ፍረመለኮት ዓየ ክልአሰብነታዊ ፍጣር ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ውልቃዊ ገረቡ ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ኢዩ። ሸቶ ምትካል ገረብ ዓየ ፍሪኡ ንምርካብ ወይ ዘርኡ ንምሕፋስ እንተዀይኑ፡ ዕዉት ጽግኣት ንምርግጋጽ ክልቲኡ ተባዕታይን ኣንስታይን ቈይምታቱ ጥቓንጥቓ ምብቋል ወሳኒ ኢዩ።

ብሓፈሽኡ ዓየ ተዓጻጻፍን ጥንኩርን ገረብ ኢዩ። ዕዉት ምውህሃድ እዚ ተኽሊ ኣብ መሳናድኦታት መልክዐመሬትን ሕርሻኦምን ከኣ ንምብቋሉን ኣከያይድኡን ዘድሊ ፍሉይ ጠለባት ብግቡእ ምርዳእ የድሊ።

ከባብያዊ ረቛሒታት ዓየ

ፍረመለኮት ዓየ ኣብ በብዓይነቱ ሓመድ ዝርዕም እኳ እንተዀነ፡ ጥሉል ኩነታት ይሓሪ። ኣብ ቀይሕ ድዃ፡ እሳተጎመራዊ ሓመድ፡ ረዚን ሓመድ፡ ድዃዊ ሑጻ፡ ከምኡውን ኣብ ጥቓ ወቕታዊ መንገዲሩባ ወይ ዓዘቕትታት ዝርከብ ከዋሕ ሓመድ ጽቡቕ ይበቝል። ዓየ ዝበቝለሉ ተመራጺ መጭቋርነት ሓመድ ኣብ መንጎ 5.5 ወ 6.5 ኰይኑ፡ ኣጠቓላሊ ተጻዋርነቱ ካብ 5.0 ክሳብ 7.0 ብ።መ ኢዩ።

ገረብ ዓየ ዓመታዊ ምቘት ቀትሪ ካብ 16 ክሳብ 27 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝርግሐ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ኣዚዩ ይጥጥዕ። ግና ካብ 12 ክሳብ 34 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ምቘት ክጻወር ይኽእል። ካብ 500 ክሳብ 1300 ሚሊሜትሮ ዓመታዊ መጠን ዝናብ ኣብ ዝረኽበሉ ይስስን። እንተዀነ ግና ናይ ዝናብ ምጽዋር ዓቕሙ ካብ 400 ክሳብ 1500 ሚሊሜትሮ ኢዩ። ፍረመለኮት ዓየ ጸሓይ ዝወቕዖ ስፍራ ዝመርጽ ኰይኑ፡ ሒደት ወይ ምንም ቀዝሒ ኣብ ዘይዓልቦ ከባቢ ጽቡቕ የድምዕ።

ኣበቛቝላ ዓየ

ገረብ ዓየ ካብ ዘርእን ጫልዳ ሱርን ክባቘል ይኽእል። ዋላኳ ዕጽዋታዊ ሜላታት ዝከኣል እንተዀነ፡ ካብ ዘርኢ ምብቛል እቲ እምብዛ ዝዝውተር ኣገባብ ምቛም ሓድሽ ተኽሊ ዓየ ኢዩ። ብዘይካ መባእታዊ ምትካል፡ ዓየ እንተተቘጥቊጡ ኣዕጋቢ ግብረመልሲ ይህብ። እዚ ካብ ጉናድ ናይ ምጥጣዕ ዓቕሚ፡ ቀጻልነታዊ ኣፈጻጽማ ምሕፋስ ምህርቲ ከምኡውን ኣብ ዝተመልከቱ ስርዓታት ሕርሻኦም ዝቐለለ ኣካያይዳ የፍቅድ።

ኣዘራርኣን ማሕረስን ዓየ

ዋላኳ ቅድሚ ምዝርኦም ንዘራእቲ ዓየ ፍሉይ ክንክን ምግባር ኣድላዪ ኣይኹን እምበር፡ ገለ ስጉምቲ ምውሳድ ግና ኣብ ምዅላፍ ትኻሶም ይሕግዝ ኢዩ። እዞም ዝስዕቡ ገለ ኣድማዕቲ ቅድሚ ምዝራእ ክውሰዱ ዝኽእሉ ሜላታት ምድላው ዘርኢ ዓየ ኢዮም፦

  • ብውዑይ ማይ ምጅፋዕ፥ ዘራእቲ ዓየ ኣብ ውዑይ ማይ ኣሊኽካ ምሉእ ለይቲ በቲ በብቑሩብ ዝዝሕል ማይ ክጅፍዑ ምግባር፡ ካብ ትኻሶም የበራብር።
  • ብዋዒ ምትኳስ፥ ንዘራእቲ ዓየ ንሒደት ደቓይቕ ብዋዒ ቁሩብ ምጥባስ ንትኻሶም ይዀልፍ።

ዝበለጸ መብቈሊ ኩነታት ንምምችቻእ መታን ክጥዕም፡ ናይ ምዝራእ ግዝያት ዓየ ብፈረቓዓለም ይፈላለ። ኣብ ሰሜናዊ ፈረቓዓለም ዓየ ካብ ለካቲት ክሳብ መስከረም ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ክትከል የድሊ። ኣብ ደቡባዊ ፈረቓዓለም ግና ካብ ነሓሰ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ክዝራእ ኣለዎ።

ንፈልሲ ዝዀኑ ዘራእቲ ፍረመለኮት ዓየ፡ ኣብ ጸፋሕቲ ብሑጻ ሩባ ዝተመልኡ መዝርኢ ሸሓኒታት ክባቘሉ ኣለዎም። ኣብ ዝተማቻችአ ኩነታት፡ ብቝሎም ኣዚዩ ጽቡቕ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ይቀላቐሉ።

ኣብ ፈለማ መድረኻት ሂወቶም ፈልስታት ዓየ ተነቀፍቲ ኢዮም። ፈልስታቱ መድረኽ ሰለስተ-ቈጽሊ ምስ በጽሑ ብቕልጡፍ ኣብ ቀዋሚ ስፍርኦም ክትከሉ ኣለዎም። ካብዚ እዋን ብዝሓለፈ ምስግጋር ፈልሲ እንተተደናጕዩ፡ እቲ ተነቃፊ ነዊትሱር ናይ ምጕዳእ ሓደጋ ከጋጥሞ ይኽእል። እዚ ድማ ፍሽለት ፈልሲ ከስዕብ ይኽእል፡ ናኣሽቱ ተኽልታት ዓየ ብቐሊሉ ስለዘይፈልሱ።

ፍረመለኮት ዓየ ኣብ መጀመርትኡ ብዘገምታ ናይ ምብቋል ባህሪ ኣለዎ። እንተዀነ ግና ሓንሳእ ኣጸቢቑ ምስቈመ (መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ካልኣይ ዓመቱ) ፍጥነት ዕብየቱ ኣዕርዩ ይውስኽ። ድፍኢት ዕብየቱ ንምዕቃብ ከኣ ስሩዕን ብዙሕን ምስታይ ማይ የድልዮ።

መወከሲታት

Bein, E. and others (1996) Useful Trees and Shrubs in Eritrea: Identification, Propagation and Management for Agricultural and Pastoral Communities. Regional Soil Conservation Unit: Nairobi.

Bekele-Tesemma, Azene (2007) Useful Trees of Ethiopia: Identification, Propagation and Management in 17 Agroecological Zones. RELMA in ICRAF Project: Nairobi.

Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1848) Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara: Atlas. Paulin: Paris.

Plant Resources of Tropical Africa. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://prota.prota4u.org/protav8.asp?g=pe&p=Diospyros%20mespiliformis

PlantZAfrica. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://pza.sanbi.org/diospyros-mespiliformis

Plants of the World Online. Diospyros mespiliformis Hochst. ex A.DC. Kew Science. Retrieved from https://powo.science.kew.org/taxon/urn:lsid:ipni.org:names:322702-1

Kew Science – Plants of the World Online. Diospyros mespiliformis Hochst. ex A.DC. Retrieved from https://powo.science.kew.org/taxon/urn:lsid:ipni.org:names:322702-1#:~:text=Angola%2C%20Benin%2C%20Botswana%2C%20Burkina,Sudan%2C%20Tanzania%2C%20Uganda%2C%20Yemen

Useful Tropical Plants. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://tropical.theferns.info/viewtropical.php?id=Diospyros+mespiliformis

Tropical Plants Database, Ken Fern. tropical.theferns.info. 2025-09-30.