እዚ ካብ መዛግብዕለት ናይ ቆንስል ብሪጣንያ ኣብ ምድረሓበሻ ካብ 1848 ክሳብ 1860 ዝነበረ ኣይቶ ዋልተር ቺቸል ፕላውደን1 ዝተወስደ ጽሑፍ ኢዩ። ንኣብ ጥቓ ባህርዳር ኣብ 1850ታት ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝተገብረ ውዕሎ ያታዊ ምግፋፍ ዓሳ ድማ የዘንቱ።
ሓደ መዓልቲ፡ መላእ ተቐማጦ ከተማ ባህርዳር ዓቢ ወፈራ ምግፋፍ ዓሳ ንምክያድ ስለዝነቐሉ፡ ንሕና እውን ተጸንበርናዮም። ሓደ ብኣምሓርኛ ቢርቢራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍጣር ፍረምረ ኣሎ። ኣብ ከም ባልዶንጋ ዝመስሉ ናኣሽቱ ለቖታታት፡ ከም ናይ ጨዓ ኣቝጽልቲ ኣብ ዘለዎ ገረብ ከኣ ይበቝል። እዚ በርበራ (በርክልቲ መራት) ኢዩ።
እዞም ባልዶንጋታት በርበራ መጀመርታ ኣብ ጸሓይ ከም ዝነቕጹ ይግበር እሞ፡ ብድሕሪኡ ብኣብ ኩሉ ቤት ሓበሻ ዝርከቡ፡ ኣብ ጫፋቶም ልሙጻትን ከበብትን ዝዀኑ፡ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ረጐድቲ ኣባትር ጌርካ፡ ኣብ ዓቢ መጉእ ዕንጸይቲ ክሳብ ሓሩጭ ዝዀኑ ይድቈሱ። እዞም ፍረታት ኣዚዮም ተረርቲ ስለዝዀኑ ምጉድኦም ኣዚዩ ኣህላኺ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ድቋስ በርበራ ናብ ዝዛሪ ዋሓዚ እንተተነስኒሱ፡ ከም ብዝሒ መጠኑ ንብምልኦም ኣብ ገለ ርሕቀት ዘለዉ ዓሳታት የስክሮም፡ ካብ ዝስምሞም ንላዕሊ። እዚ ዓይነት መፈስሒ ኩላቶም ሹመኛታት ምድረሓበሻ ዝፈትውዎ መዘናግዒ ኢዩ።
ነፍሲወከፍ ዝደቘሶ ብምውጻእ፡ ነቲ ዝኣከብናዮ ምስ ቈጸርና፡ ሽዱሽተ ማደጋ ጥራሕ ኰይኑ ረኺብናዮ። ማደጋ ናይ ኣምሓሩ ያታዊ መስፈር ሚዛን ኰይኑ፡ ንኸም እኽሊ ዝበሉ ደረቕ ጥረነገራት ንምዕቃን ይጥቀምሉ። ሓደ ማደጋ ፍርቂ ሊትሮ ኣቢሉ ይኸውን። ስለዚ ሽዱሽተ ማደጋ ዳርጋ 3 ሊትሮ ኢዩ።
ድሕሪ ቁሩብ ኢሂንሚሂን እንገፈሉ ቦታ ሓረና። ተጠቃዓይ ናይዚ ኣጋጣሚ ንኽኸውን ድማ ናብ ፈለግ ኣባይ ኣምራሕና። እቲ ሓሩጭ በርበራ ናብቲ ውሽጢ ዛራዪ ኣብ ሓደ ኣብ ታሕታይ ክፋሉ ናብ ሰፊሕ ዋሓዚ ዝኣቱ ጸቢብ ፈጥኒ ተነስነሰ። ገለ ክፋላት ናይቲ ዋሓዚ ቀረባ እኳ እንተነበረ፡ ካልእ ክፋላቱ ግና ዓሚቝ ነይሩ። ኣብኡ ድማ ሰብእቶምን ኣወዳቶምን ናብቲ ማይ ብምእታው በቦትኦም ሓዙ።
መዕለቢ-መርበብ ዝመስል መርበባት ዝነበሮም ኩላቶም ክንደይ ኰን ተደሰቱ። ከመይ፡ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ደቒቕ፡ እቶም ዓሳታት ናብቲ ልዕለገጽ ማይ ክበርቁ ጀመሩ። ብዘገምታ ንገለ ሒደት ሰከንድታት ኣዕሪፎም ትልኽ በሉ እሞ፡ ብቕልጡፍ ኣንሸራተቱ። ብግሉጽ እውን ተሰራሰሩ። ገለ ካብኣቶም ባዕሎም ናብቲ ደንደስ ሩባ ደየቡ። ካልኦት ከኣ ንላዕሊ ክጥምቱ ከለዉ ኣብ ኣራእሶም ብበትሪ ተወቕዑ። ብነጸላታትን ስረታትን፡ ኮታስ ብኹሉ ዘኽእል ዘበለ ተታሕዙ። ሆይሆይታን ዓሳ ንምቑላብ ምስ ናሓድሕድካ ምድፍፋእን ኰነ። ካብቶም ሽዑ ጻዕዳ ከብዶም ንላዕሊ ዝተገምጠለ እዚ ዘይብሃል ቁጽሪ ዝነበሮም ዓሳታት ምምራጽ ኣሸጋሪ ነበረ። ዘስዓቦ ጫውጫውታን ሰሓቕን ከኣ ድንቂ ነይሩ።
ኣብቲ ገምገም ሩባ ኮፍ ኢለ በቲ ትርኢት ይዘናጋዕ ነበርኩ። እቶም ከም ኣረገውቲ ዝተቘጽሩ እውን ንኣብነተይ ንገለ እዋን ተኸተሉ፡ ወይ ኣብ ጫፍ ናይቲ ማይ ብምኻድ ኣራእስ ሓደ ክልተ ዝዀኑ ዓሳታት ብምልታም ነብሶም ኣዕገቡ። ይኹን እምበር፡ ንሳቶም እውን ከይደንጐዩ ህንጡይነት ስለዝሓደሮም ኣልባሳቶም ብምውጻእ ሽዑንሽዑ ከምቶም ካልኦት ተግሁን ጫውጫው በሉን። ሽሕ ወይ ልዕሊኡ ሰብ ዝነበርና ይመስለኒ። ቁሩብ ምስቶም ናብቲ ስግር ገምገም ናይቲ ሩባ ንዝኸዱ ገለ ጽቡቓት ገዘፍቲ ዓሳታት ዝወሰዱልና ተቐማጦ መንጽር ደንደስ ናይቲ ሩባ ድሕሪ ምቝያቝና፡ ሰፍ ዘይብል ጽዕነት ዓሳ ተሰኪምና ካብ ውዕሎና ተመለስና።
ሓደ ኣምባዛ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ዋላውን ኣብ ግዜ ስኽራኑ ጥንቁቕ ዝዀነ፡ ጸሊም ዓሳ ነይሩ። ክትሕዞ ኣይከኣልን ኢዩ። ንቕጽበት ናብ ላዕሊ ይጥምት እሞ፡ ብቕልጡፍ ይስወር። ንኣቓልቦ እንዶ ዘይብሎም ሰባት ንምዝንባል ጥራሕ ኢዩ ዘገልግል። ኣብ ቀላይ ጣና እውን ዝርከቡ ኰይኖም፡ ጭልቚት ዓሳ ንምብላዕ ኣብ መንጎ ኣኻውሕ ክዋናጨፉ ከለዉ ወይጦት (ኣብ ዙርያ ቀላይ ጣና ዝቕመጡ ዝነበሩ፡ ብምግፋፍ ዓሳን ሃድን ጎመራን ዝናበሩ ህዝቢ) ብኲናት ይወግእዎም። እዚ ዓሳ ዳርጋ ጸሊም ኰይኑ፡ ካብ ፍርቂ ክሳብ ሓደ ሜትሮ ዝበጽሕ ንውሓት ኣለዎ። ብመልክዑን ኣስናኑን ምስ ንእሽተይ ሻርክ ዳርጋ ይመሳሰል። ኣዚዮም ሃርጋፋት ኢዮም። ገለ ሰባት እውን ጥረ ስግኦም ብሉጽ ብልዒ ምዃኑ ይዛረቡ።
መወከሲ
- Plowden, Walter Chichele (1868) Travels in Abyssinia and the Galla Country: With an Account of a Mission to Ras Ali in 1848. Chapter 13. Edited by Trevor Chichele Plowden. Longmans, Green, and Co.: London. ↩︎