እንዳባዊ ሰፈር ገረብ ዓየ ኣብ ጸሓያዊ ኣፍሪቃ (ሰሜንምብራቓዊ፡ ምብራቕ፡ ምዕራብ-ማእከላዊ፡ ምዕራብ፡ ወ ደቡብ)፡ ደቡባዊ ኣፍሪቃ፡ ከምኡውን ደቡብምዕራባዊ ክፋል ሓውሲደሴት ዓረብ ኢዩ። ብተፈጥሮ ብብዝሒ ኣብ መሬትዕንጸይቲ ወ ዕንጸይታዊ ሳቫና፡ ሓደሓደ እዋን ከኣ ኣብ ወሰናስን ዝያዳ ጠሊ ዘለዎ ዱር፡ ክሳብ 1350 ሜትሮ ብራኼ፡ ሳሕቲ እውን ክሳብ 2000 ሜትሮ ይበቍል። ኣብ ሓያለ ንቕጽ ዝበሉ ኣከባቢታት፡ ብብዝሒ ኣብ ሩባዊ ዱር ይርከብ። ማእከላይ ዓመታዊ መጠን ዝናብ ናይቶም ዝተዘርወሎም ቦታታት ካብ 300 ክሳብ 2000 ሚሊሜትሮ ኰይኑ፡ ሓደሓዲኦም ክሳብ 8 ኣዋርሕ ድሩቕ ወቕቲ ኣለዎም። ገረብ ዓየ ብቐንዱ ኣብ ዝያዳ ሃብታም፡ ዓሚቝ ሓመድ፡ ብብዝሒ እውን ኣብ ዝገታዊ ሓመድን ጒላ ፍልሖን፡ ይበቍል። ግን ሓሓሊፉ ኣብ ከዋሕቲ ቁልቁለታት ኩርባ ይርከብ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ፍረመለኮት ዓየ ኣዚዩ ብብዝሒ ዝተበተነ ኰይኑ፡ ካብ ሰኔጋል ምብራቕ ናብ ኤሪትራ፡ ኢቲዮጲያ ወ ኬንያ፡ ከምኡውን ደቡብ ናብ ናሚቢያ፡ ሰሜናዊ ደቡብ ኣፍሪቃ ወ ስዋዚላንድ ይርከብ። እንተዀነ ግና ኣብቶም ዝያዳ ጠሊ ዘለዎም ዞባታት ዱር ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዳርጋ የለን።

ኣብ ኤሪትራዓየ ወትሩሓምላይ ገረብ ናይ ማእከላዊ ክሳዕ ትሑት ብራኼታት ኢዩ። ብተፈጥሮ ኣብ መሬታትዕንጸይቲ፡ ኣብ ከዋሕቲ ጸድፍታት ናይ መታሕት ሳቫና፡ ኣብ ጣሻታት ቆልቋል ከምኡውን ኣብ ደንደሳት ሩባ ካብ 700 ክሳብ 1600 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ብቐንዱ ይበቍል።

ኣብ ኢቲዮጲያፍረመለኮት ዓየ ወትሩሓምላይ ገረብ ናይ ማእከላዊ ክሳዕ ትሑት ብራኼታት ኢዩ። ኣብ በረኻ፡ ነቓጽ፡ ጥሉል፡ ወ ጥልቁይ ቆላ ከምኡውን ኣብ ወይነደጋ መሕረስኩነተጠፈራዊ ዞባታት ናይ መብዛሕትአን ክልላት ይርከብ። ብተፈጥሮ ብቐንዱ ኣብ ከዋሕቲ ጸድፍታት ናይ መታሕት ሳቫና፡ ኣብ ጣሻታት ቆልቋል፡ ከምኡውን ኣብ ደንደሳት ሩባ፡ ካብ 300 ክሳብ 2000 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ይበቍል።

ኣብ ሓውሲደሴት ዓረብ፡ ገረብ ዓየ ኣብ ደቡብምዕራባዊ ከበሳታትን እግሪእግሮምን ዝተደረተ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ኣብ የመን ኣብ ደንደሳት ወቕታውያን ዋሓዝቲ ከምኡውን ኣብ ብጠሊ ሃብታም ዝዀኑ ጸድፊ ኣኽራናት ይርከብ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ እውን ኣብ ልዑል ጠሊ ወይ ቀዋሚ ትሕቲመሬት ማይ ዘለዎም ሒደት ከባቢታት ሳሕቲ የጓንፍ ኢዩ።

ፍረመለኮት ዓየ መልሕቕ ስነከባቢ ኢዩ። ዝተፈላለዩ ሓሳኹ ከም ንህቢ፡ ዕኮት ዝበሉ፡ ካብ ዕምባባታቱ ስለዝቕለቡ ኣብ ምጽጋዩ ተራ ኣለዎም። ዘራእቲ ዓየ ብዝናብ ዝፈጠሮ ዛራ ማይ ወይ ከኣ ብዒባ ፍረታቱ ዝበልዑ እንስሳታት ይብተኑ። ፍልሖታት ብዙሕሳዕ ኣብ ዙርያ እዚ ገረብ መዕቘቢኦም ይሰርሑ፡ ካብ ስሩ እውን ይምገቡ። እቲ ገረብ ዓየ ድማ ፍልሖታት ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ባይታ ብምስፋሮም ጠልን እስትንፋስን ይኸስብ። ኣትማን ነቶም ፍረታት ዓየ ዝበልዑ ሓየኽቶትን ገለ ኣዕዋፍን ስለዝምገቡ ኣብ ዙርያ ዓየ ወይ ኣብ ቀረባኡ ምቕማጥ ይፈትዉ። በዚ ድማ ፍረታቱ ብምልኡ ተበሊዑ ዘርኢ ዘይብሉ ከይተርፍን ናኣሽቱ ብቋላቱ ከይበርሱን ዝሕልዉ ዘብዐኛታት ኰይኖም የገልግልዎ።

ብዙሓት እንስሳታት ካብ ዓየ መግቦም ይምእርሩ። ከም ርግቢት፡ ደንቆሮ፡ ዝበሉ ኣዕዋፍ፡ ህበይ፡ ዋዓግ፡ ወዘተ፡ ፍረታት ዓየ ካብ ጨናፍር ይበልዑ። ዝወደቐ ፍረታት ዓየ ብኸም ዓጋዜን፡ ኢራብ፡ ውኻርያ ዝበሉ እንስሳታት ይልቀም። ኣቝጽልቲ ዓየ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ዘገዳምን ቤትን፡ ከም ሓርማዝ፡ ዓጋዜን፡ ቶርዓ፡ ኣጣል፡ ከብቲ፡ ዝበሉ ይበልዕዎ።

መወከሲታት

Bein, E. and others (1996) Useful Trees and Shrubs in Eritrea: Identification, Propagation and Management for Agricultural and Pastoral Communities. Regional Soil Conservation Unit: Nairobi.

Bekele-Tesemma, Azene (2007) Useful Trees of Ethiopia: Identification, Propagation and Management in 17 Agroecological Zones. RELMA in ICRAF Project: Nairobi.

Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1848) Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara: Atlas. Paulin: Paris.

Plant Resources of Tropical Africa. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://prota.prota4u.org/protav8.asp?g=pe&p=Diospyros%20mespiliformis

PlantZAfrica. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://pza.sanbi.org/diospyros-mespiliformis

Useful Tropical Plants. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://tropical.theferns.info/viewtropical.php?id=Diospyros+mespiliformis

Tropical Plants Database, Ken Fern. tropical.theferns.info. 2025-09-30.

Kew Science – Plants of the World Online. Diospyros mespiliformis Hochst. ex A.DC. Retrieved from https://powo.science.kew.org/taxon/urn:lsid:ipni.org:names:322702-1#:~:text=Angola%2C%20Benin%2C%20Botswana%2C%20Burkina,Sudan%2C%20Tanzania%2C%20Uganda%2C%20Yemen

Alaklabi, A. et al. (2014). Nucleotide based validation of the endangered plant “Diospyros mespiliformis” (Ebenaceae) by evaluating short sequence region of plastid rbcL gene. Plant Omics, 7(2), 102–107. https://search.informit.org/doi/10.3316/informit.319956566080418