ጥዕናን ፍርያምነትን ፍረመለኮት ዓየ ዝተመላኸተ ከይዳዊ ምትእትታው ዝጠልብ ኢዩ። ብተዛማዲ ዘገም ኢሉ ስለዝበቝል፡ ከይዳዊ ኢደተግባራት ምስ ተፈጥሮኣዊ ስነተርእዮ ናይዚ ገረብ መታን ክጋጠም ብልክዕ ክሰዓት ኣለዎ። ኣብ ወቕቲ ትኻሱ፡ ደረቕ ወቕቲ ኣብ ምውድኡ ወይ ዝናብ ክጅምር ክብል፡ እንተተገብረ ድማ ዝበለጸ ይኸውን። ኣብዚ ዓንቀጽ ሰለስተ መባእታውያን ኢደተግባራት ከይዲ ዕብየትን ቝጻለን ክንድህስስ ኢና። ንሳቶም ከኣ ምቝጥቋጥ፡ ምቕምቃም ወ ምጽልጻል ኢዮም።

ምቝጥቋጥ፥ ካብ መሰረት ምሕዳስ

ምቝጥቋጥ ንገረብ ኣትሒትካ ኣብ ጥቓ ባይታ ምቝራጽ የጠቓልል። ብቝሊ ብርክት ዝበለ ሓደስቲ ጭንፋራትጉንዲ ካብ ጉንዳብ ገረብ ንምቕስቃስ ዝዓለመ ድማ ኢዩ። ኣብ ዓየ ዝፍጸመሉ ቀንዲ መኽንያት፡ ጸቢብ-ሰንጣቒት ዘለዎም ኣእዋም፡ መናደዲሓዊ፡ ወይ መትሓዚታት ናውቲ ንምፍራይ ኢዩ። ኣድማዒ ኣገባብ ዳግመምጉባዝ ዝኣረጉ ወይ ዝሓመሙ ኣግራብ እውን ኢዩ። ብሓፈሽኡ ፍረመለኮት ዓየ ማእከላዊ ክሳብ ሓያል ብቕዓት ምቝጥቋጥ ዘንጸባርቕ ኢዩ፡ ብፍላይ ድማ ብዓዃዩ ከሎ (ኣብ መንጎ 3 ወ 15 ዓመቱ)። ዕድመ ብዝደፍአ ናይ ምቝጥቋጥ ዓቕሙ እንዳተዳኸመ ይኸይድ። ብሓፈሽኡ ገረብ ዓየ 40 ዓመት ምስ ገበረ ወይ ዋናጉንዱ ኣስታት 40 ሰንቲሜተር ርጉዲ እንተሃልይዎ ክቝጥቈጥ የብሉን። ኣገባብ ኣቈጣቝጣ ፍረመለኮት ዓየ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይምከር፦

  • ግዝያት፥ ኣብ ምዝዛም ደረቕ ወቕቲ፡ ዝናብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ክጽልጸል ኣለዎ።
  • ምድግጋምነት፥ ኣብ ነፍሲወከፍ 5-10 ዓመታት።
  • ቁመት ጉንዳብ፥ ኣብ 10-15 ሰንቲሜትሮ ልዕሊ ባይታ ክቝረጽ ኣለዎ።
  • ኵርንዐ፥ ማይ መታን ከይቈጽር፡ ምምሽማሽ ጉንዳብ እውን ከየስዕብ፡ ኣቈራርጽኡ ቀይናን ክኸውን ኣለዎ።
  • ሕርያ፥ እቲ ቐዳማይ ወቕቲ ዳግመምብቋል ምስሓለፈ፡ መታን ናብ ዝጠቅም ኣእዋም ክምዕብል ነቲ ዝተቐልቀለ ሓድሽ ጭንፋራትጉንዲ ናብ 2 ወይ 3 ዝበርትዑ ኣጉናድ ኣስሕዎ።

ምቕምቃም፥ ንብቕዓትን ፍረን ምቕራጽ

ምቕምቃም ክንብል ከለና ጥዕና፡ ቁመና ወ ፍርያምነት ገረብ ንምምሕያሽ ዝግበር ሕርያዊ ምእላይ ጨናፍር ኢዩ። ኣብ ዓየ ዝትግበረሉ ቀንዲ መኽንያት፡ ንጽርበት ወይ መመላኽዒ ዝምችእ ድልዱል፡ ትኽ ዝበለ ቈይሚ ዕብየት ስለዘተባብዕ ኢዩ። ኣብ ምፍራይ ፍረታት እውን ምቕምቃም ብርሃን ናብ ውሽጢ ቝጻለ ክሰሉኽ ይሕግዝ። ኣቀማቕማ ፍረመለኮት ዓየ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይምከር፦

  • ቈይማዊ ምቕምቃም፥ ኣብ ግዜ እተን ቀዳሞት 3-5 ዓመታት፡ ናብ ላዕሊ ዘብል ትኹላዊ ዕብየት ንምትብባዕ ታሕተዎት ጨናፍር እለዮም።
  • ጽሬታዊ ምቕምቃም፥ ብስሩዕ ንዝሞቱ፡ ዝተጐድኡ ከምኡውን ዝመሳቐሉ ጨናፍር እለዮም።
  • ሜላ ምቝራጽ-ሰለስተ፥ ምቕላጥ ልሕጺ ንምውጋድ፡ ፈለማ ነቲ ታሕታይ ወገን ጨንፈር ቝረጾ። ቀጺልካ ነቲ ላዕላይ ወገን ጨንፈር ቁሩብ ልዕል ብምባል ቝረጾ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ትራፍ ካብቲ መላግቦ ጨንፈር እለዮ።
  • ግዝያት፥ ኣብ ምዝዛም ደረቕ ወቕቲ፡ ዝናብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ክካየድ ዝበለጸ ኢዩ። ንዝተዓቝረ ጸዓት ናይቲ ገረብ ስለዝጉሕጉሕ፡ ኣብ ብጽዕጹዕ ዝፈርየሉ ወቕቲ ምቕምቃም ሕደግ።
  • ተደጋጋምነት፥ ኣብ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት።

ምጽልጻል፥ ከይዲ ቁመት

ምጽልጻል ንገረብ ምስ ቈመተ፡ ክልተ ሜትሮ ወይ ልዕሊኡ ምስ በጽሐ፡ ምቝራጽ ኢዩ። እዚ ድማ ንሓድሽ፡ ስቡሕ ብቋል ቋረፍቲ እንስሳታት ከየርክብዎ ብምግባር ገረብ ብውሑስ ክሕደስ የኽእል። ብተወሳኺ ምጽልጻል ንጽላል ዝፈቱ ትሕተብቋል ኣትክልቲ ሽፋን ብዝሐ-ደርባዊ ቝጻለ ዝህብ ኢዩ። ኣብ ፍረመለኮት ዓየ ዝትግበረሉ ቀንዲ መኽንያት፡ ገረብ ከይቀተለ ስሩዕ ቀረብ ብልዒ እንስሳ ከምኡውን መናደዲ ዕንጸይቲ ንምፍራይ ስለዝጠቅም ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ኦመጉስነታዊ ስርዓታት ናኣሽቱ ጭንፋርኣጉናድ ብኸብቲ ኰነ ኣጣል ክልቀሙ ስለዝኽእሉ ፍቱን መፍትሒ ኢዩ። ገረብ ዓየ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክጽልጸል ይምከር፦

  • መበገሲ ብታኽ፥ ልዕሊ ጥሪት ዓዲ ዝለቕማሉ መስመር ዝዀነ ብራኸ ሕረ (2 ሜትሮ ወይ ልዕሊኡ)።
  • ሕጊ “ግምቦ”፥ መበገሲ ነቑጣ ምጽልጻል ብዘቘምካ፡ ነቲ ግምቦ ፍጹም ክትበስዖ የብልካን። ሓደስቲ ጨናፍር ኩሉግዜ ካብቲ ዝሓበጠ መሰረቶም ሕልፍ ኢልካ ክብተኹ ኣለዎም። ግምቦ ጨንፈር ምብሳዕ ንኣውራ ኦም ንምምሽማሽን ሰፍናጋዊ ረኽስን ክቃላዕ ይገብሮ።
  • ተደጋጋምነት፥ ዓየ ንፍሪኡ ወይ ንመመላኽዒ እንተተደልዩ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ 3-5 ዓመታት ክጽልጸል ኣለዎ። ንመግቢ እንስሳ እንተተደልዩ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ 2-4 ዓመታት ክጽልጸል ኣለዎ። ኣመና ብተደጋጋሚ ምጽልጻሉ ነቲ ገረብ ዘዳኽሞን ምህርቲ ፍሪኡ ኣዕርዩ ዘጓድልን ኢዩ።
  • ግዝያት፥ ኩሉሳዕ ኣብ ወቕቲ ትኻሱ (ኣብ ምዝዛም ደረቕ ወቕቲ ወይ ዝናብ ቅድሚ ምጅማሩ) ክጽልጸል ኣለዎ። ከምኡ ምግባር እቲ ገረብ ዝተዓቝረ ጸዓቱ ተጠቂሙ ወቕቲ ዕብየት ክጅምር ከሎ ብቕልጡፍ ሓድሽ ጠጥዒ ከውጽእ የኽእሎ።

መወከሲታት

Bein, E. and others (1996) Useful Trees and Shrubs in Eritrea: Identification, Propagation and Management for Agricultural and Pastoral Communities. Regional Soil Conservation Unit: Nairobi.

Bekele-Tesemma, Azene (2007) Useful Trees of Ethiopia: Identification, Propagation and Management in 17 Agroecological Zones. RELMA in ICRAF Project: Nairobi.

Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1848) Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara: Atlas. Paulin: Paris.

Plant Resources of Tropical Africa. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://prota.prota4u.org/protav8.asp?g=pe&p=Diospyros%20mespiliformis

PlantZAfrica. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://pza.sanbi.org/diospyros-mespiliformis

Plants of the World Online. Diospyros mespiliformis Hochst. ex A.DC. Kew Science. Retrieved from https://powo.science.kew.org/taxon/urn:lsid:ipni.org:names:322702-1

Kew Science – Plants of the World Online. Diospyros mespiliformis Hochst. ex A.DC. Retrieved from https://powo.science.kew.org/taxon/urn:lsid:ipni.org:names:322702-1#:~:text=Angola%2C%20Benin%2C%20Botswana%2C%20Burkina,Sudan%2C%20Tanzania%2C%20Uganda%2C%20Yemen

Useful Tropical Plants. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://tropical.theferns.info/viewtropical.php?id=Diospyros+mespiliformis

Tropical Plants Database, Ken Fern. tropical.theferns.info. 2025-09-30.

Diospyros mespiliformis Ebenaceae Hochst. ex A. DC., accessed April 28, 2026, https://apps.worldagroforestry.org/treedb/AFTPDFS/Diospyros_mespiliformis.PDF

Diospyros mespiliformis – Agroforestree Database, accessed April 28, 2026, https://apps.worldagroforestry.org/treedb2/speciesprofile.php?Spid=691

Diospyros mespiliformis (ebony diospiros) | CABI Compendium, accessed April 28, 2026, https://www.cabidigitallibrary.org/doi/full/10.1079/cabicompendium.19588