እዚ ገጽ ኣብዚ ነቑጣ መርበብሓበሬታ ብዛዕባ ዘለዉ፡ ካብ በ ክሳብ ተ ብዘለዉ ፊደላት ዝፍልሙ ስነሂወታዊ ቃላት ሓጺር መብርሂ የቕርብ። ከም ኣድላይነቱ ድማ ይውስኽ።

በላዕተኛ፥ ኣብ ስነሂወት፡ ኣብ ልዕሊ ወይ ኣብ ውሽጢ ካልእ ህዋሰኛ ተቐሚጡ መኣዛታት ወይ መዕቘቢ ዝኸስብ፡ ነቲ ዘአንግዶ ህዋሰኛ ከኣ ጉድኣት ዘኸትል ህዋሰኛ ዘበለ ኢዩ።

በጽሒ፥ ምሉእብምሉእ ዝዓበየ ቈይሚ ሂወት ዘበለ። ብምልኣት ዝኣኸለ ሰብ፡ እንስሳ፡ ተኽሊ፡ ወይ ካልእ ዓይነት ቈይሚ ሂወት ክኸውን ይኽእል።

ባልዕነት፥ ኣብ ስነሂወት፡ ኣብ መንጎ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጣራት ዘጋጥም ዘይተመላላኢ ዝምድና ኰይኑ፡ ሓደ ህዋሰኛ (እቲ በላዕተኛ) ኣብ ልዕሊ ወይ ኣብ ውሽጢ ካልእ ህዋሰኛ (እቲ ኣእንጋዲ) ብምቕማጥ ገለ መጠን ጉድኣት የስዕብ። እቲ በላዕተኛ መኣዛታት ወይ መዕቘቢ ይኸስብ፡ እቲ ኣእንጋዲ ግና ይዳኸም።

ብስነፍጥረት ዝተቐየረ ህዋሰኛ (ብዝህ)፥ ብስነፍጥረታዊ ህንደሳ ስነፍጥረታዊ ንዋዩ ዝተለወጠ ዝዀነ ሂወታዊ ዘበለ (ተኽሊ፡ እንስሳ፡ ደቂቕህዋሰኛ፡ ወዘተ)።

ብዙሕነትሂወት፥ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርአ ህላዌን ዝርግሐን ህዋሰኛታት ኢዩ። ብብዝሕን ዓይነትን ዝተፈላለዩ ፍጣራት፡ ወይውን ብስነፍጥረታዊ ፍልልያት ኣብ ውሽጥን ኣብ መንጎን ፍጣራት ክዕቀን ይኽእል።

ብዝሐዓመታዊ፥ ኣብ ስነተኽሊ፡ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝዕምሩ ተኽሊ ዘበለ ኢዩ። ብዙሕሳዕ ብዝሐዓመታውያን ኣትክልቲ ደጊሞም ይዕምብቡ።

ተመላላእነት፥ ኣብ ስነሂወት፡ ኣብ መንጎ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጣራት ሂወት ዝኽሰት፡ ንኽልቲኦም ዝጠቅም፡ ንዝዀነ ካብኣቶም እውን ዘይጐድእ፡ ኣርባሒ ዝምድና ኢዩ።

ተኽሊ፥ ሴሉሎስ መናድቕ ዋህዮ ዘለዎ፡ ብገዛእ ርእሱ ክንቀሳቐስ ዘይክእል፡ ኣብ ሓመድ ወይ ማይ ዝበቝል፡ መብዛሕትኡሳዕ ጽማረብርሃን ዘካይድ፡ ብዙሐዋህዮኣዊ እጽዋታዊ ህዋሰኛ ኢዩ።

ትርኣስዕምባባ፥ ካብ ዕምባቤ ትሕት ኢሉ ዝርከብን ከም መከላኸሊ ኰይኑ እውን ዘገልግሎ ዝተለወጠ ቈጽሊ ወይ ቈጽሊመሰል ክፍለኣካል ተኽሊ ኢዩ።