Murray: London.

Plowden, Walter Chichele (1868) Travels in Abyssinia and the Galla Country: With an Account of a Mission to Ras Ali in 1848. Edited by Trevor Chichele Plowden. Longmans, Green, and Co.: London.

Harris, William Cornwallis (1844) The Highlands of Ethiopia. 2nd edition. Volume II. Longman, Brown, Green, and Longmans: London.

Neuwinger, H. D. (2004) Plants used for poison fishing in tropical Africa. Toxicon, Vol.44 No.4, pp.417-430. Elsevier Ltd.

Bein, E. and others (1996) Useful Trees and Shrubs in Eritrea: Identification, Propagation and Management for Agricultural and Pastoral Communities. Regional Soil Conservation Unit: Nairobi.

Bekele-Tesemma, Azene (2007) Useful Trees of Ethiopia: Identification, Propagation and Management in 17 Agroecological Zones. RELMA in ICRAF Project: Nairobi.