ሕርሻዊ ስነፍልጠት ኣዚዩ ሰፊሕ ብዝሐትምህርታዊ ዓውዲ ስነፍልጠት ሂወት ኰይኑ፡ ንመስርሓት ሕርሻ ክንርድኦን ብዝበለጸ ኣገባባት ሕርሻ ከነካይድን የኽእለና። ምስ ምፍራይን ምክንኻንን ኣትክልትን እንስሳታትን ዝተኣሳሰሩ ምህሮታት ዝሓቘፈ ኢዩ። ኪኢላ ሕርሻዊ ስነፍልጠት “ስነፍልጠተኛ ሕርሻ” (ብዙሓት “ስነፍልጠተኛታት ሕርሻ”) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሕርሻዊ ስነፍልጠት ጥዕና መሬት ብምሕላው ዝህቦ እቶት የበርክት፡ ምህርቲ ኣትክልትን እንስሳታትን የሰስን፡ ንብባልዓት፡ ሕማማትን ምብልሻውን ዝስዕብ ጥፍኣት ይከላኸል፡ ከምኡ፣ውን ሃልኪ ጉልበትን ጸዓትን የጉድል። ሕርሻዊ ፍርያምነት ብትግባሬ ስነፍልጠታዊ ሜላታትን መካወንያታትን ኣብ ሕርሻ ብዘገርም መንገዲ ተለዊጡ ኢዩ። ብዘይስነፍልጠት ኣብ ዝካየድ ሕርሻ፡ ኣብ ጽቡቕ ምህርቲ ኣትይሉ ዝበሃል ዓመት፡ ሽዱሽተ ሰባት ንባዕሎምን ንኣርባዕተ ተወሰኽቲ ሰባትን ንዓመት ዳርጋ ከጻንሖም ዝኽእል መግቢ የፍርዩ። ስነፍልጠትን ስነሞያን ዝጥቀም ሓደ ኣሜሪካዊ ሓረስታይ ግና ንልዕሊ ሚኢቲ ሰባት ንዓመት ክቕልብ ዝኽእል ምህርቲ ይሓፍስ።

ክፋላት ሕርሻዊ ስነፍልጠት

ብመሰረት ዘድህብሉ መዳይ ሕርሻ፡ ዓውደትምህርታት ሕርሻ ብሓፈሽኡ ናብ ሽዱሽተ ምድባት ክኽፈሉ ይኽእሉ። ንሳቶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

ስነፍልጠታት ሓመድን ማይን (soil and water sciences)

እዚ ክፋል ሕርሻዊ ስነፍልጠት ኣብቶም መሰረት ሕርሻ ዝዀኑ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ሓመድን ማይን የድህብ። ብመንጽር ሕርሻዊ ጠቕሚ፡ ንኣፈጣጥራ ሓመድ፡ ትሕዝቶን ባህርያትን ሓመድ ወ ማይ፡ ከምኡ፣ውን ካልኦት ኣብ ፍርያምነት ሓመድን ጥዕና ማይን ኣገዳስነት ዘለዎም ረቛሒታት የጽንዕ። ዓበይቲ ዓውድታት መጽናዕቱ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

  • ስነምድሪ ሓመድ (soil geology) – ንጽልዋታት ስነምድሪ ኣብ ዓይነትን ትሕዝቶን ሓመድ ይምርምር።
  • ስነቀመም ሓመድን ማይን (soil and water chemistry) – ንጥረነገራት ሓመድን ማይን ይፍትሽ።
  • ስነነገር ሓመድን ማይን (soil and water physics) – ንስነነገራዊ ባህርያትን ዝምድናታትን ሓመድ ወ ማይ የጽንዕ።
  • ስነሂወት ሓመድ (soil biology) – ኣብ ሓመድ ንዝርከቡ ሂወታውያን ከምኡ፣ውን ኣብ ሕርሻ ዘለዎም ጽልዋ ይምርምር።
  • ከይዲ መሬትን ማይን (land and water management) – ጥዕና፡ ኣርባሕነት፡ ከምኡ፣ውን ቀጻልነት መሬትን ማይን ዝረጋገጸሉ ኣገባባት የጽንዕ።

ስነፍልጠታት ተኽሊ (plant sciences)

እዚ ክፍሊ ሕርሻዊ ስነፍልጠት ኣብ ምርዳእ፡ ምፍራይን ምክንኻንን ንደቅሰብ ዘርብሑ ኣትክልቲ የተኩር። ንኸምዞም ዝስዕቡ ዓውደትምህርትታት ዝበሉ ዝሓቘፈ ድማ ኢዩ፦

  • ተግባራዊ ስነሰብነት ተኽሊ (applied plant physiology) — ንዕማማትን መካወንያታትን ኣትክልቲ ብመንጽር ተግባራዊ ኣገዳስነቶም ይምርምር።
  • መኣዛ ተኽሊ (plant nutrition) — ኣትክልቲ ንኻዓብዩን ንኽፋረዩን ዘድልይዎም መኣዛታት የጽንዕ።
  • ስነፍጥረትን መውልዶን ተኽሊ (plant genetics and breeding) — ንኣፈጣጥራን ኣወሳስባን ኣትክልቲ የጽንዕ።
  • ስነፍልጠት ዘርኢ (seed science) — ንቑመናን ባህርያትን ዘርኢ፡ ካብ ጽግእነት ጀሚሩ ክሳብ ሓድሽ ተኽሊ ዝዀነሉ፡ የጽንዕ።
  • ከይዲ እኽሊ (crop management) — ንኣበቛቝላ፡ ጥዕናን ምህርትን ኣእካል ንምብርታዕ፡ ካብ ምዝራእ ጀሚሩ ክሳብ ምሻጥ ኣእካል ዘሎ መስርሓት ዝሽፍን፡ መርሓጥበባዊ ውጥንን ትግባሬን ሕርሻዊ ስርሓት ኢዩ።
  • ስነሕማም ተኽሊ (plant pathology) — ንሕማማትን ዘይምርግጋእን ኣትክልቲ፡ ጠንቅታቶም ከምኡ፣ውን ኣፈዋውስኦም ይምርምር።
  • ስነከባቢ ተኽሊ (plant ecology) — ኣትክልቲ ምስ ከባቢኦምን ምስ ሓድሕዶምን ዘለዎም ርክባትን ዝምድናታትን ይምርምር።
  • ስነፍልጠት ጻህያይ (weed science) — ባህርያትን ኣተኣላልያን ኣብ ሕርሻ፡ መጋሃጫ፡ ዱርን ካልኦት ዝካየዱ ቦታታትን ዝርከቡ፡ ዘይድለዩ ኣትክልቲ የጽንዕ።
  • ሓለዋ ተኽሊ (plant protection) — ብዛዕባ ንኣትክልቲ ዝጓድኡ ባልዓት፡ ሕማማትን ጻህያይን ንምክልኻል ወይ ንምእላይ ዝግበሩ ዕዮታትን መርሓጥበባትን ይመራመር።

ስነፍልጠታት እንስሳ (animal sciences)

እዚ ክፋል ሕርሻዊ ስነፍልጠት፡ ደቅሰብ ንምርባሕ ኣብ ምርዳእ፡ ምፍራይን ምክያድን እንስሳታት የድህብ። ንኸምዞም ዝስዕቡ ዝበሉ ዓውደመጽናዕትታት ዘካተተ ድማ ኢዩ፦

  • ተግባራዊ ስነሰብነት እንስሳ (applied animal physiology) — ንንጥፈታትን መካወንያታትን እንስሳታት ብመንጽር ተግባራዊ ኣገዳስነቶም ይፍትሽ።
  • መኣዛ እንስሳ (animal nutrition) — እንስሳታት ንኻዓብዩ፡ ንኽስሱኑን ከርብሑን ዘድልይዎም መኣዛታት የጽንዕ።
  • ስነፍጥረትን መውልዶን እንስሳ (animal genetics and breeding) — ንኣፈጣጥራን ኣወሳስባን እንስሳታት የጽንዕ።
  • ጠባይን ምቹእነትን እንስሳ (animal behavior and welfare) — ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ኩነት እንስሳታት ብምምርማር ድሓንነት እንስሳታት ይርዳእን የማሓይሽን።
  • ባዕለቤትነት እንስሳ (animal husbandry) — ንመፍረ፡ ኣተዓባብያን ክንክንን እንስሳታት ዘቤት የጽንዕ።
  • ስነከባቢ እንስሳ (animal ecology) — እንስሳታት ምስ ከባቢኦምን ምስ ሓድሕዶምን ዘለዎም ዝምድናታትን ርክባትን ይምርምር።

ሕርሻዊ ምህንድስና (agricultural engineering)

እዚ ሓባራዊ ጨንፈር ምህንድስናን ሕርሻን ኰይኑ፡ ንስነፍልጠትን ስነሞያን ህንደሳ ኣብ መዓላ ሕርሻዊ ስርሓትን መፍረን የውዕል። መኽንያት ናይዚ ከኣ ሕርሻዊ ዕዮታት ብዙሕ ምህንድስናዊ ብድሆታትን ጸገማትን ስለዝጐንፎም ኢዩ። ዓበይቲ ዓውድታት ሕርሻዊ ምህንድስና እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

  • ምህንድስና ሕርሻዊ መካወንነት (agricultural mechanization engineering) — እዚ ትግባረ መካወናዊ ምህንድስና ኣብ ጽላት ሕርሻ ኰይኑ፡ ኣብ ኩሉ ዕዮታት ሕርሻ ዘገልግሉ መካውኖታት ይፈጥር፡ የካይድን ይጽግንን።
  • ምህንድስና ሕርሻዊ ሓይሊ (agricultural power engineering) — እዚ ትግባረ ምህንድስና ጸዓት ኣብ ጽላት ሕርሻ ኰይኑ፡ ንሕርሻዊ መዓላ ዘገልግሉ መመንጨዊታትን መቐረቢታትን ዝተፈላለየ ዓይነት ጸዓት ይፈጥር፡ የካይድን ይጽግንን።
  • ምህንድስና ሓመድን ማይን (soil and water engineering) — ንኸም ስነምድራውን ስነማያውን ዓይነታት ምህንድስና ተጠቂሙ፡ ንሕርሻዊ መዓላ ዝውዕሉ ጸጋታት ሓመድን ማይን ንምክያድ ዘኽእሉ መካወኒታትን ስርዓታትን ይህንድስ።
  • ምህንድስና ቁመናታት ሰፈርሕርሻ (farm structures engineering) — እዚ ትግባረ ሰለማዊ ምህንድስና ኣብ ጽላት ሕርሻ ኰይኑ፡ ኣብ ምትላምን ምህናጽን ኣብ ሕርሻዊ መዓላ ዘገልግሉ ህንጻታት፡ ከም ኣባይቲ፡ መንገድታት፡ መዳጐኒ ጥሪት፡ መቐመጢ እኽልን ሓሰርን ዝኸውን ገበዛ፡ ወዘተ፡ ዝበሉ የድህብ።
  • ምህንድስና ሕርሻዊ ከባቢ (agricultural environment engineering) — እዚ ትግባረ ከባብያዊ ምህንድስና ኣብ ጽላት ሕርሻ ኰይኑ፡ ንምቁጽጻር ከባብያዊ ረቛሒታት ሰፈርሕርሻ ከምእኒ ርስሓት፡ ምቘት፡ ጠሊ፡ ኣየር፡ ወዘተ ዝበሉ ዘድሊ መካወንያን ስርዓታትን ይህንድስ
  • ምህንድስና ስርዓታት ድሕሪ-ዓጺድ (post-harvest systems engineering) — እዚ ንኸም ኤሌክትሮመካወናዊ፡ ስነቀመማዊ፡ ወዘተ ዝበሉ ፍሉይነታት ምህንድስና ኣብ ጽላት ሕርሻ ዘተግብር ኰይኑ፡ ኣብ ምፍጣር፡ ምክያድን ምጽጋንን ድሕሪ ዓጺድ ዘድልዩ ሕርሻዊ መካወንያታትን ስርዓታትን የተኩር።
  • ምህንድስና ስርዓታት ሕርሻዊ ሓበሬታ (agricultural information systems engineering) — እዚ ትግባረ ምህንድስና ሓበሬታ ኣብ ጽላት ሕርሻ ኰይኑ፡ ሕርሻዊ ሓበሬታታት ዝእክቡ፡ ዝዓቝሩን ዘቐብሉን ስርዓታትን መካወንያታትን ኣብ ምፍጣርን ምክያድን የተኩር።

ሕርሻዊ ስነላዕሊ (agricultural meteorology)

እዚ ክፋል ሕርሻዊ ስነፍልጠት ንስነላዕሊ ኣብ ጠቕሚ ሕርሻ ዘውዕል ኰይኑ፡ ንክስተታት ኩነተኣየር፡ ብፍላይ ድማ ምልውዋጦም ብግዜን ቦታን ኣብ ሕርሻ ተኽልን እንስሳን ንዘኸትሎ ጽልዋን ሳዕቤናትን የጽንዕ። ከምእኒ ዓይነት ደበና፡ ጨረርታ ጸሓይ፡ ምቘት፡ ጸቕጢ ሃፋ፡ ወ ጠሊ ዝበሉ፡ ገለ ካብቶም ኣዚዮም ወሰንቲ ዝምርመሩ ጠፈራዊ ረቛሒታት ኢዮም። ሕርሻውያን ስነላዕለኛታት ንጥረሓበሬታ ኩነተኣየርን ኩነተጠፈርን ኣብ ትንታኔ ሓደጋ ዋኒን ከምኡ፣ውን ኣብ ቅድመምንጋር ምህርቲ እኽልን ጥዕና እንስሳን ይጥቀምሉ።

ስነቁጠባ ሕርሻ (agricultural economics)

እዚ ክፋል ሕርሻዊ ስነፍልጠት ንስነቁጠባ ኣብ መዓላ ሕርሻ ዘውዕል ኰይኑ፡ ጸጋታት ብኸመይ ብዘይምብኻን ብኣድማዕነት ኣብ ምፍራይን ምክንኻንን እንስሳታት ወ ኣትክልቲ ክውዕሉ ከምዝኽእሉ፡ ከምኡ፣ውን ንዕድጊ፡ ኣበጻጽሓን ኣተሃላልኻን ሕርሻዊ ፍርያት የጽንዕ። እዚ ዓውዲ ንኸም ሕርሻዊ ገንዘብ፡ ውጥንተግባር፡ ዕድጊ፡ ከይዲ ሰፈርሕርሻን ንግዲሕርሻን ዝበሉ የጠቓልል።

ተወሰኽቲ ንባባት

Burkett, Charles William; Stevens, Frank Lincoln; and Hill, Daniel Harvey (1914) Agriculture for Beginners. Revised edition. Ginn and Company: Boston.

Waring, George E. (1854) The Elements of Agriculture. D. Appleton and Company: New york.

Popkova, Elena G. and Sergi, Bruno S. (2022) Sustainable Agriculture: Circular to Reconstructive. Volume 1. Springer Nature Singapore.

Popkova, Elena G. and Sergi, Bruno S. (2023) Sustainable Agriculture: Circular to Reconstructive. Volume 2. Springer Nature Singapore.

Dent, David and Boincean, Boris (2021) Regenerative Agriculture: What’s Missing? What Do We Still Need to Know? Springer International Publishing.

Plaster, Edward J. (2003) Soil Science and Management. Thomson/Delmar Learning.

Taiz, Lincoln et Al. (2022) Plant Physiology and Development. 7th edition. Oxford University Press.

Flanders, Frank (2012) Exploring Animal Science. 1st edition. Cengage Learning.

Herren, Ray V. (2019) The Science of Animal Agriculture. 5th edition. Cengage Learning.

Acquaah, George (2020) Principles of Plant Genetics and Breeding. Revised edition. John Wiley & Sons.

Singh, D. P.; Singh, A. K.; and Singh, A. (2021) Plant Breeding and Cultivar Development. Elsevier Science.

Genetics, Genomics and Breeding of Crop Plants series by various authors. Routledge & CRC Press.

Field, Harry L. and Roth, Lawrence O. (1992) An Introduction to Agricultural Engineering: A Problem-solving Approach. 2nd edition. Taylor & Francis.

Marco, Pasquale De (2025) Advances in Agro-Industrial and Agricultural Engineering. E-book.

Cobbett, William (1833) Cottage Economy, to Which is Added The Poor Man’s Friend. John Doyle: New York.

Penson, John B. and others (2014) Introduction to Agricultural Economics. 6th edition. Pearson Education.

Earles, Richard (2005) Sustainable Agriculture: An Introduction. National Center for Appropriate Technology.

Campbell, John R. and Ekstrom, George F. Agricultural sciences – Soil, Crop, Animal.